“እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ!” ……. ብሽሻይ ገብረሃንስ

“እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ!” …….እንታይ ሒዙ፡ እንታይ ገዲፉ?


ከም ኣርእስቲ ገሊጸያ ዘለኹ ሓረግ፡ ነተን ብድሕሪ’ታ ዝሰዓባ ክልተ ሕቶታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ኽፍትሽ ደሪኻትኒ፡፡ ብዛዕባኣ ደጋጊመ ክሓስብንSAMSUNG ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከንብቦን ምስ ጀመርኩ ድማ፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ገሊጸዮም ዘለኹ፡ ትርጉማት፡ መረዳእታታት፡ እምነታት፡ ግምታትን ክውንነትን ገሊኦም ተተፈቲሎም ገለ ድማ ተተዘርዚሮም ክብተኑ ክኢሎም። “እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ፡” መልክዕን ኣበሃህላን ቀያይራ መዓልታዊ እትዝውተር ሓሳባት’ያ፡፡ ሓላፋይ’ዩ ሽግር፡ ዘይሓልፍ የለን፡ ጽባሕ ኩሉ ተቐይሩ ክንርእዮ ኢና፡ ክሓልፈልና እንድዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ሽግር ዘየሕለፈ? ብዝብሉ ሓጸርቲን ነዋሕቲን ሓሳባት’ኳ ክትትካእ እንተተራእየት ብኣጠቓላሊ ክርእዮን ክርድኦን ከለኹስ፡ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ዘስምዕ ትርጉም’ዩ ዝህበኒ፡፡ ከም ኤርትራዊ፡ ሽግሩ ተወዲኡ እፎይ ክብል ዘይደሊ ዜጋ የለን፡ ኣብ’ቲ ናብ ሞት ዝተጸጋጋዓሉ ህሞት ከይተረፈ እዚስ ሓሊፉ’ባ ንርእዮ ንኸውን-ብምጥርጣር። ወይ ድማ ክሓልፍ’ዩ’ኮ- ብምትእምማን፡ ብምባል ነብሱ ከጸናንዕ በቲ ሓደ። ነብሱ ከዐሹ ድማ በቲ ካልእ ምርኣይ ንቡር’ዩ። ካብ ነብስኻ ጀሚርካ፡ መቕርብካን ኣብ ግዜ ሽግር ምሳኻ ዘለዉ  ሰባትን፡ ክሓልፈልና’ዩ ኢልካ ከተጸናንዖምን ከተበራትዖምን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣይኣቱን’ዩ፡ ካብ ምርባጽ ኮነ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ ሓጺር ስጉምቲ ከይወስዱ ብምባል፡ እቲ ካልእ ሜላ፡ ምዕሻዉ፡ ብምጥቃም ክትገትኦም ምፍታን’ውን ዝውቱር ተርእዮ’ዩ። መረዳእታን እምነትን ናይ’ቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ሰባት ንምብርታዕን ብተስፋ ንኽሰግርዎን ዝግበር ሃቐና ብምዃኑ ዝጽላእ ኣይምነበረን። መበገሲን ድርኺትን ናይ’ዚ ጽሑፍ ግና፡ ኪኖ’ዞም መሰረታውያን መረዳእታታትን እምነታትን ብምፍንታት፡ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ንዝብል ኣጸናናዒን ሓባባላይን ሓረግ፡ እንታይ ሒዙ እንታይ ከ ገዲፉ ይሓልፍ ኣሎ ንዝብል ክውንነታዊ ሕቶ ንምርኣይ’ዩ

 እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ፡ ካብ’ቲ ብቐዳማይ ደረጃ ግዳይ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ጉጅለ ሰባትን ብዓቢኡ ካብ’ቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ሕብረተሰብን ብተደጋጋሚ እንተተሰምዐት ዘገርም ኣይኮነን። ካብ’ቲ ውልቀሰብ ጀሚርካ እቲ ብእኩብ ኣብ ጸገም ኮይኑ ክሓልፍ’ዩ ብምባል ነብሱ ዘጸናንዕን ዝሓባብልን  ዜጋ፡ እቲ ሽግር፡ ሂወቱን ህይወት ኣሕዋቱን ለኻኺሙ እና ሓለፈ፡ ኣብ መንፈሱ ኣብ ሕልናኡ ኣብ ኣእምሮኡን ኣካሉን ዘይርሳዕን ዘይሓልፍን ስንብራት እናገደፈ ክነሱ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ እናበለ ዝህመል እንተኾይኑን እንተበዚሑን፡ ዓገብ! እቲ ዝሓልፍ እንታይ ሒዙን ገዲፉን ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስትባሃል የድልየካ ክትብሎ ትግደድ።

ከም’ቲ ብተደጋጋንሚ ዝተገለጸ፡ እቶም ኣብ ሲና ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ መግረፍቲ፡ ዝወረዶም ውሽጣዊ ኣካላት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ተተጓሕጒሑ ክዝመትን ክሽይጥን ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብምብእታዎም ጥራይ ነቲ ክሓልፍ’ዩ እናበሉ ዝሓለፍዎን ዘይሓለፍዎን ሽግር ክርስዕዎን ሓሊፉልና እናበሉ ክድሰቱን ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ዋላ’ኳ ናብ’ቲ ዝወሸጠ መንፈስን ኣእምሮን ብምህታፉ ንግዜኡ ብናይ መዓልታዊ ተርእዮታትን ተረክቦታትን ተዓብሊሉ ዝተረሰዐ እንተመሰለ፡ እቲ ኣብ ነብሱ ዝወረደ ሽግር ኣብ ካልእ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ወሪዱ ክሰምዕን ክርኢን ከሎ ዝፈጥረሉ ስምዒት ብምንባብ ጥራይ ካብ’ቲ ሽግር ከም ዘይተናገፈን እቲ ሽግር ከም ዘይሓለፈን ትግንዘብ። እቶም ብሳሃራ፡ ብማኣከላይ ባሕሪ ሰብን መንፈስን ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ገዲፎም ዝሰገሩ፡ ሽግርና ተወዲኡ እቲ ክሓልፍ’ዩ እንብሎ ዝነበርና ሓሊፉ ብምባል ደፊሮም ክዛረቡ ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ካብኡ እንተሓለፈ ካብ’ቲ ኣብ ድሕሪት እግሪ እግሩ ዝስዕብ ሓዉን መቕርቡን ስለ ዘይሓለፈ።

እቲ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ! ዝበሃል ዘሎ ሕማቅ እዋን፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ዝያዳ ዘድምጾን ዝጥቀመሉን ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኤርትራዊ እቲ ሽግር ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣምሲልካ ዝርኢ መንፈስን ሕልናን ዝዓብለሎ ይመስል። ስለ’ዚ ነቲ ዝሓልፎ ዘሎ ሽግር ንምሕጻሩ ዘበርክቶ እጃም ውሑድ ኮይኑ ንረኽቦ፡ ወይ ድማ ነቲ ሽግር ዝፈጠረ ስርዓት ንምእላዩ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ልኡም ተሳትፎ የርኢ። እቲ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ዝብል ስምዒት ምስ ካብ ሃገር ወጺእካ እትረኽቦ መስተርሆት ስለ ዘተኣሳሰርዎ’ዩ ይመስለኒ ነቲ ካብ ናይ ኤርትራ ገበል ኣምሊጥካ ኣብ ናይ ምድረበዳን ባሕሪን ገባብል ምትራፍ ከም መስርሕ ለውጢን ናብ ዝደለኻዮ ዕላማ ንምብጻሕ እትኸፍሎ መስዋእቲን እና ተቖጸረ መጺኡ።

እቶም ካብኦም ንስክላ ድሒኖም ኣብ ዓዲሰብ ኣለዉ እንብሎም ኤርትራውያን’ውን፡ ብዘይካታ ሩሖም፡ ምስቶም ኣብ ባሕሪ ዝተረፉ ብጾቶም ዝተረፈ መንፈሶም መዚንካን ለኪዕካን ሓሊፍሎም ክንብል ንኽእል ኣይመስለንን። ለይትን ቀትርን እናተራእይዎም ጌና ምስ ርቡሽ መንፈሶም ኣብ ልስሉስ ዓራት እንተደቀሱ ሽግሮም ሓሊፉ ክንብሎም ስለ ዘይንደፍር። እቶም፡ ሓደ ውልዶም ናብ ባሕሪ ሓንቲ ጓሎም ድማ ናብ ዓዲ ሰብ ዘእተዉ ስድራ’ውን ሽግሮምን ጭንቀቶምን ሓሊፉ ክንብሎ ዝከኣል ኣይኮነን? ሬሳ ወዶም ዘይቀበሩ ስድራ፡ ምዕጉርቲ ጓሎም ዘይሰዓሙ ቤተሰብ! ኣብ’ዚ ሃዋህው ገዲፍካዮ ንእትኸይድ ሕብረተሰብ ኣብ ባዕዲ ኲንካ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ኢልካ ከተጸናንዕን ከትሓባብልን ምፍታን ሃየንታ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር፡ ኣብ ኤርትራ ኮንካ ኣይፍታሕን ወይ ኣይሓልፍን ንዝብል መንፈስን መረዳእታን ዝሰብር ሓይሊ ኣተሓሳስባ ክፍጠር ስለ ዘይከኣለ ክሳብ ለይተ ሎሚ ሽግር ኤርትራን ኤርትራውያንን  ካብ ሃገር ብምውጻእ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሃገር ኲንካ ኣይሓልፍን ብምእማን ነቲ ክብረት ዘለዎ ሞት ብምሕሳም ኣብ ሰሃራን ባሕሪን ዝሞተ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን። ጅግንነት ፈጺምካ ንቡር ቀብሪ ካብ ምርካብ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ምጥሓልን፡ ብምብሕጓግ ውሽጣዊ ኣካላት ንዘጓንፍ ዘይንቡር ቀብሪን፡ ክሓልፍ’ዩ እናበለ ምእታዉን ምቕጻልን ዘዘውትር ዜጋ ጥዕና ዘለዎ ሰብ’ዩ ክትብሎ የጸግም።

እቲ  ኣብ ሽግር ዘሎ ውልቀሰብን ሕብረተሰብን እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ሽግር ንኽእለን ንኸኽትምን እንታይ ተራ ይጻወት፡ እንተሓቲትካን እንተተዓዚብካን ድማ ብዘይካ ውሑዳት እቲ ዝበዝሕ ኣብ  ምምራር፡ ስራሕ ሰብ ናብ ፈጣሪ ኣብ ምጽግጋዕ፡ ብዘይካ ካብ መንገዲ ተኣሊኻ ኣብ ጓል መንገዲ ግዜኻ ምብኻን፡ ብዘይካ ስምካን ስም ውድብካን ምጽብባቕ፡ ብዘይካ ልኡኽን ዕሱብን ጎረባብቲ ምዃን፡ ብዘይካ ነቲ ንስኻ እተስዕቦን እትመጦን ዘለኻ ሽግር ህዝቢ ሓቢእካን ከዊልካን ናብ’ቲ ፍሉጥ ስርዓት እናተዓቖብካ፡ ጉድለታትካን ጸገማትካን ምስቲ ፍሉጥ ዲክታቶር እና ኣወዳደርካ ሽግር ንኸይሓጽር እጃምካ ምብርካት፡ ነቲ ክሓልፍ’ዩ ዝብልዎን ዘማርሩሉን ግዜ ንኽሓልፍ ዘተግበርዎ ተጨባጢ ተግባር ኣየርኣዩን። እንተ ነታ  እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ እትብል ሓረግ ምድግጋም ኣየዕረፉን።

እተን ከም ኣርእስቲ ገሊጸየን ዘለኹ ነጥቢታት ብኹሎም ወገናት ዝድመጻን ዝደጋገማን’የን። በቲ ግዳይ ጉዕዞ ስደት ዝተተሓሓዞ፡ በቲ ደላዪ ፍትሒ ዝብል ውድብን ምንቅስቓስን፡ በቲ ህዝቢ ጸቒጡን ገቢቱን ሒዙ ዘሎ ስርዓት’ውን ከይተረፈ ብማዕረ ይስምዓ። በቶም ደገፍቱ’ውን።

እቲ ግዳይ ንርእሱ፡ እቶም ብስም ደለይቲ ፍትሒ ንዓሰርተታት ዓመታት ወሰን ወሰን ዝነበሩን እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝጥዕሞ ጨፍሊቑ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፍን ነቲ ክሓልፍ’ዩ ዝብል ሓረግን ሓሳባትን ካብ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ወጻኢ ንዕኦም ብዝጥዕሞም ክትርጉምዎ ስለ ዝረኣዩ፡  ካብ’ቲ ግዳይ ዝኾነ ውልቀሰብ ኣትሒዝካ ክሳብ’ተን ብጉጅለ ሰባት ቆይመን ዘለዋ ውድባት ነቲ ክኸውንን ክትግበርን ዝነበሮ ንጸጋም ኣወንዚፍካ ኣብ’ታ ክሓልፍ’ዩ እትብል ሓረግ ምዑቋብ ልሙድ  ገይሮሞ ይርከቡ።

እቲ መላኺ ስርዓት ብወግዓዊን ዘይወግዓዊን ኣገባባት ይተኣመን ኣይተኣምን ብዘየገድስ፡ እዘን ረጊጽናየን ዘለና 3-4 ዓመታት እንተሓሊፈን ገበላና መዓር ከንጠብጥብ’ዩ፡፡ ዝመጽእ ወለዶ ካብ ናትና ዝበለጸ ንኽነብር ኢና ንጽዕር ዘለና፡ ዝብሉን ካልኦትን ጎስጓሳት ክነዝሕ ንቡር’ዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ’ዘን ጌና ካብ ቃሉ ከይወጻ ዝሞታ ቃላት ተሞርኲሱ ተስፋ ክሰንቕ እንተተቐሲቡ ግና ኣብ ንቡር ኩነተ ኣእምሮ ኣሎ ንምባል ኣየድፍርን።

ንሕና፡ ካብ ዓማጺን ገባቲን ስርዓት ህግደፍ ከነናግፈካን ነዚ ሽግርን መግዛእቲን ነበረ ንኽንገብሮን ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብሉ ጎስጓሳት ድማ ካብ ደንበታት ደለይቲ ፍትሒ ምስማዕ ኣረብሪብዎ ይርከብ ህዝቢ። መወዳኣት ዘይብሉ ኣገልግሎት፡ ምስ መወዳኣታ ዘይብሉ ምፍንጫልን ምምቕቓልን ውድባት፡ ዋሕዲ መሰረታዊ ቀረባት፡ ምስ ዋሕዲ ምትእምማንን ምስምማዕን ውድባት፡ ምእሳርን ሃንደበታዊ ሞትን ኣብ ኤርትራ፡ ምስ ጸለመን ድስካለን ሓያላት ኣብነታውያን ኤርትራውያን፡ ብምምስሳል እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ንዝጽበዮን ንዝኣምኖን ሓርቢትዎ ኣብ ዕንይንይ ይርከብ። እቲ ክሓልፍ’ዩ ዝበሃል ዘሎ እምበኣር ብዘይካ ሕጊ ተፈጥሮ ኮይኑዎ፡ መዓልቲ ብመዓልቲ ዓመታት ብዓመታት ፍጻመታት ብኻልኦት ፍጻመታት  እና ተተኻኸአ ክሓልፍ ካብ ኤርትራውያን ንሽግር ኤርትራውያን ንምሕላፍ ዘነይት ተግባር ተራእዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሓት ንረብሓ ህዝቢ ድዩ ንወጽዓ ህዝቢ ኣንፈቱ ኣየነጸረን ዘሎ። ኣብ መጠቓለሊ ጽሑፈይ እምበኣር እዚ ሽግር ኣብ ግዜን ግብራዊት ዓለምን ተተርኢሱ ስለ ዝመጸ ከም’ቶም ኩሎም ዝሓለፉ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፍ’ዩ። እቲ ንሱ ዝገድፎ ዘሎ ስንብራት ንምቕናስ እቲ ንሱ ሒዝዎ ዝሓልፍ ዘሎ ትንፋስ ንምጉዳል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ዘለዎ ሓድሽ ሓይሊ ምፍጣር ወይ ምስራሕ የድሊ።

ስልጣን፣ ሓይሊ፣ ምልኪ፣ ጭቈና……ወዘተረፈ ብቦኹረ ገብረየሱስ

                ስልጣን፣ ሓይሊ፣ ምልኪ፣ ጭቈና……ወዘተረፈ              ቦኽረ ገብረየሱስ

     ስልጣን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትጐናጸፎ ወይ ክወሃበካ ይኽእል። ስልጣንን ሓይልን ድማ መኻይዲ እዮም። ንስልጣንን ሓይልን ኣልዚባ ክትኣስር ተኽእል22222 ገመድ-ፎሮ ግን ኣላ። ፈረንጂ ‘ዊዝደም’ ይብሉዋ። ናብ ትግርኛ እንክትመጽእ ብጥበብ/ብልሒ ትትርጐም ይመስለኒ። ብብልሒ ዝሰምር ሓይልን ስልጣንን ደሊኻ ክትረክብ ማለት ሕልሚ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓይልኻን ስልጣንካን ኣርኒብካ ምስካም ትስእኖም። ከም ፍቱሕ ማእዶ ብትንትን ይብሉኻ። እቲ እንኮ ነቓዕ-መውጽኢ ትኪ እምብኣር ምልኪ ጥራይ እዩ። ነንትሕቴኻ፣ ነንተሕምቖ ትመልኽ፣ ትድህኽ።

ሃገር ዝመርሑ ሰባት መለኽቲ ምዃኖም ንመን’ዩ ዝገርሞ፧ እንታይ ድኣ ክዀኑ- ካበይ ድዮም በቚሎም፧ ካብቲ ዝመልኩዎ ዘለዉ ሕብረተሰብ ዶ ወይስ ካብ ሰማይ ነጢቦም-ከም መላእኽቲ፧ መን እዩ ምልኪ ዘይብህግ፧ ብቘልዑና ንኽንደይ ጸፊዕናን ብኽንደይ ተጸፊዕናን ( ገለ ፍጥር ክብሉ ዝሩጋት ገዲፍካ፧) ሓደ ህጻን ኣብ ግዜ ህጻንነቱ ክንደይ ሚእታዊት ካብ ድሌታቱ ብምርጫኡ የዕግብ፧ እቲ ዝተረፈ መን ይመርጸሉ፧ ስለምንታይ፧ እዚኣቶምን ካልኦትን ሕቶታት ክርድኡኒ ኣይክእሉን፣ ክርድኡኒ ውን ኣይደልን። ኣብ ሳርማ ርድኢት ዘሎ እልቢ ሓተላ ናይ ምሕጻብ መደብ የብለይን። ከከም ርድኢትና ኢና ንነብር። ኵሉ ነገር እናተረድኣኒ ብዝኸደ መጠን ግን ዝሓስቦን ዝጽሕፎን ውን ክስእን ስለዝኽእል እየ ንዘይርድኣኒ ዝያዳ ክብሪ ክህብ ዝፍትን።

ካብ ዓዲ ቐይሕ ናብ ኣስመራ ክጓዓዝ ለይቲ ምድሪ ትኬት ናይ ኣውቶቡስ ቈሪጸ። ከባቢ ሰዓት 5፡30 ወጋሕታ ድማ ጕዕዞ ተጀሚሩ። ወርሓቱን ዓመቱን ብልክዕ ኣይዝክሮን። 21 ክፍለ-ዘመን ምዃኑ ግን ርግጸኛ እየ። ብዝዀነ ብሓራስ ነብሪ እናተወንጨፍና ንቝርሲ ኣብ ዓዲ ሓዲድ ኣዕሪፍና። ብዘይ ንሱ መንሽማ ውን ምሳይ ስለዝነበረት ብሩኽ መንገዲ እዩ ነይሩ። 

ኣብ ውሽጢ ዝተፈቕደልና ግዜ ቈሪስና ቦቦታና ሒዝና። ኣብ ቅድመይ ኮፍ ዝበላ ዓባይ ኣደ ነይረን። ወዲ ወደን ወይ ወዲ ጓለን ዝመስል 10 ዓመት ዘይመልእ ቆልዓ ውን ምስአን ነይሩ። ምስ ተጓዓዝቲ እና ተዳፍአት ቈሎ ትሸይጥ ቈልዓ ብድሕሪት መጺኣ ክገዝኣላ ተማሕጸነትኒ። ብዘይ ብቂ የውዕለኒ እዩ ዝበልኩዎ ሕፍንቲ ገዛእኩ። ሕሳባ ብእዝሃብኩዋ ናብ’ተን ኣደ ኣምርሐት። እቲ ቈልዓ ቈሎ ሃሪፉ ቀባሕባሕ በለ። ንኽገዝኣሉ ድማ ብድፍረት ኣዚዙወን። ንሰን ግን ኵሉ ተሳፋራይ ክሳብ ዝሰምዐን ብዓውታ ከምዚ ክብላ እየን ገሲጸናኦ። “የዋርድካ!!! ሸውዓተ ወለዶና’ኳ ቈሎ በሊዕና ዘይንፈልጥ፤ ኮፍ በል…….ድሁል!” ዝገዛእኩዎ ቈሎ ኣብ ኢደይ ከሎ ደሪቐ። ሞራል ናይ’ታ ርሂጻ ትነብር ህጻን ከሕስበኒ ነይሩዎ። ግን ሕጂ እዩ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ። ሞራለይ ግን ሽዑ እዩ ብቕጽበት ቀምሲሉ። ነቲ ቈሎ በመስኮት ድፍኣዮ መጺኡኒ። ጸኒሐ ድማ ነተን ኣደ (ኣዴኹም ኣይኹና) ብዓይኒ ጽልኢ ተመልኪተየን። ነቲ ቈሎ ገዲፍካ ንዐአን ድፍኣየን ዝብል ፋሽሽታዊ ምጕት ንደቓይቕ ብሒቱኒ። ኵሉ ገዲፈ ግን ዓንጾ-ዓንጾ ንቘሎይ ኣድራጋ እናቘርጠምኩ መንገድና ቀጺልና። ሕነይ ንምፍዳይ ግን ነቲ ንኽብሪ ወለዶኡ ቈሎ ከይበልዕ ዝተዀነነ ህጻን ኣስዲዐ ከርክሶ ከም ዘሎኒ ወሰንኩ። ዓይነይ ጸቓቒጠ ናባይ ከም ዝመጽእ ብምግባር ከኣ ካብቲ ቈሎ ኣጥዒመዮ። ኣዲኡ ‘ኣዋሪድካኒ’ባ’ ብዘስምዕ ሓንሳብ ኣፍጢጠን ካብ ምጥማት ሓሊፈን ምንም ኣይበላን። መንሽማ ውን ብግዲኣ ንዘቕረብኩላ ናይ ቈሎ ግብጃ ተሓሲማቶ እያ። እቲ ቈልዓ ግን ልዕሊ ዝተጸበኹዎ እዩ ድዒኹዎ-ምጽውዐይ ክሳብ ዘጣዕሰኒ።

ሸውዓተ ወለዶ ነቓኒቑ ዘገንፍል ጣቋ ናይ’ተን ሰበይቲ ግን ዕረፍቲ ኣይሃበንን። ትርኢተን ብዙሕ ዘመክሕ ይመስል ኣይነበረን። ንኣብነት ሽፎነን ብቕናተን ተሳሒቡ፣ ብታሕቲ ክልተ በበይኑ ሕብሪ ዘለዎ ቀምሽ ውሽጠን እርእዮ ነይረ። ብመሰረት ኣዘራርባአን ግን ፍልጠት ከም ዝሓጽረን ተገንዚበ። ርእሰን ሓፊስ ልኻይ ካብ ምልሕጓጽ ሓሊፉ፣ ሓንቲ ንጣብ መረቕ ኣፍልጦ ጥብ ኢላታ ከም ዘይትፈልጥ ውን ኣብ ምርድዳእ በጻሕኩ። ፍጥር ካብ ዝብላ ጀሚረን፣ ብወለዶታተን ዝጀመረ ቃልሲ ኣበርቲዐን ብምቕጻል፣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፍልጠት ምሉእ ብምሉእ ሓርነተን ዝተጐናጸፋ መሲለን ተራእየናኒ። ከምኡ ገይሩ ብድፍረት ዘዛርብ ግን ገለ ዝተኸወለኒ ምስጢር ከይህልወን ኣፈናዊ ተፍትሽ ኣካየድኩ። ከምዚ ከማይ ጓል ሸውዓተ’ቕሽቲ ዘይኰነስ፣ ጓል ሸውዓተ መሳፍንትን ነገስታትን ክዀና ከም ዝኽእላ፤ እዚ ማለት ድማ ኣጐስማ ንጉስ ሰሎሞን፣ ኣብ ሻሙናይ ወለዶ ውን ጓል ሓትንኡ ንክርስቶስ ምዃነን ገመትኩ። ድሕሪ’ዚ ኵሉ ኲናት ግን ንሰን ዘዕበያኦ ውላድ ገለ ትካል ወይ ቤት ጽሕፈት ይመርሕ ከይህሉን እቲ ምስአን ዝነበረ ቈልዓ ዝተባህሎ ዘይሰምዕ ሕንጊድ ክኸውንን ናብ ፈጣሪ ብልቢ ጸሎተይ ኣዕሪገ ተዓረቕኩወን።

ናይ ሓይልን ምልክን መንጸሮር ኣብ ሃገርና ዘይኰነስ ኣብ ውሻጠና እዩ ክህሉ ዘለዎ። በብዓቕሙ ንሓይሉ ዘይጥቀመላ ሰባ ኣሎ ምባል ሓጥያት’ዩ። ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትን ናይ ግሊ ትካላትን ንረኽቦም ሰባት ንጋሻ ከመይ የአንግዱዎ፧ ብገለ ስራሕ ንሓደ ሓላፊ ኣብ ትረኽበሉ ኣጋጣሚ፣ ብጠባይ ናይ ስርሑ ድዩ ዝሰምዓካ ብውልቃዊ ጠባዩ፧ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ተቘጺረን ዝሰርሓ ኣሳሰይቲ፤ ምቕልል ኢለን ‘እንታይ ክእዘዝ’ን ተገቲረን ‘እንታይ ክሰምዓካ’ን ምባል መኣስን ንመንን ከም ዝጥቀማሉ ኣንዳዕዲዐን ኢየን ዝፈልጣ። ኣብ ሳዋን ካልኦት መደበራትን ክንደይ ኣእዛን ተዓለምቲ ብጽፍዒት ተቐዲዱ፣ ክንደይ ኣእጋር ተሰይሩ፣ ኣብ ዝባንና ክንደይ ጊንድዐ ተኸርቲሙ፧ (ብወገነይ ኣብ ሓንቲ ቅጽበት ሰለስተ ጊንድዐ ሰቢረ-ኣብ እዋን ስራሕ (ጸጸር ምእራይ) ማይ ክሰቲ ስለዝተረኸብኩ) ነዚ ኵሉ በደል ዘውርድ ጠባይ ናይ ታዕሊም ድዩ ወይስ ሰናይ ተበግሶ ናይ’ቲ ዓላማይ እዩ፧ ኣፍልጦ የለን ምባል እኹል ምኽንያት ኣይመስለንን። ሰብ ኣፍልጦ ኸ ጥዕናኦም ምሉእ ድዩ፧

ካምፓስ ምስ ኣቶና ኣብ ፍረሽማን ‘ኬምስትሪ’ ዝሓዘና መምህር ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ፣ ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ሓደ ካባና ሕቶ ክሓትት ደልዩ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ። ነገር ፍረሽ ደምባር ከኣ “ትቸር” ኢሉ ምስ ጀመረ መምህረይ ኰሊፉዎ። “ኣነ ናይ ሻሙናይ ክፍሊ መምህርካ መሲሉካ ‘ትቸር’ ትብለኒ፧! ካበይ እዮም መጺኦምና በጃኻ! ቀጽል ሕጂ ሕቶ’ንተ’ለካ።” ድሕሪት ኮፍ ኢለ ስለዝነበርኩ ንማንም ከይሓተትኩ እታ ክፍለ-ግዜ ምስ ተዛዘመት ምሉቕ ኢለ ተዓዘርኩ። ንኽኢላታት ድማ ተወከስኩ (ንሲኔርስ።) ‘ሰር’ ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ድማ ተነግረኒ። ዶክተር ውይ ልዕሊኡ እንተዀይኖም ውን ከከም ማዕርጎም። ንፕሮፈሰር ‘ዶክተር’ ኢልካ እንተ ጸዊዕካ፣ ወይ ድማ ንዶክተር ‘ሰር’ እንተ’ልካ ውን ናቱ መዘዝ ኣለዎ። ብደረጃ ተርእዮታት እዩ ግን ኵሉ።

ናይ ዓምና ሰር እያ ነይራ። ንሳ ውን እንድዕላ። ካብኡ ንላዕሊ እቶም ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ኬምስትሪ ዝመሃሩኒ ኳዕናን መምህረይ ይነፍዑ-ብኽልተ ኢድ። ንሱ ግን ክሳብ ዘቋርረና እዩ ድሂሉና። ምልኪ።

በዚ ኰነ በቲ ናይ ስራሕ ዕድሉ ዘውሓሰ በዓል ጸጋ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ይቘጽር – ደቁን ሰበይቱን ሃፈጽታ ሓውን ጐንፊ ክሽነን ከይለኽየን መታን። ምዝመዛ ዕሱል’ዩ። ስማ ድማ ‘ሰራሕተኛ’ ዘይኰነስ ‘ሸቃሊት’ እዩ። ክልቲኡ ትርጉሙ ሓደ እዩ፣ ቅኒቱ ግን በበይኑ።

ኣብ ኣሃዱታት ምክልኻል ተቘጺራ ንትሰርሕ ጻዕራም ዜጋ ውን እዚ ‘ሰራሕተኛ’ ዝብል ክብሪ ይንፈጋ። እቲ ናብ ኲናትን ጕዕዞን ካልእን ወፊሩ ዘይክእል ስኑፍ፣ ፈላጺ ዕንጸይቲ ከይተረፈ ብልዑል ሓበን ‘መጋቢት’ ኢሉ እዩ ዝጠቕሳ። እዘን ሰባት እዚኣተን ግን ብረሃጸን ምስ ክብረን ዝነብራ ለዋሃትን ፈቃራትን እየን። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ 2007፤ ኣብ ሳዋ፣ ፍትሒ ሴፋ መዚዛትሉ ንዝተጐድአ መሳርሕትና (መምህር) ካብ ማህጸነን ዝወጸ ብዝመስል ኣዝዩ ንቡር ወግዒ ዝቐበራኦ ንሳተን ነይረን። እተን ማንም ብዝኽእላ ብደዐ መጋቦ ተባሂለን ዝጽዋዓ ንጹሃት ኢርትራውያን። (ኣዴታትና ንምንታይ ዲና ሕልፊ ነፍቅረንን ንጸውየለንን – ኣብ መልሓስና ተሰትዩ እናተረፈ’ምበር!!!) እቲ ካልእ ግን ንፍርህን ቃልዓለምን ምስሉይነትን ዝተኣከበ እዩ ነይሩ። መምህራን ኢድና ጠዊና፣ ፈዚዝና። እቶም ፍትሒ ነፊጎም ንሞት ዘብቅዑዎ ድማ ሓመድ ምስ ለበሰ ኣኽሊል ዕምባባ ኣቐሚጦምሉ። ኣብ’ታ ህሞት ድማ ኵሉ መምህር፣ ብዘይ ትእዛዝ ንብዓቱ ክዕዩዎ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ፐሮፈሰር መስፍን ወልደ ማርያም ምስ መኣዛ ብሩ (ትጥቀስ ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ) ዝገበሩዎ ሰፊሕ ቃል መሕትት ልቢ ሂበ ተኸታቲለዮ። “ሕጂ ኸ ጭቈና ተሪፉ ዶ ትብሉ ፐሮፈሰር፧” ንዝመስል ሕቶ ዝሃቡዎ መልሲ ብሓርፋፍ ትርጉም ከም’ዚ ነይሩ። “ከመይ ቢሉ ክተርፍ ኢልኪዮ። ጨቋንን ተጨቋንን ከይተፋትሑ ጭቈና ክተርፍ ኣይክእልን እዩ። እዚ ሕብረተ-ሰብ ድማ ኵሉ ጨቋኒ እዩ። ኣብ ደገ ክጭቍኖ ዝኽእል ዕድል እንተ ስኢኑ ኣብ ገዛ ንሰበይቱ እናጨቈነ ይነብር። ስለዚ ጨቋኒ ጥራይ ዘይኰነ፣ እቲ ጭቈና ዝለመደ ከፋል እውን ኣተሓሳስባኡ ክልውጥ ኣለዎ።” ኣኸለ። ብዛዕባ ጭቈና ልዕሊ’ዚ ምዝራብ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን።

ብውሽጣዊ ቀዝሒ ዘሕገብግብ ሰብ፣ ካቦት ዕስለን ጕጅለን ክድርብ ባህርያዊ እዩ። ዕስለን ጕጅለን ክሳብ ዘሎ ድማ ወትሩ ሓይልን ግጭትን ኣሎ። ዝዀነ ዓይነት ጕጅለ መሳርሕን መተግበርን ረብሓ ናይ መሕገብገብቲ እዩ። እሞ ድማ ኣሚንካ ትቕበሎ ምዃኑ ተሪፉ፤ ተማሂርካ፣ ተመኺርካ፣ ተሰቢኽካን ተደሊልካን። ህዝቢ ዓለም ተላዚቡን ተወሃሂዱን ክነብር ስለዘይከኣለ’ኮ ጐጐጆኡ-ሃሃገሩ ሓንጺጹ ጸኒሑና። ንሕና ውን ዋላ ንደንጒ’ምበር ከም ሰብና ብጽሒትና ሒዝና። ስድራ-ቤት ትባሃል ንእስቲ ጕጅለ’ላ ሃገር ድማ ዓባይ ጕጅለ። ክልቲአን ኣዝየን ኣገደስቲ። እቲ ኣብ ሞንጎ ዘሎ፣ ንኻልእ ቅዱስ ዕላማታት ዝተሃንጸ ኣጓዱ ናብ ድፋዓት ቀይርካ ኣብ ዘይመዓላኡ ምውዓል ግን ጣቋ የብሉን። ሃገርና ብዘይ ንሱ ሓንቲ ቃጽዖ እያ፤ ህዝብና ድማ ቍንጣሮ።

ክበልዑኻ ብዝደለዩ እዮም ‘ናተይ’ ዝብሉኻ። ከም ርስቶም ድማ ይውንኑኻ። ሓንሳብ ይቐልዉኻ ጸኒሖም ይጥጥቑኻ። ናይ ማንም ዘይምዃንካን ምስ ኵሉ ምዃንካን ዝነበረካ ባህጊ ኣብ ኢድካ ይመውት። እቶም ‘ናተይ’ ዝበሉኻ ሸቶኦም ምስ ወቕዑ ‘ነዴኻ ማይ ውረደላ’ ይደግሙኻ። ዕሽነትካ ንጹህ ስለዘይገብረካ ተጻባእቲ ተብዝሕ፣ እና ተሸቝረርካ ትነብር። ሰብ ምእማን ትስእን። ከልቢ ተጥሪ።

ድሙን ከልብን እንስሳ ዘቤት ክዀኑ ኣይነበሮምን። ድሙ ሕማቕ ካብ ምርኣይ ምተገላገለ፣ ከልቢ ድማ መግዛእቲ ናይ ሰብ ኣይመረኻኸበሉን። ድሙ ናቱ ዓለም ኣለዎ። ኣንጭዋ እያ ተገድሶ’ምበር ብሓደራ ዝሕልዎ ገዛን ጥሪትን የብሉን። ዶብ የብሉ ባርነት ኣይኣምን። ኣብ እግሪ መኣዶም ደጋጊሙ ኛም…..ምባሉ ፍቕሪ እዩ ለሚኑ’ምበር ጭራም እንጀራ ብሂጉ ኣይመስለንን። ካብ ሰብ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣብ ዓራት ምድቃስ ጥራይ እያ። ካብኣ ውን ብኽሳዱ ሓኒቖም ክሽንጕጉዎ ከለዉ ይምለስ እምበር ኣይቍጣዕን። ንሰብን ከልብን ዘመሳስሎም ነገራት ግን መቝጸሪ የብሉን። ሊቃውንቲ ንሰብ መልክዑ ርእዮም ‘ዓሌት ህበይ’ዩ’ ኢሎሞ’ምበር ኣነስ ሰብ ናይ ከልቢ ዘርኢ ከይህልዎ ምሒር እጠራጠር። “ጭብጢ ኣቕርብ” ከይበሃል ግን ካብ ዘመሳስሎም ውሑድ ክጠቅስ።

ሓደ፦ ክልቲኦም (ከልብን ሰብን) ብነብሶም ስለዘይተኣማመኑ ብዕስለ ምንቅስቓስ የዘውትሩ። ጥርናፈኦም ግን ቀጻልነት የብሉን። ገለ ውዳቕ እንተ ረኺቦም ብስስዕትን ረብሓን ሓድሕድ ይናኸሱ። ድሙ ግን ብብዝሒ ንበይኑ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ክልተ፦ ሰብን ከልብን ዋናኦም ዝበሎም ሰላሕ ኢሎም ይፍጽሙ። ዕጥይጥይ እንተይሎም ከኣ ይስለቑ። ድሙ ግን ኣብ ትእዛዝ ኣይኣምንን።

ሰለስተ፦ ምስ ሰብን ከልብን ንብረት ብሓደራ ምስ ተቐምጥ፣ ብጥዕናኡ ክጸንሓካ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ። ድሙ ግን ንዝጠፍእ ንብረት ተሓታቲ ከም ዘይከውን ኣቐዲሙ እዩ ዝሕብር።

ኣርባዕተ፦ ሰብን ከልብን ኣብ ህዝባዊ መንገድታትን መናድቕ እንዳማቶምን፤ እግሮም ጢል ኣቢሎምን ተጋሕቲኖምን ይሸኑ። ድሙ ግን ከም’ዚ ዓይነት ጽዩፍ ልማድ የብሉን።

ሓሙሽተ፦ ከልቢ ኣብ ዝተአስሮ ገዛ፣ ካንቸሎ ምስ ትዅሕኵሕ ከልብን ሰብን በብተራ ‘ዉሕ: መን: ዉሕ-ዉሕ: መን ኢኻ’ ብምባል ዓቕልኻ የጽብቡልካ። ድሙ ግን ኣብ በሪኽ ተሰቒሉ ነቲ ድራማ ብኣንክሮ ይዕዘቦ።

ሽዱሽተ፦ ሰብን ከልብን እንክድቅሱ ምዅርማይ የዘውትሩ። ድሙ ግን ኣርባዕተ መሓውሩ ዘርጊሑ፣ ብዘይ ራዕዲ ኣብ ዝተበረሆ ሜዳ ለጥ ይብል።

ሸውዓተ፦ ሰብን ከልብን ምስጢር ዘይዕቅቡ ፈስፋሳት ፍጡራት እዮም። ድሙ ግን ከም’ዚ ዓይነት ሕሱር ባህርይ ኣይተዓደለን።

ሸሞንተ፦ ሰብን ከልብን፣ ክጸግቡን ክጠምዩን ፍልልይ የብሎምን። ምስ ጸገቡ’ኳ ይኸፍኡ፤ ኵሉ ክጥርፉ ሃረምረም ይብሉ። ድሙ ሓንሳብ እንተጸጊቡ ግን ምስ ዝሓለፈት ኣንጭዋ ክጋደል ዘባኽኖ ሓይሊ የብሉን።

ትሽዓተ፦ እዚ ኵሉ ኰይኑ ከብቅዕ ከልቢ ንሰብ ካብ ኣራዊት ኣይከላኸለሉን። ንርእሱ ስለዝፈርህ ኣብ ቀምሽ ክኣቱ ንእሽቶ ትተርፎ። ሰብ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ስእሊ መላእኽቲ ዘርጊሑ ይናዘዝ። ካብ መላእኽቲ ቀጥታዊ ምላሽ ከይበጽሖ ግን ድሙ ነቲ ተመን ድዩ ገበል ብቕርጡዋት ኣጽፋሩ ዘልዚሉ፣ ተበጥሪሙ ሓዘግ የብሎ።

ዓሰርተ፤ ዓለም ትሽዓተ ዘይትመልእ ዓሰርተ፡፡

እምብኣር ኣብ ዕስለ ወዲ ዕስለ ምእማን ጸኒሑ ናብ ከልቢ ክቕይረካ ይኽእል እዩ። ካብ ስድራ-ቤት ዝጥዕም ጥርናፈ ዘሎ ኣይመስለንን። ምስ ግዜን ስልጣኔን ድማ ንሃገር ናብ ቤተሰባዊ ጥምረት ምምጻእ ይካኣል። ሓድነት ይሰብኽ የለኹን። ካብ ዝጸልኦም ስነ-ሓሳባውያን ጽባቐታት ሓደ፣ ሓድነት ዝባሃል ዘረባ እዩ። ኣባላት ሓንቲ ስድራ’ኳ ‘ሓደ’ ክዀኑ ንጋዶ። ሓንቲ ነብሲ ግን ምስ ገዛእ ርእሳ ሓድነት የድልያ እዩ። ነብሰይ ዘፍቅር እንተዀይነ ውሽጣዊ ናጽነተይን ሓድነተይን ተጐናጺፈ ኣለኹ ንምባል ክደፍር እኽእል። ሽዑ ሓድነት ምስ ሓድነት ኣዋሲብካ ወሰን ዘይዓግቶ ፍቕሪ/ሓልዮት ተፍሪ። እናተመላላእካን እናተኸባበርካን ድማ ኣብ ማንም ምስ ማንም ትነብር። ሰብ ምስ ሰብ ብጥሪኦም ምስ ዝዋሰቡ/ዝድመሩ ግን እቲ ውጽኢት ዕስለን በለጽን ተንኰልን ዕንወትን ጥራይ እዩ። ተሰማሚዕካን ተወሓሒጥካን ዳኣ ትነብር እምበር ምስ ካልእ ሰብ ሓደ ዝገብረካ ሓሳብን መንገድን ፈጺሙ የሎን። ሕሰም ዝነግስን ለውጢ ዝምህምንን፣ ነብሱ ዘፍቅር’ምበር ዝጥርነፍ ሰብ ስለዝተሳእነ ኣይኰነን (ብናተይ ርድኢት።)

 ቦኹረ ገብረየሱሱ

ሕመቕ ዘንቀሎ ድጕዓ ብቴድሮስ ኣብረሃም

 ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ መንበር ኣውቶብስ ኣጕሲጠዮ። እቲ ኣብ’ቲ መንበር ብኾፉ ዝሕርንኽ ዝነበረ መንእሰይ፡ ሰንቢዱ ተበራቢሩ ክሳዱ ጠውዩ ጠሚቱኒ። ኣነ’ውን ሽዑ ምስኡ ሰንቢደ ተበራቢረ። እቲ መንእሰይ፡ እቲ ዘጋጠመ ሕልሚ ግዲ ኰይኑ ተሰሚዕዎ፡ ናብ ድቃሱ ተመሊሱ። ኣነ ግን ኣብ ህልም ዝበለ ሓሳብ መሊሰ ጋሊበ፣ ኣብ ጕዕዞ ኣውቶቡስ ወትሩ ብሓሳብ ጭልጥ ምስበልኩ’የ። መንቀሊ ተግባረይ መርሚረ ኣይወዳእኩን። ወስታታት ኣእዳወይ ከይተረድኣኒ ኣብ ገለ ሽግር ከይእትወኒ እምበር፡ ኣብ ኢደይ ንዝወርድ ሃስያስ ባዕለይ ዘምጻእኹዎ’ዩ ኢለ ምተቐበልኩዎ ነይረ። ቀንየሉ’የ፣ ከይተረድኣኒ ጣውላን መንደቕን ከጕስጥ። ምስ ኰነ’ዩ ዝርድኣኒ እምበር፡ ከይኰነ እንከሎ ንምውጋዱ ምፈተንኩ። መንቀሊኡ ሓሳብ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ጥርጣረ ኣሎኒ። ኣውቶቡስን ባቡርን ድማ ዳርጋ ካልኦት ገዛይ ኰነን ብምህላወን፡ ብሓሳብ ከይመጠቕኩ ዉዒለ ኢለ ንነብሰይ ዘተባብዓሉ መዓልቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ይመጽእ ይኸውን’ዩ ኢለ ኣይኣምንን።

ኣብ’ዚ ዓዲ ባዕለይ መኪና ክዝውር እንተ ጀሚረ ግን፡ ብሓሳብ ምስላል ከወግዶ እኽእል’ዶ፧ ብሰሩ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ብዙሓት መሓዙተይ ድህሪ ብዙሕ ፈተነ ዝሓለፉዎ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ብሓንሳብ ክሓልፎ እንከለኹ፡ ነቲ ግብራዊ ፈተና ግን ዘይተዓወትኩሉ። መርማሪ ንስቶክሆልም ዝወስድ ኣውራ ጐደና ተዓጸፍ ኢሉኒ ከብቅዕ፡ ነቲ መእለዪ ገዲፈ ሃፍ ኢለ ዝተመርቀፍኩ።
ይገርም’ዩ፣ ወላዲየይ ብሓደጋ መኪና ንሓዋሩ ካብ ዝተፈለየኒ መዓልቲ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናይ መኪና መርመራ ምግባርይ — ስጊንጥርነትን ባጫን ዝሓዘ ፍጻመ’ዩ ኰይኑኒ። መጥፍኢ ህይወት ኣቦይ ዝዀነት ሓጺን ፈሪሐ ንህይወት ርእሰይ ኣድኒነ ክገጥማ ዓይነ-ሕልናይ ኣይተቐበሎን። እዛ ገባሪት እከይ ዝዀነት ሓጺን፡ መዕበይተይን ህይወት ወላዲየይን’ያ ነይራ። ልዕሊ ክልተ ሲሶ ህይወቱ ብዘይካኣ ካልእ ነገር ኣብ ኣእምሮኣኡ ኣእትዩ ኣይፍልጥን። እሞ ብኣኣ ምጥፍኡ ኣፍቂራቶ’ዶ ክብል፧ ወይስ ከምዚ ኵሎም መጸናንዕተይን መሓዙተይን ዝብሉዎ፡ ‘ኣምላኽ ወዲኡዎ፣ ኣምላኽ ዝጸሓፎ’ዩ. . .’ እናበልኩ ነብሰይ ከዐሹ፧
እዞም ኣበሃህላታት ንሕቶታትይ ዝምልሱ ኰይኖም ካብ ዘይረኽቦም ሓጺር እዋን ኣየሕለፍኩን። ቍዛመ ሕልናይ ዘጠልቂ ንብዓት ኣይተረኽቦን። ከይድጕዕ፡ ሃይለ ቢዘን ዝደጕዓለይ እናዀምሳዕኩ ጥርዚ ዝበጽሐ ሃቐናይ ይርዅመሽ። ብሰሙኑ ነናሻዕ ኣናደገምኩ ኣብ መናድቕ ኣእምሮይ ዝሰመርኩዋ ድጕዓ ሃይለ ሕጂ’ውን ኣይገደፈትንን፤
ድጕዓ ስደት (ቍጽሪ 3)

1

መሊኸዮ ነይረ’የ ንብዓት ተኣኒንካ፡

ንጽል ድርብ ጀለምታ ተጠሊዕካ።

ሓቚፈ ዝረርዎ ምስና’ግረይ ረምታ፡
ንዓይ ኮይነ ንኻልኦት መሰነይታ።
ድምጽ’ውን ነይርዎ መታሓፍስቲ፡
ንቋደሶ ንቀባበሎ ምስ መቋዝምቲ።

2
ሓድሽ ብልሓት መሊኸ’ብዚ ዘለኹዎ፡

ተጎልቢበ ዘፍስሶ ኣንቃዕሪረ ዝኽዕዎ።
ግና ኣይከም ናይዓደይን ዘዋራዚ፡

ሕንኵኽ’ሉ ነጻፊ ተዘቊቑ ወሓዚ።
ህሩግ ዝብል ስግለት’ሎ መዐጠሊ፡
ዘርሞ ዘትርፈካ ከታሪ መንጣሊ።

እዞም ቃላት ሰርሲሮም ውሽጠይ’ኳ እንተ ኣተዉ፡ ከም’ቲ ባዕሎም መስኪሮምዎ ዘለዉ፡ መዐጠልቲ ዝበዝሑዎ ህላወይ ጠርዚ ኣብጺሑ ኣየወደኦምን። ነሲዖም ዘፍ ከብሉኒ ተመንየ፡ ባህጊ ኣምባሂቘ ተሪፈ። ከምቲ በየነ ሃይለ ዝብሎ ቈዘምቲ እምበር መላቐስቲ ብምውሓዶም፡ ኣሪስቶትል ዝብሎ ካተርሲስ ሕልሚ ኰይኑኒ።
ሓሳበይ ኣዚረ ንድሕሪት ምስ ጠመትኩ፡ እታ ቅርሲ ህይወት ቤት ማእሰርቲ ወላዲየ ዝዀነት መሰንቈ ተራእያትኒ። እቲ ሓባጥ ሕቖኣ ምስ’ቲ ልሙጽ ቡናዊ ኮምፔስታቶ፡ ነቲ ሓርፋር ህይወት እስሪቤት መመሊሱ ተጕልሓለይ። ምሸት ተዛንዩ ጥሪምሪም እናበላ፡ “ንጉሰ ንጉሰ”ን “ሃንስ ወዲ ዘሞ”ን ዝብላ ደርፊታት ክደግመን እንከሎ፡ ኣዒንተይ ኣብ’ተን ኣብ ቀላጽሙ ንሓዋሩ ዝተዀደማ በሰላታት ፊሮ ቤት ማእሰርቲ ዓሊበን ክፈዛ ትዝ ኢለናኒ። ብመግረፍቲ ቅርጾም ዝቐየሩ ኣጻፍሩን በሰላታት ዝፈጠሩ ከብዲ እግሮን ብቅብኣት መለስለሲ ሸቢጡ ንመዳቕሶ ክሓልፍ፡ እናነባዕኩ ኣብቲ ፈላልዩና ዝነበረ ሓጹር ቤት ማእሰርቲ ልጥፍ ኢለ ክሕቈፎ ክፍትን ቅጅል ይብለኒ። ንጭሕሙን ትካዘ ኣዒንቱን፡ እቲ “ልጁን ልቀቀው ባክህ” ዝብል ቀጢን ድምጺ ጓለንስተይቲ ፖሊስ ካብ ኣእምሮይ ኣይሓኸኾን። እዛ ቅርሲ፡ ከም የማነ ሓወይ መሊኸ ኣየዛረብኩዋን። ንሱ’ውን ቀዲሙ ብምሕላፉ፡ እዛ ቅርሲ ንሓዋሩ ቅርሲ እትዀነሉ ግዜ ፈጢሩላ።

ናይ ድሕሪት ጠመተይ ኣብ’ዚ ጥራይ ኣይሕጸርን። ንእመነተይ ኣብ ኰንቱነት ህይወት ከዊሑ ንሎሚ ብጥርጣረ ክርእያ ዳግማይ ማዕጾ ከፊቱለይ። ሞትን ህይወትን ሰብ፡ ብጸጸር ጸወታ ገበጣ ኣምላኽን ሰይጣንን ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ኢሉ፡ ከይኣስሓቐኒ ኣይተረፈን። ነቲ ፍጹም እዮብ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ሰይጣን ክሳቐ ምፍቃዱ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እምነት ዘይኰን ክንዲ ፍረ ኣድሪ ጥርጥራ ዘድሊ ምዃኑ ካብ ዘማእከሉኒ ሰባት ዝተገንዘበ ዘይምህላዉ ከየሕሰበኒ ኣይተረፈን። ‘ኣምላኽ ዝፈቐዶ’ዩ’ እትብል ሓረግ መመሊሰ ኣዀምሲዐ፡ ጥርጣረ እምበር እመነት ንኸኻዕብት ኣይሓገዘትንን።

ነቲ ኣልበርት ካምዩ ዘላለየኒ ሓሳብ ከንቱነት ህይወት፡ ስላቮ ዢዢክ’ውን ስለ ዝደረዓለይ፡ ከምቲ ደራሲ ዳኒኤል ተስፋይ ሓደ እዋን ዝበሎ ቅዱስ መጽሓፍ ገዛእ-ርእሱ ሓሊኹ ኣብ ቅድመይ ጻሕ ኢሉ ክወድቕ ብምርኣየይ፡ ክድንግጸሉ እምበር ክኣምኖ ካብ ዝኸብደኒ ግዜኡ እይሓጸረን። ካብ ደጒዑ ወይ ኣላቒሱ ዝነስዓኒ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ዝእዝዘለይን መንእሰያት ሰራዊት መዘምራን ምብዝሖምን እናክዕዘብ፡ ክሳብ ክንደይ ድኻም ኣእምሮ ዘጥቀዖ ወለዶ ከቢቡኒ ምህላዉ አስተውዕል። ድኻም ልቢ ሃንደበት ከም ዘቃብጽ ወትሩ ክንደግም፡ ድኻም ኣእምሮ ብሰላሕታ ንኸንቱነት ህይወት ከይስተውዓልና እናኣስሓቐ ዘጥሕል ውሕጅ ምዃኑ ዝዘንጋዕና ምብዛሕና ደጓዕትን መላቐስቲን’ውን ዘይጸፍዪዎ መስበርቲ ህይወት ምዃኑ ምርዳእ የድልየና ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓዘቕቲ ኣእጋሩ ምስ ተሸኽለ ምጽኦታት ኣኺሉ ዝብል፡ ድጕዓ ኤርምያስ ጥራይ ምፍላጡ ደጒዕካ ኣይትጸግበሉን። ካብ ኣደራዕ ዮርሳሌም ብዝኸፋኡ፡ ቈልዑን ኣረጋውያንን ዝተራዕትሉ ገደናታት ከምኡ’ውን ጐራዙን ኣጓብዝን ዝተሰየፉሉ ኣእላፍ ፍጻሜታት ዓለም ክፈልጥ ዘይደሊ፡ ድኻም ኣእምሮ ኣልሚሱዎ ምህላዉ ንግንዘብ። ነዞም ሓቅታት ታሪኽ ክጸውር ዘይክእል ድኹም ኣእምሮ፡ ድጕዓን መልቀስን ነቒሶም ዘይውድኡዎ ኣእሻዅ ዝጐበኦ እዩ።

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንምንባር፡ ከንቱነት ህይወት ምቕባል ግዴታ እዩ። ምቕባሉ ስለ ዝኸበደና፡ ንዅሉ ዝወርደና ኣደራዕ ብሓንቲ ናይ ቍዘማ ምኽኒት — ፍቓድ ኣማላኽ’ዩ ኣናበልካ — ምጥቕላሉ ግን ድኻም ኣእምሮ ንህይወትና ኣርኪሱ ኣበስኒዉ’ዎ ምህላዉ ዘይምዝንጋዕ። ካብ ቍዘማ ንምህዳም፡ ዘዕቍበና ድጕዓን መልቀስን ኣሊሽካ ምርካብ ልዕሊ ኣእዊኻ ዘፍ ምባል ምዃኑ ምዝካር ከድልየና እዩ።ከም ቈልዓ ምኒንን ቍዘማን ገዲፈ፡ ከም ወሓለታት መላቐስቲን ደጓዕቲን ክእለት ምስ ሓጸረኒ ግን ወስታታት ኣእዳወይ ኣብ ግር ኣእትዮምኒ ነይሮም። ብሓሳብ ነፊጸ ጋልቢተይ መዕረፊ ምስ ሰኣንኩሉ፡ ሕጂ’ውን ሃይለ ደሓን ይእቶ መዕረፊ ደጒዕለይ፤

ድጕዓ ስደት(ቍጽሪ 4)

ስደት  ብሩኽ

ሰናይ የርግጾ
የጽንዓዮ ብሩኩ
የብዝሓዮ ጥበቡ

መሪቐ ንመራቒ
ዝህበሉ ምኽንያት
ስለ ዝቐየሮ
ፍልጠታዊ ስተምህሮ
ዝብል ዝነበረ
መንገብገብ የድልዮም
ንኹሎም ነፋሮ

ግና ኣነዃ ለኹ
ሓሳብ ጸይረ
ዓዲ ሲኢነሉ
ዓውዲ መራገፊ
ዝነፍር ዝህውትት
በዓል ኣልቦ-ክንፊ
ከም’ቲ ኣሪስቶትል ዝጸውዮ ካታርሲስ ዝፈጥረለይ ድጕዓ ክሳብ ዝጽሕፍ፡ ነዚ ሕመቐይ ዘንቀሎ ፈርካሽ ድጕዓ ምድጋም ይሕሸኒ መስለኒ። እምበር ክንፊ ኣልቦ ነፋጺ ሓሳብሲ፡ ወስታታት ወሲኹ ኣብ ጸገም ከየእተወኒ ክጥንቀቕ።