ንሕናን ፍርሕናን ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ

                <ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና> 

 እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና ንጽውዓ ሃገርን ህዝባን ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዙ፡ ብፍላይ እቲ ቀይሕ ባሕራዊ ገማግማንcriticism ክፋላት ከበሳን መታሕትን ካብ ሓደ ባዕዳዊ ገዛኢ ናብ’ቲ ካልእ እንዳተቈላለበት ክትመጽእ ዝጸንሐት ሃገር እያ። ገለ ካብ ኣካላ መረብ ምላሽ ተባሂሉ ብገዛእ ገዛእቱ ዝተመሓደረሉ እዋን ኔሩ እዩ። ብጠቕላላኡ ግን ንገለ ሓሙሽተ ዘመናት ብዝወሓደ ንገለ ክፋላታ፡ ንገለ እዋን፡ ፈለማ ቱርካውያን ደሓር ግብጻውያንን ኢትዮጵያውያንን ገዚኦሞ ነበሩ። ብ1869-1889 ጣልያን ካብ ዓሰብ ጀሚሮም ክሳብ ኣስመራ ሓዙ። መጋቢት 2፡ 1889 መንግስቲ ጣልያንን ኢትዮጵያን ስምምዕ ውጫለ ተፈራረሙ። ብመሰረቱ ከኣ ጥሪ 1፡ 1890 ከኣ መንግስቲ ጣልያንን ኢትዮጵያን ነዛ ሔዚ ከም ኤርትራ እንፈልጣ ሃገር ሰኒዖም ግዝእቲ ጣልያን ኮነት። ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ፡ ኤርትራ፡ ብምምሕዳር እንግሊዝ ኣቢላ ግዝእቲ ኢትዮጵያ ኮነት። እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኵላትና ንፈልጦ።

 እዚ ይኹን እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ፡ ነዚ ይኹን ነቲ መሬት ምስ ሓዘ፡ እዚ ይኹን እቲ ነባሪ ተቕማጢ’ቲ መሬት እንታይ ገበረ? በትሩ፡ ኵናቱ፡ ሴፉ ኣልዒሉ’ዶ? ግብጻውያን ንከበሳ ከስፋሕፍሑ ሃቂኖም ሃጸይ ዮሓንስ (ዓጋመ!) ኣብ ጉንደትን(1875) ጉራዕን (1876) ስዒሮሞም። ከምኡ’ን ጣልያን ንከበሳ ሓማሴን ክሕዝ ነቂሉ ብ1887 ኣብ ዶጎዓሊ ብኣሉላ ኣባ ነጋ (ዓጋመ!)ተሳዒሩ። ትግራዎት፡ ኣብ መሬት ምላሽ (ናይ ሔዚ ኤርትራ)

 ተዘይዘመትካ ንጉራዕ

 ንኖኻ ትኾነን ሰኽታት ቁራዕ

 ‘ተዘይዘመትካ ንዶጎዓሊ

 ንኖኻ ትኾነን ሰኽታት ጻሕሊ

 ኢሎም ፈኪሮምን ተዋጊኦምን እዮም። ኣብ’ቲ ኵናት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን እውን ኣሎዉ። ምስ ጸላኢ ዘሻረዉ እውን ኣይሰኣኑን። ክልተ ገዛእቲ ኣብ ውሻጤኻ እንዳተሃናኾቱ ነፍስኻ ምህዛም ኣሸጋሪ እዩ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ንፈልጦ ተቓዉሞ የሎን። ሓንቲ ነገር ግን ንፈልጥ። ህዝቢ መረብ ምላሽ፡ ኣብ ገለ እዋን ናይ’ቲ ነዊሕ መግዛእቱ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና!” ኢሉ መሲሉ። ነዚ ምስላ’ዚ ባርያዊ፡ ዓፋራዊ፡ ቢለናዊ ኣይመሰሎን ትግርኛ እዩ’ሞ መሳሊኡ ግድን እቲ ከበሳዊ ትግራዋይ እዩ። ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞኵሮኡን ኵነታቱን ኣብ ሓንቲ ሓጻር ምልእቲ ሓሳባት ኣጠቓሊሉ። እቲ ምስላ ንባዕሉ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኻዊ ሓተታን መርገጽን እዩ። መዓስን ምሰየናይ ታሪኻዊ ፍጻሜን ተተሓሒዙ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። ንስነኣእምሮኣዊ ኵነት ናይ’ቲ ሽዑ ዝመሰለ ህዝቢ ግን ግርም የንጸባርቕ። ‘ደኺምና ተመንዩና እዩ መን ይገዝኣና ኣይግድሰናን! ንዝመጸ ገዛኢ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎ ኢና! ሰላምና ሃቡና! … ‘ ይእምት። ምስላ ፍርሒ ጥራሕ ኣይኮነን ልዕሊ’ዚ ዝኸደ መረጋገጺ ህልከትን ቅብጸትን ኢድ ምሃብን እዩ። ሓደ ምሉእ ንያታዊ ውድቀት። ከም’ዚ’ሉ ንመዋእላት ዓንዚዙ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ህዝቢ፡ ብ1961፡ ነጻነት ወይ ሞት ኢሉ ተላዕለ። ን30 ዓመታት ከኣ ተኸታኸተ። ነጻነቱ ከኣ ብሓይሉ መንዝዐ። ኣብ ሞንጎኡ እንታይ ተኣምር እዩ ተፈጢሩ? ምፍላጥ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣሎዎ።

 ብዛዕባ መንፍዓትን ሕመቕን፡ ሓይልን ድኽመትን፡ ጅግንነትን ጃጃውነትን ሃዝቢ ንምዝራብ ንኣይሁድ ከም ኣብነት ምውሳዶም ዝበለጸ እዩ ነዊሕ ምዝጉብ ታሪኽ ስለዘዎምን ክሳብ ሔዚ ከኣ ሕቶ ህልውንኦም ስለ ዘይተረጋገጸን። ሓያሎ ሳዕ ተወሪሮም፡ ተኣሲሮም፡ ተሰዲዶም፡ ተቐንጺሎም፡ ናብ ባርነት ወዲቖም፡ ቤተ መቕደሶም ሰለስተ ጊዜ ዓንዩ። እንተኾነ ኵል ጊዜ ከኣ ናብ ዓዶም ይምለሱ’ሞ ቤተ መቕደሶም ይሃንጹ። ብዝተመልሱ ከኣ ብተርታኦም ንከባቢኦምን ነቲ ዘይመስሎምን የዕንዉን ይሕዙን ይዕምጹን። ኣብ ግብጺ ባራዩ ኴይኖም ንዓመታት ተጨፍጪፎም፡ ሓደ መራሒ፡ ሓደ ወዲ ንጉስ፡ ሙሴ፡ ኣለዓሊሉዎምን ወዲብዎምን ከኣ ካብ ባርነት ናብ ሃገሮም ኣምለጡ። ዝወጸሎም ወትሃደራትን ጀጋኑን ኴይኖም ከኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ’ኡ ቦታና ንዝብልዎን ከባቢኡን ዝተቐመጠ ህዝቢ ኣጥፍእዎ። ካበይ ዝመጸ ብቕዓት’ዩ’ዚ? ካበይ ዝመጸ ትብዓትን መንፍዓትን?

 ሙሴ፡ ከምሓደ ማሕበረ ሰብ ክጥርንፎም ክሳብ ክንደይ ከምዝጸገሞ ንፈልጥ። እዚ’ውን ኣምላኹ እንዳሓገዞ! ን400 ዓመታት ኣብ ባርነት ተቛሪኑ ዝጸንሐ እሞ ኵሉ ግብረገብነትን ሕግን ነፍሰ ክብረትን ዘጥፍአ ሓተላ ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ዕላማ ንምጥርናፉ ፈለማ ኣብ ሓደ እምነትን (ስነሓሳብ) ሓደ ኣምላኽን (ውድብ) ክጥርንፎምን ሕግን ስርዓትን ከኣ ክሰርዓሎም ከምዘሎዎ ፈሊጠ። ከም’ኡ ድማ ገበረ። እንተኾነ ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። ምእንትኦም ሸውዓተ ኣርዓድቲ፡ ቀንጸልቲ ተኣምራት ተፈጺሞም ኣይሁዳውያን ከኣ ሓራ ወጹ። ሙሴ ንባሕሪ ጨዲዱ ሩባ ኣሳገሮም። ኣብ’ቲ ደረቕ ምድረበዳ ከኣ ጻዕዳ ዓይኖም ክሳብ ዝግልበጥ ማና ኣብለዖም። እንተኾነ ኣብ ዝነኣሰት ፈተነ ንድሕሪት ናብ’ቲ ዝፈልጥዎን ዝለመዱዎን ባርነት ክምለሱ እንዳደለዩ ኣትከኹዎ። ንመጠረስትኡ ከኣ እያሱ መሪሑዎም ናብ መሬተ መብጽዓ በጺሑ። ኣብ’ቲ ሙሴ ዝሰርሖ ኣምላኽ ንዘይኣመነ ከባቢኦም(ከነኣናውያ፡ ሚዳናውያን) ኣጽነቱዎ።

 ኣብ እዋን ሂትለር፡ ሓደ ወትሃደር ንሓያሎ ኣይሁዳውያን ከመባጊዕ በእዛኖም ወጢጡ ናብ ኣዳራሽ መርዚ የእትዎም ነበረ። ብርግጽ ናብ ሞት ይጎዓዙ ምንባሮም ይፈልጡ’ኳ እንተነበሩ፡ ሓደ’ኳ፡ ብዝወሓደ ተቛዊመ እሙት ዝበለ ኣይነበረን። እንተኾነ እቲ መንፈሰ ሙሴ ናበይ ከደ? እቲ ሽዑ ሂትለር ነቲ መንፈስ ኣይሁድ ቀቲልዎ እቲ ኣይሁድ ጓንጓ ነበረ። ህያው ሬሳ። እቲ ሽዑ ኣብ ንሞት ዘተምኒ ኵነት ኣትዩ ነበረ። እቲ ብ1969 ዘርኣዮ ድፍረትን ጅግነትን ርእሰ እምነት’ ደኣ’ኸ ካበይ መጸ?

 ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ነዚ ምስጢር’ዚ ንምግላጽ እዩ። ንሕና’ኸ እንታዩ ዓዚሙና ብሓደ ሰብ ዝተመለኽና? እቲ ኣብ ሓርነታዊ ውግእ ዘርኣናዮ ጅግነት ናበይ ኣበለ?

 ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ መሳርሒ ገዛእትን ውልቀመለኽን ኣብ’ቲ ተገዛኢ ፍርሕን ራዕድን ምፍጣር እዩ’ሞ ብፍርሒ ክንጅምር።

 እንታይ’ዩ ፍርሒ?

 ነቒሕናሉ ኣይነቒሕናሉ፡ ፈቲና ኣይፈቲና፣ በፍንጫ፡ ኵላትና ፈራሓት ኢና። ፍርሒ ኣበው ስምዒት ሰብ’ዩ። ፍርሒ እቲ ኣብ ኵነታት ሓደጋ እንክንኣቱ ካብ’ቲ ሓደጋ ከነምልጥ ዝደፍኣና ስምዒት እዩ። ፍርሒ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መሳርሒ ስረትና እዩ። ነዚ ስምዒት’ዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ይፈልጦ። ፍርሒ ብወግዒ ኣብ’ዚ እኔኹ ኣይብልን መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ነፍስና ባዕሉ ዝፈጥሮም ሕማማትን(psychosomatic symptoms) ዓመጻዊ ተግባራትን ሕርቕርቖትን ነፍሳዊ ጸቕጥታትን(depressions)፡ ሕሉፍ መንፈሳውነትን፣ ኮታ ኣብ ኵሉ ሕልፊታትናን ጉድለታትናን ተሓቢኡ ፍርሒ ኣይመስልን። ኣንጻር ፍርሕታትና ከኣ ስትራተጂታት ነፍሰ ምክልኻል ነማዕብል ኢና።

 ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ዘመን ነናቱ ፍርሕን፡ ኣገባብ ኣገላልጹን፡ ኣመኻኽትኡን ኣሎዎ/ነቢሩዎ። ንደቂ ቀደም ሕማምን ውግእን ጥምዬትን እቶም ዝበርትዑ ምንጪ ፍርሓቶም ነበሩ። ክሳብ ሔዚ’ውን እቶም ዝዓበዩ ምንጪ ፍርሓትና’ዮም። እንተኾነ፡ ሰብ፡ ነዞም ምንጪታት ፍርሒ ብመጠኑ ተቘጻጺሩምን፡ ፈጺሙ ከጥፍኦም እንተዝደሊ’ውን ከጥፍኦም ከምዝኽእልን ፈሊጡን እዩ። ብኡ መጠን ከኣ ፍርሕና ጎዲሉ። እንተኾነ፡ ዘመን’ና ከኣ ናቱ ካልኦት ሓደስቲ ፍርሕታት ፈጢሩ። ዝለመድናዮም መሰረታዊ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ቅርጻታት ከይቅየሩና እቲ ዝዓበየ ፍርሕና’ዩ። ህጹጽ ተክኖሎጂካዊ ምዕብልናን ለውጥን ንንፈልጦን ዝለመድናዮን መንነትና ከይቅይሩ ኣዚና ንፈርሕ። ምቕያር ክሊማ ዓለምን ጠንቅታቱን ምንጪ ግዙፍ ፍርሒ እዮም። ሓደ በየን መጸ ዘይተባህለ ዓርሞሸሻዊ ደንጎላ (ኮመት ወይ ኣስተሮኢድ) ከይፍንጥሓና ንፈርሕ። ክሳብ ካብ ወጻኢ ዓለማት ከይንውረር’ውን ንፈርሕ።

 ካልእ ዓይነታዊ ለውጢ ኣብ ፍርሕና፡ ንሱ ከኣ እቲ ዝዓበየ ፍርሕና እዩ፡ ፍርሒ መጻኢ እዩ። ወዲ ቀደም፡ ፍርሑ ኣብ ሎ’መዓልቲ ጥራሕ ዝተደረተ ነበረ። ሎም’ዘመን ግን 70% ካብ ፍርሕና ብዛዕባ መጻኢ እዩ። ካብ ስራሕ ዶ’ኮን እስጎግ? እቲ ምሉእ ህይወተይ ዝለፋዕኩሉ ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘበይ’ስ እምበር’ዶ ድሑን እዩ? ምስ ኣረግኩ እንታይ ክወርደኒ እዩ? … ንፈርሕ። እምበኣር ፍርሒ ወርትግ መናብርትና እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ምሉእ መዋእልና ከም ሰባት ከም ሎም’ዘመን ጌርና ፈሪሕና ኣይንፈልጥን። ይሰማማዓኒ’ዩ፡ ይዕቅበኒ እዩ እንብሎ መካን እንተንረክብ’ውን ገና ብጽሞናና ም’ፈራሕናን ም’ተሳቐናን። ከም ዘመን’ና ጌሩ ንወዲ ሰብ ጸምዪዎ ኣይፈልጥን። ብሕትውናን ጽሞናን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ምስ እኩባት ሰባት እንዳሃሎና’ውን ይጽምወና እዩ። ነፍሲ ወከፍና ከኣ ንውልቁ ኣብ ውቅያኖስ ፍርሒ ጠሊቑ ንውልቁ ኣንጻር ፍርሑ ክምክት ይርከብ።

 ዘመን’ና ኣብ ፍርሕና ካልእ ሓዲስ ባእታ’ውን ሓዊሱ እዩ። ኣብ ታሪኽ ፍርሕና፡ ንሕና ባዕላትና፡ ንፈለማ እዋን ምንጪ ገዛእ ፍርሓትና ኴይና። ከም ሕርቕርቖት ኣምላኻቶኦም ስለዝወሰድዎም በርቅን ነጎዳን ንደቂ ቀደም ብርቱዕ የፍርሑ ኔሮም። ንሕማም’ውን ከም መልሰ ቍጥዐ ኣማልኽቲ ይርድእዎ ነበሩ’ሞ ንኣምላኻቶም ከረስርሱ መስዋእትታት የቕርቡን ንምሕረት ይምህለሉን። ኣብ ሃገርና’ውን ምህለላ ገና ዝውቱር እዩ ብሓቂ ደቂ ቀደም ኢና። ጥዑም እዋን’ዩ ዝነበረ ሽዑ ምንጪ ፍርሓትና ኣምላኻትና ነበሩ። ሎም’ዘመን ግን ሰብ ንባዕሉ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ንሰብን ዓለምን ኴይኑ። 6 ነሓሰ 1945 ወድ ሰብ ኣብ ሓዲስ መዋእል ርእሰ ጥፍኣት ኣተወ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሽማ ኣቶም ቦምብ ደርበየት። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ከኣ ናጋሳኪ ተሃርመት። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቲ ነታጕ ዘስዓቦ ራድዮ ኣክቲቪቲ ብዙሓት ሰባት ቀተለን ኣሕመመን። ሕማማዊ ሳዕቤናቱ ክሳብ ሔዚ ኣይሓደገን። ነዚ ጅምላዊ ኣዕናዊ መሳርያ’ዚ ንምውናን ከኣ ሃገራት ኣብ ቅድድም ኣቶዋ። ሰብ፡ ንፈለማ ጊዜኡ ንብዘላ ህይወት ዓለም ከጥፍእ በቒዑ። ስለ’ዚ ንፈርሕ። ካብ ነፍስና ንፈርሕ። ነዚ ፍርሕና’ዚ ናብ ዝኾነ ኣምላኽ ክንድርብዮ ኣይንኽእልን። ስነፍልጠታውን መንፈሳውን ምዕብልናና ነቶም ምንጪ ፍርሓትናን መዕቈቢናን ኴይኖም ዝጸንሑ መሳርሒታት- ሃይማኖትን ካልኦት ልዕለ ባህርያዊ እምነታትን- ካብ ዓለምና እንዳኣርሓቈም ከይዱ ሽሕ’ኳ ሓቀኛ መንቂ ፍርሓትና ፈሊጥና ነፍሳትና ክንፍውስ ኣብ ዝበለጸ ቦታ እንተሃሎና፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ናብ’ኡ እንድርብዮን ካብ’ኡ ከኣ ምሕረት እንልምኖን ‘ኣምላኽ’ ብዘይካ መተካእታ እንዳሰኣንናዮ ኬድና። እቶም ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ጭንቀትና ዘማዕበልናዮም ንፍርሕታትትና ዘማኻንዩን ዘደዓዕሱን ኣንፊ ተስፋ ፍታሕ ዘቕርቡን መሳርሒታት- እምነታትን ጽንብላትን ሰብኣዊ ማሕበርነታትን(እንዳ፡ ቀቢላ) ተደናጊሮምን ተዳኺሞምን ንውልቅና ኣንጻር ፍርሕታትና ቈይምና ንርከብ። ኵነታትና፡ መዕቈቢ ቤትካ ባዕልኻ ኣፍሪስካ ባዕልካ ዲኖዛውርያ ከም ምፍጣር ይመስል።

 ካብ ፍርሕታትና ብኸመይ ነጻ ንኸውን? ብዘይ ፍርሒ ከመይ ንነብር?-

 ስነኣእምሮኣዊ ፈላጣትን መንፈሳዊ መራሕትን ለባማትን ኣዓሸውትን ነዊሕ ትንተናታትን ምኽርታትን ይህቡናን ይሸጡልናን እዮም። ፍርሐኣልቦ ህይወት! ዝመባጽዑልና ብዙሓት’ዮም። እዚ መብጽዓ’ዚ ብግብረ ገብነታዊ ዓይኒ ኣዝዩ ኣጣያቒ ኴይኑ ብገለ ልምምዳትን (essoteric trainings) ማረኽቲ ሓረጋትን ምስላታትን

 ቃላትን (karmas) ንፍርሒ ንምቍጽጻራ ድኣ’ምበር ካብ ሱራ ንምብንቋሳ ይከኣል’ዩ ምባል እቲ ዝዓበየ መሕልም ዘመን’ና እዩ ከም’ቲ ንቃንዛን እርጋንን ሞትን ከተጥፍእ ምኽኣል መሕልም ዝኾነ። ፍርሒ ዘይቀሪ መናብርትና እዩ ከከም ኵነታቱ ከኣ ፈታዊናን ጸላኢናን።

 ፍርሕታትና ክልተ ዝዓይነቶም እዮም። ህልውናውን ተሞኵሮኣውን።

ሀ. ህልውናዊ ፍርሒ

 ህልውናዊ ፍርሒ መሰረታዊ ምንጪ ፍርሕና እዩ። መን/ እንታይ’ዬ ኣነ? ስለምንታይ ኣሎኹ? ናበይ’ከኣ እኸይድ? እንታ’ዩ ሞት? ብጥርሱ ስለምንታይ ኣድማስ ሃልዩ? ካብ 45 ሚልያርድ ዕድመ ኣድማስ ገለ ሰብዓ ዓመታት’ዬ ‘ተነበርኩ። ኣብ’ቲ ዘይነበርክሉ ጊዜ ኣበይ/እንታይ ኔረ? ስለምንታይ’ከ እመውት …? ዝኣመሰሉ ህልውናዊ ሕቶታት ህልውናዊ ቅልውላውን ፍርሕታትን ይፈጥሩልና። ጽዑቓት ኣመንቲ ከይተረፉ፡ እግዚሄር ኣበይ ኣሎ? እንታይ ይገብር ኣሎ? እምበር’ዶ ኣሎ’ዩ? ኣብ ዝበለ እምነታዊ ቅልውላው ይኣትዉ እዮም። እዞም ክምለሱ ዘይክእሉ ሕቶታትን ምንጪ ዓሚቝ ፍርሕታትና እዮም። ስለ’ዚ እምነት ዝተባህለ ግሩም መምለጢ ምሂዝና። ኣብ ንእምነታትና ዝዝርጉን መልህቓት ህይወትና ዝምሑቕን ኵነታት ምስ እንኣቱ ግን ህልውናዊ ቅልውላው ይበሃል፡ ንፈርሕ ክሳብ ንርዕድ። ስነፍልጠትን ዘመናውነትን ንመሕቢኢታትና እንዳፈሓቑዎም ከይዶም ከኣ ወሲኽና ንፈርሕ።

 እቲ ዝዓበየ ህልውናዊ ፍርሒ ሰብ ሞት’ዩ። ሰብ ዘይውዳእ ዕቁር ብቕዓተ መጻኢ ከምዘሎዎ ይፈልጥ። እንተኾነ ህልውንኡ ብጊዜ ዝተሓጽረ ኴይኑ ንኵሉ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ሞንጎ ብጊዜ ዝተገደበ ሕዋሳውነት ኣካሉን፡ ዘላቕነትን ነጻነትን ነፍሱን ተዋጢሩ ከኣ ይፈርሕ። ህልውናና ሓድነት ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ኴይኑ፡ ንሕና ሰባት፡ ኣብ’ቲ በሊሕ መላጸ ሓድነቶም ተቐርቂርና ንፈርሕ።

 እቲ ኣሉታዊ፡ ሞት፡ ግድን ኣሉታዊ ሕማቕ ወይ ክፉእ ማለት ኣይኮነን። ከም’ቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣሉታዊ ሸነኽ ናይ ባተርያ ዝኾነ ሞራላዊ ዕቃቤ ዘይብልና፡ ከም’ኡ’ውን ኣብ’ቶም ነቲ ምሉእ ዘቑሙ ተጻረርቲ ሸነኻት ባህሪ ዝኾነ ሞራላዊ ሚዛን ከነንብር ኣይንኽእልን፡ ኣይግብኣናን ። እቲ ኣሉታ፡ ኵነተ ህልውና ናይ’ቲ ኣዎንታ እዩ። ፍርሒ (ኣሉታ) እዛ ዓለም ቤትና ከምዘይኮነት የዘክረና። ፍቕሪ (ኣዎንታ) ከኣ ንዓለምና ፍጹም ባዕዳውያን ከምዘይኮን’ና የዘክረና። ብኵራት ፍርሒ ከኣ እቲ ዝኸፍአ ስነኣእምሮኣዊ ኵነትና ም’ኾነ። ብዘይካ ፍርሒ ኣብ መንፈሳውነትና ክንምዕብል ኣንበይከኣልናን። ብዘይካ ፍርሒ ከኣ ኣብ ሓያሎ ሓደጋታት ህይወት ም’ወደቕና። ንሓይልታት ዘላቕነትን (ህያውነት) ንሓልታት ጊዝያውነትን (ሞት) ምምዝዛን ኣብዘይንኽእለሉ ኵነት ምስ እንኣቱ ከኣ ኣብ ምንጩ ፍርሒ ዝኾነ ስነኣእምሮኣዊ ሕማማትን ጽላለን ንበጽሕ። ጠንቂ ጭንቀትና እዚ ግርንቢጣዊ ኣተሃላልዋና እዩ። እሞ ህልውናዊ ፍርሒ ኣበው ፍርሕና ኴይኑ ክንስዕሮ ኣይንኽእልን (ኣካል ህልውናና’ዩ) ክንርድኦን ኣብ ህይወትና ከኣ ከነጠቓልሎን ከም ዝኾነ ኢልና ከኣ ክንነብሮን ጥራሕ ኢና እንኽእል። 

 እምበር ህይወት ብዘይ ፍርሒ የሎን። ኣብ ኣገባብ ኣረዳድኣናን፡ ኣገላልጻናን፡ ኣመኻክታናን ንፍርሒ ክንፈላለየ ንኽእል። ዘይፈርሕ ግን የብልናን እቲ ዘይፈርሕ ምዉት ወይ ዓሻ ጥራሕ’ዩ እኳ ንብል። እዚ ብሓፈሽኡ ሓቂ ኴይኑ፡ ልዕለንቡር ኵነታት ልዕለ ንቡርድፍረትን ሓይልን ክፈጥሩ ንዕዘብ። ፍርሒ ኣብ ጕዕዞ ሰገምታዊ ምዕብልናና ዘማዕበልናዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ መሳርሒ ውልቃዊ ስረትና እዩ። እንተኾነ ፍርሕና ፈጺሙ ዝሕከኸሎም ኵነታት ኣሎዉ። ኣደ፡ ውላዳ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ ውልቃዊ ስረታ ከይገደሳ ምስ ልዕለ ዓቕማ’ውን ትፋጠጥ። ብዓይኒ ዘላቒ ስረት (evolutionary survival) እቲ ውሉድ ካብ’ታ ወላዲት ንላዕሊ የገድስ። እታ ኣደ ምንእንቲ ዘርኣ ክሰርር ንሳ ክትስዋእ ትመርጽ። ኣብ ብዙሓት ዓሌት እንስሳታት ዝርአ ስረታዊ ስነሞገታዊ ባህሪ እዩ። ሳሕቲ ዝፍጠር ፍርሐኣልቦኣዊ ኵነት። ስነኣእምሮኣውያን ኵነተ ‘ኵናታዊ ዕንዘዛ’ (war trance) ይሰምዪዎ። ዝተቐየረ ኵነተ ንቕሓት እዩ። ሓያል ስነሓሳባውን ሃይማኖታዊ እምነትን ስምዒትን እውን ተመሳሳሊ ዕንዘዛ ይፈጥሩ እዮም። ረምታዊ ውቃዕ ኮቦሮ፡ ጭፈራታት፡ ደርፍታት፡ ምቕባእ ኣካል … እውን ተመሳሳሊ ዕንዘዛ የስዕቡ። ቀንዲ ስርሖም ውልቃዊ መንነት ምሕዳግን ብሓባራዊ መንነትን ጥቕምን ንምትካእን እዩ። ኣብ እምነታዊ/ስነሓሳባዊን ማሕበረ/ፖለቲካዊ ጎንጽታት፡ እዚ ስነኣእምሮኣዊ ተቐራብነት ንውግእ ኣብ ውሽጢ ውድብ ጥራሕ እዩ ዝኽሰት። (> መግለጺ ሓፋሽ ርአ)

 ስትራተጂታትና ኣንጻር ፍርሕታትና

 እቶም ደቂ ሰባት ፍርሖም ንምምካት ዘማዕብልዎም ሜላታት ኣብ ምቋም ጠባያቶም ዓቢዪ ተራ ይጻወቱ። ፍርሒ ባህርያዊ ክነሱ ዝበዝሑ ሰባት ከም ዝፈርሑ ክኣምኑ ኣይደልዩን። ብዙሓት ሰባት ብፍርሖም ይሓንኩ ንፍርሖም ይሓብኡዎን፡ ይጥምዝዝዎን ገጹ የጥፍኡዎን። እቲ ናይ ብሓቂ ተባዕ ግን እቲ ከምዝፈርሕ ዝኣምን እዩ። ሰባት ፍርሖም ስለዝሓበኡ ንፍርሒ ኣታሊሎማን መኪቶማን ስዒሮማን ኣየስምዕን። ፍርሒ ከኣ ብቐሊሉ ትዕሾ ዓንጃል ሽግር/ምረቓ ኣይኮነትን። ፍርሕን ጭንቀትን ንዝፈጥሩ ሕቶታት ካብ ኣተሓሳስባ ብምልጋስን ሓሳብትና ናብ ካልኦት ንጥፈታት ብምትኳርን ነፍስና ንከላኸል። ካብ ፍርሕና ምትላል። ስነ ጥበባውያን፣ ደረስቲ፡ ሰኣልቲ፡ ገጠምቲ ንፍርሒ ኣፍራሕነቱ ኣልጊሶም ናብ ስነ ጥበባዊ ጽባቐ ክልውጥዎ ይኽእሉ። ሕሉፍ ስፖርትን ካልኦት ውድድራትን፡ ሕሉፍ ህርፋን ስልጣንን ሃብትን ናይ ዘመናዊ መሕብኢ ፍርሒ እዮም። ባህልን ልምድታት’ውን ግሩማት መሕብኢ ፍርሒ እዮም። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ካብ ፍርሕና ኣብ ትምክሕትና ክንሕባእ ዝተራቐቕና ንመስል።

 እቲ ዝኸፍአ ፍርሕና ግን ፍርሒ ፍርሕና እዩ። ሽሕ’ኳ ካብ ፍርሕና ነፍስና ንምክልኻል ብዙሕ ሜላታት ንጥቀም እንተኾንና፡ ንፍርሕና ኣዕይንትና ኣፍጢጥና ክንጥምቶም ግን ንፈርሕ። እቲ ዝዓበየ ፍርሕና ፍርሒ ሞት ወይ ጽሞና ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ፍርሕና ፍርሒ ፍርሕና እዩ ፍርሒ ገዛእ ነፍስና። እምበኣር ንህልውናዊ ፍርሒ ከነጥፍኦ ኢና ምባል ሕልመታዊ እዩ። ምስ ፍርሕና ክንጋተርን ክንርድኦን ክንቈጻጸሮን ግን ንኽእል ኢና።

 ፈለማ ንዝኾነ ፍርሒ ቅርጻ- ስምን ጠንቅን- ከነትሕዞ ይግብኣና። ፍርሒ ንኵላትና ዘጥቅዕን ንምሉእ ህወትና ድማ ዘሳልየናን ስምዒት ኴይኑ፡ ወርትግ፡ ብሓደ ከም ምልክት ፍርሒ እንፈልጦ ምልክት ይፍኖ። እቲ ምልክት ካብ ሓደጋታት ክከላኸለልና’ዩ ዝፍኖ። ምልክታት ፍርሕና ንህይወትና ግድን ዓበይቲ ሓደጋታት እዮም ማለት ኣይኮነን። ፍርሕና ብባዕላዊ ኣተሓሳስባናን ኣተረጓጉማናን ስለዝቅረጽ ዓቀንቱ ንሕና ኢና። ስለ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ፍርሒ መቐመጢን መዓቀንን ዕትሮ ክንሰርሓሉ የድልዮ። ቅርጹ ዘይሓዘ ፍርሒ፡ በጋሚንዶ ፍርሒ፡ ኣብ ወልቀ ሰባት ጥራሕ ከይተደረተ ሓባራዊ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ፍርሒ ይኸውን እሞ ነናብ ዓቕምታትና ክንመታትሮን ክንካፈሎን ክንምክቶን ስለ’ዚ ከኣ ክንቈጻጸሮን ኣይንኽእልን። ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ፍርሒ ሸቶታቶም ንምዕዋት ፖለቲከኛታት ይጥቀምሉ። ንፍርሒ ዘይቅርጻኡ የትሕዝዎ፡ የንበድብድዎ፡ የጕህርዎ እንተዘየለ ከኣ ይፈጥርዎ። ድሓር ከም መድሕን ፍርሒ ጌሮም ንነፍሶም የቕርቡ።

 ለ. ተሞኵሮኣዊ ፍርሒ

 ካብ ሓደ ሕማቕ፡ ኣሳቓዪ፡ ኣሰንባዲ ፍጻሜ ብንቕሓት ይኹን ብዘይ ንቕሓት ዝወረስናዮን ዘማዕበልናዮን ፍርሒ እዩ። ፍርሒ ሓደ ዝተወሰነ እንስሳ፡ ፍርሒ ሓደ ዝተወሰነ ነገር ወይ ቅርጻ ንኣብነት ፍርሒ ስፍሓት፡ ቁመት፡ ዑምቜት፡ ፍርሒ እኩብ ሰብ … ወዘተ። ሽሕ’ኳ ንብዙሓት ሰባት ዝዓምም ሕማም (ጉድለት) እንተኾነ ብባህርያቱ ውልቃዊ ሽግር ኴይኑ ክፍወስ (ክሰዓር) ዝከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ኣብ’ዚ ንኵላትና ዘገድስ ግን እቲ ፍርሒ ዲክታቶር እዩ።

 ራዕዲ

 ራዕዲ ንሰባት ንምቍጽጻርን ንምምላኽን ዝግበር ውዱብ ኣጠቓቕማ ኣካላውን መንፈሳውን ዓመጻ እዩ።

 “ኣብ ቅድሚ ሽሕ ሓደ ሰብ ኣስካሕኪሕካ ቅተል። ንሽሕ ከኣ ትመልኽ” ይመክር ሓደ ጥንታዊ ቺናዊ ምስላ።

 ንሓቅነት እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንቺናውያን ክንኣምኖም ኣሎና። ኣብ ቺና፡ ራዕዲ፡ ኣብ ኣማኢት ዘመናት ብኣማኢት መለኽቲ ነጋውስን መሳፍንትን ሊቃውንቶምን ዝማዕበለን ዝረቐቐን ፍቱን መሳርሒ ውልቀ ምልኪ እዩ። ሊቀ መንበር ማኦ’ውን ኣብ’ታ ቀያሕ መጽሓፉ ይጠቕሶ። ራዕዲ ኣካላዊ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ነፍሰ ቅትለት እዩ። ስነ ኣተሓጻጽባ ኣእምሮ ኣጠቓሊሉ ስነ ራዕዲ ኣብ ቺና ኣዝዩ ጥንታዊ ፍልጠት’ዩ። ኢሳያስ ከኣ ኣብ’ዚ ዓውደ ትምህርቲ’ዚ ዝበለጸ እመስለኒ። ገለ ካብ ኣርዓዲ ተግባራት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እነሀዉ።

 . ምቕታል ኣካለ ስንኩላት- ኣብ ዝኾነ ሃገር ስንኩላት ምክልኻል ሃገር እቶም ዝኸበሩ ኣባላት ሕብረተሰብ’ዮም። ክሳብ ከም ቅዱሳት ሃገር’ውን ይውሰዱ። ውፉያት ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ጻድቃናት እዮም። ንዓርሳ እታ ኣስሊ ገነት እውን ንስለኦም እያ ተፈጢራ። ዲክታቶር ኢሳያስ ግን ፍትሓዊ ሕቶታት ንዘቕረቡ ስንኩላት ብረሻሻት ቀንጸለ። እቲ ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ‘እዚ ደኣ ንስንኩላት ሓርነት ዘይሓደገ ድኣ ነቲ ካልእ እንታይ ክናሕሲ!’ ዝበለ ፍርሒ ንምንዛሕ እዩ። 

 . መጭወይትን ቅትለትን ኣካላዊ ምጕዘይትን ኤርትራውያን መንእሰያት ምጻርን ምውዳን ካብኡ ምኽሳብን- ከም’ዚ ዝኣመሰልዎ ኣረሜናዊ ጭካኔ ንዝኾነ ህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ዘርዕድ።

 . ሸቶኣዊ ምጥማይ ህዝቢ- ካብ ባዶ ከብዲ ዝዓቢ ራዕዲ የሎን።

 . ዘስካሕክሑ ኵነታት ማእሰርትን መቕጻዕትን- በዚ ማእሰርቲ ዝሓለፈ ኵሉ ምስ ምሉእ መንፈሳዊ ጥዕንኡ ኣይምለስን። ህያው ሬሳ እዮ’ሞ ንዕኡ ዝረኣየ ኵሉ ይስንብድ። ምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ከኣ ንጹሕ ስነኣእምሮኣዊ ራዕዲ እዩ። ናይዝጊ ምሁርን ገዲምን ተጋዳላይ እዩ። ናይዝጊ፡ እቲ ኢሳያስ ናብ ኣምላኽነት ክሓኵር እንክፍትን፡ የሎን! ከማይ ሰብ ኢኻ ንዓ ድኣ ንመሬት ውረድ! ክብሎ ዝኽእል ዝነበረ ሓደ ካብ’ቶም ሒደት ንኢሳያስ ከም ሰብ ዝፈልጥዎ እዩ። ናይዝጊ ሓደ ካብ’ቶም ሒደት ጽንቃቕ ነፍሰ ክብሪ ዝነበሮ ተጋዳላይ ነበረ። እቲ ሓደ ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ኤርትራውነቱ ከይተረፈ፡ ክዋዘን ክሕጭጭን ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ኢሳያስ ድማ ከም ዝኾነ ዲክታቶር ንውልቃዊ ክብረቱ ኣዝዩ ቀናእ ስለዝኾነ ነዚ ኵሉ ከም ቂም ሓዞ። ሽሕ’ኳ ብህይወቱ እንከሎ ክሃስዮ እንተዘይከኣለ ኣብ ልዕሊ ሬስኡ ሕኔኡ ፈደየ። ዝኾነ፡ ጎንበላት ኢሳያስ’ውን ከይተረፉ፡ ከም’ዚ ዝተጸበየ ኣይነበረን። እቲ ሬሳ ሓደ ፍሉጥን መዘናን ኢሳያስ ዝኾነ ተጋዳላይ ኣብ ዓዱ ከይቅበር ምኽልካል ኣብ ኤርትራዊ ስነኣእምሮ ዓቢዪ ራዕዲ ይፈጥር። እቲ በዚ ተግባር’ዚ ዚመሓላለፍ መልእክቲ ከኣ ኢሳያስ ክትንበዮ ዘይከኣል፡ ንዝቐረቡ ብጾቱ’ውን ዘየናሕሲ ጽሉል ኣራዊት እዩ። ጎንበላት ንዓርስኻትኩም ተቐንቀቁ! ዝበለ ራዕዲ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሕም ዝበለ ይተሓጎም መንግስቲ ምዃኑ ኣብ መንፈስ ህዝቢ ምውቃርን፡ ዝኾነ ከኣ ርጉጽ ድሕንነት ከም ዘይብሉ ንምግላጽን ኮነ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጕምቲ እዩ። ኵሉ ተግባራት ኢሳያስ ንህዝቢ ቅሉዕ መልእኽቲ እዩ። ቅበጽ! ይብል። ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም ኣብ’ቲ ድሕሪ ናዕቢ ፎርቶ ዝሃቦ መግለጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ተቓዉሞን መፈንቅለ መንግስትን ክፍትን ከምዘይክእል ጃጅዩን ተበቲኑን እዩ1 ክብል ብንጹር ገሊጽዎ እዩ።

 ራዕዲ፡ ከድምዕ፡ ኣብ ፍጹም ጸልማት ክካየድ ኣሎዎ። ካብ ምእጋድ ሓበሬታ ዝጸልመተ ጸልማት ከኣ ኣይህሉን። ጽልመተ ሓበሬታ ግፋ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕሉ ሓደ መልክዕ ራዕዲ እዩ ልክዕ ከም’ቲ ክዉን ጸልማት ዘርዕድ። ኣካላዊ ራዕዲ ተሓዊሱዎ ከኣ ኣዝዩ የርዕድ። ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንምሉእ ሓበሬታን ማዕከናት መዘርገሒኡን ንውልቁ ይውንን። ከም ዝተፈተዎ ሓበሬታ ይዝርግሕን ይገትእን። ንሓቂ ዘጥፍእ ንዕኡ ዘልምዕ ሓበሬታ ይምህዝ። ይሕሱ፡ ይኽውል፡ ይጥምዝዝ።

 ንራዕዲ ከመይ ንቈጻጸሮ? ከመይ’ከ ንተብዕ?

 ህዝቢ ካብ’ቲ ወሪድዎ ዘሎ መዓተ ራዕዲ ብትብዓትን ኣእምሮን ልብን ብምቅላስ ጥራሕ ነፍሱ ሓራ ከውጽእ ዝኽእል። ትብዓት ብኵራት ፍርሒ ኣይኮነን። ትብዓት ፈሪሕካ ክነስኻ ነቲ ክትግበር ዘሎዎ ዕማም ምፍጻም እዩ። ካብ ውድብ ወጻኢ ከኣ ትብዓትን ኣእምሮን ልብን ኣይህልዉን። እቲ ተቓላሲ፡ እቲ ተዓዋቲ ውዱብ ሓፋሽ ጥራሕ’ዩ።

 ውዱብ ሓፋሽ?

 እቲ ቃል ‘ሓፋሽ’ ብዝሒ፡ ግዝፊ፡ ቅርጻኣልቦነት ይእምት። ስቅ ኢሎም ኣብ መሬት ዝተደርበዩ ኣእማን፡ ኣብ መሬት ዝተኾደመ ኵምራ ጭቃ፡ ኣብ ትግርኛና ገና ኣይተለምደን ድኣ’ምበር ሓፋሽ ጭቃ፡ ሓፋሽ እምኒ ክንብሎ ምኸኣልና ልክዕ ከም’ቲ ንእኩብ ሰብ ሓፋሽ እንብሎ። ነቲ በእማንን ጭቃን ዝተነድቀ ቤት ግን ሓፋሽ እምንን ጭቃን ኣይንብሎን ቤት እዩ። እቲ ዝሮምሮ እምንን ብዑጥ ጭቃን ቅርጻን ሸቶን ሒዙ ካብ’ቶም ዘቘምዎ ብዓይነቱ ዝተፈልዬ፡ ዝበለጸ፡ ዝኸበረ ሓዲስ ግዛዕ ኴይኑ። እምንን ጭቃን ተወዲቦም ቤት ኴይኖም። ዕላማ ድማ ኣቝሞም ቅዱስ ዕላማ ንወድ ሰብ ካብ ሓይልታት ባህርዪ ንምክልኻል። ነቲ ሓፋሽ ናብ ቤት ዝወደበ ነዳቃይ ግን ኣሎ። ዕላምኡ ንነፍሱ ካብ ሓደጋታት ባህርዪ ንምክልኻል እዩ። ንሱ፡ ሸቶ እቲ ቅዱስ ዕላማ እዩ። እቲ ቤት መሳርሒኡ’ዩ። እቲ ቤት ንዕላማ ነዳቒኡ ከም ዕላምኡ ይወስዶ።

 እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ልኽዕ ከም’ቲ ኣብ ፈቐድኡ ዝተደርበየ ኵምራ እምንን ጭቃን እዩ። ክቕረጽን ክህነጽን ናብ ሓደ ሸቶ ከኣ ክቐንዕን ዝጽበ ህዝቢ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ሓይሊ፡ ስልጣን ኣብ ፈቐዶ ጎልጎልን ጎቦን ጽርግያታትን ተደርብዩ ካብ መሬት ዘልዕሎን ዝእክቦን ኣብ ጥቕሚ ዘውዕሎን በዓል ስዬ ይጽበ፡ ዝተባህለ። ከም’ቲ እቲ ቤት ነዳቒ ዘድልዮ ነቲ ሓፋሽ እውን ናብ ዕላማዊ ሓፋሽ ዝሃንጾ ነዳቒ የድልዮ። ንሱ እቲ መስራቲ ሕመረት ውድብ እዩ።

 እምበር እቲ ብሓጺሩ ብዛዕባ ‘ሓፋሽ’ እንክንዛረብ ብዛዕባ እቲ ንቝሕ፡ ሸቶኣዊ፡ ውዱብ ህዝቢ ኢና ንዛረብ። ብዛዕባ’ቲ ካብየናይ ማሕበራዊ መበቈልን ደረጃን ንቕሓትን ብቕዓትን መጺኡ ብዘየገድስ ተወሃሂዱ ንሓንቲ ናይ ሓባር ዕላማ ዝቃለስ ህዝቢ። ንዝኾነ ኣብ ኣደባባይ ዝተኣከበ ህዝቢ ሓፋሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን። እቶም ንውዱብ ሓፋሽ ካብ’ቲ ፍኑው ሓፋሽ ኣደባባይ ዝፈልዪዎ እዞም ዝስዕቡ ብቕዓታት እዮም። ውዱብ ሓፋሽ ናይ ሓባር ዕላማ ኣሎዎ። ብሓባራዊ ስነሓሳብ፡ መደብ ዕዮ፡ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ፡ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ሞያዊ ሸቶ ከኣ ይጥርነፍ። ዕላምኡ ንምዕዋት ከኣ ስትራተጂን ሜላን ይሕንጽጽ መገዱ የነጽር። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውድብ ውልቃዊ መንነቱ፡ ኣተሓሳስባኡ፡ ስምዒታቱ፡ ውልቃዊ ሸቶኡ ኣራጊፉ ብሓባራዊ መንነትን ስሞዒትን ኣተሓሳስባን ናብ ሓባራዊ ሸቶ ይጎዓዝ። ንሓባራዊ ሸቶ ንምዕዋት ሓባራዊ መንፈስ የማዕብል። እዚ ብኸማኡ ኣይግነን ሓያል ንቕሓታዊ/ሕጽቦ ሓንጎላዊ ስራሕት ይሓትት። ኣባላት ሓፋሽ ከካብ ማሕበራዊ መበቈሎም ሒዞም ዝመጹ ብቕዓታትን ክእለታትን ኣወሃሂዶም ሓደ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ማሕበረሰብ የቝሙ። ብቕዓት ናይ’ዚ ውድብ’ዚ ካብ እኩብ ድምር ውልቃዊ ብቅዓታት ኣባላቱ ኣዝዩ ዝለዓለን ዝነጠፈን ይኸውን። ውልቃዊ ስምዒትን ሓሳብን ሓይልን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ከኣ ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ኣቕኒዑ ይበስዕ። እቲ ዝዓበየ ሚስጢሩ፡ ውድብ፡ ወልቀሰባት ውልቃዊ ነፍሰነቕሓቶም ኣረኪቦም ዝለዓለ ሓባራዊ ውድባዊ ንቕሓት ክፈጥሩ ዘኽእል ምዃኑ እዩ።

 ‘ሓፋሽ’ ስንጭሮ ናብ ዝመርሖ ዝሕንበብ ብርቱዕ ፈለጋዊ ሓይሊ እዩ። ገዛእ ኣእምሮኡ ተሓዲጉዎ ናብ’ቲ’ ‘ቲ ሕመረት ዝመርሖ ከቕንዕ ስለዝኽእል ከኣ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ መሳርሒ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክቕየር ይኽእል። እቲ ሕመረት ህግሓኤ/ህግደፍ ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድብ’ዩ ሰሪሑ። ነዚ ውድብ’ዚ ንምፍራስ ከኣ እቲ ተቓዋሚ ብመንጽሩ ነፍሱ ክውደብ ይግብኦ።

 እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኵሉ ግናያት መንግስቲ ኤርትራ ጸይሩ ምኻዱ ብፍጥረቱ ጃጃዊ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ነጻነታዊ ቃልሲ ምዕዋቱ ከኣ ብፍጥረቱ ጅግና ስለዝኾነ ኣይኮነን። ህግሓኤ ድሓር ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንበይኑ ብሒቱ ንነዊሕ ዓመታት ንሱ መድሕን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ከኣምን ኪኢሉ ኔሩ። ህዝቢ ከኣ ኣሚኑ ተቓሊሱን ተዓዊቱን። ድሓር ግን ተጠሊሙ። ሔዚ ካብ መቝረንቲ’ቲ ጠላሚ ዲክታቶር ንምልቓቕ ሰለስተ ዝተፈተና ጸረ ዲክታቶርያዊ ኣጽዋር ኣሎዋና። ቀዳማይ፣ ምውዳብ። ካልኣይ፣ ምውዳድ። ሳልሳይ፣ ምውዳብ። ካብ ውድብ ወጻኢ ጅግንነትን ተወፋይነትን ዓወትን የሎን።

 ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

 07.05. 2013

 ጀርመን

 

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s