ንምንታይ እጽሕፍ፣ ብኸመይከ? በየነ ሃይለ

    ነዚ ሕቶ ንሰብ ዘይኰነስ ንነብሰይ ኢለ’የ ክቃለሶ ክፍትን። እቶም ነዚ ክጽሕፍ ዝሓተቱኒ ሰባት፣ ንኣንበብቲ መጽሔቶም ዘርዊ ጽሑፍ ክረኽቡ ብውሽጢ ልቦም ስለዝምነዩ፣ የንውሓልና’ዶ ይሕጽረልና! የመቅሮ’ዶ የምጽጾ! ሸውሃት ኣንበብትና የጕድም’ዶ የብልሕ እንዳበሉ እንተ ተሻቐሉ ኣየኽፍኣሎምን። ኩሉ ቀራብ መጽሔት ድቃስ ዝስእነሉ ንቡር ስክፍታ እዩ። እቶም ኣውሃሃድቲ መጽሔት ተስፋ ብዘይቀብጽ ትምኒት ተመሪሖም ተኣምራዊ ጋህዲ እንተ ተጸበዩ’ውን መን ይፈልጥ! ነዚ ናይ ሃገር ከቢድ ጾር ኰይኑ ዘሎ ሕቶ ዘፋዅስ ሰብ ከይተጸበይዎ ደበኽ እንተ ኢሉሎም’ሞ ኽኣ ንኣንበብቶም ብምሕጓሶም ክሕጐሱ እዮም። ምኽንያቱ ሕቶኦም ሕቶ ኩሉ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ቁጽሮም ኣይፍለጦም ድኣ’ምበር፣ ብዙሓት ፈጠራዊ መጽሓፍ ካብ መዓሙቝ ሂወቶም ክደርሱ ዝጽበዩሉ ዘሎ ግዜ እዩ ዝመስል። እቲ ክንገር ዘለዎ ዛንታ ኣብ ውሽጢ ሰብ ኰይኑ የእዊ’ሎ ዘብል ወቕቲ እዩ። ተዓቢጡ ዘሎ ብርሃን ስነጽሑፍ ፈንጺጉ ንኽውጽእ ዘስምዖ ዘሎ ነጐዳ ተለላያይ ድምጺ ኰይኑ ኣሎ። እንታይነት ፈጠራዊ ድርሰትን ደራስን ከም ሕጂ ኣብ ኢድ ምላሽ ዝጽበዩ ሓተትቲ ወዲቑ ኣይፈልጥን። ንኽጽሕፍ መፍትሕ ሃብታም ተመኵሮይ ሃቡኒ ዝብሃለሉ ግዜ በጺሕና ከይንኸውን እየ ዝብል።
ግን ቀሊል ኣይኰነን። ኣይከምሕቶኡን። ምጽሓፍ ክብል እንከለኹ ናይ ፈጠራ ጽሑፍ ማለተይ እBeyene-Haile  meazn meየ። ብዛዕባ ስነጥበባውያን ደረስትን ስነጽሑፎምን’የ ከስተንትን ደልየ ዘለኹ። ንኣብነት ከም ንውሕ ዝበለ፣ ሕጽር፣ ወይ ማእከላይ ዝዀነ ፈጠራዊ ዛንታታት ወይ ድማ ተዋስኦታት ማለተይ እዩ። ንግጥሚ’ውን ብኽቡር ደረጃ ኣባል ስነጽሑፍ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ጎይታ ስነጽሑፍ እንተተባህለ’ውን ዒራ ብግሁድ ኣይተተጠቐምኩሉን ኢለ ኣይምተቓወምኩን። ዋና ድሕሪ ረኺቡስ ሓኸለ ስነጽሑፍ ምዃኑ ብልበይ እየ ዝኣምን። ገሊኦም ዝተዓደሉ ክንፊ ግጥሚ ተወጢሖም ዝበጽሕዎ፣ ማለት ንርሕቀቱ ኰነ ንዕቤቱ ዝመዝን ማእለያ ዘይብሉ ሃዋህው ስምዒት የቕንእ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ክብልዎ ዝደልዩ ክብሉ እንታይ ይተርፎም እብል ኣብ ጽምዋ ሓሳበይ ኰይነ። ኣብ ውነ ፍርሓቶም ተላሕጒኑ፣ ወይ ኣብ ቅዲ ድኽነቶም ተሸኲዑ፣ ወይ ድማ ኣብ ሕጽረት ቋንቋኦም ተቐርቂሩ ዝተርፍ መግለጽ ሂወት ዓለሞም የለን።

ብዘይካ ብግጥሚ ብቅዲ ነዊሕ ይኹን ሓጺር ፈጠራዊ ዛንታ ወይ ተዋስኦ ክብጻሕ ዝኽእል ፍጹም ርሕቀት ረሲዐ ኣይኰንኩን። እቲ ዝተዓደለስ ኣብ መንኰርኰራት ውንኡን ትሕተ-ውንኡን ተሰቒሉ እንዳተሓምበበ ናብ መንገዲ ፍጹም ስነጥበባዊ ርሕቀት ይዕዘር እዩ። ብፈጠራዊ ዛንታን ብተዋስኦን ብግጥምን ገይሩ ሰብ በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ሓቅታት ሂወት ይውንጨፍ። ኣብኡ ዝተራእዮ ሕልሚ ይኹን ሓሳብ ከም’ቲ ብልጭ ክብል ዝተራእዮ ዘግህድ ደራሲ ዕዉት ፍጡር እዩ። ብክኢላታት ዝተደርሱ ፈጠራዊ ዛንታታት እናኸንብብ ፍሉይ መጻወዲ ራእይ ዘለዎም ደረስቲ’ኳ የለዉን ኣይብልን። ከመይ ገይሮም ድኣ ነቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ተንቀሳቓሲ ሕልሚ ናብ
ቃላት ቀይሮሞ? ኣበይ ሒዞሞ ጸኒሖም’ቲ ኹሉ ዛንታ? ‘ቲ ኹሉ ቅዲ ኣቀራርባ? ነቲ ስውንዋኖ ዕሊ-ፈጠራ በየናይ ሕንቁቕ መትሓዚኡ ጨቢጦም እዮም ከም ልዙብ መሳርሒኦም ገይሮም ብእኡ ድላዮም ዝቐብኡ፣ ብእኡ ቃሕ ዝበሎም ዝቐርጹ? ነቲ ናብ ዓለምለኸ ደረጃ ፍቕሪ ዘስገሩዎ ትሑት ፍሕትሕት ፍትወት ዝነበረ ዕለታዊ ርክብ ኣበይ እዮም ዓቂቦሞ ጸኒሖም? ነቲ ንውግእ ናብራ ናብ መምህር ሂወት ዝቐየረ ዛንታኸ ኣብ ምንታዮም እዮም ቀቢሮሞ ነይሮም? ነቲ ግናይ ተደጋጋሚ ዛንታ ከመይ ገይሮም ናብ ዘይምኖ ሙዚቃ ተስፋ ቀይሮሞ? ነቲ ኣብ ጭቃ ናብራ ዝጥልቅይ ዝነበር ህሩፍ ትሑት ስምዒት ከመይ ገይሮም ብሓድሽ መንፈስ ንልዑል ክብርታት ከምዘስተባህል ገይሮም? ካበይ የውጽእዎ ነቲ ሓድሽ ቅዲ? ሓድሽ ኣነጋግራ ዛንታ? ነቲ ንወድሰብ ናብ ልዑል ፍጡር ዝቕይር ምስጢር ኣበይ ጸኒሑዎም እዩ ብመጻሕፍቲ ዘውሕዝዎ ዘለዉ?

ብደረስቲ ኩሉሻብ ምስተገረምኩ እየ። ብናይ ርእሰይ ዕሊ ኣጻሓሕፋ’ውን ተገሪመ ኣይወዳእኩን። ስለምንታይ ክጽሕፍ ከም ዝደልይ ዝገልጽ ምላሽ የብለይን። ከም ውቃበ ኣብ ውሽጢ ህልውናይ ዝሰረጸ ድፍኢት ጽሓፍ-ጽሓፍ እዩ ዘጽሕፈኒ። ናይ’ቶም ስነጥበባዊ ሓይልታት ውርዉር ኲናት ኰይነ እየ ነቲ ብናብራ ገጢሙኒ ንውሽጠይ ዝሰፈረ ግጥማት ናብ ስነጥበባዊ ህልውና ክቕይር ዝፍትን። ኣብ ናብራይ ካብ ዝገጥሙኒ ዓይነይ ስሕብ ንዘብሉ ፍጻሜታት ኣዝየ እየ ዘቕልበሎም። እዚ ፍሉይ ባህሪ’ኳ ኣይመስለንን። ኩሉ ቀልቡ ናብ ዝስሕቦ የቕልብ እዩ። ካብ ንእስነተይ  ሚረ ነቲ ዝገጥመኒ ዘበለ ተመኵሮ ሂወት ኣብ ወረቐት ብዘይዓለቡ ብመርበብ ቃላት ጸሚደ ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ከቐምጥ ላሕ እብል። እቶም ናይ ውሽጠይ ቃላት ነቲ ግጥሚ ብሓቂ ፈቲሎም ክኣልምዎ እንከለዉ ኣብ መንጎ ውነን ትሕተ-ውነን ወይ ኣብ መንጎ ሕልምን ግህዶን ኰይነ ቅሳነት ይስምዓኒ። ብዘይተሰምዐ ሙዚቃ አሰንዮም። ኣብ ዓለም ወሪድካ ብዘይምለኽ ተኽእሎታት ከም ዝዛነዩ እገብሮም። ንዕኦም እንዳኣለምኩ ጥራሕ ብሩፍታ ምነበርኩ። ዘይገብርዎ ነገር የለን። ናብ ወረቐት ውረዱ ኢለ ግን ብፍቓዶም እምበር ብፍቓደይ ከውርዶም ኣይክእልን። እንተወረዱ ድማ ከም’ቶም ፈለማ ዝተኸሰቱለይ ኣይኰኑን። ንንቕሓት ግህዶ ናብራይ ሙሉእ ንስነቶም ኣይቀልዑለይን። ሂወት ድቃሰይን ዙረት ሕልመይን ዝሕሾም እዮም ዝመስሉ። ተቓሊሰ ምስ ኣውረድኩዎም ዝነበሮም ግርህነት ይገድፍዎ። ክንዲ ርብዒ ብልጭትኦም’ውን ኣይመልኡን።

እምብኣርከስ ከም ደራሲ እቲ ዝነውሐን ሕጂ’ውን ገና ዘይተገንሐ ጻዕረይ እቶም ዝተራኣዩኒ ከምዘለዉ ብቓላት ንምህናጽ እዩ። ስሓቦ ጕተቶ ኢለ ኣብ ዝበጽሖ ከም ዘይብለይ ስለዝተረዳእኩ ከይፈተኹ ገና ብዘይመለኽኩዎ ሜላታት እጥቀም። ክጥብሮም ኢለ ዘይገብሮ የብለይን። ፍቕሪ’ዩ ፈውሶም ኢለ ንመን ዘየፍቀርኩን ዘይተገደስኩን። ማዕረ ፍቕሪ ንዝሕረሞም ሕሙማት ስምዒትን፣ ከድዓት ሰብኣውነትን ከይተረፈ ዘይርድኦም ክቡር ሕውነት ክህብ ዝተኸሻሕኩሉ እዋን እውን ኣሎ። ንዑ ውረዱ ክብል ወጊሑ ይመስየኒ። ብውነይ እንተኣብዮም ብትሕተ-ውነይ ክስሃሎም ዘይገብሮ የብለይን። እዞም ገና ክጽሕፉ ዝምነየሎም መንእሰያት ነዚ ብልሓት’ዚ መሊኾሞ እንተዝርእይ ክንደይ ምተሓጐስኩ! ናብ ውሽጥኻ ምእታው፣ ድሓር ጽንሕ ኢልካ ናብ ገደና ዓለምካ ምቕልቃል፣ ዕግስ ኢልካ ድማ ምስ ሓይልታት ውሽጥኻን ግዳምካን ምቅላስ፣ ድሓር ዝጨበጥካዮም ሓቅታትን ጽባቐታትን ንተፍቅሮ ኣንባቢ ምውፋይ እንተዝኽእሉ ክንደይ ምጸበቐ!

ንረቂቕ ብግዙፍ ንምግላጽ ክክኣል ምእንቲ ዳርጋ ንመን ዘይብሎም ሓይልታት ሞባእ ዘውደቕኩሉ ኩነታት ኣሎ ክብል እኽእል። ከም ረቂቕ ንፋስ ተመሲሎም ኣብ ውሽጠይ ቦታ እንተሓዙ ኢለ ንኣንነተይ ጋህ ኣቢለ’ለኹ። ንኹሉ ንባብ፣ ስራሕ፣ ሰብኣዊ ርክባት፣ ፍጻሜታት ድርኵኺት ትንፋሰይ ሓሊፎም ብኽፉት ማዕጾ ንኽኣትው ኣፍቂደ እየ። ክምስታታት ይኹኑ ጽውግታታት፣ ሰላምን ውግእን፣ ፍቕርን ጽልእን፣ እምነትን ክሕደትን ወዘተረፈ ኣትዮም ቦታ ይሓዙ ዝበልኩሉ ግዜ ሒደት ኣይኰነን። ብውነይን ብትሕቲ ውነይን ተጣሒኖም ይንበሩ ኢለ ዘንበርኩዎም ሕሹኽታታት ሂወት፣ ምስጢር ሓሳባት፣ ፍስሃታት ስምዒት፣ ፍልስፍናታት ዓለም፣ መፍትሓት ስነጥበባት፣ እምነታት ወዲሰብ ኣይውሓዱን። ናብራ እንዳተገላበጠ ውሕጅ ግፍዒ ንመስመራት ሓቂ ክድምስስ እንከሎ ኣብ ገጽ ሰባት ዝርኣኹዎ ስእሊ ኣብ ውሽጠይ ምንባሩ ቦታ ኣየጽበበለይን። ኣብ ወድሰብን ተፈጥሮን ዝርኣኽዎ ዘየቋርጽ ቃጭል ሓጐስን ጽባቐን ድማ ቀንዲ ነባሪ ንክኸውን ተመንየ። ስሓቕ ሰብ ቀለብ መንፈስ ምዃኑ ኣይተጠራጠርኩን። ቀመም ዘንበብኩዎም መጻሕፍቲ ኣብ ውሽጢ ኰይኖም ከምዝምገቡ ከይፈለጥኩ ገሚተ። ነዞም ኩሎም እካበ ዝኽርታት ብተመኵሮታት ናብራይ ይህቦም ብዝነበርኩ ኩላሶታት ክጸግቡ ተስፋ ነይሩኒ።

እምብኣር በዝን ብኸምዝን ጌርካ ኢኻ ንዓቢዱ’ዶ ትብልዎ”ን ንድኳን ትበርህን ትጽቢት ባህጉን ወግዒ ልብን ደሪስካ ንዝብል ሕቶ ግን እወ ኣይምበልኩን። እዚ ሕጂ ዝኸውን ምስ ኰነ ክመራመረሉ ዝፈተንኩ ጽሑፍ እዩ። እቲ ክጽሕፍ እንከለኹ ግን ተመራማራይ ኣይነበርኩን። ተላኣኻይ እየ ነይረ። ኣብ ውሽጠይ ኰይኖም ንዝመርሑኒ ሓይልታት እየ ተገዚአ። ብውነይ ድሕሪ ኰይኑ ካብ ንእስነተይ ኣከያይዳ ዓለም ብዙሕ ዝመሓየሽ ከምዘለዎ ኰይኑ እዩ ተረዲኡኒ። ብዙሕ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ብሓዲሽ ክትካእ ዘለዎ ባህሊ ናብራ እዩ ተራእዩኒ። ነዛ ፍረ ዘይብላ ጎዳም ማሕረሻ እንዳምለኸ ዝነብር ሰብ ተፈትዩኒ ኣይፈልጥን። ስኣን ለውጢ ድሕሪት ዝተርፍ: ንልበይ ተንኪፉ ኣይፈልጥን። ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ ነጊሱ ምርኣይ ብቐደሙ ኣይተበረ ንን። ብሽም ስነጥበብ ዝቐርብ ጽላሎት ሓቅን ጽባቐን ኣይዓ በንን። ንለውጢ ዘይኣምን ኩሉግዜ ምስ ኣጠራጠረኒ እዩ።

ኣብ ዓለም ዘይክኣልኩዎ ኣብ ስነጥበባዊ ዓለመይ ከም ባህገይ ገይረ ዘይንቡር ሂወት ክህብ ምኽኣለይ ንመቐረት ናብራ ትርጕም ሂቡለይ። ሕጂ’ውን እቲ ስምዒት እንዳሓየለ’ምበር እንዳደኸመ ክኸይድ ኣይክኣለን። ገና መዝገበ ንሰማይ ብሕብሪ ክቐብእ ኢሉ ጥስቲ ሕብሪ ኣብ ኣካላቱ ክድፍኦ እንከሎ ብሓጐስ ይዝከረኒ። ዓብዱ ምስ ደንጎላ ክቃለስ ካብ ዓይነይ ኣይፍለይን። እምነት ወዲእምኒ መሊሱ ክተርር እንከሎ ድማ መሊሱ እምነት ይውስኸለይ።
ስለምንታይ እጽሕፍ ብኸመይከ ንዝብል ሕቶ ብምሉኡ ዝመለስክዎ ኣይመስለንን። እንድዒ’ውን እንተመለስክዎ! ሕጂ ዝተጠቐምኩሉ ቃላትን ትሕዝቶን መሊሰ ኣይደግሞን። ንዓይ ደው ኢሉ ዝጽበ ስነጥበብ ኣይገጠመንን። ኣርክብ: ምሳይ ጉየይ እዩ ዝብል። ከም ብሓድሽ ብፍሉያት መኣዝናት ምጥማት እደሊ። እዞም ክጽሕፉ ዝጽበዮም ዋርሳይ ካብ ማልሳ ጉዕዝኦም ናብ ጽሑፎም ከይኣትዉ ዘታርፉ ወግዕታት ከይገጥምዎም እፈርሓሎም። ዕላላት ስነጽሑፍ ኣብ ፈቐዶ መዘናግዕታት ጥራሕ ዝተወሰነ ከይመስሎም’ሞ ናብኡ ዞኽዞኽ ከየብዝሑ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝሰፈረ ራእይ ስነጽሑፍ እንተዝዕቅቡ እብል። ከም’ቲ ኡሊሰስ ኣብ ማልሳ ጉዕዝኡ ብጥዑም መዐንዘዚ ድምጺ ሲረናታት ከይጠፍእ ንባዕሉ ናብ ዓንዲ መርከብ ከም ዝቕየድ ድሕሪ ምግባር: ናይ’ቶም መኻይዱ ኣእዛን ድማ ተወቲፉ ከምዝዕጾ ዝገበረ፣ ሕጂ ድማ ድምጺ ዕንጭራር ብዘዘክር ባዶ ጭርሖ ጭርናዕ እንዳደጋገማ ንኽብረት ታሪኾም ተዂበን ብምድማይ ካብ ዘቝስላ ተጻባእቲ ምርሓቕ ከድልዮም እዩ። ኣብ ጫውጫው ክትዕ ስነጽሑፍ ዝዕወቱ ካብ ዝመስሎም ምርሓቕ እዩ ዝሓይሽ። ውሩይ ደራፊና ፍሒራ ብደርፊ ከምዝገለጾ ነቲ ጽምይዎ ዘሎ ናይ  ጋኑ ጎቦታት እንተዘከሩ ይሓይሽ። ነቲ ኣብ ውሽጦም ሰፊሩ ዘሎ ምስጢራት ሂወት ዘግህድ ቅዲ ስነጽሑፍ ንምእላሽ ናብ ውሽጦም እትው ውጽእ እንዳበሉ ብፈጠራዊ ስነጽሑፎም ከድሕኑና እንተዝጅምሩ እንዳበልኩ እምነ። ብስነጽሑፎም ካብ ጥልቃየ ናብራ ሃፊፍና ብሓቅን ብፍቕርን ናብ ንቃጸለሉ ሂወት በጺሕና ካብ ሓሙዅሽቲ ሕሉፍና ከም ብሓድሽ ክንፍጠር ንኽእል ኢና በሃላይ እየ።

ኣነ ግን ዓለመይ ከካፍል ኢለ እየ ዝጽሕፍ። ዝርኣኽዎ ርኣዩ: ዝሰማዕክዎ ስምዑ እየ ዝብል ኣብ ጽሑፈይ። ናትኩም ዓለም ከኣ ኣርእዩኒ ብሃላይ እየ። ኩልና ማእለያ ንዘይብሎም ንፍጹም ክፍልታት ናብራ ሂወት ሽም ኣብ ምውጻእ ኢና ንርከብ። ኣየናይ ሽም እዩ ኣብየት ዘብላ ንሂወት? ኣየናይ ሽም እዩ ዘሐጕሳ? ንኹሉ ክፍልታታ ዘበራብሩ ኣስማት ይርከቡ’ዶ? በየናይ ስነጽሑፍ ኢና ዓው ኢልና ብናይ ሓቂ ስማ ንጽውዓ? ነቲ ማህለቕያ ዘይብሉ ህልውንኣ ዝጸርሕ ቃላት ካብ ምንታይና ኢና ነውጽእ? ካብ ናፍቖት ሓቅን ጽባቐን ብዝርከቡ ቃላት ዝተሃንጹ ስነጽሑፋት ኣኻኺብና ንዓለም ኣቤት ከነብላ እንድሕሪ ክንነቅል ኴንና: ሓድሽ ራእይ ንሕቈፍ። ርሑቕ ንጠምት። ንሓቀኛ ተመኵሮና ማይ ብዘይጠዓመ ፈጠራዊ ቅዲ ሃኒጽና ንንባብ ነብቅዕ። ኣነ ድማ ጽባቐ ንኽወጽእ ነቲ ብሓሳባዊ ቀለም ኣብ ዝኽሮም ተዓቚቡ ዘሎ ምስልታት ብመጽሓፍ ኣብ ምውራድ ክተሓጋገዝ እብህግ።

(ኣብ ቦዅሪ ሕታም መጽሔት ጸዳል፣ነሓሰ 2006፣ዝተጻሕፈ)

Advertisements

2 thoughts on “ንምንታይ እጽሕፍ፣ ብኸመይከ? በየነ ሃይለ”

  1. … ኣነ ግን ዓለመይ ከካፍል ኢለ እየ ዝጽሕፍ። ዝርኣኽዎ ርኣዩ: ዝሰማዕክዎ ስምዑ እየ ዝብል ኣብ ጽሑፈይ። ናትኩም ዓለም ከኣ ኣርእዩኒ ብሃላይ እየ። ኩልና ማእለያ ንዘይብሎም ንፍጹም ክፍልታት ናብራ ሂወት ሽም ኣብ ምውጻእ ኢና ንርከብ። ኣየናይ ሽም እዩ ኣብየት ዘብላ ንሂወት? ኣየናይ ሽም እዩ ዘሐጕሳ? ንኹሉ ክፍልታታ ዘበራብሩ ኣስማት ይርከቡ’ዶ? በየናይ ስነጽሑፍ ኢና ዓው ኢልና ብናይ ሓቂ ስማ ንጽውዓ? ነቲ ማህለቕያ ዘይብሉ ህልውንኣ ዝጸርሕ ቃላት ካብ ምንታይና ኢና ነውጽእ? ካብ ናፍቖት ሓቅን ጽባቐን ብዝርከቡ ቃላት ዝተሃንጹ ስነጽሑፋት ኣኻኺብና ንዓለም ኣቤት ከነብላ እንድሕሪ ክንነቅል ኴንና: ሓድሽ ራእይ ንሕቈፍ። ርሑቕ ንጠምት። ንሓቀኛ ተመኵሮና ማይ ብዘይጠዓመ ፈጠራዊ ቅዲ ሃኒጽና ንንባብ ነብቅዕ። ኣነ ድማ ጽባቐ ንኽወጽእ ነቲ ብሓሳባዊ ቀለም ኣብ ዝኽሮም ተዓቚቡ ዘሎ ምስልታት ብመጽሓፍ ኣብ ምውራድ ክተሓጋገዝ እብህግ።

    Fantastic. Thanks Shshai for presenting this enlighting article from the greatest Eritrean literary.

    Like

    1. ካብ ዘስተውዓለስ ምስትውዓላት ዘዋህለለ ክበሃል ሰሚዔ’ለኹ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብልክዕ እንታይ ማለት’ዩ ግን ብንጹር ኣይርድኣንን። ኩሉ ሰብ ብዓቕሙ የስተውዕል’ዩ። ”ተራ” ምስትውዓል ዘይከኣለ ከመይ ዉህሉል ምስትውዓላት ከስተውዕል ይከኣሎ? ኣይፈልጥን። ግን ነቶም ክንዮ ተራ ምስትውዓል ዘስተውዕሉ እንተኣስተውዒልና ብዝበለጸ ኣእምሮና ይሰፍሕ ከምምባል ስለዝተርዳእኩዎ፡ ብዝዕባ ጽሑፍን መጽሕፍን ዘልዓሉ ክልተ ብኣረኣእያይ ክንዮ ኩሉ ተራ ኣተሓሳስባን ሓሳብን ዝኸዱ ኣዝየ ዘድንቕምን ዘገርሙንን ደርስቲ ሃገርና ኣብ ሓደ ቦታ( ኣብ ማእዝን) ምስረኣኹዎም ብጀካ ነቲ ጽሑፎም ብጥንቃቕን ኣተኩሮን ምንባብ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን።
      ክልቲእም፡ ማለት ዳኒኤል ሰመረን፣ በየነ ሃይለን፡ ዓለምና ነዚእ’ያ ትመስል እንተኺእልኩም ድማ ዓለምኩም ኣርእዩና እዮም ዝብሉ። እብ ሓንቲ ዓለም እንዳተቕመጥና ኣነ ዘተንፍሶ ኣየር እንዳ’ተንፈሱ ዓለሞም ካብ ዓለመይ ብኸመይ መቂራ? ሃብቲማ? እግረም።መልሱ ”ሓይሊ ጽሑፍ ቃል’ዩ” ኢልካ ዝስገር ኣይኮነን። ኣብ ሕጽረት ቋንቋ ተቕርቂሩ ዝተርፍ መግለጺ ሂወት ዓለምና ከምዘየለ ክልቲኣም ኣነጺረሙለይ’ዮም። ንህይወት ብኹሉ ሸነኻ ዝፍትሽ መስተውዓሊ ኣእምሮ ግድን’ዩ ከህልወካ! እቲ ጽቡቕ ግን ምስትውዓል ንፍሉያት ዝተዋህበ ሞሎከታዊ ገጸበረኸት ኣይኮነን።”ድኳን ተበርህን” ”ሓላዊ እታ ወርቃዊት ገረብን” ኣንቢቡ ዝያዳ ምስትውዓል ዝተማህረ የእምሮይ ይመስክር!
      ንነፍስሄር በየነ ሃይለ ብ2005 ብኣካል ክረኽቦ ዕድል እንዳሃለወኒ ብቴሌፎን ”ሃብተ ኼንካ ከይትብለኒ’ምበር ምሳኻ ክሰኣል እደልይ’የ’’ ኢለዮ፡ ክሳብ ምዝራብ ዝስእን ክስሕቕ ሎሚ ብጣዕሳ ይዝክሮ።
      ንዳኒኤል ሰመረ እውን ብኣካል ስጋብ ሎሚ ኣይረኽብኩዎን። መጽሓፍቱ ኣንቢበ ግን ከምዚ ዝፈልጦ ይመስለኒ። ኮፍ’ሉ ክጽሕፍን ብገዛእ ጽሕፈቱ በይኑ ክጭነቕን ክስሕቕን ግን ይረኣየኒ።ኣብ’ታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ ገለ ካብ’ቲ ኑሱ ባዕሉ ዘንቦቦም መጽሓፍቲ ምስ ጠቐሰ ኣነ’ውን ነተን መጽሓፍቲ ኣንቢበ ከም ዳኒኤል ክሓስብ ተመንየን ፈቲነን’የ። ’’ሓደ ድራሲ ብቕትታ፣ብኑጹርን፣ብህድኣትን ናብ ውሽጢ ሓንጎልና ኣትዩ ይዛረብ’’ዝበሎ ንበይነይ ዘጋጠመ ክስተት ዝይሙኻኑ ኣቕሲኑኒ። እዚ ድማ መጽሓፍ ንሞቑሕ ግዜን ቦታን ዝሰብር መሳርሒ’ዩ ዝብል ጽሑፍ ኣነ’ውን የስምረሉ።

      ሙሴ ተኸስተ

      Like

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s