ጽማቕ ታሪኽ ሰራዊት ሕድሪ፡ ካልኣይ ምዕራፍ

ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዝወዓሉ ሰባት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ነቲ ሓሳስ ሰእሊ እንዳጉልሖ መጺኡ እቲ ዝነበረ ዝተፈላለየmaxresdefault  ሰራዊት ሕድሪ 2 ምውንጃላት መበገሲኡን ጠንቁውን ተፈሊጡ ፡፡ ካብተን ከጻረያ ዝድለያ  ዝነበራ ጉዳያት  እቲ ብወገን መደፈኤ ተበዲልና ካብ ንጻወሮ ንኸሎ ንላዕሊ ስለዝኾነ ክንቃለስ አይንከልን ኢና ዝብል መረረን፡ በደል ፈጺሞም፡ ጉባኤ ረጊጾም፡ ንሕና ምስ ገበኖም ዘለው ሰባት ናብ ጉባኤ ከነእቱ ኣይከኣልናን ዝብል ክሲ ግንባር ሓገራዊ ድሕነትን፡ ንምጽራይ ተጻዒሩ፡፡ ካብቲ ዝተረኽበ መረዳእታ ሙሉእ ሰእሊ ናይቲ ጉባኤ እዚ ይመስል፡፡

ጉባኤ በዕለት 11/10/20014 ዓብ ኣዲ ግራት እዩ ተጀሚሩ ቅድሚ ምጅማር ጉባኤ እቲ ዝድለ መሰናደኦታት ብመንገዲ ዝተመዘት ሽማግለ ተገይሩ እዩ ብወገን ሓላፍ መደፈኤውን ናአባላቱ መግለጺ ተዋሂቡ ነይሩ ነቲ ጉዳይ ኣሚኖምሉ ከኣትውዎ ከምዘለዎምውን ተገሊጹ እዩ፡፡ እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ውሽጡ በዙሕ ዘይተጻረየ ርስሓት ነይርዎ እዩ፡ ምስ ተንኮላት ዝተሓወሶ ኣብ ለዕሊ ንጹሓን ተቃለስቲ ፈተናታት ነይሩ እዩ፡ ድሮ ጉባኤ ከኣ ክትግበር ጀሚሩ፡ ክልተ ኣባላት መደፈኤ ካብ ውሽጢ ድፋዕ ናብ ዓዲ ግራት ቤ/ጽ ሓለዋ ክገብሩ ተኣዚዞም ጐዕዞ ምስተበገሱ ኣብ መንገዲ ብረትኩም ኣውሪድኩም ኢኹም ክትከዱ ዘለኩም ዝብል ዘይተለመደ ንባእሲ ዘዕድም ትእዛዝ መጺኡ ኣባላት እውን እቲ ተዛዝ ስለዘስደመሞም ናብ ሓለዋ እንዳኸድና ከመይ ብረትና ነወርድ ዝብል ክትዕ መሰልዓሉ ብቀደሙ ብተንኮል ስለዝነበረ ንናይ ጸጥታ ኢትዮጵያ ጸዊዖም ህግደፍ ሰሊኹ ኣትዩና ብምባል ብኸቢድ ገበን ከሲሶም ንመቃልስቶምን  ኩል ናብረኦም ገዲፎም ንክቃለሱ ዝወረዱ መናእሰያት ኣእሲሮሞም፡፡  ኣብ ዓዲ ግራት እውን ብተመሳሳሊ በአባል ሓገራዊ ድሕነት ዝተመርሐ ጸጥታ ኢትዮጵያ ዘይተፈልጠ ብረት ኣለዎም ተባሂሉ ንቤ/ጽ መደፈኤ ከቢቡ ፈተሻ ከምዝግብር ተገይሩ እቲ ተንኮልን ሽርሕን ቀጺሉ፡ እዚ ፈተሻ ክግበርን አባል ናይ ሃገራዊ ድሕነት መሪሑ ክወስዶምን ከፈትሾምን ከሎ ንጉባኤ ክሳተፉ ዝወረዱ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ በአካል ዝተዓዘብዎ እዩ ፡ አዚ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ድሮ እቲ ጉባኤ ነይሩ፡፡

መዓልቲ ጉባኤ አኺሉ ኩሉ ተጋባኣይ ናብ ቦታ ጉባኤ ተረኺቦም፡ ኣብዚ ከኣ እቲ ተጋባኣይ ብሽም አንዳተጸወዓ ከምዝአቱ ተገይሩ ኣብዚውን ካብቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ  ካብ ዝተሰማማዓትሉ ወጻኢ ኮታ ሰብ ናብ ኣዳራሽ ካአቱ ጀሚሩ፡ ኣብ መወዳእታ ተጉዋሊሎም ዓሰርተ ዝኾኑ ሰባት ዓብ ደገ ኣትሪፎሞም ኩሎም ከኣ ተመዝጊቦም ዝነበሩ ክኾኑ ከለው ካበኦም ኣባላት ምደፈኤ  ካብ ኣውሮፓን አ/አበባን ዝመጹ ይርከብዎም፡ ኣብዚ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ምስተላዕለ ኣይተመዝገብኩምን ሓንሳብ ከነጻሪ ተባሂሎም ኣብዚ ኣቦ ወንበር ምደፈኤ ብኩሉ አሰራርሓ ስለዘይተሓጎሰ ተሪሩ ምስ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ድሕነት ስለዝተዘራረበን ኩሉ ተጋባኣይውን ስለዝተዓዘቦ፡ እንታይ እዩ እቲ ጸገም ብሰላም ንኽፍታሕ ሓቲቶም እቶም ኣብ ደገ ዝተረፉ ኣባላት’ውን በብሓደ እንዳተጸወዑ ከአትው ጀሚሮም እዚ ኩሉ ግና ንክልተ ሰባት ማለት አባላት ምደፈኤ ናብ ጉባኤ ንኸይኣትው ንምግባር እዩ ነይሩ፡ አብ መወዳእታ ጎሊሎም ንክልተ ሰባት ዓትሪፎም ንስኻትኩም ይቅረታ ከይሓተትኩም ናብ ጉባኤ ኣይተአትውን ኢኹም ተባሂሎም፡ ንሳቶምውን እንታይ ስለዝበደልና ኢና ይቅረታ ንሐትት ዝበደልናዮ ነገራት የብልናን ኢሎም፡ ኩሉ ተጋባኣይውን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕን እቲ ብሓንቀውታ ንጽበዮ ዝነበርና ጉባኤ ንኸይፈርስ ነቲ ጉዳይ ንምሕዳእ ተጉዋይዮም ይቅርታ ንክብሉ ዝተሐተትሉ ምኽንያትን ከጻርዩ ፈቲኖም እቲ ጉዳይ ግን አብ ድፋዕ ከለው ንሓላፊ ተዳፊርኩም ብዝብል ተከሲሶም አጻራይት ሽማግለ ተመዚዛ ነቲ ጉዳይ አጻርያ ነጻ ተባሂሎም ምኹዋኖም ሓቢሮም ሕጂ ይቅረታ ንሓተሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ዝብል ንጹር መልሲ ሂቦም፡፡ እንተኾነ ግን ቅድሚ ነዊሕ ተሓንጺጹ ዝጸንሐ ጉዳይ ስለዝኾነ ብወገን ሃገራዊ ድሕነት ኣይከውንን ዝብል መልሲ ምስመጸ ተጋባኣይ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ስለዝኾነ ሕድገት ግበሩ ብምባል ብግምጣሉ እቶም ዓባላት መደፈኤ ሕድገት ገይሮም ካብ ምስታፍ ጉባኤ ንቦትኦም ተመሊሶም፡ እዞም ክልተ ሰባት ንኣባላት ሰራዊት ሕድሪ እስራኤል፡ ኣዋልድ ዝደፈሩ ገበነኛ ሰባት ናብ ጉባኤና ከነእተእው ዓይንኸልን ኢና ዝብል መግለጺ ዝተዋህበሎም ክኾኑ ከለው ንሳቶም ግና አብ ድፋዕ ንሰራዊት ብፍቃድ መሪሕነት  ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክሕቡ ተፈቂድሎም ዝምህሩሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ሃንደበት ከቁዋርጹ ምስተኣዘዙ ንምንታይ ነቋርጾ ተፈቂዱልና እንድዩ ኢሎም ብምክተዖምን ሳልሳዮም ዝነበረ ሰብ ናይ ሕርቃን ቃላት ብምዝራቡን ሓለፍቲ ተዳፊርኩም ዝብል ክሲ ከምዝተመስረተሎም፡ እታ ነዚ ንምፍራድ ዝተመዘት ሽማግለውን ጉዳዩ አጻርያ ንክልቴኦም ነጻ ከትብሎም ከላ ነቲ ሓደ ገና ናብ ዝመጻሉ ቦታ (ወጻኢ ዓዲ) ክምለስ ተወሲንሉ ጉዳይ ተዓጽዩ ነይሩ፡

ካልእ ኣብ ምእታው ጉባኤ ዝነበረ ጸገም አዛዚ ሰራዊት ምስ መራሒ መደፈኤ ከሎ ናብ ጉባኤ ከአትው ኣይደልን እዬ ወይ ከኣ ይቅረ ክብል አለዎ ይብል፡ ክልቴኦም ከኣ ኣብቲ ጉባኤ ክሕልው ግድን እዩ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከትርፍ ኣይክእልን እዩ አንተኾነ ግና ብተጋባእትን ጉዳዩ ዝምልከቶም ኣካላትን ነቲ ጉዳይ ኣተሓዳዴኦም ሓላፍ መደፈኤ ኣብ ቅድሚ ተጋባእቲ ይቅረ ገይሮም፡ እቲ መተሓራረቂ ነጥቢ ግን ቀረባ ሓፍቲ ነአዛዚ ሰራዊት መይታ ጽነዓት ይሃብካ ኣይበለንን እዩ፡፡

     ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣብ ዝስዕብ ሕታም፡

Advertisements

ጽማቕ ታሪኽ ሰራዊት ሕድሪ

                               ታሪኽ ሰራዊት ሕድሪ

ብመጀመርያ ሰራዊት ሕድሪ ብኸመይ ክቐውም ኪኢሉ ዝብል፤ ሕቶ ክምለስ ክኸአል ኣለዎ አጀማምራ  ሰራዊት ሕድሪሰራዊት ሕድሪ ብሜዳ ማለት ብተራ ዓባላት ሰራዊት መደፋኤን፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ዝተጀመረ  እዩ፤ አዚ ማለት አቲ ተራ ሰራዊት ንሓደ ዕላማ ክንሶም በበይኖም ክወፍሩ፡ ክሓድሩን ክመሓደሩን ፡ብዘይምምራዶም ጥርናፎኦም ብሓደ ክገብሩ ተሰማሚዖም እዚ ሰናይ ተበግሶ አዚ ግን ንፖለቲካዊ ቤ/ጽ ዓቛይቑን ምምቕቓል ፈጢሩን አዩ ዓንተኾነ ግን አቲ ነቲ ጉዳይ ደጊፈ እዬ ዝበለ ወገን፡ ነቲ ጉዳይ ንሰራዊት አምበር ንፖለቲካዊ ቤ/ጽ ኣይጥርንፍን አዩ ንሰን ንኽጥርነፋ ጉባኤ ክካየድ ዓለዎ ዝብል መርገጺ ሂቦም እዚ ኩነታት ዘንቀሎ ዓብ አስራኤል ዘለና እውን ኣብነት ስለዝኾኑና ኣብ አስራኤል ዘለዋ ኩለን ማለት ሰለስቴአን ደምበ ተቃውሞ   ስምረት፣ መንቅስቃስ መነሰያት፣ ከመኡውን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሰሰለስተ ሽማግለ ብምውጻእ ሰለስቴአን ብሓደ ዝኾናሉ ጥርናፈ ንምፍጣር ተጻኢሩ ከም ውጸኢቱ ድማ ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓባር አኼባ ኩለን እኳ አንተተሰማማዓ ኣብ ግብሪ ግን ምንቅስቃስ መንእሰያትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ክልተኤን ድማ እቲ ዓብ ሜዳ ዝተጸንበረ ሰራዊት ስለዝምልከተን ሽመን ሰራዊት ሕድሪ ኣጠሚቀን ብሓደ ንኽሰርሓ ወሲነን ብዙሕ ስርሓትውን ሰሪሓን ብዓቕሚ ሰብን ብገንዘብን ከኣ ነቲ ሰራዊት ሓገዛት ተገይሮም፡ ብፍላይ ብዓቕሚ ሰብ ካብ ዞባ እስራኤል ርሱን መንፈስ ሃገራውነት ዘለዎም ብሉጻት ተቃለስቲ በቲ ጉዳይ ኣሚኖምሉ ናብርዎምን ሓዳሮምን ገዲፎም መእንቲ ሃገሮም ናብ ግንባር ብተግባር ወሪዶምን ንዝወረድሉ ዕላማውን የሰላስሉ ነይሮም እዮም። ኣብ ዞባ አስራኤል እውን ክሳብ  አቲ ዕለት ናይ ጉባኤ ዘአክል  ጽቡቕ መንፈስ ናይ ኣባላት ምውሕሃድ ይረአ ነይሩ ናብቲ ጉባኤውን ዝሳተፉ ኣባላት ሰራዊት ሕድሪ ዞባ እስራኤል ወሪዶም እዮም፡፡ ኣብዛ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ጉባኤ ሓደጋ ሒዙ ተቐልቒሉ።

           እቲ ጉባኤካብ ዕለት 11/10/2014  ንሰለስተ   መዓልቲ ጽቡቕ እንዳተባሃልና ጸኒሕና አብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድሕሪ ፋዱስ ካብ ቦታ ጉባኤ ብአቦ ወንበር ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሃበሬታ ናብ እስራኤል በጺሑ፡ አዚ ከኣ ኣቦ ወንበር ምደፈኤ ኣባላቱ መሪሑ ጉባኤ ረጊጹ ወጼኡ ዝብል ነይሩ እዚ ንኩሉ ኣባል ዓቆጤዑ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሞራል ናይ ብዙሓት ተቃለስቲ ተንኪፉ እዚ ጉዳይ በዓቅሊ ክተሓዝ ከምዘለዎን ነቶም ኣባላትውን ክሕተቱን እርቂ ዝመጻሉ መንገዲ ክፍጠርን ናይ ብዙሓት ተቃለስቲ ሓሳብ ነይሩ፡፡ እዚ ሓሳብ ንኽትግበርውን ካብቶም ንጉባኤ ክሳተፉ ዝወረዱ ተረፍ ክልተ ሰባት ነይሮም፡ ንሳቶም ከይዶም ነቲ ጉዳይ ክርእይዎን፡ ነቲ ጉዳይ ርእዮም እቲ ጉባኤ ዝቅጽለሉ ኣገባብ ዕርቂ ክፍጽሙ ተላኢኾም ንሳቶም ንከርክቡ እውን ጉባኤ ንሓደ መዓልቲ ደው ኢሉ፡ እንተኾነ ንሳቶም እውን ብዘጋጠመ ናይ ኣየር ጸገም ዓይቀነዐን፡ እቲ ጉባኤውን ቀጺሉ በዓወት ዛዚምና እውን ተባሂሉ፡፡ እንተኾነ ግን ናይቲ ጉዳ ጠንቂ ነገሩ እንታይ ምኻኑ ክይተፈለጠ ሕጂውን ንዕርቂ ክጻዐር ኣለዎ ተባሂሉ እቶም ካብ ጉባኤ ዝተረፉ ኣባላት ከኣ ምስከዱ መልሶም ይረኤ ተባሂሉ፡፡ ንሳቶምውን ዝለኣኽዎ መልሲ ዝሓበረና ሓበሬታ ናይቲ ጸገም ዓይነበረን ናቶም ውሳነ ዝምልከት እዩ ነይሩ፡፡ ምስቲ ጉባኤ ዝተዓወተ ኣካል ወሲና ኣለና ኢሎምና እንተኾነ ግን ኻብዚ ከይከዱ ኣብ ዘይወዓልዎ ጉባኤ ስልጣን ተዋሂብዎም እዮም ከይዶም ብናቶም መልሲውን ኣባል ኣይዓገበን ከመኡውን ብወገን ሃገራዊ ድሕነት ዝተሰደት ደብዳቤ’ውን እቲ ዝነበረ ኩናታት ብግልጺ ዝቀመጠ ኣይነበረን ከመኡውን ንክልተ ኣባላት መደፈኤ ብምድፋር ጓል ዘወንጅል ነይሩ፡ ባይቶውን ዓራቂት ሽማግለ ቆይማ ኣላ  ፈተነ ዕርቂ ክቅጽል እዩ ኢላ፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ናይ ኣባላት ባይቶ ዞባ እስራኤል ጽቡቅ መንፈስ ዘይተራእዮ ተራ ኣባል ሰግኣት ስለዝሓደሮ ስልጣኖም ከረክቡ ሓቲቱ፡ እንተኾነ ገን ብዝተፈላለየ ምስምስ አይኮነሉን አዚ ጉዳይ ዓዝዩ ምሰሰግኦውን ኣብታ ዝነበረት ዓራቂት ሽማግለ ትዕዘብ ሽማግለ ካብ ተራ ኣባላት መሪጻ ምሰኦም ብሓባር ክኾኑ ከምዘለዎም ገይሮም፡ እቲ ጉዳይ ዕርቂ እንዳተኻየደ ከሎ ኣብ መንጎ አባላት ባይቶ ሰብ ዘይተጸበዮ ናብ ሓደ ወገን ዝዛዘወን ስመዒት ተቃለስቲ ዘይሓለወን ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ ወሲና፡፡ እንተኾነ እቲ ሰናይ ንቅሓት ዘሕደረ አባል ከይተሓለለ ነዚ ውሳነ ኮኒኑ፡፡ ብቀደሙውን ስግኣቱ ሓቢሩ ስለዝጸንሐ ሓድሽ ኮሚተ ብምምዛዝ ነቲ ጉዳይ ጠንቅታቱ ንምፍላጥ ጐዕዘኡ ቀጺሉ፡፡ አታ ዝተመዘት ሽማግለውን ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ጐዕዞኣ ቀጺላ፡፡                                                                            መግለጺ ዝተመዘት ሽማግለ

እዛ ሽማግለ እዚአ ብዕለት  10/01/2015 ተመዚዛ፡  ዝተመዘት ሽማግለ እንታይ እንታይ ከተሰላስል ከምዘለዋ ካብ ኣባላት ተሓቢሩዋ ስርሓ ጀሚራ ፡፡ ዝተፈላለየ ሰረሓትውን ዓሰላሲላ ነቲ ሓንደበታዊ ውሳነ ናይ ባይቶ እውን ሓደ ክጽናዕ ዝግበኦ ጉዳይ ነይሩ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ባይቶ ብምርካብውን ዘትያ እቲ ቀንዲ ዝነበረ ጉዳይ ግን እቲ ኣብ ጉባኤ ዝተቀድሐ ፊልም ንክንርእዮ ይምጸአና ነዑ ሬኢና ናትና ውሳነ ክንውስን ኢና ዝብል መፍትሒ ጠለብ ናይ ዓባላት ስለዝነበረ፡ ብዛዕበኡ እውን ኣብ ኣኼባ ተሓቲቱ፡ ካብ አቦ ወንበር ዝተዋህበ መልሲተጠሊባ ሰሙን ጌራ ትመጽእ ከምዘላን እዩ ነይሩ፡ ሕቶ ናይዛ ዝተቀድሐት ፊልም ኣብ ባይቶ ንአባላት ንከይትረአ ብዙሕ ሰበብ በዚሕዋ፡ ሓንሳብ እቲ ቀዳሓይ ዝወዓለ ኢዲት ገይሩ ከምዘምጸአን ኢድ ኣቦ ወንበር ምደፈኤ ምትእትታው ከምዝተገበረላን ተሓሩ፡ ስለዝኾነ ከኣ ንመረጋገጺ ኣብቲ ጉባኤ ዝወዓለ ሰብ ማለት ሚኬኤለ ኣራንሺ ዝቀድሖ እዩ ክመጽእ ተባሂሉ ነቲ ጉዳይ ንክቀድሕ 7፡000 (ሸወዓተ ሽሕ) ብር ተከፊልዎ ዝወዓለ ሰብ ከሎ ከመይ ተጋባኣይ ዝቀድሖ ይለኣከልና ነታ ዋና ኢና ንደሊ ተዘራሪብኩም ከምትመጸ ግበሩልና ወይ ከኣ ንጹር መልሲ ይወሓበና ተባሒሉ ፡ ብድሕሬኡ ዝመጸ መልሲውን ዓብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን መብራህቲ ትኸይድ ትመጽእ ስለዝነበረት ሙሉእ ብሙሉእ እቲ ጉባኤ ዓይተቀድሐን ዝብል ነይሩ፡፡ ናይ ጉባኤ ወጻኢ ብዞባ እስራኤል ተሸፊኑ ክነሱ ዝተቀድሐ ፊልሚ ትክለአሉ ምክንያት እዚ ጉዳይ ክረአ ዘይድለ ነገር ከምዘለዎ ስለዘጠራጠረ ቀንዲ ጠንቁ ምፍላጥ ከኣ ናብ ዕርቂ ከምጽእ ዘኸእል ሓሳብ ክርከብ ከምዝኸል ተአሚኑ ንጹር መረዳእታ ናይ ጉባኤ ንምርካብ ኣብ ጉባኤ በአካል ዝተሳተፉ ሰባት ምፍታሽ ኣድልዩ፡፡

          እዚ ጽሑፍ ኣይተወደአን  ካልኣይ ክፋሉ ኣብ ዝቕጽል ክስዕብ’ዩ

ንኺድ ናብ ኣስመራ!! ብመስዑድ ዑመር

             ንኺድ ናብ ኣስመራ!!     ብመስዑድ ዑመር
ንሓደ ሕማቕ ፍጻመ፡ ደጋጋሚካ እንተርኢኻዮን እንተሰሚዕካዮን፡ ክትለምዶን ከይተገረምካ ክትሓልፎንamara photo ተኽእሎታት ኣሎ፡፡ ጽንሕ ኢልካ ድማ ከም ንቡር ትወስዶ። ኣብ ሲና ዘጋጥም ዝነበረ ሞትን ምሻጥ ክፋላት ኣካላትን፡ ኣብ ተከዘ ኣብ ሰሃራ ዘጋጥም ሞት፡ ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋን ካልእን፡ ዳርጋ ተለሚዱ፡ ሰሚዕካዮ፡ ዘይቐፍፍ ኮይኑ፡ ኣብኡ ከለኻ ዋእ እንታይ ትብል ወደይ፡ ኢልካስ ብፈኲስ ዝድመጽን ብቐሊል ዝረአን ግብረ መልሲ ትህብ፡፡ ካብኡ ዝበኣሰ ድማ ዳዕሽ ዝበሃሉ ሓረድቲ ሰባት መጺኦም እዚ ድማ ድሕሪ ቁሩብ ከይንለምዶ የፍርሕ፡፡ ዋላ’ኳ ብተደጋጋሚ ካብ ሃገር ከይወጹን፡ እንተወጺኦም ድማ ናብ ሰሃራ ገጾም ከይስጉምን ንዛረብ እንተሃለና፡፡ ሰማዒት እዝኒ ኣይተረኽበትን፡፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ሓቆም’ዮም፡፡ እቲ ንስኻ ክትገብሮ ዝግብኣካ ሰባት ክገብርዎ ምጽባይ ግጉይ ርድኢት ስለ ዝኾነ፡፡ ጌለና ኤርትራውያን፡ ኤርትራን ህዝባን፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎን፡ ነቲ ኣብ ገለ ሃገራት መሰል ዑቕባ ዘይረኸበን ዝያዳ ትብጽሖም ጌርና ስለ እንሓስቦ’ዩ ይመስለኒ። ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ስርዓት ዘይትኣልዩ፡ ክንብል ንስማዕ። እታ ሃገር፡ ነቲ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘሎ ኤርትራዊ፡ ነቲ ቀደም ዝተሰደደ፡ ነቲ ትማሊ ዝተሰደደ ብማዕረ ትብጽሖ፡ ብማዕረ ክውፈየላ ድማ ይግባእ፡፡ ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸን እቲ ዝጉስጉስ ስነ ጥበበኛን ክውፈዩን መርኣያ ክኾኑን እንተዝኽእሉ ዝበለጸ ምኾነ፡፡ እምበኣር ንኺድ ናብ ኣስመራ፡ ይብል ኣሎ መስዑድ ጀላኒ ካብ ሽወደን ዝለኣኸልና ጽሑፍ’ዩ፡፡
ኣብ ኣስመራ ሞት የለን። እንተሃልዩ ድማ ዓወት’ዩ ክወልድ፡፡ ሓርነት’ዩ ክጎናጽፍ፡፡ ባርነት’ዩ ክቕንጥጥ! ብዕስለ ሞት’ውን ይጎድል። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኣስመራ ማእከላይ ባሕሪ የለን። ናይ ኣስመራ ማእከላይ ባሕሪ፡ ህግደፍ’ዩ፡፡ ህግደፍ ድማ ብሰባት’ዩ ቆይሙ፡፡ ኤርትራውያን፡ ንባሕሪን ንተፈጥሮን እናገጠሙ ንሰብ ምግጣም ክስእኑ ንቡር ኣይኮነን። ህግደፍ ብዕስለ እንተቐተለና ኣብ ኣስመራ፡ ንቡር’ኳ ንረክብ። ሓመድና ንድበ፡ ዓሱር ተስካር ይግበረልና፡ መዓልቲ ሓዘን ንእውጅ፡፡ ዜጋታትና  እናሞቱ ግን፡ ንሕና ንገጥም፡ ንሕና ንጽሕፍ፡ ዜናታት ንስርሕ ዓንቀጻት ነዳሉ፡ ልቢወለዳት ንትልም፡ ደርፊታት ነዳሉ፡ መደባት ደርፊ ንስርዝ፡  ኮሜዲታት ነዳሉ፡ ኣብ ክንዲ ፈጠራዊ፡ ህያው ገጸ ባህሪ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ንደግሞ፡፡ ንዘይንመሃረሉ ንዘይንርዕደሉ ንዘይነመሓይሾ። ካብ’ቲ ንቡር ዝወጸ ኣተሓሳስባ’ዩ፡ ሞት ከም ዘሎ እናፈለጠ ሬሳኡ ኣርሒቑ  ክድርቢ ዝደሊ ወለዶ! ሞት ንሞቱ ኣብ ዓደይ ክንዲ ዝብል፡ ኣብ ክንዲ ንብል፡ ሞት ንሞቱ ንጨቋኒየይ ገጢመ ኣብ ክንዲ ንብል፡፡ ኣብ ክንዲ ዝብል። ሞት ንሞቱ ምስ ክብረተይ ኣብ ክንዲ ንብል!! ካብ ንቡር ዝወጸ ኣተሓሳስባ፡ እቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ክሳብ 2012 ዝወጻእና መንእሰያት፡ ምሁራት፡ ስነጥበበኛታት፡ ንሕና ከይንስዋእ፡ ንሕና ከይንብጆ፡፡ ነቲ እግሪ እግሪና ዝሰዓበ፡ ከም’ቲ ሞት እናረኣናን፡ እናፈለጥናን ዝኣተናዮ፡ ንሱ’ውን ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ፡ ሞትን ህይወትን እናረኣየን፡ ንሞት ብኣጻብዑ እናተንከፋን እታ ዝበጻሕካያ ክበጽሓየ እንተበለና፡ ኣይትውጻእ ካብ ሃገር፡ ኣይትውጻእ ካብ ኢትዮጵያ፡ ኣይትውጻእ ካብ ሱዳን፡ ክንብሎ፡፡ ስደት ትርጉም ከም ዘይብሉ፡ ብግጥሚ፡ ብጽሑፍ፡ ብደርፊ፡ ብመጽናዕቲ፡ ብቃለመጠየቕ፡ ብዜና፡ ክንደጋግሞ፡ ንረአ ንስማዕ፡፡ ካብ’ቲ ናብራ ስደት ግን ኣይንገላገልን፡ መሊስና ነሳፍሕ፡ ናብራና ነጣጥሕ፡ ስደት ሕማቕ’ዩ እናበልና ንጉስጉስ እቲ ዝሰምዕ ድማ ንምንታይ ደኣ ዓድኻ ዘይትምለስ መስዋእቲ ዘይትኸፍል ከም ዝብል ግምት ኣይንህቦን። ንዓዱ ተመሊሱ ስደት ዜጋታት ከሕጽር ዝተበገሰ ድማ የለን፡፡ እንተተመሊሱ፡ ተናፊሱን በለስ በሊዑን ይምለስ። እሞ በቲ ግጥሚ፡ በቲ ዛንታ፡ በቲ ቃለመጠየቕ፡ በቲ ዜና፡ በቲ ምስክርነት፡ መን’ዩ ክደዓዓስ፡ መን’ዩኸ ክዕሾ? መንከ ደው ክብለልና ንሓስብ!? እምበኣር፡ ነቲ ጠንቂ ነቲ ምኽኒት፡ ነቲ ኣሕዋትና ሬሳታቶም ኣርሒቖም ክድርብዩ ዝግደዶም ዘሎ ስርዓት ንእለየሎም፡፡ ንዕኦም ኣይኮንናን፡ ካብ ጉዕዞ ስደት ደው ክብሉ ክንጉስጉሶም ዝግብኣና፡ ንሕና እቶም ብስደት እነማርር፡ እቶም ካብ ዓድኻ ወጺእካ ክብረተ የለን እንብል ግን ከኣ ኣራጢጥና፡ facebook ንኸፍት፡ በቲ ሓደ ንጉስጉስ በቲ ሓደ ንምጉስ፡ በቲ ካልእ ድማ ከየጻብቡልና ንሰግእ፡፡ ንሕና ኢና ክንምለስ ዝግባኣና፡፡ እቲ ሞት ብመስዋእቲ ክንትክኦ፡ እቲ ምኽኒት ኩሉ ሽግራትና ዝኾነ ስርዓት ኣልቦ ስርዓት። ብፍትሓዊ ስርዓት ክንትክኦ ዝግብኣና፡
ስነ ጥበበኛ፡ ገጣሚ ዋላ’ውን ጸሓፊ፡ ደራፊን ዘያምን፡ ንኺድ ናብ ኣስመራ፡ ኣብ ኣስመራ ሞት ኣሎ፡ ድሕሪ ሞት ድማ ዓወት፡ ድሕሪ ሞት ድማ ምቕንጣጥ ባርነት፡፡ ድሕሪ ሞት ክብረት። ካብ ሃገሩ ወጺኡ ዝሞተ ኤርትራዊ፡ ንስድራኡ ሕዱር ሕማም፡ ንስጋኡ፡ ንቡር ምኽላእ ስለ ዝኾነ፡፡ ንኺድ ናብ ኣስመራ።
ስነ ጥበበኛ ብሓፈሻ፡ ጸሓፋይን፡ ገጣሚን ድማ ብፍላይ፡ ንክውንነት ኤርትራ ክትዛረበሉ፡ ክትትንትኖ፡ ክትጽሕፈሉ፡ ክትፈላሰፈሉ ክትገጥመሉ፡ ክትደርሰሉ፡ ክትዋሳኣሉ ጥዑም’ዩ። ክትስዋእን ኣርኣያ ክትከውንን ግን ይበልጽ። እቲ ንስኻ እትፈጥሮ ተባዕ ገጸባህሪ ንስኻ ክትከውን የማዕርግ፡ እቲ እትትንትኖ፡ እትጽሕፎን እትነቕፎን፡ እትፈላሰፎን ንስኻ ክትነብሮ ይግባእ። ሃገርን ህዝቢን፡ ብጽሑፍ፡ ብግጥሚ፡ ብትንተና፡ ብፍልስፍና ኣይድሕኑን’ዮም፡ እንተድሒኖም ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ድሕሪ 20 ዓመት ድሕሪ ሓምሳ ዓመት። እሱ’ውን ኣብ ኣጠራጣር’ዩ። እዚ ክውንነትና፡ ይትረፍ ንሓደ ገጣሚ፡ ይትረፍ ንሓደ ጸሓፋይ፡ ፡ሓደ ፍላስፋን ተንታናይን፡ ንማንም ኤርትራዊ ገጣሚ ገይርዎ ኣሎ፡ ተንታኒ፡ ጸሓፊ፡ ተፈላሳፊ ቀይርዎ ኣሎ፡፡ ንኹሉ ፖለቲከኛ ገይርዎ፡፡ ግን ከኣ ኩሉ ድሕሪ መጋረጃ፡ ፡ ስነጥበበኛታት ሃገርና ፍሉያት ፍጥረት’ዮም፡ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ንህግደፍ ዘገልገሉ፡ ኣብ ስደት ንህዝቦም ካብ ምግልጋል፡ ኣድሓርሒሮም ገሊኦም ኣብ ጥቕሚ፡ ገሊኦም ኣብ ውልቃዊ ስምን ዝናን፡ ገሊኦም ህግደፍ ዝወሰዶ ክእለቶምን ሞያኦምን ሕነ ዝፈድዩ እናመሰሎም ተኾዲሞም ዝዕዘቡ’ዮም፡ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ቅይኮነን። ይገጥሙ ይትንትኑን ይፈላሰፉን፡ ንተግባር ግን ሕቖኦም ይህብዋ። ከም’ቲ ብሓሳብን ብመንፈስን ዝነጥፍዎ ብተግባር ክነብርዎ ምተገበአ፡ ናብ’ቲ ምንጪ ሽግር፡ ናብ’ቲ ዝሩግ ማይ ዘፍልፍል ዘሎ ዓይኒ ማይ ከድህቡ መማዕረገሎም፡፡ እቲ ዝስደድ ዘሎ’ኮ፡ ሕማቕን ጽቡቕን፡ ሞትን ህይወትን፡ ምፍላይ ስኢኑ ኣይኮነን። ነቲ፡ ስደት ሕማቕ’ዩ፡ እናበልና እንጽሕፎ እንገጥሞ፡ እንትንትኖ፡ ብተግባር ክንፈትሓሉ ይሓተና ኣሎ። ነቲ፡ ኣብ ስደት ምንባር ከርፋሕ ናብራ ምንባር’ዩ እናበልና ንገልጾን ንግስጾን ራሕሪሕና ኣብ ዓድና፡ ኣብ ኣስመራ ክንርከብን ብሓባር ኴንና ክንቃለስን ክንመርሖን ይደልየና ኣሎ። ነብስና ንሞት ከይጨራሕና፡ ሞት ኣሕዋትናን ሞትናን ክንቅንስ ስለ ዘይንኽእል። ናፍቖት ሃገርና፡ ናፍቖት ስድራና፡ ናፍቖት ዘዕበየና ሓመድን እምንን፡ ጎቦን ጎልጎልን፡ ባሕሪን ምድረበዳን፡ በርቲዑና ከም ዘሎ ፍሉጥ’ዩ፡፡ ብግጥሚን ብድርሰትን ዝፈኩስ ግን ኣይኮነን። ናፍቖትካ ከተፍኩስ፡ ሞትካን ሞት ኣሕዋትካን ክትቅንስ ፊት ንፊት ምስ ዓማጺ ምግጣም’ዩ። ስምዒት ሰብ ዝትንክፍ ፍርያት ካብ ምብርካት፡ ህይወት ዜጋታት ዘድሕን መስዋእቲ ምክያድ ይበልጽ። እዚ መላኺ ስርዓት፡ ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ፡ ብድልየት ኮነ ብግዴታ፡ ንስነ ጥበባውያን ኤርትራ ተበሊጹሎምን ጌና ሕጂ’ውን ይብለጸሎምን ኣሎ። መሰሎምን መሰል ድርሰቶምን እንተዝሕልወሎም ድማ ጽቡቕ ነይሩ፡፡ እዚ ስርዓት ግን፡ ልክዕ ከም ማስቲካ፡ መቐረታ ምስ ወድአት እትድርበ፡ ተጠቒሙ ክጉሕፎም፡ ክኣስሮም፡ ከንከላብቶም እንተዘይኮይኑ፡ መሰሎምን መሰል ህዝቦምን፡ መሰሎምን መሰል ድርሰቶምን፡  መሰሎምን መሰል ዝስደዱ መንእሰያቶምን ክሕልወሎም ኣይተራእየን፡፡ ፍርያቶም ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ይጋሰስዎን፡ ይግህስዎን ኣለዉ፡፡ ዝበዝሑ ስነ ጥበበኛታት፡ ብፍላይ’ቶም ኣብ ጓይላ ህግደፍ ዘዳኽሩ፡ ሃገራዊ ግቡእ ስለ ዝሓስብዎ ጌና ኣብ ሆይሆይታን ዕብዳንን ኣለዉ፡፡ እዚኦም ብዘይካ ናብ ልቦም ይመለሱ፡ ቃንዛ ህዝቦም ይሰወጦም ካልእ ክንብሎም ንኽእል ነገር ኣይክህሉን’ዩ።
ንምጥቕላል ዝኣክል፡ እቶም ስርዓት ህግደፍ ክቕየር ኣለዎ ዝብሉ ስነ ጥበበኛታት፡ ምሁራት፡ ተራ መንእሰያት፡ እቶም ስደት ትርጉም የብሉን ዝብሉ፡ ትርጉም ከም ዘይብሉ ከረድኢ ዝጽዕሩ፡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ሕሱም ናብራ ስደት ራሕሪሕካ ኣብ ሃገርካ መስዋእቲ ብምኽፋል ኣብነት ክትከውን ይግባእ፡፡ ሽዑ እቲ ለውጢ ካብ’ቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ክቃላጠፍ’ዩ።
ብመስዑድ ጀላኒ
ተል ኣቪቭ