እቲ ናጽነትና፡ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ምምስራቱ’ዩ ኮይኑ! (2016 ተጻሕፈ)

እቲ ናጽነትና፡ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ምምስራቱን ሽግር ከውርድ ቅድሚ ምጅማሩን’ዩ ኾይኑ።

        እዚ ሓድሽ ወለዶ፡ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ወለዶ ጽቡቕን ሕማቕን ተቐቢሉ፡ ፈላልዩ ክርእዮን ከኽብሮን እንተዘይበቒዑ? እቲ ንሱ ዝወልዶ (ብድሕሬና ዝመጽእ ወለዶ) ነቲ ሕጂ ንሰርሖ ዘለና ጽቡቕን ሕማቕን ከኽብሮን ክስዕቦን ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ። ናይ ነብስና ሓርነት፡ ንባዕልና ብባዕልና ከነረጋግጽ ዘይከኣልና ክነስና፡ ነቶም ወለድና መሪቖም ዘፋነውዎምን፡ ካብ ናይ ግዳም መግዛእቲ ዘናገፍዎምን ዘናገፉናን ሕሉፍ ወለዶ፡ ንስርሖምን ንመስዋእቶምን፡ ነቲ ግሁድ ዝገበርዎ ናጽነትን ከነቆናጽብን ከነነኣእስን ካብ ፈተንና፡ ‘ንሕና ንናይ ግዳም መግዛእቲ ኣሊና፡ ንስኹም ንናይ ውሽጢ መግዛእቲ ከይትኣልዩ ሃዲምኩም፡ ነብስኹም ፈቲኹም፡ ነብስኹም ድማ ኣጥፊእኩም።’ እንተበሉና እንታይ መልሲ ኣለና? ምክብባርን ሓድነትን ዝመጽእ፡ ምምልላእን ምክእኣልን ዝህሉ፡ ተራ ናይ’ቲ ቀዳማይ እቲ ዳሕረዋይ ከኽብሮን ክዝክሮን ከሎ’ዩ። Continue reading እቲ ናጽነትና፡ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ምምስራቱ’ዩ ኮይኑ! (2016 ተጻሕፈ)

Advertisements

ተመን ደጕዓሊ

ተመን ደጕዓሊ

ብተስፋዬ ገብረኣብ
ትርጕም፦ ቴድሮስ ማርቆስ

   ኣብ መፋርቕ ክራማት ቀይሕ ባሕሪ ኻብ ምጽዋዕ ናብ ኣስመራ እናተመለስኩ፡ ኣብ  ደጕዓሊ ሓንቲ ለይቲ ሓደርኩ። ኣብ እግሪ እቲ ኮሎኔል ክሪስቶፈርን ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋን እተዋግኡሉ ኵርባ ሓደ መዘናግዒ ማእከል ተሃኒጹ ይርከብ። ኪንዮ እቲ መዘናግዒ ማእከል ግራት በርበረ ይርአ።

ኣብ ደጕዓሊ ሓዲረ’ኳ ክብል ኣይክእልን። መሬት ከይበርሀ መገደይ ቀጺለ እየ። ብርግጽ፡ ጥቓ እቲ ኢጣልያውያን ንክሪስቶፈር ዝተኸሉሉ ናይ መስቀል ሓወልቲ ኣብ እተዘርግሐ ናይ ቈርበት ዓራት ክሳብ ከውታ ለይቲ ጐቦ ዀንኩ። ኣፍሪቃዊት ወርሒ ኸም ጸሓይ ኳዕ ኢላ ተራእየት። Continue reading ተመን ደጕዓሊ

እሾኽ ልበይ

                    እሾኽ ልበይ
ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ   ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ’ቲ ካብ 1961ዓም ክሳብ 1993ዓም ዝተኻየደ ሓርበኛዊ ውግእ ኣንጻር’ቲ ናይ ሽዑ ዝዓበየን ዝበለጸ ዝተዓለመን ዝዓጠቐን ሰራዊት ጸላም ኣፍሪቃን ሓገዝቱ ልዕለ ሓያላን ኣሜሪካን ሩስያን ንዓለም ብዘደነቐ ጅግንነትን መስዋእትን ተዓዊቱ። እዚ ንገዛእ ህዝብኻን ነፍስኻን ምውጣይ ኣይኮነን። እዚ ጻልጣ ሓቂ እዩ። እንታይ ድ’ኣሉ ነዚ ፍሉጥ ሓቂ’ዚ ዝደግመልና ትብሉ ኣይትሰኣኑን። ነዚ ሓቂ’ዚ ደጊመ ከረጋግጾ ምኽንያት ኣሎኒ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ -25 ዓመታት ድሕሪ’ዚ ዓወት’ዚ- እቲ ነዚ ጅግንነት’ዚ ዝሰርሐ በዓል ቅያ ኣብ ጅግንነቱ ዝጠራጠረሉን፡ ብዛዕባ ጅግንነቱ ዝሓፍረሉን ኵነታት ስለዝኣተወ እዩ። ምኽንያታት፣ Continue reading እሾኽ ልበይ

እቲ መዓልቲ ናጽነት ረዚን’ዩ። ብዳንኬራ እንተተባዒሉ ግና ይፈኩስ!

   

እቲ መዓልቲ ናጽነት ረዚን’ዩ። ብዳንኬራ እንተተባዒሉ ግና ይፈኩስ!

    መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ብጓይላን ዳንኬራን ዶ ነብዕሎ? ወይ ከም ሓደ ፍሉይ ታሪኻዊ ዕለትን ኣጋጣሚን ነኽብሮ? ዝብል ነጥቢ ከከራኽር ኣብ ክንዲ ዝነብሮ፡ ብጭራሽ ኣይነኽብሮን ወይ ድማ ብጓይላ ኢና ከነብዕሎ ዝብልን ተጻራሪን መርገጺታት በዚሑ። ይትረፍ እዚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ጥልመትን ሕሱም ኣተሓሕዛን ተወሲኽዎ፡ ብኣንጻሩ ሰላምን ምዕባለን እንተዝህልወናን፡ ኣብ ሃገርና እንተንህሉን፡ ምውጻእ ናጽነት ኤርትራ፡ ልዕሌና፡ ልዕሊ’ዞም ሕጂ ብዙሕ ንብልን ንኽሕድን ዘሎና፡ ነቶም ብመግዛእቲን ብግፍዒን ኢትዮጵያ፡ ዝተጋደሉን ዝተሰደዱን መቐረቱ ዝያዳ ምተሰመዖም። ምኽንያቱ፡ ፈለማ መግዛእቲ፡ ደሓር ህንጡይነት ንናጽነት፡ ደሓር ገድልን ክቡር መስዋእቲን፡ ደሓር ናጽነት ስለ ዘሕለፉ። Continue reading እቲ መዓልቲ ናጽነት ረዚን’ዩ። ብዳንኬራ እንተተባዒሉ ግና ይፈኩስ!

“እቶም ብጸልማት ዝተሰርቁ እስራኤላውያን ናጽላታት!”

“እቶም ብጸልማት ዝተሰርቁ እስራኤላውያን ህጻናት!”
                                         ሃገር ንምምስራትዶ፡ ዓሌት ንምጽናት?
    እዚ ብኸፊል ተርጒመ ዘቕርቦ ዘለኹ ጽሑፍ፡ (ንምሉእ ንባብ ኣብ’ቲ መርበብ ሓበረታ ኣቲኹም ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም) ሓደvotercard.jpg ቤቢስ እዋን ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝተፈጸመን፡ንዓሰርተታት ዓመታት ብምስጢር ተታሒዙ ዝነበረን ፍጻመ እዩ። እቲ ፍጻመ፡ ንህጻናት ንሓደስቲ ውልዶ ህጻናት ካብ ኣደታቶም እናሰረቕካ ምውሳድ’ዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይሁዳውያን፡ ብፍላይ ድማ እቶም የመናውያን፡ (ካብ የመን ዝመጹ ኣይሁድ) ግዳይ ናይ’ዚ ዝተወደበ ገበን መራሕቲ እስራኤል ናይቲ እዋን ኮይኖም’ዮም። ፖለቲካውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ ሃያማኖታውያን መራሕቲ ናይቲ እዋን ነቲ ስራሕ ከም ዝተሳተፉሉ ዝገልጹ ብዙሓት ምንጪታትን መወከሲታትን ኣለዉ። ገለ ካብኡ ኣብ ታሕቲ ተርጒመ ዘቕረብኩዎን ብምሉኡ እቲ መርበብ ሓበረታን ኣስፊርዎ ኣሎ። ዋላ’ኳ እዚ መረበብ ሓበረታ ስም ክልተ ቀዳማይ ሚኒስተራት (ቤንጊርዮንን ናታንያሁን) ጥራይ እንተገለጸ፡ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞተ ፕረዚደንት ሺሞን ፐረዝ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ስራሕ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። እዚ ኩሉ ስርቂ ህጻናት፡ እሞ ድማ ሽዑ ንዝተወለዱ፡ ሃገረ እስራኤል ንምምስራት ዝተኻየደ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ፡ ኣብዚ መርበብ ሓበረታ ተጻሒፉ’ውን ከም ዘሎ፡ እቲ ዓሌታዊ ስምዒት ዘበገሶ፡ ሃገረ እስራኤል ብዓረባዊ ህዝቢ ከይትዕብለል ካብ ምስጋእ ዝተላዕለ’ዩ ዝብሉ ኣለዉ። ኣነ ድማ ክልቲኡ ክከውን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

Continue reading “እቶም ብጸልማት ዝተሰርቁ እስራኤላውያን ናጽላታት!”

“ኢትዮጵያ” ንጽል ደርፊ ቴዲ ኣፍሮ፡ ብኣጠማምታይ!

      ጽልዋ ስነጥበብ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ነብሲ ወከፍ ውልቀሰብ፡ ኣቃሊልካ ዝረአ ከም ዘይኮነ መባኣታዊ መረዳኣታን ፍልጠትን ካብ ዝኸውን ውሑድ ግዜ ኣይሓለፈን። ብጽሑፍ ኮነ ብስእሊ፡ ብሙዚቃ ኮነ ብቅርጻ፡ ብግጥሚ ኮነ ብደርፊ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ውልቀሰባት ተተጸልዮም፡ ተተመሲጦምን ተደኒቖምን ናብ ጽሕፈት፡ ናብ ስእሊ፡ ናብ ሙዚቃ፡ ናብ ቅርጻ፡ ናብ ግጥሚን ካልእ ስነ ጥበባዊ ንጥፈታትን ከም ዝዘንበሉ ኣብ’ቲ ዝህብዎ ምስክርነትን ቃለ መሕትትን ክንርዳእ ንኽእል። ክንደይ ካልኦት ድማ፡ ብስነ ጥበባዊ ፍርያት ተጸልዮም ናብ ዘይኣወጅዎን ናብ ዘይረብሑሉን ኲናትን ውግእን ኣትዮም እዮም። ንእስነቶም፡ ህይወቶም፡ ዕድሎምን ዕድል ወለዶኦምን ኣባኺኖም’ዮም።   Continue reading “ኢትዮጵያ” ንጽል ደርፊ ቴዲ ኣፍሮ፡ ብኣጠማምታይ!