ብዛዕባ ጫፍ መርፍእን መቐመጫ መላእኽትን!

ብዛዕባ ጫፍ መርፍእን መቐመጫ መላእኽትን

                                                                                    ብ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ
ኣብ ጫፍ መርፍእ ክንደይ መላእክቲ ክቕመጡ ይኽእሉ? ናይ ብሓቂ መስተንክር ሕቶ። ተራ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኣይኮነን ኣብ ሓደ እዋን ዕቱብ ፍልስፍናዊ ሕቶ ነበረ። ኣንቃሊ’ቲ ሕቶ እቲ ፍሉጥ ፈላስፋን ስነሃይማኖታውን ቅዱስ ኣኵናስ’ዩ ኣብ’ቲ ኣብ ከባቢ 1270ዓም ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይዝጸሓፎ ስነሃይማኖታዊ ኣስተዋጽኦ ፍልጠት ኢሉ ዝሰየሞ መጽሓፉ። እምበኣር፡ ኣኵናስ፡ ንህልውናን ፈጣርነትን ኣምላኽ ንምርግጋጽ ነዊሕን ዕቱብን ሓተታን ክትዕን ዝጸሓፈ ካብ’ቶም ናይ እዋኑ ዝበልሑ ፈላስፋታት ነበረ። መለኮታዊ ህላዌን መለኮታዊ ኣፈጣጥራ ኣድማስን ንምርግጋጽ ብዝገበሮ ጻዕሪ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክሳብ ናብ ቅዱስነት ዝማዕረገ ተመራማሪ ነበረ። እሞ ድኣ ሓደ ዕቱብ ፍላስፋ ከመይ’ሉ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዚላዊ ሕቶ ይወድቕ ዘተሓሳስብ’ዩ። ዕንጭቝሊትነት ኣተሓሳስባ ኣብ መንፈስ ዓቢዪ ሓሳቢ ክዝሕቕ እንተጀሚሩ ደው መበሊ ዘሎዎ ኣይመስልን። ኣብ ዝተጠቕሰ መጽሓፉ፡ ቀጺሉ፡ ኣኵናስ፡ ክርስቶስ ድርብ-ጾታዊ (ሄርማፍሮዳይት) ዶ እዩ ኔሩ? (ኢዶ!) ኢሉ ይስከፍ። ቀጺሉ፡ ኣብ ገነት ደገ (ሰገራ) ምውጻእ ኣሎ’ዶ? ኢሉ ይመራመር። ወዮ ፍላስፋ ዓቢዱ’ዶ! ኣይዓበደን ግን ብርግጽ ኣንቈልቍሉ።

 


እቲ ቀዳማይ ሕቶ ቀንዲ ቴማና’ዩ። ነቲ ካልኣይ ሕቶ ማርያም መቕደላዊት ጥራሕ’ያ እንተመለሰቶ። እቲ ሳልሳይ ሕቶ መልሱ ቀሊል ይመስል። ምብላዕ እንተሃልዩ ግድን ደገ ምውጻእ ኣሎ። በቃ! እንተኾነ ኣይበቃን። እቲ ሕቶ፡ ከም ገለ ኢሉ፡ ቅድሚ ኣዅናስ’ውን ኣገዳሲ ፍልስፍናዊ ሕቶ ነበረ’ሞ ክሳብ ነቢዪ መሓመድ’ውን ኣልዒሉዎን መሊሱዎን’ዩ። ኣብ ጀና ብመቐመጫ ዝወጽእ ንቡር ደገ የሎን። ኵሉ ዝተበልዐን ዝተሰትየን ከም ረሃጽ ብቈርበት ኣቢሉ ንደገ ይወጽእ ያኢ! እዚ ብዘይካ’ቲ ኣሰቃቒ ሽታ ንቡር ደገ እንተዄኑ፡ ንውልቃዊ ምኽንያት፡ እቲ መዋጽኦ ነቢዪ ደስ ይብለኒ።
ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ቢዘናዊ ሊቃውንቲ፡ ኣብ ጫፍ መርፍእ ክንደይ መላእኽቲ ክቕመጡ ይኽእሉ ዝበለ ሕቶ ብዙሕን ነዊሕን ብርቱዕን ዘካትዐ ፍልስፍናዊ ሕቶ ነበረ። ሃየ’ሞ ኣብ ጫፍ መርፍእ ክንደይ መላእኽቲ ይቕመጡ ወይ ይስዕስዑ (ሓሓደ እዋን እቲ ሕቶ ከም’ዚ ይቕረጽ’ዩ) ትብሉ። እቲ ምስዕሳዕ ተሓላላኺ ምንቅስቓስ ኴይኑ ንዝያዳ ክትዕን ምድንጋርን ኣፍደገ ስለዝከፍት ነቲ ሕቶ ኣብ ‘ምቕማጥ’ ሓጺረዮ ኣሎኹ። ፈለማ ግን ንኣካታትዓና ከም ኣብነት ዝሕግዙ ገለ ኣብ’ቶም ሓያሎ ሰሚናራት ሊቃውንቲ ዝወረዱ ክትዓት አቕረበልኩም። ተወላፎ ዘረባ፡ መልስታትኩም ድሮ ኣብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ዝተመለሱ እንተኾኑ ጊዜ ንምቍጣብ ኣፍኩም ክትሕዙ ኣማሕጽን።
ጫፍ መርፍእ ኣዝያ ቀጣን እያ’ሞ ምናልባት’ዶ ሓደ ብሓንቲ ጽፍሪ እግሩ ደው ም’በለ .. ኣመተ ሓደ በቲ ሕቶ ይኹን በቲ መልሱ ብድሮኡ ዘይተመሰጠ ሊቅ። ብዙሓት ኣዕይንቲ ሊቃውንቲ ኣፍጢጠን ጠመትኦ። ተሰቒቑ፡ ምናልባት ክልተ’ዶ በብሓንቲ ጽፍሪ … ? ኣመተ ደጊሙ። ኣቦ መንበር ሰሚናር ኣዕይንቱ ክነጥራ ኢለን ኣፍጢጡ ጠመቶ። እቲ ሕቶ ‘ ክንደይ ይቕመጡ?’ እዩ እምበር ‘ክንደይ ይቘሙ?’ ኣይኮነን ክብል ድማ ገንሖ። ከም’ዚ እንተኾይኑ ሓደ’ኳ ኣንበይተቐመጠን ቀየረ ሓሳቡ ብመግናሕቲ ኣቦ መንበር ከይተዳህለ። እቲ ሕቶ ክንደይ ይቕመጡ ድኣ’ምበር ክንደይ ኣይቅመጡን ኣይኮነን! ክብለ እቲ ሊቀ መንበር እንደገና ገንሖ። እቲ ሊቅ በቲ መግናሕቲ ገና ከይተዳህለ “ኣሕዋት ሊቃውንቲ፡ ከም እትፈልጡዎ መቐመጫ ሳእኒ የብሉን። ጫፍ መርፍእ ከኣ በሊሕ እዩ። እሞ … “ ኢሉ ከይወድአ ኣቦ መንበር ‘ስነ ስርዓት’ ኢሉ ኣቖሞ። ሊቀ መንበር ብርቱዕ ሰዓል ሳንቡእ ሒዝዎ ነበረ’ሞ ክሳብ ደም ዝተፍእ ንነዊሕ ሰዓለ። ኣፉ ሓባቢሱ “መላእኽቲ ኣይቍንዘዉን እዮም … “ ኢሉ ከይወድኣ ሓደ ካልእ ሊቅ “ብዛዕባ ኣየናይ ጫፍ መርፍእ ኢና ንዛረብ ዘሎና?” ኢሉ የቋርጾ። እወ፡ ቅድሚ ምክታዕ ብዛዕባ’ንታይ ንካታዕ ከምዘሎና ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። “ፍሉጥ ብዛዕባ’ቲ በሊሕ ጫፍ መርፍእ!” ኣንጸርጸረ ኣቦ መንበር። “ሕጂ ምስ ኣነጸርካዮ እዩ ፍሉጥ ኴይኑ” ኣዕዘምዘም‘ቲ ተወካሲ።
ሓንሳብ፡ ሓንሳብ … መላእኽቲ ረቀቕቲ መናፍስቲ’ዮም ክብል ካልእ ሊቕ ናብ’ቲ ክትዕ ፎግፈገ። ኣብ’ታ ጫፍ መርፍእ ሽሕ መላእኽቲ ክቕመጡ ይኽእሉ ኢሉ ከኣ ደምደመ። ካብ’ቲ ጉባኤ ጣቒዒት ዝተጸበየ መሲሉ ከኣ ነቲ ጉባኤ ብዕይንቱ ኮለሎ።
ስለምንታይ ሽሕ ጥራሕ? ተወከሰ ካልእ ሊቕ።
ሓውና ማርቆስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ ኪቈጽር ኣይክእልን’ዩ ኢሉ ዓለቐ ካልእ ሊቅ። ሓው ማርቆስ ከም ክተሃረም ዝደለየ ብድድ በለ። እንተኾነ ኣይገበሮን። እቲ መላገጺ “ሓደ ረቂቕ መልኣኽ ኣብ ውሽጢ ካልኣ ረቂቕ መልኣኽ፡ ካልእ ረቂቕ ኣብ ውሽጥ’ቲ ካልእ ረቂቕ … እንዳተቐመጠ ቍጽረልቦ መላእኽቲ ክቕመጡ ይኽእሉ” ክብል ወሰኸ። ብሓሳባቱ ተመሲጡ ንኮቦሮ ከብዱ እንዳደረዘ ከኣ ናብ ሸነኽ’ቲ በዓል ሽሕ መላእኽቲ ፍሽኽ በለ።
ረቂቕ ግን ክሳብ ክንደይ ደቂቕ እዩ። ረቂቕ ተደመሮ ረቂቕ ተደመሮ ረቂቕ ግድን ኣብ ሓደ ነጥቢ ዓይነታዊ ለውጢ ፈጢሩ ናብ ሓፊስን ረጕድን ነገር ክቅየር እዩ። እዚ ኵሉ እንርእዮን እንድህስሶን ነገራዊ ዓለም ኣብ መፈለምታ ረቂቕ ሓሳብ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ ነቢሩ። ኣብ ጊዜ ድማ ናብ ነገር ተቐይሩ። ጫፍ’ታ መርፍእ ከኣ ገና በላሕ እያ። ስጋ መቐመጫ ከኣ ገና ተበሳዒ .. በለ ካልእ ዕባራ ሲኒካዊ ፈላሲ። እቲ ምሉእ ኩልንትናኡ ኣብ መቀመጫኡ በሊሕ ጫፍ መርፍእ ተደቕዲቑዎ ዝሳቐ ዝነበረ ይመስል ነበረ።
ንምዃኑ ‘ረቂቕ’ ዝቕመጠሉ ቦታ የድልዮ ድዩ? ረቂቕ ክቕመጥ ይኽእል ድዩ? ረቂቕ ማለት እኮ ጎድንታት ዘይብሉ ሚዛነኣልቦ ፍጥረት እዩ። እዚ ፍጥረት እዚ ከኣ ቦታ ክሕዝ፡ ንቦታ ክመልእ ተኽእሎ የብሉን። ጫፍ መርፍእ ትኹን እምበር ንሳ’ውን ቦታ እያ በለ ኣብ ጎድኒ ዕባራ ፈላሲ ተቐሚጡ ዝነበረ ካልእ ዕባራ ፈላሲ።
እወ፡ ንፈልጥ መላእኽቲ ረቀቕቲ’ዮም። እንተደልዮም ግን ስጋ ክለብሱ ይኽእሉ’ዮም። ክትዕና ከኣ ነዚኣቶም ዝምልከት እዩ ኢሉ ወገነ ሊቀ መንበር።
ክንድምንታይ ስጋ? ክንዳይ? ክንዲ ሓርማዝ? ተወከሰ ሓደ ኣብ ድሕሪት ተቐሚጡ ዝነበረ ዘፍጣጥ ሊቅ። ኣብ ሞንጎኡን ሓርማዝን ዳርጋ ፍልልይ ኣይነበረን እሞ ጉባኤኛታት ብምሉኣቶም ሰሓቑ። እሞ ክንዲ ሃመማ፡ ክንዲ ሚክሮብ? ቀጸለ’ቲ ሊቅ እቲ ሰሓቕ ከይገደሶ። ስሓቕ ካልኦት ዝግድሶ እንተዝነብር ክሳብ ክንድ’ዚ ኣንበይዘቕበበን።
ስለምንታይ’ከ መላእኽቲ ኣብ ብልሒ ጫፍ መርፍእ ክቕመጡ ተደልዩ? ተወከሰ ካልእ ካብ ንግሆኡ ተታኺሱ ዝወዓለ ሽማግለ ሊቅ።
ነቲ ስቅያት ዓለም ክርድኡ’ኸ! ዓለም ሓንቲ ዓባይ ጫፍ መርፍእ ምዃና ክሳብ ሎሚ ኣይተረደኣካን! ክብል ኣላገጸ እቲ መላገጺ።
መላእኽቲ ግን ስቅያት ኣይስምዖምን እዩ … ።
ስጋ እንተለቢሶም ድኣ ከመይ ዘይሳቐስዩ … ።
ክትቀትሉኒ፡ ጣዕ ኢለ ክሞተልኩም እንዲኹም ደሊኹም … በለ ሊቀ መንበር እንደገና ብርቱዕ ስዒሉ ካብ ኣፉ ደም ቡሕ ቡሕ ኢሉ።
ንሓንቲ ሕቶ ክምልሱ ተኣኪቦም ኣብ ክንዲ ነታ ሕቶ ዝምልሱ ሕቶታት ደመሩ። ነዚ ዘስተውዓለ ሊቀ መንበር፡ ብዙሕ ተኻቲዕና ደኺምና ኢናሞ ነቲ ክትዕ ንጽባሕ ነመሓላልፎ ኢሉ ነቲ ኣኼባ ንዕረፍቲ ይብትኖ። ንጽብሒቱ ድማ ተኻትዑ። ንክልተ ሚእቲ ዓመታት ከኣ ተኻትዑ። እንተኾነ ትሕዝቶ መልሲ ብትሕዝቶን ኣቀራርጻን ሕቶ ዝውሰን ኴይኑ ነቲ ሕቶ ኣይመለስዎን። ዘይተመለሰ ሕቶ ግዲ ኴይኑ ከኣ ገና ኣብ ዘመን’ና’ውን ይለዓል።
ናብ’ቲ ዘልዓለኒ መሰረታዊ ሕቶ ክምለስ። ስለምንታይ’ዮም ገለ ለባማትን ምሁራትን ሊቃውንቲ፡ ድሕሪ ብዙሕ ቁም ነገር ናብ ቆሎ ጥጥቖ ትርጕመኣልቦ ሕቶታትን ትንተናታትን ዝወድቁ? ሰበይቲ ቀሺ’ስ ልዋ ልዋ እንተሉዋ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጸበት ስለዝኾኖም ድዩ? ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ቅዱስ ኣኵናስ ረዘንቲ ፍልስፍናዊ ሕቶታት ኣልዒሉ፡ ቅንዕና መልስታቱ ብዘየገድስ፡ ረዘንቲ መልስታት ዘቕረበ ወናም ፈላስፋን ስነሃይማኖታውን እዩ ዝነበረ። ብፍልስፍናዊ ስርሑ ድማ ሽዑን ክሳብ ሔዝን ይድነቕ። ዓቢዪ ፈላስፋን ቅዱስን ድኣ ይነበር እምበር፡ ኣኵናስ፡ ሰብ ከኣ’ዩ ነቢሩ። ከም ዝኾነ ሰብ ከኣ ብኣነነት ዚጕስጔስ ስንኩፍና ጠባይ ነበሮ። ኣኵናስ፡ ብፍልጠቱ ብከባቢኡ ተደነቑ ምድናቑ ኣደነቖ። ከይዱ ከይዱ ከኣ ነፍሱ ኣደነቐ። ምስ ተደናቕነቱ ፍቕሪ ሓደሮ። ኣብ መንበረ ድንቀት ንምጥጣሕ ከኣ ወርትግ ኣደነቕቲ ሕቶታትን ኣደነቕቲ መልስታትን ከቕርብ ዝነበሮ ኴይኑ ተሰምዖ። ቀስ ኢሉ ከኣ ተደናቕነት ናብ ወልፊ ተቐየሮ። እዚ ኵሉ’ቲ ተደናቒ ዝኸፍሎ ግብሪ’ዩ። ብዘይካ ቀጸልቲ ኣደነቕቲ ተግባራት ግን ቀጻሊ ተደናቕነት የሎን። ኵሉ’ቲ ኣደናቒ ዝበሃል ተባሂሉን ተገቢሩን ዝበሃልን ዝግበርን ኣደናቒ ምስተሳእነ ከኣ እቲ ፍቑረ ድንቂ ናብ ቁምነገረኣልቦ ንእሽቱ ሕቶታትን ቴማታትን ተግባራትን ይወድቕ። ካብ ዘየደንቑ ተደናቕነት ክሓልብ ይፍትን። ተደናቕነትን ነፍሰኣድናቈትን ብቐሊሉ ናብ ነፍሳዊ ሕማም ዝምዕብሉ ወልፍታት ኣነነት እዮም። እዚ ሊቅነታዊ ምንቁልቋል (intellectual degression) ኣብ ብዙሓት ፈላስፋታትን ሊቃውንትን ስነፍልጠታውያንን ዝተራእየን ገና’ውን ዝርአን ነፍሳዊ ስንኩፍና እዩ።
ኣብ ሰውራ ኤርትራን ብዛዕባኡን ብዙሕ ተተንቲኑን ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ። እቲ ምሉእ ተዋስኦ ግን እኹል ኣይመስልን እንትምንታይ ነቶም ሰውራ ኤርትራ ዘልዓሎም ኣገደስቲ ገሊኦም ኦሪታዊ ቴማታት፡ ብደረጃ ጥሙር ክልሰሓሳብ ይኹን ተግባር ገና ኣይፈትሖምን። ሓሳባዊ ምውሳእ ይቕጽል። ሓሳባት ይደጋገሙ ክሳብ ትመንዎም ይጽልኡኻ። ኢሳያስ ሓደ ኣረሜናዊ ዲክታቶር ምዃኑ ስለምንታይ ሽሕ ጊዜ ይግለጸለይ እንታይ ዝበደልኩዎ ኣሎኒ!። ሰሚዐ’ኮ። ርእየ’ኮ። ፈሊጠ’ኮ። እሞ … ?
ስነሞገታት ይጥወዩ። ክትዕ፡ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንኵሉ ዲሞክራስያዊ መሰላት ነጻ ሃገር ደምሲሱ።
ሄለና ሃይለ- ስለምንታይ’ዩ ኣዎንታታት ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ዘይረኣየኩም? ንኣብነት ሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተማሃራይ ዝኾነ ዋርሳይ ንዝኾነ ተመራማሪ ቍጽሪ ዘይተራእይዎ ሰለስተ ሓደስቲ ቍጽራዊ ክልሰሓሳባት (mathematical theorems) ጠንቍሩ …. ።
አረ እንታይ በዲለ ኔረ ነታ ብፍጥረታ ንእሽቶይ ሓንጎለይ ከም’ዚ ተጻብቡለይ? ኣብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ እቶም ሰለስት ክልሰሓሳባት ነቲ ብልሂ ተመሃራይ ኣንበይተኸሰትሉን ማለታ’ዶ’ኾን ይኸውን? ዲክታቶርያውነት ንምጥንቋር ሓደስቲ ቍጽራዊ ክልሰሓሳባትን ጠቓሚ እዩ ማለት’ዶ ይኸውን? በየናይ ስነሞገት ኣጋጢማቶም ብዘየገድስ ሄለና ግን ተኻቲዓ። ንምዕብልና ሰውራ ኤርትራ ሓሳብ ኣበርኪታ።
ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ክትዕ ታሪኽ ትሃስስ ሕብራ ይድምሰስ። ትጨራረም ትንእስ። ሞያውን ተልመደናውን ሓጨቕ መጨቕ ይነግሱ። እቲ ዝበሃል ተባሂሉ ምስተወድአ ገና ምንጋር ግድን ናብ ሓጨቕ መጨቕ (ሊቕነታዊ ምንቍልቋል) ይመርሕ። ድሕሪ ዘረባ ተግባር ክስዕብ ስነሞገታዊ ቅደም ተኸተል’ዩ። ዝንተኣለማዊ ዘረባን ክትዕን ቈዮቛን ንዓኣርሶም ‘እቲ’ ዕላማ ኣይኮኑን ጥራሕ ዘይኮነስ ይብስብሱ ከኣ እዮም። ሀ ዝበለ ሁ ክብል ኣሎዎ። እንተዘይኴይኑ እታ ሀ’ውን ትጠፍኦ።
ቅኑዕ ሕቶ ንቅኑዕ መልሲ ይቐርጾን ይጸልዎን እዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ መብዛሕትኡ ጊዜ ነቲ መልሲ ኣብ’ቲ ሕቶ ንረኽቦ። እንተኾነ ብትሕዝቶኦምን ኣቀራርጽኦምን ቅኑዕ ንዝኾኡ ሕቶታት’ውን መዓት ሓንጀ መንጂ ንምልስ። ብመኛካ ትሕዝቶኣልቦ ክትዓት ከኣ ሕቶ ቅንዕነቱ ነስእኖ። እቲ መልሲ ኣብ ኣፍ ኣፍንጫና ክነሱ ኣይንርእዮን። እቲ መንቐኛ፡ ንምጠረስትኡ፡ እቲ ንጽህና ሓሳብ ዘይግድሶ ብሕታዊ ድልዬትና እዩ። ብሕታዊ ማሕበራዊ ሃረርታና። ካብ ውልቀ ጥቕሚ ናብ ስድራቤታዊኢ ብሔራውን ሃገራውን ጥቕሚ ዝምጠጥ ጥቅሚ። እዚ ጥቕሚ’ዚ ንኵሉ ስነሞገታውን ክውንን ጥሒሱ ይካታዕ። እዚ ድማ ግድን ናብ ዘይዓርፍ ሃለውለው ይመርሕ።
ንገዛእ ረብሓ ምግዳል ባህርያውን መሰረታውን ሰብኣዊን (እንስሳዊንውን) ባህረት እዩ። መሰረት ስረት። ጥቕምታት ይወዳደሩን ይጋራጨዉ’ውን። እቲ ሓደ ዕለታዊ እንጌርኡ ስኢኑ (መዓልታዊ ጸሎቱ’ዩ) እቲ ካልእ ንክረልምቲ እንተዓቈረ ግን ደማዊ ግርጭታት ክፍጠሩ ግድን እዩ። ስረታዊ ድፍኢት ነቲ ስረታዊ ተደላይነት ሰብ ናብ ስስዕቲ ይመጦ። ስስዕቲ፡ መብዛሕቱ ጊዜ ጸዓት ካልኦት እዩ። ኣብ እዋን ከኣ፡ ስስዕቲ፡ ናብ ትካል ይቐውም። ውልቀምልኪ፡ ሞያዊ ሰራዊት፡ ባርነት፡ ውግኣት … ። ተቋዉሞ። ሰብ ንስረት ሕድሕዱ ይፋለስ። ጻዕዳ ግርንቢጥ!
ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ድኽመት ይዕወት። ብቅዓተ ስረት ኣብ ልዕሊ ዘይብቕዓት ይስስን። ንሱ ይሰርር። እዚ ሕጊ’ዚ ኣብ እንስሳታት ብቀሊሉ ይሰርሕ። ኣብ ሰባት’ውን። እንተኾነ ኣብ ሰባት፡ ሓይሊ ብዙሕ መልክዓት ሃልዪዋ ኣብ ሰባት እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ እዩ። ሰባት ድማ ንሓባራዊ ስረት ብሓባር ክሰርሑ ዝጠመ ምዃኑ ካብ መሪር ተሞኵሮ ውግኣት ገለ ተማሂሩ እዩ። ኵለን ሃይማኖታት ንስስዕቲ ከም ሞራላዊ ኣሉታዊ ምዅናኖም ስስዕቲ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ተርእዮ ምንባሩ (ምዃኑ) የረጋግጽ። እንተኾነ እቲ ባህረት ስስዕቲ ኣዝዩ ሓያል ኴይኑ ክሳብ ነተን ከም ኣሉታዊ ሞራላዊ ተርእዮ ዝዅንንኦ ሃማኖታዊ ትካላት’ውን ከይተረፋ ንባዕለን ክሳብ ዓንቀረን ይሓንቀን። ስስዕቲ፡ ክሳብ ንስነሓሳብን ስነሞገትን ትርጕምን ገለጻን ይገዝእ። ስነሞገት፡ ቅጥዒ፡ ፍትሒ ኣይፈልጥን። እዚ ግን ዓንቃሪቦ ኣሎዎ። እቲ ካልእ’ውን ክሰርር ይደሊ ባህርያዊ ባህረቱ እዩ። ግርጭት ከኣ ይፍጠር። ተቛዉሞ ይለዓል። ኣብ ደቂ ሰባት ምርጻም ጥቕምታት ቅድመ-ምዱብ’ዩ። እቲ ካብ መሪር ተሞኵሮ ዝተዋህለለ ፍታሕ ናይ ሕድሕድ መሰል ስረት እንዳሓሎኻ፡ ተሰማሚዕካ ብሓባር ምንባር እዩ። ኣብ ስነሞገትን ቅጥዕን ፍትሕን ዝተመስረቱ ዝምድናታት ምህናጽ።
እዚ ኵሉ ሃተፍተፍ ነቲ ሃተፍተፍ ዘብለና ጠንቂ ንምጥንቋር እዩ። ብሕታዊ ጥቕሚ።
ህዝብን መሬትን ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ይኽእል ድዩ?
ቅኑዕ ሕቶ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ንዓሰርተታት ዓመታት ጽዒሩ እዩ። ምሁራቱ ኣብ ልዕሊኡ ብዙሕ ጽሒፎምን ኢሎምን እዮም። እቲ ሕቶ ገና ብድምዱም ኣይተመለሰን እቲ ሕቶ ናብ ኣብ ጫፍ መርፍእ ክንደይ መላእኽቲ ይቕመጡ ተቐዪሩ።
ህዝብን ሜዳን ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸወር ኣይክእልን’ዩ ዝበለ መኸተ ጀብሃ ፍሉጥ’ዩ። እዋን ብረታዊ ተጋድሎ እዩ ኔሩ እሞ፡ ብገዛእ ርእሱ ስነሞገታውን ናይ’ቲ እዋን’ቲ ስምዒት ዘንጸባርቕን እዩ ዝነበረ። ንብዙሓት፡ ዘይንከዮ ዘይልቀቦ ክሳብ ቅድስና ዝበጽሐ ጭርሖ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብልቢ ዝኣመንኩሉን ዝተቓለስኩሉን ጭርሖ’ዩ። ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ ኣብ ክዉን ተሞኵሮ ህይወትናን ልቦናናን ዓሚቝ ዝሰረጸ ኣድማሳዊ ሓቂ’ዩ። ከካትዕ’ውን ዘይግብኦ ሓቂ። ኣሕዋት ምስ ዝሰምሩ ጸላኢ የባርሩ። … ። እንተኾነ ብርቱዕ ኣካትዐ። እቲ ሓሳብ ኣዝዩ ርትዓዊ መሲሉ ንሕድገት ዕድል ኣይሓደገን። ንዝኾነ ካልእ ኣገባብ ፍታሕ ከኣ መገዲ ዓጸወ። መንፈሰ እዋን ብርቱዕ ሓይሊ’ዩ።
እቲ ሽዑ ነዚ ሓሳብት’ዚ ኣትሪሩ ዝተጻረረ ውድብ ህ.ሓ/ህግሓኤ/ህ.ግ.ደ.ፍ ንስልጣን ንበይኑ ምስ ኣረጋገጸ ኤርትራን ህዝባን ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጾሩ ኣይክእሉን’ዮም ክብል ናብ’ቲ ቦታ ጀብሃ ቀየረ። እቲ ኣንጻር’ዚ መርገጽ’ዚ ክቐውም ምኽንያታቱ (ስነሓሳባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ታሪኻዊ ታክቲካዊ) ብኸፈር ኣቕረበ። ነቲ ዝተቐየረ መርገጹ’ውን ንምምኽናይ ከኣ ብኸፈር ተኻትዐ። እታ ሓንቲ ክትዕ ግን ብውልቃዊ ሕታዊ ረብሓ እያ። ንመጠረስቱ ከኣ ኣብ ኤርትራ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ተኸለ። ንስነሓሳብ፡ ክልሰሓሳባት፡ ታሪኽ ንባዕላ’ውን ንዝተወሰኑ ውልቃዊ ድልዬታት- ፖለቲካዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ መንፈሳዊ- ንምርግጋጽ ንጥቀመሎም ሞያኦም ከኣ ንሱ እዩ። ንዘይእመን ከነእምን ከኣ ሂር ንብል።
ኤርትራ ብርግጽ ነጻ ሃገር ድያ? ቅኑዕ ሕቶ።
እወ፡ ኤርትራ ነጻ ሃገር’ያ። ስለዝኮነት’ውን ገዛእ ባንዴራኣ ኣውለብሊባ። ኣባል ናይ ሕመዓ እንድያ … ።
ላእ! ኤርትራ ነጻ ሃገር ኣይኮናን። ዲሞክራስያዊ መሰላት ዘረባ፡ ማሕተም፡ ኣኼባ፡ ውደባ፡ ተቓውሞ፡ ምምሕዳራዊ ተሳትፎ የብልናን።
ላእ፡ ነጻ ሃገር ኢና! ቺናን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን እዞም መሰላት እዚኣቶም የብልለንን እንተኾነ ነጻ ሃገራት እዬን። ስለምንታይ ካብኣተን ንላዕሊ ነጻ ክንከውን ንህቅን።
ላእ! ዕድልን ኣቕጣጫን ምልእቲ ሃገር ብሓደ ሰብ ይውሰን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ሓደ ነጻ ሰብ እንተሃለወ ኢሳያስ ጥራሕ እዩ። ንሱ’ውን እሱር ናይቲ ባዕሉ ዝሃነጾ ስርዓት እዩ። እዝ’ስ ኣይነጻነትን።
ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ንሱ ንበይኑ እንተመርሓና ነፍስና መራሕና። ንሱ እንተተዛረበ ኵላትና ተዛረብና። ንሱ እንተወሰነ ኵላትና ወሰን’ና። ንሱ ባይቶና ንሱ ሕግና ንሱ ፈራዲና ስለዚ ንሕና ሓገግና፡ ንሕና ፈረድና፡ ንሕና ቀተልና። ንሱ እንተሓሰበ ኵላትና ሓሰብና።
እሞ ስለምንታይ ድኣ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ እንተኺኢሉ ነታ ዓዲ ሓዲጉ ክሳብ ህይወቱ ከፊሉ ክስደድ ዝደሊ? እሞ ንስደትና’ውን እቲ ንሕና ዝኾነ ንሱ ንበይኑ ጥራሕ ሓሳቢ ድዩ ሓሲቡልና? ወዲቡልና?
እወ … ላእ … ኮነ ኢልካ ተደናግረኒ ኣሎኻ … ።
ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ይስደድ ኣሎ?
ጸጊቡ።
ኣብ ጥራይ ከብዱ ዝጸገበ ርኢና ኣይንፈልጥን … ።
ሲ ኣይ ኤይ እያ ጽጉብ ክነሱ ከምዝጠመየ ክመስሎ ጌራቶ ሓንጎሉ ሓጺባቶ። ብኽድኑ ኣዕሪቓቶ። ስራሕመሊኡ ክነሱ ስራሕ ኣስኢናቶ።
መንግስቲ ኤርትራ ነታ ምልእቲ ሃገር ናብ ቤት ማእሰርትን መደበር ጊላዊ ስራሕን ቀይሩዋ … ።
ቤት ማእሰርትታትና ክብረትና … ።
ብብዝሒ ቤት ማሕቡሳቱን ሕቡሳትን ዝሕበን ህዝቢ ብዛዕባ ነጻነታቱ/ዘይነጻነታቱ ክትካትዖን ከተዕግቦን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እምበር’ዶኸ ንነጻነት ይበቕዓ እዩ ዘጠራጥር እዩ።
ሃገርና ዓንያ፡ ህዝብና ጠሚዩ ዝብላዕ ዝስተ ሲኢኑ … ።
እንጌራ ተሰኣነ ቢስኮቲ ዘይበልዕ። ማይ ተሰኣነ ቢራ ዘይሰቲ።
እቲ ክትዓት ጠገለ ይስእን። መወዳእታ ይስእን። ስለ’ዚ ከኣ ቁምነገር ይስእን። መወዳእታ ስለዘይብሉ ቁምነገር ኣይሃልዎ እምበር እቲ ክትዕ ይቕጽል መወዳእታ ስለዘይብሉ። እቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ክትዕ ንውልቃዊ ረብሓኡ ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ እዩ። ንፖለቲካዊ ምጣኔሃብታዊ ጥቕሙ ፈሊጡ ዝደቀሰ። ነዚ ሓርማዝ’ዚ ንምብርባር ክሳብ ናብ ዕሽነት ዝተጎዝጐዘ ህርኩት ክትዓት ይቕጽል። እቲ ሓርማዝ ከይተበራበረ ከኣ መሬት ትወግሕ። መሬት ምእንቲ ርእስ ኢላ ትወግሕ።
መሰል ነጻ ሓሳብ ምግላጽ ዘይብልና ክነስና ንልዕሊ 20 ዓመታት ነጻ ህዝቢ ኢና። እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቕመጡ ኣካል ህዝብና ንዘረባን ነጻ ክትዕን ኣካል ሃገራዊ ነጻነትና ምዃኖም ረሲዖሞ እዮም። ጊዜ መረስዒ እዩ። ነዊሕ ጊዜ ድማ ዝበዝሐ የረስዕ። ንሕና እቶም ኣብ ዲሞክራስያዊ ስደት ንነብር ኤርትራውያን ግን ከምድላይና ክንካታዕ ንኽእል። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘረባን ክትዕን ዘየፍቅዱ ኣሕዋትና’ውን ከይተረፉ፡ ወሓለ ግርንቢጥ’ዩ፡ ንሳቶም’ውን ይካትዑ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዝርከብ ናይ ዘይክትዕ፡ ናይ ዘይምዝራብ ኵነታት ደጊፎም ይካትዑ። ህዝቢ ኤርትራ ከይእከብን ሰላማዊ ሰልፊ ከየካይድን ይካትዑ። ህዝብና ነቲ ኣብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዘማዕበሎ ክእለተ ዘረባ ኣብ ዕስራ ዓመታት ከየጥፍኦ ዘፍርሕ’ዩ።
እንተኾነ ዕድመ ንተቓዉሞ እቲ ክእለተ ዘረባ ክዕቀብ እዩ። እቲ ተቛዉሞ ከኣ ይልፍልፍ፡ ይልፍልፍ፡ ይልፍልፍ። ብልክዕ ን33 ዓመታት ለፍሊፉ ንዘረባ ዳርጋ ናብ ናይ ባዕላ ቍም ነገር ኣማዕቢሉዋ። ነጻ ዘረባ ዲሞክራስያዊ መሰልና ምዃኑ ንህዝብና ከነዘክር ድዩ ንካታዕ። ከም’ቲ ኣፍና ተለኪቱዎ ዘሎ፡ ከም’ቲ ኣጻብዕትና ተጨቢጠኖ ዘሎዋ መሰልና ነጻ ዘረባና ኣብ ልሳን’ና ከይሓውየና ድዩ?
ዓመት ድሕሪ ዓመት፡ ነፍሲ ወከፍ ሓጋይ ተቓዉሞ ሰፋሕቲ ኣኼባታት፡ ባዓላት ይውድቡ። እቲ ኣብ ንሓሰ ዝውደብ በዓል ካስል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ እቲ ዝዓበየን ዝተወርየን ነበረ። ብዙሕ ከኣ ይዝረብ። ይስተ። ኣቦ ወንበር ውድብ ሓደ ነዊሕ ኣሰልቻዊ ሕዋስ ጸብጻብን ፖለቲካዊ ትምህርትን መደብን ዕዮን መደረ የቕርብ። ሰማዒ የጣቅዓሉ። ኣንስቲ የዕልላ። እዚ ይትርጎም። እቲ ክትርጎም ብዙሓት ካብ ሰማዕቲ ንደገ ይወጹ። እቲ ብቐደሙ’ውን ተለሚኖም እዮም ዝኣተዉ። ነፍሲ ወከፍ ዓመት እታ ዘረባ ኣቦ መንበር ሓንቲ ዝዓይነታ እያ ኣቦ መንበር ኣዕይንቱ ሰም ኣቢሉ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘንበበን ወረቓቕቲ ኣውጺኡ እንተዘንብብ ፍልልይ ኣንበይሃሎዎን።
ድሕሪ’ዚ ሓደ ሊቅ ተንሲኡ ብዛዕባ ኵሉ ዝፈልጦ ኣርእስቲ ነዊሕ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይህብ። ገጠምቲ ይገጥሙ። ደረፍቲ ይደርፉ። ይስተ ይብላዕ ይስዕሳዕ። ንዓመታ ከኣ ኣብ ሃገርና ነብዕሎ ይግበረና! ይመራረቕ። ክሳብ ንዓመታ ከኣ እቲ ተቓዉም ይብተን። መራሕቲ ነናብ መደቀሲኦም ይኸዱ። እቲ ዝዓበየ ቍም ነገሩ ነቲ መንፈስ ተቃዉሞ ክቕጽል ዕድል ምሃቡ ጥራሕ። ‘ተዘይኴይኑዕ ክሳብ ለይተ ሎሚ ንሱ ዘዓወቶ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ዓመት የሎን።
እቲ ተቛዉሞ’ውን ናቱ ውልቀ ጥቕምታት ኣሎዎ። ንሱ’ውን ካብቲ’ቲ ውልቀምልኪ ዝተቐርጸሉ ጸምሪ እዩ ተቐሪጹ። ሓደ ሓሳባት፡ ሓደ ሸቶ፡ ሓደ ኣገባብ። ንጥቕሚ ሓፋሽ እዬ ዝቃለስ ዝብል ውድብ ወይ ሰብ እንተ ኣጋጠመኩም፡ ብውሕስነተይ፡ ሓሳዊ! በልዎ። እቲ ዕንክሊል ከኣ ይቕጽል። ዕንክሊልታት ይፍጠሩ። ዕንክሊል ኣብ ውሽጢ ዕንክሊል። ተቛዉሞ ኣብ ውሽጢ ተቛዉሞ። ብዝኸድካዮ ፖለቲካዊ ዕንክሊል ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ዕንክሊል። ነቲ ዕንክሊል ህይወታዊ ዝገበሮ ኤርትራዊ ተቛዉሞ ከኣ መዳልያ ጸዓት ይግብኦ!
ኤርትራዊ ተቛዉሞ ንሰላሳ ዓመታት ሸንኮለል ኢሉ። ከም’ቲ ድርቡሻዊ ሳዕሳዒ ኣብ ገዛእ ነፍሱ ኮሊሉ፡ ኮሊሉ ዝህውትትን ዝዕንዝዝን፡ ተቓዉሞ ኤርትራ ዓንዚዙ እዩ። ንሰላሳ ዓመታት ሃውቲቱ። ስለምንታይ ሃውቲቱ ንብል? ስለ ዘይተዓወተ። ‘ዘይተዓወተ’ ከኣ ስዑር እዩ። ተቓዉሞ ሓንቲ ስድሪ’ኳ ንቕድሚት ኣይሰጎመን። ከም’ቲ ኣብ ገዛእ ነፍሱ ኣንካዕሊሉ ኣንካዕሊሉ ናብ መሬት ጡብ ዝብል ድርቡሻዊ ሳዕሳዒ ናብ መሬት ጡብ ክብል’ዩ።
ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ
ጀርመን

Advertisements

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s