መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን 2ይ ክፋል

ሓጸርቲ ርእይቶታትን ሕቶታትን ኣስተማቐርቲ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን 
                              2ይ ክፋል

ተኪኤ በየነ

ርእይቶ፥ ታሪኽ ኣርባዕተ ወለዶ ኑረነቢ! ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ክሳዕ ናጽነት ዝቐጸለ ታሪኽ! ዋላ ኣብ ልብወለዳዊ ትረኻታት ከማን ክርከብ ዘይከኣል ሓቀኛ ጉዕዞ ሂወት! ደራሲ ነዚ ኣገዳሲ ገጸበረኸት ጆባእ! ኢሉና ኣሎ። ነታ ነዚ ኹሉ ሰነድ ኣብ ሳንዱቕ ሓጺን ዓቂባ ኣብ ዘበንና ዘብጽሐት ኣደ (ወይዘሮ ሉላ እዮስኣብ) ድማ ክብሪ ይግበኣ።

ሕቶ፥ እያሱ ዝበሃል ኣሎ ኣብ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”። ስድራቤቱ ኣብ ሕርሻ ዝነጥፉ፡ ከንሻ’ዮም ነይሮም። እቶም ስድርኡ እንታዎት’ዮም፧ እቲ ሂብካዮም ዘሎኻ ስማት ናይ ብርዒ ስም ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ እዩ ከተነጽረልና።

መልሲ፥ ኣብ መዘክራት ገብርኤል፡ ታሪኽ ውልቃዊ ሂወት እያሱ ያዕቈብ ረኺበሉ’የ። ካቫሌር እያሱ፡ ኣብ ሱዳን ንዝወለዶ ወዱ ተጋዳላይ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ብ1991 ኣስመራ ብሂወት ዝኣተዉ እዩ። ረኺበ ብዛዕባ ኣቦኡን ኣባሓጎኡን ክሓቶ ሓሲበ ነይረ። ታሪኽ ኣቦኡን ኣባሓጎኡን ክጸሓፍ ዘይክደሊ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ስክፍታ ስምን ቦታን ቀይረ ክጽሕፎ መሪጸ። እቲ ታሪኽ ሓቂ ክነሱ፡ እቶም ሰብ ታሪኽ ናብ ገጸባህርዪ ተቐይሮም ኣለዉ።24129510_590295804635080_360880904124929331_n

መኩርያ ወልዱ

ርእይቶ፥ ኩለን መጻሕፍቱ አድነቐን እኳ እንተኾንኩ፡ ኣይከም “ማህደር ኑረነቢ”ን። “ማህደር ኑረነቢ” ዝበለጸት መጽሓፉ’ያ። ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ጽልዋ ከም ዝነበሮም ትገልጽ’ያ። ብዛዕባ ዘበነ ኣካሒዳ ብዝሰፍሐ ገሊጽዎ’ሎ። ኣውዓሎም ሓረጎት ኤርትራዊ ምዃኑ ኣነጺሩልና ኣሎ። ብሓበሬታ ዝተጠርነቐት መጽሓፍ’ያ።

1ይቲ ሕቶ፥ ኣብ መእተዊ ናይ’ዛ ሓዳስ መጽሓፍካ፡ “እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ጉዕዞ ሂወቶም ክጽሕፉ እናደለዩ ገና ክጽሕፉ ንዘይጀመሩ ናይ ዘመንና ሰራሕቲ ታሪኽ መዘከርታ ትኹነለይ” ምባልካ እንታይ ማለትካ ምዃኑ ክተብርሃለይ ምደለኹ። ብወገነይ ሕጫጨ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ምናልባት “… ታሪኽ ጽሒፎም ንዘሕተሙ ” ክትብልዶ ኣይምሓሸን?

መልሲ፥ ሕጫጨ ኣይኮነን። መጽሓፍ ክጽሕፉ ግዜ ረኺቦም ዝጸሓፉ፡ ሓላፍነቶም ገይሮም ስለዝኾኑ፡ መዘክር ዘድልዮም ኣይኮነን። ነቶም ዘይጸሓፉ ምዝኽኻርን ምጉስጓስን ግቡእ ኮይኑ እስመዓኒ። እቶም ሰራሕቲ ታሪኽ ታሪኾም ከይነገሩና’ዮም ዝሓልፉ ዘለዉ። ኣነ ብወገነይ ሓደ ሰራሕ ታሪኽ መዘክሩ ከይጸሓፈ ወይ ከየጽሓፈ እንተሓሊፉ፡ ሓደ ዓቢ መጽሓፍ ከም ዝኸሰርና ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ስለዚ ሕጫጨ ኣይኮነን። ኣኽብሮታዊ መዘኻኸሪ እዩ።

2ይቲ ሕቶ፥ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ኣርሲ-ኣኖሌ ኣጥባተን ንዝተቘርጻ ኣዴታት ንምዝካር ኣብ’ዚ እዋን ሓወልቲ ተሰሪሕሎም ኣሎ። ብተመሳሳሊ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ዓድዋ ኢደእግሮም ንዝቘረጾም ኤርትራውያን’ውን ሓወልቲ ክስረሓሎም ነይርዎዶ ትብል?

መልሲ፥ ኣብ ዓድዋ ኢደእግሮም ንዝተቘርጹ ኤርትራውያን ሓወልቲ ምስራሕ ዝግባእ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ምኽንያቱ፡ ሽሕ ግዜ በስገዳድ ይኹን’ምበር፡ እቶም ኤርትራውያን ኣጀንዳ ጥልያን ከተግብሩ ዝተዋግኡ እዮም። መስዋእቶምን ስንክልናኦምን ክሳራ’ምበር ዘነይት ኣይኮነን። ታሪኽ ኣርሲ ኣኖሌ ግና ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ኣኖሌ ግፍዒ ዝወረዶም ኦሮሞታት መሬቶም ንኸየተንክፉ ብዝገበርዎ ቃልሲ እዩ። ዝተሰውእሉ ቦታ’ውን ኣብ ገዛእ መሬቶም እምበር፡ ኣብ መሬት እንዳማቶም ኣይኮነን። ስለዚ ነንበይኑ እዩ። ኣብ ዓድዋ ብዛዕባ ግፍዒ ዝወረዶም ኤርትራውያን ክንገር ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ ታሪኽ ስለዝኾነ ጥራሕ እዩ። ድሑር ኣገባብ ኣቀጻጽዓ ሃጸይ ሚኒሊክ ንምቅላዕ እውን’ዩ። ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ወራር ንዝተሳተፉ ጸዓዱ ብኽብሪ ሒዙ፡ ንኤርትራውያን ብሕጊ ኦሪት ምቕጽዑ ድሕረት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ልቦና ምስኣን እውን’ዩ። ዘሕንኽ ታሪኽ እዩ። ኣብ ውግእ ዓድዋ ካልእ ተወሳኺ ጸሊም ነጥቢ’ውን ኣሎ። ሰራዊት ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ዓውደ ውግእ ንዝሞቱ ክርስትያን ኦርቶዶክስን ጥልያንን ብክርስትያናዊ ኣገባብ ከም ዝቕበሩ ክገብር ከሎ፡ ክርስትያን ንዘይኮኑ ፈረሰኛታት ኦሮሞ ግና ሬሳኦም ንኣሞራ ራሕሪሕዎ ምኻዱ፡ ዘሕንኽ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ። ዓወት ዓድዋ ኩርዓት ኣፍሪቃ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ጸሊም ነጥቢ ክንገረሉ’ውን ግቡእ ኮይኑ እስመዓኒ።

ኣማኑኤል ልጃም

0ርእይቶ፥ ቋንቋ ኣምሓርኛ እንተላይ ኣብ ሜዳ እሰርሓሉ ስለዝነበርኩ በቲ ሓደ፡ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ’ውን ስለዝስሐበኒ በቲ ኻልእ፡ ኩሎም መጻሕፍቱ ኣንቢበዮም እየ። ብሕልፊ ድማ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ ናይ ስለያን ጸረ ስልያን ትሕዝቶ ስለዘለዋ ብዝሓየለ ተምሳጥ’የ ኣንቢበያ። ልክዕ ከምቲ “ዘ ኦዴሳ ፋይል” ዝብል ዓቢ ናይ ስለያ መጽሓፍ ኮይና እያ ትስመዓኒ።
መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ንግስነት ኢትዮጵያ ዘለዎ መረዳእታ፡ ከም ገዛእትን ወረርትን ጥራሕ’ዩ ዝፈልጦም። እዛ መጽሓፍ ግና ኣዝዮም ብኽፋእ ዝተባዕጡ ኣመና ውዲታውያን ምንባሮም ኣጉሊሓቶ ኣላ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣንቢቡ ሓቅታት ክፈልጥን ከገናዝብን ምእንቲ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቛንቋታት ኤርትራ ተተርጕማ ክርእያ እትስፎ። መንእሰያት ኣብ ጸጥታዊ ንቕሓት ዘለዎም መረዳእታ ኣብ ምዕማቝ ዓብዪ እጃም ክህልዋ ስለዝኽእል፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን እውን ከም ግብራዊ መወከስን መምሃርን ኮይና ከተገልግል እትስፎ።

ሕቶ፥ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ” ሰብ ተሃንጥዩ ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ሓበሬታ ተሓቢኣ ኣላ። ንገብርኤል ኤድሞንዶ ኣሕሊፉ ዝሃበ በዓል ስልጣን መን ምዃኑ ክግለጽ ኣይተደልየን። ገብርኤል ክነግር ስለዘይደለየ ተባሂሉ ኣሎ። እዛ ሓበሬታ እዚኣ ንደራሲ ብርግጽ ተሓቢኣቶ ድያ፧ እዚኣ ኣብ ሓያል ምንጥልጣል ኣእትያትና ኣላ’ሞ፡ ብንጹር መን ምዃኑ ክትነግረና።

መልሲ፥ ብዙሓት መንነት ናይ’ቲ ሰብ ክፈልጡ ክሓቱኒ ጸኒሖም እዮም። ደበሳይ ገብርኤል ስም ናይቲ ደጃዝማች ክቃላዕ ስለዘይደለየ ኣይተገልጸን። ስሙ ክገልጽ ዘይተደልየሉ ምኽንያት፡ ኣቦሓጎታቶም ብዝፈጸምዎ ጌጋ ዕዳ ናይቲ ህሉው ወለዶ ንኸይከውን ብምባል እዩ። ንዓይ ግና ነጊሩኒ እዩ ብርግጽ።

ይቅጽል

ምንጪ ቀደርኩ  Qedie manche

 

Advertisements

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s