Category Archives: ልቢ ወለድ

  ዕቋር ናፍቖት  ሓጺር ዛንታ   ብሽሻይ ገብረሃንስ 2ይን መወዳእታን

                     ዕቋር ናፍቖት    
                     ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል ብሓደ ምስ ተጠርነፈ
                         ብሽሻይ ገብረሃንስ

ድምጺ ኣደኡ ካብ ዘይሰምዕ ዓመታት ዘሕለፈ ኮይኑ ተሰሚዕዎ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ረኺብወን ነይሩ’ዩ። እቲ ሽዑ ብዕላለንን ብምትብባዓንን ዘስተያኦ ማይ ክነቅጽ ስለ ዝተፈለጦ ድማ’ዩ ካብ’ቲ ጠሊ ዝመልኦ ቃላተን ክረዊ ዝተሃወኸ። እንተኾነ ክድውል ክሓስብ ከሎ ጥራይ ኣብ ኣእምሮኡ ሰለስተ ሕቶታት ስለ ዝመጽእዎ፡ ተረጋጊኡን ተኣማሚኑን ደዊሉ ኣይፈልጥን።

    1ይቲ  “መስመር ተለፎን ይኣትወለይ ዶ ኣይኣትወለይን” ትብል’ያ?

    2ይቲ  “እተን ተልፎን ዘለወን ጎረበትና ይቕበላኒዶ  ኣይቅበላንን?”

    3ይቲ   “ኣደይከ ኣብ ገዛ ትጸንሕ’ዶ ኣይትጸንሕን?” ዝብላ’የን።

እዘን ሰለስተ ሻቕሎት ዝፈጥራሉ ሕቶታት ሰጊሩ ንኣደኡ እንተረኺብወን ግና፡ ንኣዋርሕ ዝኸይድ ሞራልን ሓይሊን ሰኒቑ’ዩ ዝፍለየን። ሞራል ይህብኦ፡ እቲ ዘበርከቶ፡ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ዝርስዖ ሓገዛት ንቤተሰብን ንፈተውቲ የዘክራኦ፡ “እንዳ ባህታ መሪቖምኻ፡ እንዳ ለገሰ፡ ልግስኻ ይሰስን ኢሎምኻ፡ እንዳ ባህረ ምስ ከድኩ ዘኪሮምኻ፡ እንዳሓትነኻ ለተንሰአ፡ ድርኩኺት ገዘአን ርግጽ ከብል ከለኹ ኣትሒዘን ክሳብ ዝወጽእ ይምርቓኻ ነይረን።”

Continue reading   ዕቋር ናፍቖት  ሓጺር ዛንታ   ብሽሻይ ገብረሃንስ 2ይን መወዳእታን

Advertisements

“ቦሪን ኰይነ… ኢንጆይ ክኸውን ደልየ” ብ ቴድሮስ ኣብረሃም

“ቦሪን ኰይነ…..ኢንጆይ ክኸውን ደልየ”  ሓጺር ዛንታ ብቴድሮስ ኣብረሃም

 

“ኢሂ ተገባሪት… ብሰንክኺ ድቃስ ክንስእን? ንባዕልኺ ኢንጆይ ኰይንኪ ንሕና ክነንባሁቝ።”
“ተዝርከብስ ንዓይ ምሓሸኒ። ኣይትደቅሲ ኢለ ድማ ኢድኪን እግርኽን ኣይኣሰርኩኽን። ኣሕልፍና ጥራይ ሕጂ… ኣብ ኣፍ ማዕጾ ኰይንኪ ጀላዕላዕ እናበልኪ ሰብ ከይተተስኢ።”
“ኪዲ ኸዝዝዛብ… ምስ’ዚ ሓለንጋይ ቅዙፍ ኣምሲኺ እንተይ ከይትስእኒ።”
“ካብኣ ነጢርኪ ድማ ናባይ መጺኺ ሕጂ? እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኺ ግን?”
“ምዃን ሓንቲ ፋራ እንድያ’ዚኣ። ኣብያትካ’ያ ምሽ? ኰይስ ተትብለካ መቸም ኣይመፋነኻያን ነይርካ። ንፈልጠኩም እንዲና ኣወዳት፡ ኣብ ዓራትካ ኰይንካ ቻው ምበልካያ።”

Continue reading “ቦሪን ኰይነ… ኢንጆይ ክኸውን ደልየ” ብ ቴድሮስ ኣብረሃም

ኣስተማቐርቲ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን 4ይ ክፋል

ሓጸርቲ ርእይቶታትን ሕቶታትን ኣስተማቐርቲ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን 
                   4ይ ክፋል

ደጀን ኪዳነ

ርእይቶ፥ ቅዲ ኣጸሓሕፋኻ ኣዝዩ ዝድነቕ እዩ። ትሕዝቶ መጻሕፍትኻ ሓደ ተመራማሪ ወይ ጸሓፊ ታሪኽ ዘዳለዎ እዩ ዝመስል፤ ኣብ ዋሕዚ ኣዝዩ መሳጢ ስለዝኾነ ግን ፍሉይነት ትርእየሉ። ኣብነት፥ ኣብዛ ናይ ሕጂ መጽሓፍካ፡ ንኸም በዓል ባህታ ሓጎስ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰብ ታሪኽ፡ ክስሕቁ፡ ክሓርቁ ትርእዮም። ልክዕ ከምኡ ጌርካ ኸኣ ኣብ ኣእምሮኻ ትቐርጾም።

1ይቲ ሕቶ፥ ገጻዊ መገለጺታት (facial expressions) ናይ’ቶም ዓበይቲ ሰብ ታሪኽ ካበይ ኢኻ ተምጽኦ?

መልሲ፥ ኣብ ከምዚ ዝበለ መጽሓፍ፡ ደራሲ ምናባዊ ትረኻ ክጥቀም ይፍቀደሉ እዩ። ይኹን’ምበር ካብ ሓቂ ክርሕቕ ከኣ የብሉን። ካብ ሓቂ ንኸይርሕቕ ከመይ ክግበር ይከኣል? ኣብነት፥ ብዛዕባ ኣከዳድና ባህታ ሓጎስ ዘርእዩ ስእልታት ኣለዉ። ባህርዪ ባህታ ሓጎስ ዝገልጹ ጽሑፋት ኣለዉ። ባህታ ቁጡዕን ስምዒታውን እዩ። ንወዲ ራእሲ ኣርኣያ ፊተውራሪ እምባየ ብነድሪ ሃንደበት’ዩ ቀቲልዎ። ጸጽቡቓተን ኣዋልድ ኣከለጉዛይ ክምልምል መምርሒ ምስ ተዋህቦ ቁጠዐኡ ኣንጸባሪቕዎ ነይሩ እዩ። ኣማሓዳሪ ሰገነይቲ ንዝነበረ ጆቫኒ ሲንጉኒቲን ብቡኛ ሃሪሙ ኣብ ምድሪ ጸጢሕዎ’ዩ።ባህርያት ባህታ ኣጸቢቐ ምስ ፈለጥኩ፡ ክዛረብ ከሎ፡ ክንድር ከሎ፡ ክስሕቕ ከሎ ከም ድላየይ ክገልጾ እኽእል’የ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ምፍላጥ’ዩ። ንባህታ ሓጎስ ከኣ ጽቡቕ ገይረ ፈሊጠዮ እየ።

 

Continue reading ኣስተማቐርቲ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን 4ይ ክፋል

ካብ መጽሓፍ ‘ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ’ ምዕራፍ መበል 40 Daniel Semere Tesfai

      እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ መጽሓፍ ‘ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ’ ምዕራፍ መበል 40‘ንሳቶምን ዕላምኦምን’ ዝተቈንጨለ እዩ። እቲ ኣብ’ዚ ‘ንሱ’ ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ከኣ ሃብተ ዝተባህለ ልዑል ካድር ነበር ናይ ህግሓኤ ነበር እዩ። ጥዑም ምንባብ።
                                  ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ                                                                                                                                  ደራሲ

… “ እዚ ኣብዚ ቅድሜኹም ክዛረብ ዝጸንሐ ሓውና’ዩ። ሕብሩ ሕብርና። ቋንቁኡ ቋንቋና። ንዓና ድማ ይመስል። ግን ከኣ፡ ይምሰለና ድኣ’ምበር፡ ካባናን ከማናን ኣይኮነን።
ንሕና ነፍሲ ኣሎና። ንሱ የብሉን። ነፍሱ ተሰሪቃቶ’ያ።
ንሱ መንፈስ የብሉን። መንፈሱ ተሓዲጋቶ’ያ።
ንሕና ሕልሚ ኣሎና። ንሱ የብሉን። ሕልሙ ተሓኺኹዎ’ዩ።
ንሕና ንያት ኣሎና። ንሱ የብሉን። ንያቱ ተጀሊሕዎ’ዩ።
ንሕና ሕልና ኣሎና። ንሱ የብሉን። ሕልንኡ ተቐቲሉዎ’ዩ።
ንሕና ሓቦ ኣሎና። ንሱ የብሉን። ሓቦኡ ተበሊሉዎ’ዩ።
ዘጥዕመሉን ዘኽፍኣሉን፡ ዘማዕርጎን ዘሕስሮን፡ ዘሐይሎን ዘድክሞን’ውን ኣይፈልጥን’ዩ። ኣእምሮ የብሉን። ኣእምሮኡ ተመንጢሉዎ’ዩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን እዚ ሓውና ዝተሓድጎ። ገዛእ ህይወት’ውን የብሉን። እዚ ኣብ ቅድሜኹም ክዛረብ ዝጸንሐ ሃብተ ሬሳ’ዩ። ኵሉ’ቲ ንሰብ ሰብ ዘብሎ ዝተሓድጎ ጓንጓ ዓጽምን ስጋን ደምን ጥራሕ’ዩ። እቲ ደም’ውን ‘ተሃለዎ የጠራጥር!

Continue reading ካብ መጽሓፍ ‘ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ’ ምዕራፍ መበል 40 Daniel Semere Tesfai

መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን 3ይ ክፋል

ሓጸርቲ ርእይቶታትን ሕቶታትን ኣስተማቐርቲ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን
                          3ይ ክፋል

ዱጋሳ በከኮ(ካብ መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ OLF)

ርእይቶ፥ መጽሓፍ ተስፋዬ ኣንቢበዮ። ዕዉት ስራሕ’ዩ። ኤርትራ ካብ ዝሕለፈቶ ሓሳረመከራ ብዙሕ ተማሂረ እየ። ኣብቲ ዘመን ንቕሓት ኑረነቢን ቃልሱን፡ ገብርኤል ተሓላቒ ኢትዮጵያ ምንባሩ፡ ጽንዓትን መትከልን እያሱ፡ ዘይፈልጥ እናመሰለ ጊላጊ ዝዛረቦም ቁምነገራት ደንጽዩኒ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ መከራን ህልቂትን ኣዝዩ ኣሕዚኑኒ። ብመስዋእቲ ዝመጸ ናጽነት ምስ ረኣኻ ግና ትጸናናዕን ትደዓዓስን። መኰነን ናተይ ወለዶ እዩ። ስድራቤት ደበሳይ ኣብ ፈላምን ዛዛምን ቃልሲ ንናጽነት ክሳተፉ ብምኽኣሎም ዕድለኛታት እዮም። ተስፋዬ ነዚ ዘደንጹ ታሪኽ ክትጽሕፍ ምኽኣልካ ዕድለኛ ኢኻ።

Continue reading መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን 3ይ ክፋል

ዕቋር ናፍቖት ሓጺር ዛንታ ብሽሻይ ገብረሃንስ

                    ዕቋር ናፍቖት  
                         ሓጺር ዛንታ  ብሽሻይ ገብረሃንስ

      ድምጺ ኣደኡ ካብ ዘይሰምዕ ዓመታት ዘሕለፈ ኮይኑ ተሰሚዕዎ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ረኺብወን ነይሩ’ዩ። እቲ ሽዑ ብዕላለንን ብምትብባዓንን ዘስተያኦ ማይ ክነቅጽ ስለ ዝተፈለጦ ድማ’ዩ ካብ’ቲ ጠሊ ዝመልኦ ቃላተን ክረዊ ዝተሃወኸ። እንተኾነ ክድውል ክሓስብ ከሎ ጥራይ ኣብ ኣእምሮኡ ሰለስተ  ሕቶታት ስለ ዝመጽእዎ፡ ተረጋጊኡን ተኣማሚኑን ደዊሉ ኣይፈልጥን።

 

     1ይቲ  “መስመር ተለፎን ይኣትወለይ ዶ ኣይኣትወለይን” ትብል’ያ?

     2ይቲ  “እተን ተልፎን ዘለወን ጎረበትና ይቕበላኒዶ  ኣይቅበላንን?”

     3ይቲ   “ኣደይከ ኣብ ገዛ ትጸንሕ’ዶ ኣይትጸንሕን?” ዝብላ’የን።

Continue reading ዕቋር ናፍቖት ሓጺር ዛንታ ብሽሻይ ገብረሃንስ

  ትጽቢት    Short story

                         ትጽቢት 
                                       ብሽሻይ ገብረሃንስ 

   ራሄል፡ ናብ ሄኖክ እናቐረበት ከላ፡ ሕርቃና ካብ ርሑቕ ከንብቦ ኣይተጸገመን፡፡ ቅድሚ ንሳ ክትገልጸሉ ምጅማራ፡  ሰሓቕ ክመልቆ እናደለየ፡፡ “ሕጂኸ ደሓን ዲኺ?” ኢሉ ሓተታ። ምስ ምቑልል ፍሽኽታ። ዕለት ዓሰርተ-ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ዝሰርሕዎ ሰዓታትን ደመወዝን ዝቕበሉሉ መዓልቲ’ዩ። ወርሒ መጸት፡ ገንዘብ ኣጉዲሎም ስለ ዝህብዋ፡ ሽዑ’ውን ገለ ነገር ከም ዘጋጠማ ኣይተጠራጠረን፡፡

     ኣብ ተል ኣቪቭ፡ ቤዚክ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ኢንተርነት ትካል፡ ጽሬት ክሰርሑ ካብ ዝጅምሩ 8 ወርሒ ሓሊፉ’ሎ፡፡ ናይ’ታ ዕለት ስራሕ ካብ ዝጅምርዎ ድማ ኣስታት ክልተ ሰዓት ጥራይ ኣሊዒሎምላ ኣለዉ።

   “ምስ’ዚኣ እንታይ ደሓን ኣሎ በጃኻ?” ፍሽኽታኡ ክምስ ከም ትብል’ኳ እንተገበራ፡ ሕርቃና ክጎድል ኣይከኣለን። “ዕስራን ትሸዓተን መዓልቲ ሰሪሐ፤ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ግን ኣጉዲላትለይ!” ኣደ ክልተ ቆልዑ ክነሳ፡ ምሉእ ወርሒ፡ 31 መዓልቲ ብምስራሓ እናተገረመ፡፡ ዝበዝሓ ቆልዑ ዘለውወን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ዕስራ መዓልቲ ንላዕሊ ክሰርሓ ስለ ዘይርእየን’ዩ። ራሄል፡ ቋንቋ ዕብራይጥ ክትዛረብን ክትርዳእን ስለ እትጽገም’ያ ክዛረበላ ትውከሶ ዘላ። ዳርጋ መዓልታዊ ኩለን መሳርሕቱ ክትርጉመለን ስለ ዝጽዋዓኦ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ንዕኡ።

Continue reading   ትጽቢት    Short story