ብዛዕባ ሜላታት ሰደት ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ

ብዛዕባ ሜላታት ሰደት

እቲ ኣግኣዚናን ሓላዪናን ዓቢዪ ሓው ኢሳያስ ኣፈጨርቂ በቶም ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን ባሕርን ዝጠፍኡ ዘሎዉ መንእሰያት ተስቈርቍሩ ‘ሜላታት ዕዉት ስደት’ ዝሰየሞ መጽሓፈ መምርሒ ጉዕዞ ስደት ደሪሱ ኣሎ። እቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምዝርግሑ ከንብቦ ዕድል ስለዝረኸብኩ ነቶም ክትስደዱ ትሓስቡን ኣብ ጉዕዞ ስደት እትርከቡን መንእሰያት ሃገረይ ጠቓሚ እዩ ኢሉ ዝሓሰብኩዎ ጠንቍረ አቕርበልኩም።

ሓውኹም

ዳንኤል ተስፋይ

31.08.2013

  ***

ሜላታት ዕዉት ጉዕዞ ሰደት

መጽሓፈ መምርሒ

ብኢሳያስ ኣፈጨርቂ

ኣግኣዚን ፕረሲደንትን ግዝኣተ ኤርትራ

መእተዊ

ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ዝዓበያ ስደተኛታት ዘምርታ ሃገር እያ። ክሳብ 2000 ኣብ ወርሒ። ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ከኣ ነቲ ስደተኛ ብዙሕ ሽግራት የጓንፍዎ። ገንዘቡ ይዝረፍ። ይዕመጽ። ዓመጻ ደቂ ኣንስትዮ ንቡር ኴይኑ እንተላይ ወዲ ተባዕታይ’ውን ይዕመጽ። እቲ ዝኸፍአ ግን እቲ ስደተኛ ገንዘቡ ከፊሉ ንባዕሉ ይሽየጥ። ይልወጥ። ዝዕድጎ ቤተ ሰብ ወይ ፈታዊ እንተሲኢኑ ከኣ ብህይወቱ ተጎዝዩ ውሽጣዊ ኣካላቱ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ይሽየጥ። ቀንዲ ተጠቀምቲ ናይ’ዚ ንግዲ’ዚ ከኣ በደው ራሻይዳን ዶክቶራትን ሰበስልጣናት ጸጥታን ግብጽን ዶክቶራትን ሕሙማትን ኣይሁዳውያንን ኣሜሪካውያንን እዮም። እዚ ከኣ ዓሚቝ ኢድ ናይ ሲ.ኣይ.አይ. ከምዘሎዎ የረጋግጽ። ሓንቲ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ልቢ ዝተቐየረላ ኣሜሪካዊት በዓልቲ ኑ ዮርክ፡ ካብ ናርኮዘ ምስተበራበረት ፈለማ ቃላታ “ዓወት ንሓፋሽ!” ነበረ። እዚ ከኣ እቲ ኵሉ ሲ.ኣይ.አይ. ንሰውራን ህዝብን ኤርትራ ንምብትታን ዘካይዶ ኵሉ ፈተነታት ብጽንዓት ልቢ ኤርትራ ከምዝፈሽል የረጋግጽ።ኣነ ኤርትራ ነጻ ክትኸውን፡ ማለት፡ ብገዛእ ደቃ ክትግዛእ ምሉእ ህይወተይ ዝተቓለስኩ ሓርበኛ እዬ። እቲ ዕዉት ስለ’ዚ  እቲ ዝበለጸ ወዳ ንኤርትራ ስለዝኾንኩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንኤርትራ ንበይነይ ክገዝኣ ትብጻሕካ ኢሉኒ። እቲ ናተይ ወለዶን ዝሰዓቡ ወለዶታትን ጠሚና፡ ጸሚእና፡ ዓሪቕና፡ ብሓለዋ ሰውራ ተጨፍጪፍና ከይበለ ስኑ ነኺሱ፡ መዓጥቖኡ ሸጥ ኣቢሉ ዓቢዪ ጅግንነት ኣመስኪሩ። …. [ኣብ’ዚ ንጎዕዞ ዘይሕግዝ ብዙሕ ነፍሰ ውደሳዊ ሃተፍተፍ ይቕጽል።… ሓዊ’ስ ሓዅምሽቲ ይወልድ ከምዝበሃል ከኣ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ካብ ክብረት ስደት፡ ካብ ነጻነት ባርነትን ካብ ምስ ህዝቡ መዓት ንበይኑ ገዓት መሪጹ ይስደድ ኣሎ። ናይ’ዚ ስደታዊ ቡሕቡሕ ደፋኢት ከኣ ዓማ እያ። ዓማ ከምዝኾነ ዝተሳዕረ ተሳዒራ ትም ኣይበለትን። ዝኾነ እንስሳ ብተወዳዳሪኡ ምስተሳዕረ ስዕረቱ ተቐቢሉ ነታ ሰበይቲ ነቲ ሰዓሪ ሓዲጉ ይኸይድ። ዓማ ግን ተሰዲዳ ተማሂራ፡ ቸመንቶ ወልዊላ፡ ኣኽላባት ኣዛዊራ ገንዘብ ጌራ ንርእሳ ጽቡቕ ነቢራ ክሳብ ነዝማዳ ገንዘብ ክትልእኽ ጀመረት። ሔዚ፡ እቶም ዝጠዓሞም ኤርትርትራውያን ደቂ ውሽጢ ሃገር ኣዝማድ ዓማ እዮም። ዓማ ዝኾነ ፖለቲካዊ ራእይን ሜላ ቃልስን ሓድነትን ዘይብላ ዝጠፈሸት ነገር እያ። እቲ ዝኾነቶ ብልጭልጭ ግን ንብዙሓት ለዋሃት ዜጋታት ኣታሊሉን ንኽስደዱ ድማ የስድዕን ኣሎ። ዝኾነ ዘብለጭልጭ ወርቂ ኣይኮነን ኢልና ላሕ ኢልና ዝሰምዓና ግን ውሑድ እዩ። ምዉቕ ቤትካን፡ ትፈትዎም ስድራቤትካን፡ ፍቕርቲ ሃገርካን ራሕሪሕካ ደሓር ኣብ ከርፋሕ ጎቦታት ሲና “እዚ’ውን ክሓልፍ እዩ!” ኢልካ ምውቃር ፋይዳ የብሉን። ንሕና ንመክር። ምኽርና ንዘይሰምዐ ከኣ ሲና ባዕላ ትመኽሮ። እንተኾነ ምስላ መሲልና ጥራሕ ስቕ ኣይንብልን። ዝተቓለስናሉን ዝደመናሉን ህዝብና ስለዝኾነ ከኣ፡ ግድን ክስደድ’የ ካብ በለ፡ ነቲ ጉዕዞ ስደት ብዝበለጸ ከመይ የካይዶ ሓሳባትና ከነካፍሎ ንደሊ።

እቲ ዝደሓነ ጉዕዞ ስደት ክትስደድ ዘይምፍታን እዩ። ኣብ’ታ ፍትውቲ ሃገርኩም ከብዲ ምላሽ፡  ንፍርቂ ከብዲ ምላሽ ስራሕ መሊኡ ተሪፉ ይርከብ። ኣቦታትኩም ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት ኢሎም ከም ዝምስሉ ረሲዕኩም። መዓልታዊት ሓንቲ ምሳሕ እንተበኾረትኩም ብዓጸቦ ኣይክትሞቱን ኢኹም። እቲ መዓንጣኡ ሸጥ ህዝቢ ኤርትራ ቍርሲ ጥራሕ በሊዑ ክነብር ከም ዝኽእል ሰውራ ኣረጋጊጹ እዩ። ንሕና ሓመድ በሊዕና ኢና ነጻ ኣውጺእናኩም። ሔዚ ቈጢብኩም እንተበላዕኩም እቶም ዝተቈጠቡ መኣድታት ንመጻኢ ወለዶታት ንምምጋብ ክጠቕሙ እዮም። ኵነታትኩም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይትዘንግዑ።  ግድን ክንስደድ ኢና እንተበልኩም ከኣ ናባና ምጹ። $75,000 እንተኸፊልኩም(ብዋጋ ዕዳጋ ንኣምን ኢና)  ዕላዊ ፓስፖርት ኤርትራን ቪዛን ሂብና ናብ ዝደለኹሞ ዓዲ ብዘይካ ዝኾነ ኣዳልሕ ምስ ምሉእ ኣካላትኩም ከነብጽሓኩም ንኽእል ኢና። ከም’ዚ ገቢርና ከኣ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ንቐትል። ነቲ ገንዘብ ንሃገራዊ ልዕላውነትን ድሕንነትን ናይታ ጠንጢኩማ ትኸዱ ዘለኹም ፍትውቲ ዓድኹም ክንጥቀመሉ ንኽእል። ብኡ ንብኡ ከኣ ነቶም ከም በዓል ማንጆስ ተኽላይ ዝኣመሰሉ ማእከሎት ኣቃጠርቲ ከነልግሶም ንኽእል። ንቤተሰብ ኣባላት ህግደፍ ብፍርቂ ዋጋ ክንሰድድ ንኽእል። ሽሕ’ኳ ገንዘብ ንስረትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተኾነ ክሳብ’ቲ ኣገዳስነቱ’ውን ስሱዓት ኣይኮናን። ንኣብነት ንቤተ ሰብ መስፍን ሓጎስ ብነጻ ከም ዝስደዱ ገቢርና ኢና። ኣቱም $75,000 ክትከፍሉ ዘይትኽእሉ ከኣ፡ ቁጠባዊ ኵነታትኩም ኣጽኒዕና ክሳብ $50,000 ክንወርድ ንኽእል። ካብ’ዚ ዝወሓደ ክንቅበል ግን መንግስታዊ ክብረትና ኣየፍቅደልናን። ስለ’ዚ ብእግሪ ዕድልኩም ፈትኑ።መጠንቀቕታ  ኣብ’ዚ ንግዳዊ ለውጢ’ዚ ባጤራ ናቕፋ ቅቡል ኣይኮነን። ባጤራ ናቕፋ ንመለዋወጢ ጨውን በርበረን ጥራሕ እዩ ተወጢኑ።

ፍሉይ ምዕዶታት ንኣጋር ስደተኛታት

እቲ መገዲ ስደት ብየማነ ጸጋሙ ዕምባባታት ዝተተኽሎን ሰቲ ዝተነጽፎም ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ስድሪ ጉዕዞኹም ብንህይወትኩም ክምንጥል ዝተቀረበ ሓደጋ ዝጸቕበበ እዩ። ቅድሚ ናብ’ዚ ጉዕዞ’ዚ ምብጋስ ብርቱዕ ኣካላዊ ምቅርራብ ክትገብሩ ኣለኹም። ልክዕ ከም ማራቶናዊ ጎያዪ ነዊሕ ኪሎ ሜትራት ብእግሪ ክትጎዓዙ ክትለማመዱ ኣለኩም። ብመዓልቲ ደቂስኩም ለይቲ ንቑሓት ክትኮኑ ክትመሃሩ ኣለኩም። ንመዓልቲ ናብ ለይቲ ናይ ምቕያር ሃብታም ተሞኵሮ ስለዘሎኒ ምኽረይ ስምዑ። [ኣብ’ዚ ብኢድ ዝተሳእሉ ክልተ ካርታታት ሰሜናዊ ምብራቅ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፣ ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ማእከላይ ባሕርን ተሓንጢጦም ይርከቡ። ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ብቐይሕ ሕብሪ ተቐቢኡ እዩ።]  

ጉዕዞ መኪና

እቲ ዝነውሐ መገዲ ካብ ሱዳን ንሊብያ ኣብ ኣብ ክልተ ደርብታት ኣብ ዝተኸፍለ መጽዓኒ ዓባይ መኪና ጽዕነት እዩ ዝሰላሰል። ንስኻትኩም ኣብ’ቲ ታሕተዋይ ደርቢ ከም ሳርዲን ክትዕሸጉ ኢኹም። ኣብ ልዕሌኹም ከኣ ንቡር ጽዕነት ክጸዓን እዩ። ክሳብ ናብ ሸቶኹም ትበጽሑ ከኣ ንብዙሕ ሰዓታት ካብ’ቲ በዓቲ ኣይክትወጹን ኢኹም። እቶም ኣብ ኮንተይነራትና ንገለ ጊዜ ዝተኣስሩ ብጾት ዝበለጸ ዕድል ስረት ክህልዎም እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ስለዝኣሰርናዮም ከመስግኑና እዮም። ስለ’ዚ ብኣጋኡ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ጸቢብ ርሱን ቦታ ተኾርሚኹም ናይ ምቕማጥን፡ (ኣብ ሞቝሎ ግን ኣይትቐመጡ ምቐመጫኹም መሊጡ ናብ ኣህባይ ከይልውጠኩም!) ሽንትን ደገን ንነዊሕ ጊዜ ናይ ምዕቋር ሜላን ተለማመዱ። ዮጋ ንሽንትን ደገን ምቍጽጻር (Yoga: How to control your urine and waste matter flow: by Swami Shankara) ዝተባህለ መጽሓፍ ኣንብቡ። ንዓይ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። ሓደ ሽግር ኣሎኒ። ብዘይ ሓላው ነፍሰይ ናብ ዝኾነ ቦታ ክኸይድ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክቕመጥ ኣይክእልን ንጽላሎተይ’ውን እፈርሕ። ኣብ ሰገራ’ውን ከምኡ። ኣብ ቅድሚ ዋርድያይ ከኣ ደገ ኣይመጸንን። ሔዚ፡ ሳላ’ቲ መጽሓፍ ንሰሙናት ደገ ከይወጻእኩ ክነብር ክኢለ ኣሎኹ። እዚ ክእለት እዚ ኣብ’ቲ ነዊሕ ጉዕዞ እግርን መኪናን ኣዝዩ ክጠቕመኩም እዩ። እቶም ነቲ መጽሓፍ ከተንብቡ ዕድል ዘይረኸብኩም ጥርሙስ ፕላስቲክ ወይ ከኣ ብዝበለጸ ባላንችናታት ተማሊእኩም ኣብ መትለኹም ስዅዕዎ። ንደረቕ ደገ’ኳ ዘይሕግዝ እንተኾነ ብዙሕ ሽንቲ ከዕቁር ይኽእል እዩ። ባላንቺና ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ’ውን ህይወታዊ ኣገድሲ ዝኾነ ጥቕሚ ኣሎዎ ድሒረ ክገልጸልኩም እዬ።  ባላንቺና ንደቂ ኣንስትዮ ክሕግዝ ዘይክእልን ምዃኑ እሓዘን። ደቂ ኣንስትዮ ግድን  ናይ ዓበይቲ ፓምፐርስ ክማልኣ ኣሎወን። ፓምፐርስ ደገኦም ክቈጻጸሩ ንዘይክእሉ ደቂ ተባዕዮ’ውን ሓጋዚ እዩ። 

ሽግራት ጉዕዞ መኪና ሃሪሩን ምጭባጥን ምቕብቃብ ፍሕኛን ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ሓሪ ጸሓይን ጽቕጥቅጥን  በዓቲ ጽዕነት መኣዛ ዘሎዎ ዝስትንፈስ ኣየር’ውን ቀልጢፉ ይውዳእ። ብሰንኪ ሕጽረት ኣየር ዝዓውሉን ዝሞቱን ኣይሰኣኑን ። ስለ’ዚ ብገለ ነዃል ካብ ደገ ኣየር ክትመጡ ክትክእሉ መታን ነፍሲ ወከፍኩም ክሳብ 10 ሜትሮ ዝንውሓቱ ቀጢን ቱቦ ጎማ  ክማላእ ይግብኦ።

ምክልኻል ነፍሲ

እቲ ጉዕዞ ንህይወት ሓደገኛ እዩ። ነቲ ሓቂ ካብ’ዚ ንላዕሊ ከጋንኖ ኣይክእልን። ስለ’ዚ ብዘይካ መሳርያ መከላኸል ነፍሲ ነቲ ጉዕዞ ክትፍትንዎ ኣይትጽዓሩ። መራሕትኹም ሰብ ሴፍን ብረትን ምዃኖም ኣይትረስዑ።  እታ ዝበለጸት መሳርሒ ከኣ፡ ብርእቶይ፡ ሰንጢ ወትሃደራት ስቪጸራ እያ። ብዙሕ ጠቓሚ ክፋላት ከም ካራ፡ መቀስ፡ መጋዝ (ንመቝረጺ መቍሕ)፡ መኽፈት ጠራሙዝን እስቃጥላታት መግብን ኣሎዋ። ካብ ኵሉ ድማ ብምንኣሳ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ኣብ መቐመጫኹም’ውን ከይተረፈ፡ ክትሓብኡዋ ትኽእሉ። ህይወተይ ሓደገኛ ስለዝኾነ ኣነ’ውን ሓንቲ ኣላትኒ። ኣበይ ከምዝሓብኣ ግን ኣይነግረኩምን’ዬ።

[ኣብ‘ዚ ሓንቲ ብኢድ ዝተሳእለት ሰንጢ ኣላ]

ንጉዕዞ ባሕሪ ዘድልዩ ኣቕሓታት

ካብ ኵሎም ጎዕዞታት እቲ ዝኸፍአ ጉዕዞ ባሕሪ እዩ። ባሕሪ ይሓቍን ዝበላዕካዮ ዘበለ ከኣ ኣብ ከብዲ ኣይቀውምን። ናይ’ዚ ፍታሕ ቀሊል እዩ። ኣብ ጎዕዞ ባሕሪ ኣይትብልዑ። እዚ ከኣ ንኤርትራውያን ብርቱዕ ኣይኮነን ሳላይ ከይበላዕኩም ንነዊሕ መዓልታት ክትጸንሑ ተሞኪርኩም ኢኹም። እተን ዘጓዕዛኹም ሞቶር ዘለወን ጥስትታት ነቲ ጉዕዞ ባሕሪ ዘይበቕዓ ኣብ ርእሲ ምዃነን ልዕሊ ዓቕመን ይጸዓና። ስለ’ዚ ናብ ሸቶአን ክበጽሓ ዘሎ ዕድል ውሑድ እዩ። ነቲ ውሑድ ዕድል ተጠቒምኩም ክትሰሩ ክትክእሉ ነዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ተጠቐሙ። 

  1. እንተድኣ እታ መርከብ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከምዝተጻዕነት ኣስተውዒልኩም፡ ብዙሕ ከይተጎዓዝኩም ነቶም ድኹማት ተሳፈርቲ፡ ማለት፡ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑትን ሕሙማትን ናብ ባሕሪ ደርብዪዎም። ኣብ’ቲ ጸምጸም ፈሳሲ ገሃነም ‘ዝሓየለ ጥራሕ እዩ  ዝሰርር።
  2. እታ መርከብ ማዕበል ኣላጊዑዋ፡ ወይ ከኣ ምስ ገለ ኣኻውሕ ተላጊዓ ክትጥሕል እንተበለት’ከ እንታይ ትገብሩ? እንተዘይጠሓለት’ውን፡ ዘይሕጋዊት ስለዝኾነት ክሳብ መሬት ወይ ወደብ ኣይከተብጽሓኩምን እያ። እሞ ገለ ሓደ ኪሎ ሜተር፡ ብዝወሓደ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ክትሕንብሱ ኣሎኩም። እንተኾነ መብዛሕትና ኤርትራውያን ፍቕሪ ማይ ስለዘይብልና ሓንቢስና ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ኣምላኽ ንዘይጥቀምሉ ስለምንታይ እህቦም ኢሉ ዝናም ለኵቱና ዘሎ። ኣነ’ውን ጎይታ ሽሕ ኪሎ ሜተር ባሕሪ ክንሰይ ሓንቢሰ ኣይክእልን ንዓይ እቲ ባሕሪ ኑክሌርያዊ ጎሓፍ ካልኦት ሃገራት ዝድርብየሉ ጉድጓድ ጥራሕ እዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዬ፡ ንጥዕናኹም ሓልዬ፡ ካብ’ቲ ባሕሪ ዓሳታት ገፊፍኩም ከይትዕንገሉ ዝኸልከልኩኹም። ሔዚ ግን፡ ይሕሸና ኢልኩም፡ ናብ መርከብ ዝተሰንዐ ጥስቲ ተሰቒልኩም ክትኩብሉሉ ወሲንኩም። እቲ ባሕሪ ከኣ ኣፉ ገፊሕ ኣርሕዪ ክውሕጠኩም ተቐሪቡ እንሀ። እንታይ ትገብሩ?

2.1    ቅድሚ ናብ መርከብ ምስቃልኩም ሓደ ካላማዳርያ ቢሽግለታ ሓዙ። ነቲ ካላማዳርያ ነፊሕኩም ኣብ ኣፍልብኹም ትሕቲ ትሽቲሽኩም ዕጠቁዎ’ሞ ባዕሉ ኣንሳፊፉ ናብ መሬት ከብጽሓኩም እዩ። ናይ ማውንቴን ባይክ ካላማዳርያ እቲ ዝበለጸ እዩ።

2.2   ወሸለ ካላማዳርያ እንተዘይሓዝኩም ከኣ ነቲ ዝሸንኩሙሉ ባላንቺናታት ነፊሕኩም ተጠቐሙ። ፈለማ ግን ነቲ ሽንቲ ኩዓዉዎ።

2.3   ወሸለ ባላንቺና እንተዘይሓዝኩም ከኣ በታ ሰንጢ ስቪጸራ ከብዲ ሓደ መሳፍርትኹም ቀዲድኩም ፍሕኛኡ በንቍስኩም ከም ባላንቺና ተጠቐምሉ። ፍሕኛ ኣየናይ ጾታ ኣየገድስን እዩ። ናይ ደቀንስትዮ ከምዝገዝፍ ግን ሰሚዐ ኣሎኹ። ነቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ባህርያዊ ሕጊ ‘ዝሓየለ ይሰርር’ ኣብ ዝኾነ ቦታን ተግባርን ፈጺምኩም ኣይትረስዕዎ። ካብ ንስኻትኩም ትሞቱ መሳፍርትኹም እንተሞቱ ይሕሸኩም። እዚ ንዓይ ክሳብ ሔዚ ዘስረረኒ ዝተፈተነ ሜላ እዩ። 

2.4  እቲ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ማይ ጥራሕ ኣይኮነን ብህይወትኩም ንምሉእ ኣካልኩም ክውሕጡ ኣፎም ክሳብ ሰማይ ከፊቶም ዝጽበይኹም ኣራዊት ባሕሪ ኣሎዉ። ንኣካልኩም ነቶም  ኣራዊት ናብ ዘይምቅር ስጋ ክትልውጥዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዝሓሰረ ንምሉእ ኣካልኩም ብዘይቲ ሞቶረ ወይ ከኣ ብቕጥራን ምልቕላቕ እዩ። ቅጥራን ነዳዲ ኣብ ባሕሪ እንዳተኻዕወ ንእንስሳታት ባሕሪ ኮስቲሩዎም ስለዝኾነ ካብ’ዚ ፈሳሲ መርዚ’ዚ ክርሕቁ ተማሂሮም እዮም። እቶም ድሓን ገንዘብ ከተውጽኡ ትኽእሉ ግን ነቲ ንፈለማ ጊዜ ኣብ’ታ ትፈትዉዋ ኤርትራ ዝተሰንዐ፡ ንክብሪ መርዓተይ ‘ሳባ ሳቢና’ ተባሂሉ ዝተሰየመ ሽቶ ዓዲግኩም ዓዲግኩም ምሉእ ኣካልኩም ቅብኡ። ነዚ ሸቶ’ዚ ዝተለኽየ ኣሽንኳይዶ ኣራዊት ባሕርስ ኣነ’ኳ ክቐርቦ ኣይክእልን። ስለ’ዚ ከኣ’የ፡ ከም’ቲ ኵሎም ፕረሲደንትታት ዓለም ዝገብርዎ፡ ንመርዓተይ ሳባ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ናብ ወጻኢ ሃገራት ምሳይ ዘየውጽኣ። ነቲ ሽቶ እያ ትልከ።

መስተውዓሊ  

‘ሳባ ሳቢና’ ብዶላር ጥራሕ እዩ ዝሽየጥ። እትዋቱ ከኣ ንምክልኻል ልዑላውነትን ውሽጣዊ ጸጥታን ኤርትራ እዩ ክውዕል። መታን ወያኔ ከይሰርቁና ከኣ ብስመይ፡ ወይ ብስም መርዓተይ ወይ ብስም ወደይ ኣብ ባንክታት ርሑቕ ቺና እዩ ዝቕመጥ።

2.5   ሜላታት መሬት

ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ኣብ’ታ ፈለማ ዝዓለባን ኣሰር ኣጻብዕቱ ዝተወስደላን ሃገር እዩ ዝቕመጥ። ነቲ ዝዘርዘርኩዎ ሜላታት ተጠቒምኩም ከም ዘጓንፈኩም ንፋስ (ንፋስ ፋሉል ክሳብ ሔዚ ንንፋስ ክንውድቦ ኣይከኣልናን) ኣብ መሬት ማልታ፡ ግሪኽ ወይ ከኣ ዓዲ ጥልያን ክትበጽሑ ኢኹም። እዘን ዝተጠቕሳ ፈለማ ትረግጹወን ሃገራት ከኣ ካባና ዘይሕሻ ድኻታት እዬን ኣሽንኳ ንስደተኛ’ስ ንህዝበን እውን ዘብልዕኦ  የብለንን።  ናብተን ብልጹጋት ሃገራት ክትኩብልሉ መታን ክትክእሉ መሬት ምስ ረገጽኹም ብዝቐልጠፈ ኣሰር ኣጻብዕትኹም ብሓዊ ኣቃጺልኩም ኣጥፍእዎ። ኣጻብዕትኹም ከይረክስ ከኣ ኣብ ቮድካ እለኹዎ። መወልዒ ሽጋራ ካብ ነፍስኹም ፈጺምኩም ኣይትፍለዩ። ኣዝዩ ዘሕምም ተግባር እዩ። ግን ከኣ ግዙፍ ስቅያት ክትጾሩ ክትክእሉ ኣለማሚደኩም እዬ። እቶም ምስ ስቅያት ከፋልጠኩም ጽቡቕ ዕድል ዘየጓነፈኩም ግን ብማፍያ ዝሽየጥ ሕሱር ኣእዳው ጸለምቲ ዓዲግኩም ብእኡ ፈርሙ። 

  1. ፍሉይ ምኽርታት ነቶም ብሲና ኣቢልኩም ናብ እስራኤል ክትኣትዉ ትደልዩ

እቲ ዝብኢ ኣብ  ዝተኣስሮ ጉድጓድ ሲና ዝወደቐ ምስ ህይወቱ ካብ’ቲ ጉድጓድ ክወጽእ እንታይ ሜላታት ክጥቀም ይኽእል? ሓንቲ’ኳ። ኣዝዩ ውሑድ። ምናልባት’ዶ ‘ሳባ ሳቢና’ ቁሩብ ምሓገዘ ኢለ ግን እሓስብ። ብመሰረቱ ግን ኣምላኽ ባዕሉ መዋጽኦ ይሃቦ በሃሊ እዬ። ኣሜሪካውያን ንስም ያህዌ ናብ ዶላር ከምዝቐየሩ ትፈልጡ እንዲኹም። እምበር እታ ሓንቲ መዋጽኦ ዶላር እያ። ብዙሕ ዶላራት።  እቲ ብቐደሙ ንዓና እንተትኸፍልዎ ኣብ ነፋሪት ኣራጢጥኩም ናብ’ቲ ዝደለኹሞ ሃገር ዝመብጽሓኩም ዶላራት። ኣምላኸይ ዶላር ካብ’ዚ ጸበባ’ዚ ኣውጽኣኒ ኢልኩም ጸልዩ።  እቲ ከኣለኵሉ ዶላር ጸሎትኩም እንተዘይሰሚዑ  ግን ተሓሪድኩም፡ ስጋኹም ተጎዛዝዩ ክሽየጥ እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ’ቲ ጽሩይን ወሓለን ሆስፒታላትና ሓንቲ ኵሊት ንዓና- ማለት ንሃገርኩም፡ ምብርካት ምሉእ ኣካልኩምን ህይወትኩምን ንበደው ራሻይዳ ምብርካት ጭው ዝበለ ኤርትራዊ ዕሽነት እዩ። አረ መዓስ ኢኹም ክትልብሙ! 

ክሳብ’ቲ ገንዘበ ጅሆ ዝኽፈል ወይ ከኣ ኣካላትኩም ዝሽየጥ ከኣ ብርቱዕ ስቕያት ክወርደኩም እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ኣነ ዘለማመድኩኹም ስቕያት ነቲ ኣብ ሲና ዝወርደኩም ስቅያት ከዝህመልኩም ዳርጋ ኣይክእልን እዩ። ሓንቲ ንእሽቶም ምኽሪ ግን ኣላትኒ። ኣብ ሳንጣኹም ሓንቲ መጥፍኢ ሽጋራ ሒዝኩም ዝንሑሞ ነቶም በደው ከም ገጸ በረከት ኣቕርቡሎም። እዚ እንተዘይገበርኩም ግን ንዝባንውንትኹም ከም መጥፍእ ሽጋራ ክጥቀሙሉ እዮም። 

ስረት ኣብ እስራኤል

ኣብ’ታ ብመፈለምታኡ ንቕጽትን ብውግኣት ዝላደየትን እስራኤል ከም ስደተኛ ክትሰርር ምኽኣል ብርቱዕ ጽዕሪ ይሓትት። ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ክትሰሩ ክትክእሉ ከኣ ንታሪኽን ባህልን ስነኣእምሮኣዊ ቅርጻን ኣይሁድ ግርም ክትግንዘቡ ይግባእ።

ኣይሁድ ካብ’ቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝጨፍጨፎምን ዘጽነቶምን ናዚነት ዘይሓምቁ ናዚ እዮም። ሰብ በቲ ብሂትለር ዝወረዶም መቕዘፍቲ እንዳደንገጸሎም፡ ንሳቶም፡ ሔዚ፡ ነቲ ኵሉ ኣብ ርእሲኦም ዝወረደ ግፍዕን ኣገባብ ኣወዓዕልኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤምን ናይ ከባቢኦም ኣዕራብን የውዕልዎ ኣሎዉ። ሂትለር ኣፍርዩ። ኣይሁድ ሕሩያት ያህዌ ኢና ኢሎም ስለዝኣምኑ እቶም ዝኸፍኡ ዓልየታውያን እዮም። ነቲ ምሉእ ብያህዌ ዘይተሓርየ ህዝቢ ዓለም ከኣ ይንዕቁ። ንሳቶም ብዘይካ ንገንዘብ ንዘይንዕቑዎ የብሎምን። ብስጋን ነፍስን እቶም ዝነጻህና ህዝቢ ኢና ስለዝብሉ እቲ ዝተረፈ ዓለም ክርሕቁዎ ዘሎዎም ርስሓት ጥራሕ እዩ። ገንዘብ ንዘሎዎ ግን ንዅሉ ሕግታቶም ጥሒሶም ይቐርብዎ እዮም። ገንዘብ የንጽህ እዩ ያኢ! ባህልን እምነትን ስነኣእምሮን ናይ’ቶም መቀናቕንቶም ዓረብ እውን ካብ’ቲ ናይ ኣሕዋቶም ኣይሁድ ኣይፍለን። ክልተ ሕሩያትን ንጹሃትን ደቂ ኣብራሃም ሕድሕዶም እንተተፋለሱ ከኣ ንዓይ ነቲ ረሳእ ኢሳያስ ኣይግድሰንን። ንዓይ ዘገድሰኒ ኣብ ዝኾነ ሃገር ስደትኩም ሰሪርኩም፡ ዝሰራሕኩም ሰሪሕኩም ዋላ’ውን መዓኰር ሓጺብኩም ናብ’ታ ፍቕርቲ ሃገርኩም ዶላራት ምልኣኽ ጥራሕ እዩ። ምክልኻል ልዑላውነትን ድሕንነትን ሃገር ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ኣብ ዝኸድኩም ኬድኩም ኣይትረስዑ።    

ኣብ እስራኤል፡ ብመበቈልኩምን ሕብሪ ቈርበትኩምን ብዙሕ ክትፍንፈኑን ክትነዓቑን ኢኹም። ንሕስረትን ውርደትን ክትለማመዱ ብዙሕ ጽዒተ’ዬ። እንተኾነ ካብ ገለ ዓይነት ሕስረትን ውርደትን ዝኾነ ልምምድ ከድሕን ኣይክእልን። ቈርበት ሓርማዝ ኣስፊኹም ተኸደኑ ቁሩብ እንተሓገዘ።

ኣይሁዳውያን ብኣይሁዳውነቶምን ኣዝዮም ቀናኣት እዮም። ብፍላይ ድማ ብያህዌኦም። ኣስማቶም እንተተለቃሕና፡ ኣብ ኣምላኾም እንተኣመን’ና ምናልባት ይሕጎሱልናን ይጾሩናን ይኾኑ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ነዚ ከም ምቅጻጽ ስለዝወስድዎ ውጺቱ እቲ ኣንጻሩ እዩ። ነቲ ንህይወቶም ዘናውሕን ዘመቅልልን ውሽጣዊ ኣካላትኩም እኳ ማይ ጸሎት ነጺጎም እዮም ዝቕበልዎ። ክሳብ እውን እቲ ዝተሰኳዓሎም ዘይንጹህ ክፍለ ኣካል ንምሉእ ንጹሕ ኣካሎምን መንፈሶምን በሊኹ ካብ’ቶም 144.000 ንገነት ዝኣትዉ ሕሩያት ኣይሁዳውያን ከይኮኑ ዝዕንቅፍ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ፍልስፍናዊ ሕቶ የልዕሉ እዮም። ስለ’ዚ ኣብ እስራኤል ብሰላም ክትነብሩ ክትክእሉ ካብኣቶም ኣዚኹም ዝተፈለኹም ምዃንኩም ኣርእይዎም። ንምዃኑ ደቂ’ቶም ቀንዲ መስረትቲ እስራኤል እኳ ነቲ ዓዲ ጠንጢኖም ናብ ምዕራብ እንዳተሰዱ (ንኣብነት ደቂ ጎልዳ ማይር፡ ደቂ ኢሳቕ ሻሚር፡ ደቂ ሞሸ ዳያን… ) ንስኻትኩም ስለምንታይ ኣብ እስራኤል ክትነብሩ ከምእትመርጹ ንዓይ ኣይርድኣንን። እቲ ውግእ፡ እቲ ቅትለትን ማእሰርትን፡ እቲ ደረቕ መሬት፡ እቲ ምረት ጸሓይን ጽምኣትን፡  እቲ ውርደትን መከራን ኣብ’ታ ትፈትዉዋ ሃገርኩም መሊኡ ተሪፉ ክነሱ ስለምንታይ ካብ እስራኤል ተንቀላውጥዎ? ኣነ እሙን ዝብኢ ዓድኹም እንዳሃለኹ፡ ስለምንታይ ዝብኢ ሲና ይበልዓኩም? ሕሰብሉ ድኣ ዓቀይቶተይ። እዚ ወድሓንኩም። ናብ’ታ ፍትውቲ ኤርትራኹም ዶላራት ዘስድድ ጉዕዞ ይግበረልኩም። እቲ ሓደ መረጋገጺ ነጻነትኩምን ሃገራዊ ልዑላውነትኩም ዶላር ምዃኑ ደጊመ ደጋጊመ አስተውዕለኩም።

ኣያኹም፣

ኢሳያስ  ኣፈጨርቂ

ዓወት ንሓፋሽ ውድቀት ንወያኔ ፈሽፋሽ!

ኤርትራ ብልዑላውነተይ ንዘልኣለም ትንበር!

ኣነ ንዘልኣለም እንበር!

 

Advertisements

ሓጺር ዛንታ ኢድ ሸናሒት!!

            ኢድ ሸናሒት!!                     ብኣማኑኤል ገብረሂወት

    እቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ ድምጺ ፈኮስቲ ብረታትን ሂምታ ፈንጂን ካብ ከበሮ ኣእዛና እንዳሃስሰ ከደ።ነቲ ንልዕሊ ዓመትን መንፈቅን ዝተቐመጠትሉ፣ ድፋዓት ልጋትን ምክምስን ብዘይ ድልየታ ብትእዛዝ ሓዲጋቶ ንክፍልታት ብርጌድ ትቅየር ብምንባራ መንፈሳ ኣይተራጋገአን። ዝዓጠቐቶ ዕጥቅን ዝተሰከመቶ ወታሃደራዊ ሳንጣን ምስታ “<ሎምስ ወሪዳ ኢያ!” ተብል መራር ጸሓይ የካቲት፣ሓገዝ ናይቲ ዝተሰብረ መንፈሳ ኣብ ጉዕዞኣ ኣሸጋሪ ኮነ።ማዕዶ ትርኢ በረኽቲ ኣግዓ ጠርቐ፣ ኣብ ዝባን ወጽያ ንከተዕርፍ ከላሽና ኣብ መንኩባ ኣብርያ ሓይሊ ዓቐበት ብሜላ ንምምካት ሃሳስ ሕሉፍ ኣሰር መንገዲ እግሪ ተከቲላ ሽንቲ ብዕራይ ክትጉዓዝ ጀመረት።

ብራሃጽ ጠልቅዩ ዝጸነሐ ጸጉሪ ርእሳ፣በቲ ብትኽክል ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ንፋስ መሮር፣ ሓንሳብ ናብ ገጻ ሓንሳብ ከኣ ንድሕሪኣ እንዳ ኣንበልበለ፣ዝፈጠሮ ዛሕሊ ንመንበስበስተኣ ኣረኪቡ ኣብ ምሉእ ነብሳ ብምስራጽ ከፊላዊ ባህታ ፈጠረላ።ወታደራዊ ሳንጣኣ ሓውሲ ምድርባይ ኣቀሚጣ ከላሽና ኣብ መንጎ ኣስላፋ ኣሞንጉያ ከኣ ጥጡሕ መቃምጦ መሪጻ ኣንጻር ጉዕዞኣ ተቐመጠት።ነቲ ብ ኣካል ዝመጻቶ ጎላጉል ኣብ ማዕበል ሓሳባት እንዳ ተንሳፈፈት ክትምለሶ ጀመረት። ‘ዓሕ…በቃ ናይ ቡንን ክሽነን ኮይነ ክተርፍ!!’ ከይተረደኣ ብገዛእ ቃላታ ዘተምባሃቶ ኣንደበት ንባዕላ ናይ ካልእ ሰብ መሲልዋ ካብቲ ትገላበጠሉ ዝነበርት ባሕሪ ናይ ሓሳባት ዘቚቑ ኣውጻኣ።ተቐሚጣቶ ዝነበረት ቦታ ኣብቲ ብ ቀዳማይ ወራር ዝፍለጥ ውግእ ቦኽሪ ወታሃደራዊ ግጥም ዝረኣየትሉን ዝተሳተፈትሉን ቦታ ብምንባሩ ፍሉይ ተዘክሮታት ኔርዋ።ሓደ ካብኡ ንሳ ከምሰብ ካብናይ ግርህነት ዓለም ንሰባት ጥራይ ዘይኮነ፣ብዝኮነ ፍጡር ኣግራብ ዋላውን በቲ ንኸተዕርፈሉ ኮፍ ዝበለቶ እምኒ ክትጠራጠር ምጅማራ፣ካብታ ናይ ቀደም ዓለማ ደጊማ ናብ ካልእ ዓለም ዝተወለደት ኮይኑ እዩ ዝስማዓ።እወ ሄለን ሎሚ ካልእ ሰብ እያ።ብጸላም ናይ እቶእቶ፣ብድምጺ ዝተሰብረ ብኬሪን ዘይትዳሃል ፣ክሳብ ተራ ሞት ደቒ ሰባት ናዓኣ ተራ ነገር ኮይኖም እዮም። ምኽንያቱ ድምጺ መዳፍዕ፣ድቕድቕ ጸላም ምስ ጣሻን መስዋእቲ ለይለይ ዝብሉ መሳቱኣን ነቲ ቦታ ስለዝተክእዎ።

  ነቲ ካብ ምቁማት ዓዲ ንከውዕላ ፊል ፊል እንዳበል ዘሸገራ ለማሽ ጸጉሪ ርእሳ፣ሓውሲ ምስንታር ብስሩዕ ኣጻብዕቲ ኣእዳዋ፣ንድሕሪት ቐልቢሳ ስያፍ ንሸነኽ ዘላምበሳ ንጠርቀ ኣማዕደወታ ‘ሳሚ…’ በለት ኣብ መንጎ ምራቓን ልሳናን ብዝተረፉ ቃላት።ኣዝያ ብዋዝኡ ትፈትዎ ዝነበርት ወዲ ማይ ተመናይ እዩ።ውግእ ምስ ጀመረ ግን ዋዛ ኣይነበሮን ፣ወዲ ሰብ ቕጽበታዊ ናብ ነብሪ ዝቅየረሉ ተኣምር ጎኒፍዋ ኣብ እሳትን መጋርያን ክድብል ውዒሉ ከኣ ኣጋ ግዜ ኣዕረፈ።ከምቲ ኩሉ ሰብ ዘዕረፎ ልሙድ ዕረፍቲ ግን ኣይነበረን፣ብሰረገላ መስዋእቲ ናብቲ ጸጥትኡ ዘይዝረግ ናይ መዋእል ዕረፍቲ ኣምሪሑ።ብኽልተ ማዓጉርታ ንብዓት ወረረ። በታ ካብ ክሳዳ ዘይትፈልያ ንመዘከርታ ካብ ጉልባቡ ዘትረፈታ ክሹክ ንብዓታ ደራሪዛ ከኣ ገጻ ጸወገት።ንምንታይ ነቢዓ ኣይተረዳኣን ምክንያቱ ሳሚኤል እቲ ናይ መጀመርያ ኣሰር መስዋቲ ዘርኣያ ብጻያ ብምንባሩ ኣብ ግዜ መስዋእቱ ዝነባዓቶ ዝርንዝሕ ናብ ካልእ ዓለም ኣንሳፊፉ ጉዕዞኣ ናብ ጎደና መዋእለ መስዋእቲ ኣቕኒዓ ንዘጉነፍዋ መስዋቲታት ከም ተራ መገሻ ንክትርእዮም ኣገዲድዋ ኢዩ።ምናልባሽ ናይ ሎሚ ንብዓታ ግን ብዘይ ድልየታ ካብቲ ቐንዲ መከላኸሊ መስመር ንክፍልታት ብርጌድ ትቕየር ብምንባራ ናብታ ቐደም ዝነበረታ ዓለም ትምለስ ዝነበረት ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓ ትከውን።

 ሃንደበት ብድድ በለት።ከላሽና ብየማናይ ኢዳ ሰፍ ኣቢላ ከኣ በጽፋር ኣእጋራ ረጊጻ ተማጣለዕት።መገዳ ዝወስደላ ግዜ ንምግማት ንቕድሚኣ ኣቋመተት፣መስቀል በተክርስትያን እንዳ ጋብር ኮኾባይ ኣማዕደወታ።እቲ ገና  ዘይደረቐ ንብዓታ ንኣዒንታ ኣደብዚዙ እንዳ ጋብር ካብቲ ንቡር ንሳ ትፈልጦ ርሕቀት ኣማሕዲጉ ኣርኣያ።ትእዛዝ ክኽበር ስለ ዝነበሮ ኣብ ዝእቶ ኣይነበረን፣ናይ መወዳእታ ፈነወ ቆላሕታ ናብቲ ኣዝያ ትፈትዎም ብጾታ ዝነበርዎ ድፋዓት ልኢኻ ከኣ ናብ ጎልጎል ሕጾት ኣንቆልቆለት።

 “ሄለና እንታይ ደኣ ዝን ኢልኪ እዚ ክፍልታት ኣይፈተክዮን ዲኺ?” ኮሎኔል ተክለ ደርጊ ስኑ እንዳፍሰሰ ተወከሳ።ሳልስቲ ብዘይካ ናይ ቀላዓለም ሰላምታን ኣርተፍሻላዊ ፍሽክታን ተበርሂዋ ኣየተምበሀትን።ካብ ኣቓልቦ ኮሎኔል ንክትወጽእ ካብቲ ንሓማውቲ ዝተሓምበሸ ዝመስል ቁርሲ ክፍልታት ንማለቱ ጨሪማ ብድፍኢት ምዕጎ ሻሂ ብሓይሊ ኣውረደታ።የዒንቲ ኮሎኔል ግን ብቐሊሉ ካብ ትዕዝብቲ ዝእለያ ኣይነበራን።ሳምሶን ምልክት ተዳህይዎ ፍሽኽትኡ ከይሃሰሰ የማነይቲ ዓይኑ ኣጨምቲሉ እንናረኣያ መልእኽቱ ንኽቕበል ንግዳም ወጸ።ኣጠማምትኡ ቕጭ ኣምጻኣላ፣ነታ ሒዛታ ዝነበረት ብኬሪ ሻሂ ፍርቂ ገዲፋ ከኣ ናብታ ዝተዋህበታ መደቀሲ ክፍሊ ኣምረሐት።ኣብታ ብግቡእ ዝተነጽፈት ናይ 90 ዓራት ጥንቕልዒት ደቂሳ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝኾነ ከተስተንትን ጀመረት።ሃንደበት ግን እታ ኣብቲ ብኣንሶላ ንሓድሕዱ ተሰፍዩ ዝማዕረገ ናሕሲ ናይታ ንኢሽተይ ክፍሊ ተንጠልጢላ ዝነበረት፣

 ከም መማዕረጊ ዳስ ጥራይ ትፈልጣ ብወረቐት ተተኒጋ ዝተሰርሐት ከቢብ ቕርጺ ዓለም ዝሓዘት ግን ከኣ ኣንጻር ዝሮት ዓለም ትንቀሳቐስ ዝነበርት ጌጽ ኣዒንታ ዓለባ።ኩሉነገር ዝተቀያየረ ኢዩ መሲልዋ ወላውን ዝሮት ናይታ እግዚኣብሄር ቅድሚ ኩሉ ዝፈጠራ ዓለም፣ “እውይ.. እዛ ማክዳ ከመይ ነብሳ ይገብረላ ኔሩ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ከምዚ ዓይነት ምቾት!!እህህህህህ…እዚ መፈጠርናስ ከም ገጽና እዩ” ኣስተንተነት ነታ ቕድሚኣ ከምሓለዋ ዱካን ተመዲባ  ዳሕራይ ግን ብምኽንያት ሕማም ጋስትራይት ንቤታ ዝተሰናበተት ኣብ ሓምሻይ ዙርያ መታዓልምታ ዝነበረት ማክዳ ዘኪራ።ጽንሕ ኢላ ናብቲ ኣብ የማነ ጸጋም ናይቲ መንደቕ ተሰቒሉ ዝነበረ ወሲባዊ ስምዒት ዘላዓዕሉ ኣጸየፍቲ ካርተሊናታት ርእያ ተናደደት “ኣበዲኣ ዝነበርት ከልቢ እያ ሓፍተይ!!” ኣንጸርጺራ ብምትሳእ ነቲ ካርተሊናታት እንዳ መንጨተት ናብ ባይታ ክትድርብዮ ጀመረት፣ሓንቲ ካብተን ኣሳእል ግን ብግቡእ ዝለበሱ ፍቑራት ነበሩ አሞ ክልተ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሳ ምስቲ ኣዝያ ተፍቕሮ መትከል ከተማ ክዛወሩ ኣምስዮም፣ኣብ ፎቶ ስፓርክ ዝተሳኣልዋ ስእሊ ስለ ዘዛካከረታ ኣብ መንደቕ ናይ ምንባር መሰላ ኣይነፈገታን።መትከል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ስለ ዝነበረ፣ኣብ ግዜ ክተት ንሱ በቲ ብልዑል ትምህርትን ብቕዓትን ዝታዓወተሉ ምብራር ነፋሪት ኩናት ንሰምበል ክምደብ ከሎ ንሄለን “ሄሉ ኣብ ዓወት….!!ኣጆኪ ድሕሪ ወራር ናብዛ መርዓና ኢና” ሕንቕንቕ እንዳበሎ ጽንዓትን ተስፋን ብዝመልኦ ቃላት ክፋነዋ ትዝ በላ።ንማክዳ ግን ኣዝያ ጸላኣታ “ቀደሙስ ደይ ምስ ዕስለ ኣወዳት እያ ትዘልል ኔራ ኣይ እሙን ፍቕሪ ወዲ ኣይ እሙን ፍቕሪ ሃገር ስቕ ኢላ ዘርምዞርሞ!!” ሓመየታ ንብሕታ ብልባ፣ ሕሜታ ንሰብ ምስ ሰብ ኣይትፈቱን እያ።ሄለን ኣብ ናሕሲ ናይቲ ንመዕቆቢ ብረጎድቲ ኣግራብ ዝተሃንጹ ናይ ድፋዕ ኣንደራት ስእልን መጋየጽን ዘይኮነ ተመን ንኣንጭዋ፣ሳርየት ንሃመማ ክጣቃቅዑ ምርኣይ ዳርጋ ልሙድ ማዓልታዊ ተርእዮኣ እዩ ኔሩ።ኣብቲ መጀመርያ እኳ ትፈርሖምን ትፍንፍኖምን እንተነበረት፣ ደሓር ግን ለሚዳቶ ከም ወታሃደር መጠን ኣብ ተፈጥሮ ኣጥቓዕን ተጠቓዕን ንቡር ምኩኑ ኣሚና ከም ተራ መዘናግዒ ነገር ትርእዮ ነበረት።ንኩሉ ገጻትን ኩሕለምሕሊ ማክዳ ንኽትጉሕፎ ኣብ ፌስታል ጠርኒፋ፣ነታ ኣብ ናሕሲ ተንጠልጢላ ዝነበረት ከባብ ምስሊ ዓለም ግን ንኸይጽምዋ ብምንቅስቃሳ ንክትዘናጋዕ ሓደገታ።የዒንታ ካብቲ ብንፋስ ዝተፈጥረ ሕምባበኣ ከይኣለየት ከኣ ከይተረዳኣ ኣብ ጥዑም ልዋም ኣተወት።

 ሄለን መደባ ከይተነግራ ንክልተ ቕነ ብምጽናሓ ኣዝዩ ኣጨነቓ።ሓደ ንግሆ ምሳሕ ንክትበልዕ ንምግብና እንዳኣተወት፣ኮሎኔል ተክለ ከኣ ምሳሕ በሊዑ ክወጽእ ፊት ንፊት ተጋጠሙ እሞ

“ስምዓኒ እንዶ ወዲ እምባየ ኣብዚ መምጽእየይ ስራሕ እንታይ ድዩ?” ተወከሰቶ ብድፍረት ሓንቲ ኣብ ኤምዳድ ብርጌድ ውራይ ቡን ምፍላሕ ከም ዕማም ዝኣመነትሉ ጓል ጊንዳዕ ስጋዕ ብድፍረታ ተንቐትቕጥ።”ሄሉ ተሃዊኽኪ ዲኪ!!! ደሓን ደሓን ሎሚ እሞ ምዝንጋዕ ናይዚ ክፍልታት ኣሎ ኩልኽን ተሓጋገዛ፣ምሸት ክነግረኪ እየ።ገለ ብጾት ውን ካብ ድፋዕ ተዓዲሞም ኣለዉ!፣ዕጥቕኺኸ ኣረኪብክዮ ዶ?” ሓተታ ኣሞንግዩ ብድፍረታ ከይተገረመ ኣይተረፈን።

“እወ..ሎሚ ኣረኪበዮ አንታይ ደኣ ኪገብር!!?” ንመጀመርያ ምስኪንኪን ኢላ መለሰትሉ ገለ ደንጊጹ ንቦታኺ ተመለሲ አንተበላ።

”ጽቡቕ…ደሓን ኣጆኺ ክትለምድዮ ኢኺ ንግዜኡ እዩ ቀጨው ጨው ኢሉኪ..ሃ ሃሃሃሃሃሃ” ናይ ባጫ ሳሓቕ እና ሳሓቐ ገዲፍዋ ከደ።

ምቑር ጸብሒ ኣጣል ተኸሺኑ፣ዘይታኣደነ ቢራታትን ኣረቅን ፈሰሰ።ኣባላት ክፍልታት ብርጌድን ካብ ድፋዕ ተወኪሎም ዝመጹ ኣባላት ሓይልታትን ከኣ ብሓንሳብ ስዕስዑን ተላሃዩን።ሄለን ግን ብዘይካ ዕላል ምስቶም ሰሳዕሲዖም ዝምለሱ ዝነበሩ ኣባላት ሓይላ ብዙሕ ኣይሳዕሰዐትን መስተ ውን ካብ ቐደማ ስለ ዘይትጥዕም ሓንቲ ፋንታ ሒዛ ብዙሕ ግዲ ኣይገበረትሉን።ኮሎኔል ግን ገና ኣዒንቱ ናዓኣ ካብ ምጥማት ዓዲ ኣይዋዓላን።ሰሰሪቓ አንዳ ጠመተቶ ተጸወገት።ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ምስኮነ ኣባላት ዽፋዕ ነቐሉ።ሄለን ከኣ ንዑስማን መራሕ ሓይላ ረኪባ፣

 “በጃኻ ዓፋን ንወዲ አምባየ እንተሰምዓካ ለምኖ ኣነ ምሳኹም ኪኸይድ” እኳ እንተበለቶ፣ዓፋን ግን ወዲ እምባየ ካብ ሓሳቡ ዘይቅየር ህልከኛ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ክሓቶ ኣይደለየን።ንሄለን ተሰናቢቶም ከኣ ጉዕዞኦም ጀመሩ።

 ኩሉ ኣባል ክፍልታት ብርጌድ ምስ ሓለፍቱ ብመስተ ተሰነፈ።ዝሰምዕ ዘየለ ከኣ ኩሉ ይዛረብ።ኮሎኔል ዓው ኢሉ “ያላ ምዝንጋዕ ይኣኽለና ኩሉ ሰብ ቦቦቱኡ.” ኣዘዘ ከም ግንጭር ኢሉ።ኩላ ከኣ ክትርብሽ ከም ዘይጸነሐት ምሉቅ ምሉቅ ኢላ ቦቦታኣ ከደት።ሄለን ውን ከም ሰባ ናብታ ከም መቓብር ኮይና ትስማዓ መዳቕሶኣ ኣምረሐት።ድቃስ ኣብይዋ ክትገማጠል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ የዒንታ ከም ላምባ ዝወደኣት ቀንዴል እንዳጭለምለማ ከቢድ ድቃስ ጸቀጣ።ከም ሕልሚ ኣምሲሉ ገለ ነገር ክትንክፋ ተሰማዓ፣ብር ኢላ ተበራበረት

“መን ኢካ ኣታ! መን ኢካ!?” ጨደረት ዓው ኢላ።ኮሎኔል ብክቱር ጾታዊ ስምዒት ተዋሒጡ

“ኣጆኪ ሄሉ ኣነ እየ ወዲ እምባየ..” ብዝተቖራረጸ ርቡሽ ድምጺ መንነቱ ነገራ።ሄለን ኣብቲ መጀመርያ እኳ  ብሓይላ ክትፍንጽጎ እንተፈተነት፣ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ምስ ኣእተዋ ግን ኣብ ለመና ኣተወት “እውይ ኣታ ወዲ እምባየ በጃካ.. ኣታ ኣይወለድካን ዲኻ በጃካ ዝጽበየኒ ሕጹይ ኣለኒ በጃካ ወዲ እምባየ ሓወይ..” ክሰምዓ ኣይካኣለን መስተ ሓዊሱ ኣራዊትነቱ ናብ ፍጹም ኣራዊት ተቐይሩ ነበረ።ከተእዊ ፈተነት ድምጻ ግን ካብቲ ዝነበረቶ ክፍሊ ሓሊፉ ናብ ኣእዛን እቶም ብስኽራን ደንዚዞም ዝነበሩ ኣባላት ክበጽሕ ኣይካኣለን።ብድሕሪኡ ግን ቅልጡፍ ኣተናፍሳ ናይ ኽልቲኦም ነታ ጸባብ ክፍሊ በሓታ።

 ሄለን ኾሎኔል ስርሑ ሰሪሑ ምስከደ ብብኽያት የዒንታ ክትኮስ ክሳብ  ዝደሊ ክትበኪ ሓደረት።ንመጀመርያ ግዜ ከኣ ጾታዊ ትሕትና ተሰማዓ።ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣዝያ ተፍቕሮ መትከል ክራኣያ ሓደረ “ነዚ እንተ ዝሰምዕሲ እንታይ ምበለኒ? ግን ከኣ ብድልየተይ ማዓስ ኮይነ ዓመጽ እንድዩ!!.” ንብዓታ ከም ማይ ዋሓዘ፣ነቲ ጉዳይ ግን ብሚስጥር ክትሕዞ ምስ ሓሳባታ ደምደመት።እታ ምስ ሰብኡት ትጠማጠም ዝነበረት ጅግና ከኣ ኣብ ምሻጥ ትምባኮ፣ሽጋራን ካልእ ቐንጠመንጥን ተጸምደት።ገድሊ ንምክዕባት ጁባ ኮሎኔላት።

 ሄለን ኣብተን ስሕት ኢላ ኣብ መንፈቅ ትከደን ዝነበረት ዕረፍቲ ምስ መትከል ክትራከብ እሞ ፍቕራዊ ሂወታ ዳግማይ ንክትኩልዖ እንተባሃገት መትከል ግን ንዝላዓለ ትምህርቲ ንወጻኢ ተላኢኩ ነበረ።ዓለም ከኣ እንዳ ጸበበታ ከደት።ኣብ ኣፍደገ ድኳና ኮይና ብማዕዶ ሓንቲ ናይ ከተማ ኣከዳድና ዝተከድነት ጎርዞ ክትመጽእ ኣማዕደወታ።እንዳቐረበት ብዝከደት ግን ማክዳ ምካና ኣለለየታ እሞ ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥ ኮካ ጋበዘታ።

 “ኣቲ ሄሉ ከመይ እሞ? በቓ ድካነይሲ ንስኪ አኪ ተረኪብክያ?” ሓተተታ ብሓይሊ ፍሽክ ክትብል እንዳደለየት። “እወ እንታይ ደኣ ግዜ ከምኡ እዩ።ነሀለናልኪ ናይ ድካን ኮንና!”! ብዙሕ ኣቓልቦ ከይሃበት።”እንታይ ደኣ ስቢላዊ ሂወት ኣይተሰማማዓክን ድዩ?ቑሩብ ዕብርብር ኢልኪ!!” ሓተተት ሄለን ወታሃደራ’ውን ስቢላውን ናብራ ኣብ ውሽጣ እንዳወዳደረት።

“ደሓን እዩ በጃኪ!! ንከይረጉድ ከኣ ካብ መግቢ ይጥንቀቕ እየ…” ኣስዓበት ማክዳ፣ሕቶ ሄለን ባህ ዘበላ ኣይትመስልን ስያፍ ንሄለን እንዳ ጠመተታ።ኣይጸነሐትን

“ከይደ በሊ ሄለን ደሓር ክምለሰኪ እየ…” ኢላታ ዝተከፍተላ ኮካ ገና ከይሰተየቶ ናብ እንዳ ኮሎኔል ገጻ ኣምረሐት። “ሎቕማጽ..ሎቕማጽ ወሎቕማጽ..እዚኣተን ዘልመደኦም እንድየን ዝደፍሩና ዘለዉ!!..” ኣጉረምረመት ሄለን ብትሕቲ መልሓሳ።

 ኮሎኔል ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዙሕ ናይ ባህርያት ምልውዋጥ ኣርኣየ።ምስ ሰባት ኣየዕልልን፣ኣብ ሳዓቱ ኣይምገብን፣ ንሄለን ከኣ ኣባታዊ ኣራኣእያ ክጥምታ ጀመረ።ሄለን ግን ንካልኣይ ድብያ ዝዋደድ ዘሎ ስለ ዝመሰላ ብዙሕ ኣይኣመነቶን።ኮሎኔል ግን ናይ ሓቁ ነበረ እና ክርእያ ነቲ ዝበደሎ በደል እንዳዘከረ ክሽቁረር ጀመረ።ሄለን ውን ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ባህርያቱ ቐይሩ መስኪን ሓላይ ምዃኑ ገሪምዋ፣ንሳ ውን ኩሉ ገዲፋ ከም ኣቦኣን ሓላፊኣን ከተክብሮ ጀመረት።ኣዋልድ ንትምህራትዊ ሞያ ንድሕሪት ክሳሓባ እየን ምስተባህለ ከኣ ሄለን ካብተን ቀዳሞት ኮይና ተበገሰት።ኣብ ግዜ ምኻዳ ከኣ ኮሎኔል ንበይና ፍልይ ኣቢሉ

“ሄለን ጓለይ ስለቲ ዝበደልኩኺ በደል ይቕረ ግበርለይ!!” ንመጀመርያ ግዜኣ እዩ ሓላፊ በደሉ ኣሚኑ ንተራ ሰራዊት ይቕሬታ ኽሓትት።

“ኣታ ወዲ እምባየ ከምኡ ኣይትበል እቲ ቐደም ዝረሳዕክዎ ነገር..!!” ብውሽጣ እኳ ዘይሃስስ በሰላ እንተገደፈላ ሕልንኡ ይኣኽሎ ኢላ ይቕረ በለትሉሞ ተፋንያ ንኣስመራ ተበገሰት።

 መትከልን ሄለንን ኣብ ቶፕ ፋይፍ ሆቴል ተድሪሮም ድሮ ምዉቅ ዕላል ከፊቶም ነበሩ። ኣብ መንጎ ብዛዕባ ወታደራዊ ሂወት ከዕልላ ይፍትን እሞ “በጃካ መትከለይ ብዛዕባ ፍቕሪ እንዶ የዕልለኒ!!!ዝሓለፈ ሂወት እዩ።እንታይ ከተዕልለሉ ኢኻ..?” ትኾልፎ ገጻ ንህሞት ድነ እናተኸድነ።መትከል ሄለን ንዝወደቑ ጀጋኑ ብጾታ ዘኪራ እያ ተስተንትን ዘላ ብዝብል ሓሳብ ነቲ ዕላል ብቕልጡፍ ናብቲ ኣፍቃሪቱ ትደልዮ ኣንፈት ቀየሮ።ኣብ ቶፕ ፋይፍ ሆቴል ተደሪርካ ምሕዳር ለሚዶም ነበሩሞ፣ሽዑ ውን ኣብኡ ንክሓድሩ ኣብ ሓደ ሓሳባት በጽሑ፣ሄለን ትሰትዮ ዝነበረት ወይኒ ሙቐት ዘሪኡላ ርእሳ ኣብ ኣፍልቢ መትከል ኣደጊፋ ከኣ፣ነታ ንሳ ዋንነቱ ምኩና እተረጋግጽ ብፊደል እንግሊዝኛ(ኤች)ተንጠልጢላታ ዝነበረት ሕላገት ካቴና ናይ ክሳዱ፣ምስቲ ዱር ተቐይሩ ዝነበረ ጸጉሪ ኣፍ ልቡ ሓዊሳ ብልስሉስ ፍቕራዊ ዳህሰሳ ክትፈታትላ ጀመረት።ሃንደበት ግን የዒንታ ኣብ መእተዊ ኣፍደገ ናይቲ ዝነበርዎ ሆቴል ክትኣምኖ ዘሸገራ ነገር ኣርኣያኣሞ ብስምባደ ንጸጉሪ ኣፍልቢ መትከል ብሓይሊ ጨበጠቶ። “ኢሂ ሄለነይ…ደሓን ዲኪ ደኣ?” ኢሉ ንሱ’ውን ነቲ ዝረኣዮ ምዕሩግ ሰብኣይ ርእዩ ሰገጥ በለሞ ብኡ ብኡ ግን ተዛነየ።ስምባደ ናይ ሄለን ግን ገረሞ ምናልባሽ ነታ ጓል እያ ትፈልጣ ትከውን ኢሉ ከኣ ኣድህቦኡ ናብቶም ዝኣትዉ ዝነበሩ ሰባት ገበረ።

 ኮሎኔል ተክለ ንመትከል ምስ ሄለን ምስ ራኣዮ ንሱ ውን ካብ ልቢ ሰምበደ ክልተ ኣእዳዉ ኣብ ርእሱ ሒዙ ከኣ

“መትከል ወደይ ኣበይ ትፈልጣ?” ሓተቶ ቁልቁል ዝኣፋ።ሄልን ግን ምስታ ነብሳ ወዲኣ ካልእ መሲላ ዝነበርት ማክዳ ብዘይ ገለ ቃላት ተፋጠጣ።

 “ኢሂ ባባ እዚኣ እንድያ ሄለን እታ ዝበልኩካ ዓርከይ!!!” መለሰ መትከል ስምባደ ኣቡኡን ሄለንን ከታኣሳስሮ እንዳ ፈተነ፣

“እዋይ ወደይ ብኢደይ ለኪመዮ!!” በለ ኮሎኔል ገና የእዳዉ ካብ ርእሱ ከየውረደ ገጹ ብሓዘን ተደዊኑ ነታ ብዛዕባ (ኤች ኣይ ቢ)ምክሪ ንኽትቀስም ምስኡ ኣብ ማሕበር ብደሆ ዝጸነሐት ማክዳ እንዳ ጠመተ።       

                             ኣማኑኤል ገብረሂወት                                                                                                                                                                                             እስራኤል -ዮሩሳሌም

                                                                                                                   4 ሰነ  2011  

ንሕናን ፍርሕናን ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ

                <ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና> 

 እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና ንጽውዓ ሃገርን ህዝባን ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዙ፡ ብፍላይ እቲ ቀይሕ ባሕራዊ ገማግማንcriticism ክፋላት ከበሳን መታሕትን ካብ ሓደ ባዕዳዊ ገዛኢ ናብ’ቲ ካልእ እንዳተቈላለበት ክትመጽእ ዝጸንሐት ሃገር እያ። ገለ ካብ ኣካላ መረብ ምላሽ ተባሂሉ ብገዛእ ገዛእቱ ዝተመሓደረሉ እዋን ኔሩ እዩ። ብጠቕላላኡ ግን ንገለ ሓሙሽተ ዘመናት ብዝወሓደ ንገለ ክፋላታ፡ ንገለ እዋን፡ ፈለማ ቱርካውያን ደሓር ግብጻውያንን ኢትዮጵያውያንን ገዚኦሞ ነበሩ። ብ1869-1889 ጣልያን ካብ ዓሰብ ጀሚሮም ክሳብ ኣስመራ ሓዙ። መጋቢት 2፡ 1889 መንግስቲ ጣልያንን ኢትዮጵያን ስምምዕ ውጫለ ተፈራረሙ። ብመሰረቱ ከኣ ጥሪ 1፡ 1890 ከኣ መንግስቲ ጣልያንን ኢትዮጵያን ነዛ ሔዚ ከም ኤርትራ እንፈልጣ ሃገር ሰኒዖም ግዝእቲ ጣልያን ኮነት። ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ፡ ኤርትራ፡ ብምምሕዳር እንግሊዝ ኣቢላ ግዝእቲ ኢትዮጵያ ኮነት። እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኵላትና ንፈልጦ።

 እዚ ይኹን እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ፡ ነዚ ይኹን ነቲ መሬት ምስ ሓዘ፡ እዚ ይኹን እቲ ነባሪ ተቕማጢ’ቲ መሬት እንታይ ገበረ? በትሩ፡ ኵናቱ፡ ሴፉ ኣልዒሉ’ዶ? ግብጻውያን ንከበሳ ከስፋሕፍሑ ሃቂኖም ሃጸይ ዮሓንስ (ዓጋመ!) ኣብ ጉንደትን(1875) ጉራዕን (1876) ስዒሮሞም። ከምኡ’ን ጣልያን ንከበሳ ሓማሴን ክሕዝ ነቂሉ ብ1887 ኣብ ዶጎዓሊ ብኣሉላ ኣባ ነጋ (ዓጋመ!)ተሳዒሩ። ትግራዎት፡ ኣብ መሬት ምላሽ (ናይ ሔዚ ኤርትራ)

 ተዘይዘመትካ ንጉራዕ

 ንኖኻ ትኾነን ሰኽታት ቁራዕ

 ‘ተዘይዘመትካ ንዶጎዓሊ

 ንኖኻ ትኾነን ሰኽታት ጻሕሊ

 ኢሎም ፈኪሮምን ተዋጊኦምን እዮም። ኣብ’ቲ ኵናት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን እውን ኣሎዉ። ምስ ጸላኢ ዘሻረዉ እውን ኣይሰኣኑን። ክልተ ገዛእቲ ኣብ ውሻጤኻ እንዳተሃናኾቱ ነፍስኻ ምህዛም ኣሸጋሪ እዩ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ንፈልጦ ተቓዉሞ የሎን። ሓንቲ ነገር ግን ንፈልጥ። ህዝቢ መረብ ምላሽ፡ ኣብ ገለ እዋን ናይ’ቲ ነዊሕ መግዛእቱ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና!” ኢሉ መሲሉ። ነዚ ምስላ’ዚ ባርያዊ፡ ዓፋራዊ፡ ቢለናዊ ኣይመሰሎን ትግርኛ እዩ’ሞ መሳሊኡ ግድን እቲ ከበሳዊ ትግራዋይ እዩ። ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞኵሮኡን ኵነታቱን ኣብ ሓንቲ ሓጻር ምልእቲ ሓሳባት ኣጠቓሊሉ። እቲ ምስላ ንባዕሉ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኻዊ ሓተታን መርገጽን እዩ። መዓስን ምሰየናይ ታሪኻዊ ፍጻሜን ተተሓሒዙ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። ንስነኣእምሮኣዊ ኵነት ናይ’ቲ ሽዑ ዝመሰለ ህዝቢ ግን ግርም የንጸባርቕ። ‘ደኺምና ተመንዩና እዩ መን ይገዝኣና ኣይግድሰናን! ንዝመጸ ገዛኢ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎ ኢና! ሰላምና ሃቡና! … ‘ ይእምት። ምስላ ፍርሒ ጥራሕ ኣይኮነን ልዕሊ’ዚ ዝኸደ መረጋገጺ ህልከትን ቅብጸትን ኢድ ምሃብን እዩ። ሓደ ምሉእ ንያታዊ ውድቀት። ከም’ዚ’ሉ ንመዋእላት ዓንዚዙ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ህዝቢ፡ ብ1961፡ ነጻነት ወይ ሞት ኢሉ ተላዕለ። ን30 ዓመታት ከኣ ተኸታኸተ። ነጻነቱ ከኣ ብሓይሉ መንዝዐ። ኣብ ሞንጎኡ እንታይ ተኣምር እዩ ተፈጢሩ? ምፍላጥ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣሎዎ።

 ብዛዕባ መንፍዓትን ሕመቕን፡ ሓይልን ድኽመትን፡ ጅግንነትን ጃጃውነትን ሃዝቢ ንምዝራብ ንኣይሁድ ከም ኣብነት ምውሳዶም ዝበለጸ እዩ ነዊሕ ምዝጉብ ታሪኽ ስለዘዎምን ክሳብ ሔዚ ከኣ ሕቶ ህልውንኦም ስለ ዘይተረጋገጸን። ሓያሎ ሳዕ ተወሪሮም፡ ተኣሲሮም፡ ተሰዲዶም፡ ተቐንጺሎም፡ ናብ ባርነት ወዲቖም፡ ቤተ መቕደሶም ሰለስተ ጊዜ ዓንዩ። እንተኾነ ኵል ጊዜ ከኣ ናብ ዓዶም ይምለሱ’ሞ ቤተ መቕደሶም ይሃንጹ። ብዝተመልሱ ከኣ ብተርታኦም ንከባቢኦምን ነቲ ዘይመስሎምን የዕንዉን ይሕዙን ይዕምጹን። ኣብ ግብጺ ባራዩ ኴይኖም ንዓመታት ተጨፍጪፎም፡ ሓደ መራሒ፡ ሓደ ወዲ ንጉስ፡ ሙሴ፡ ኣለዓሊሉዎምን ወዲብዎምን ከኣ ካብ ባርነት ናብ ሃገሮም ኣምለጡ። ዝወጸሎም ወትሃደራትን ጀጋኑን ኴይኖም ከኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ’ኡ ቦታና ንዝብልዎን ከባቢኡን ዝተቐመጠ ህዝቢ ኣጥፍእዎ። ካበይ ዝመጸ ብቕዓት’ዩ’ዚ? ካበይ ዝመጸ ትብዓትን መንፍዓትን?

 ሙሴ፡ ከምሓደ ማሕበረ ሰብ ክጥርንፎም ክሳብ ክንደይ ከምዝጸገሞ ንፈልጥ። እዚ’ውን ኣምላኹ እንዳሓገዞ! ን400 ዓመታት ኣብ ባርነት ተቛሪኑ ዝጸንሐ እሞ ኵሉ ግብረገብነትን ሕግን ነፍሰ ክብረትን ዘጥፍአ ሓተላ ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ዕላማ ንምጥርናፉ ፈለማ ኣብ ሓደ እምነትን (ስነሓሳብ) ሓደ ኣምላኽን (ውድብ) ክጥርንፎምን ሕግን ስርዓትን ከኣ ክሰርዓሎም ከምዘሎዎ ፈሊጠ። ከም’ኡ ድማ ገበረ። እንተኾነ ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። ምእንትኦም ሸውዓተ ኣርዓድቲ፡ ቀንጸልቲ ተኣምራት ተፈጺሞም ኣይሁዳውያን ከኣ ሓራ ወጹ። ሙሴ ንባሕሪ ጨዲዱ ሩባ ኣሳገሮም። ኣብ’ቲ ደረቕ ምድረበዳ ከኣ ጻዕዳ ዓይኖም ክሳብ ዝግልበጥ ማና ኣብለዖም። እንተኾነ ኣብ ዝነኣሰት ፈተነ ንድሕሪት ናብ’ቲ ዝፈልጥዎን ዝለመዱዎን ባርነት ክምለሱ እንዳደለዩ ኣትከኹዎ። ንመጠረስትኡ ከኣ እያሱ መሪሑዎም ናብ መሬተ መብጽዓ በጺሑ። ኣብ’ቲ ሙሴ ዝሰርሖ ኣምላኽ ንዘይኣመነ ከባቢኦም(ከነኣናውያ፡ ሚዳናውያን) ኣጽነቱዎ።

 ኣብ እዋን ሂትለር፡ ሓደ ወትሃደር ንሓያሎ ኣይሁዳውያን ከመባጊዕ በእዛኖም ወጢጡ ናብ ኣዳራሽ መርዚ የእትዎም ነበረ። ብርግጽ ናብ ሞት ይጎዓዙ ምንባሮም ይፈልጡ’ኳ እንተነበሩ፡ ሓደ’ኳ፡ ብዝወሓደ ተቛዊመ እሙት ዝበለ ኣይነበረን። እንተኾነ እቲ መንፈሰ ሙሴ ናበይ ከደ? እቲ ሽዑ ሂትለር ነቲ መንፈስ ኣይሁድ ቀቲልዎ እቲ ኣይሁድ ጓንጓ ነበረ። ህያው ሬሳ። እቲ ሽዑ ኣብ ንሞት ዘተምኒ ኵነት ኣትዩ ነበረ። እቲ ብ1969 ዘርኣዮ ድፍረትን ጅግነትን ርእሰ እምነት’ ደኣ’ኸ ካበይ መጸ?

 ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ነዚ ምስጢር’ዚ ንምግላጽ እዩ። ንሕና’ኸ እንታዩ ዓዚሙና ብሓደ ሰብ ዝተመለኽና? እቲ ኣብ ሓርነታዊ ውግእ ዘርኣናዮ ጅግነት ናበይ ኣበለ?

 ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ መሳርሒ ገዛእትን ውልቀመለኽን ኣብ’ቲ ተገዛኢ ፍርሕን ራዕድን ምፍጣር እዩ’ሞ ብፍርሒ ክንጅምር።

 እንታይ’ዩ ፍርሒ?

 ነቒሕናሉ ኣይነቒሕናሉ፡ ፈቲና ኣይፈቲና፣ በፍንጫ፡ ኵላትና ፈራሓት ኢና። ፍርሒ ኣበው ስምዒት ሰብ’ዩ። ፍርሒ እቲ ኣብ ኵነታት ሓደጋ እንክንኣቱ ካብ’ቲ ሓደጋ ከነምልጥ ዝደፍኣና ስምዒት እዩ። ፍርሒ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መሳርሒ ስረትና እዩ። ነዚ ስምዒት’ዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ይፈልጦ። ፍርሒ ብወግዒ ኣብ’ዚ እኔኹ ኣይብልን መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ነፍስና ባዕሉ ዝፈጥሮም ሕማማትን(psychosomatic symptoms) ዓመጻዊ ተግባራትን ሕርቕርቖትን ነፍሳዊ ጸቕጥታትን(depressions)፡ ሕሉፍ መንፈሳውነትን፣ ኮታ ኣብ ኵሉ ሕልፊታትናን ጉድለታትናን ተሓቢኡ ፍርሒ ኣይመስልን። ኣንጻር ፍርሕታትና ከኣ ስትራተጂታት ነፍሰ ምክልኻል ነማዕብል ኢና።

 ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ዘመን ነናቱ ፍርሕን፡ ኣገባብ ኣገላልጹን፡ ኣመኻኽትኡን ኣሎዎ/ነቢሩዎ። ንደቂ ቀደም ሕማምን ውግእን ጥምዬትን እቶም ዝበርትዑ ምንጪ ፍርሓቶም ነበሩ። ክሳብ ሔዚ’ውን እቶም ዝዓበዩ ምንጪ ፍርሓትና’ዮም። እንተኾነ፡ ሰብ፡ ነዞም ምንጪታት ፍርሒ ብመጠኑ ተቘጻጺሩምን፡ ፈጺሙ ከጥፍኦም እንተዝደሊ’ውን ከጥፍኦም ከምዝኽእልን ፈሊጡን እዩ። ብኡ መጠን ከኣ ፍርሕና ጎዲሉ። እንተኾነ፡ ዘመን’ና ከኣ ናቱ ካልኦት ሓደስቲ ፍርሕታት ፈጢሩ። ዝለመድናዮም መሰረታዊ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ቅርጻታት ከይቅየሩና እቲ ዝዓበየ ፍርሕና’ዩ። ህጹጽ ተክኖሎጂካዊ ምዕብልናን ለውጥን ንንፈልጦን ዝለመድናዮን መንነትና ከይቅይሩ ኣዚና ንፈርሕ። ምቕያር ክሊማ ዓለምን ጠንቅታቱን ምንጪ ግዙፍ ፍርሒ እዮም። ሓደ በየን መጸ ዘይተባህለ ዓርሞሸሻዊ ደንጎላ (ኮመት ወይ ኣስተሮኢድ) ከይፍንጥሓና ንፈርሕ። ክሳብ ካብ ወጻኢ ዓለማት ከይንውረር’ውን ንፈርሕ።

 ካልእ ዓይነታዊ ለውጢ ኣብ ፍርሕና፡ ንሱ ከኣ እቲ ዝዓበየ ፍርሕና እዩ፡ ፍርሒ መጻኢ እዩ። ወዲ ቀደም፡ ፍርሑ ኣብ ሎ’መዓልቲ ጥራሕ ዝተደረተ ነበረ። ሎም’ዘመን ግን 70% ካብ ፍርሕና ብዛዕባ መጻኢ እዩ። ካብ ስራሕ ዶ’ኮን እስጎግ? እቲ ምሉእ ህይወተይ ዝለፋዕኩሉ ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘበይ’ስ እምበር’ዶ ድሑን እዩ? ምስ ኣረግኩ እንታይ ክወርደኒ እዩ? … ንፈርሕ። እምበኣር ፍርሒ ወርትግ መናብርትና እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ምሉእ መዋእልና ከም ሰባት ከም ሎም’ዘመን ጌርና ፈሪሕና ኣይንፈልጥን። ይሰማማዓኒ’ዩ፡ ይዕቅበኒ እዩ እንብሎ መካን እንተንረክብ’ውን ገና ብጽሞናና ም’ፈራሕናን ም’ተሳቐናን። ከም ዘመን’ና ጌሩ ንወዲ ሰብ ጸምዪዎ ኣይፈልጥን። ብሕትውናን ጽሞናን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ምስ እኩባት ሰባት እንዳሃሎና’ውን ይጽምወና እዩ። ነፍሲ ወከፍና ከኣ ንውልቁ ኣብ ውቅያኖስ ፍርሒ ጠሊቑ ንውልቁ ኣንጻር ፍርሑ ክምክት ይርከብ።

 ዘመን’ና ኣብ ፍርሕና ካልእ ሓዲስ ባእታ’ውን ሓዊሱ እዩ። ኣብ ታሪኽ ፍርሕና፡ ንሕና ባዕላትና፡ ንፈለማ እዋን ምንጪ ገዛእ ፍርሓትና ኴይና። ከም ሕርቕርቖት ኣምላኻቶኦም ስለዝወሰድዎም በርቅን ነጎዳን ንደቂ ቀደም ብርቱዕ የፍርሑ ኔሮም። ንሕማም’ውን ከም መልሰ ቍጥዐ ኣማልኽቲ ይርድእዎ ነበሩ’ሞ ንኣምላኻቶም ከረስርሱ መስዋእትታት የቕርቡን ንምሕረት ይምህለሉን። ኣብ ሃገርና’ውን ምህለላ ገና ዝውቱር እዩ ብሓቂ ደቂ ቀደም ኢና። ጥዑም እዋን’ዩ ዝነበረ ሽዑ ምንጪ ፍርሓትና ኣምላኻትና ነበሩ። ሎም’ዘመን ግን ሰብ ንባዕሉ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ንሰብን ዓለምን ኴይኑ። 6 ነሓሰ 1945 ወድ ሰብ ኣብ ሓዲስ መዋእል ርእሰ ጥፍኣት ኣተወ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሽማ ኣቶም ቦምብ ደርበየት። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ከኣ ናጋሳኪ ተሃርመት። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቲ ነታጕ ዘስዓቦ ራድዮ ኣክቲቪቲ ብዙሓት ሰባት ቀተለን ኣሕመመን። ሕማማዊ ሳዕቤናቱ ክሳብ ሔዚ ኣይሓደገን። ነዚ ጅምላዊ ኣዕናዊ መሳርያ’ዚ ንምውናን ከኣ ሃገራት ኣብ ቅድድም ኣቶዋ። ሰብ፡ ንፈለማ ጊዜኡ ንብዘላ ህይወት ዓለም ከጥፍእ በቒዑ። ስለ’ዚ ንፈርሕ። ካብ ነፍስና ንፈርሕ። ነዚ ፍርሕና’ዚ ናብ ዝኾነ ኣምላኽ ክንድርብዮ ኣይንኽእልን። ስነፍልጠታውን መንፈሳውን ምዕብልናና ነቶም ምንጪ ፍርሓትናን መዕቈቢናን ኴይኖም ዝጸንሑ መሳርሒታት- ሃይማኖትን ካልኦት ልዕለ ባህርያዊ እምነታትን- ካብ ዓለምና እንዳኣርሓቈም ከይዱ ሽሕ’ኳ ሓቀኛ መንቂ ፍርሓትና ፈሊጥና ነፍሳትና ክንፍውስ ኣብ ዝበለጸ ቦታ እንተሃሎና፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ናብ’ኡ እንድርብዮን ካብ’ኡ ከኣ ምሕረት እንልምኖን ‘ኣምላኽ’ ብዘይካ መተካእታ እንዳሰኣንናዮ ኬድና። እቶም ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ጭንቀትና ዘማዕበልናዮም ንፍርሕታትትና ዘማኻንዩን ዘደዓዕሱን ኣንፊ ተስፋ ፍታሕ ዘቕርቡን መሳርሒታት- እምነታትን ጽንብላትን ሰብኣዊ ማሕበርነታትን(እንዳ፡ ቀቢላ) ተደናጊሮምን ተዳኺሞምን ንውልቅና ኣንጻር ፍርሕታትና ቈይምና ንርከብ። ኵነታትና፡ መዕቈቢ ቤትካ ባዕልኻ ኣፍሪስካ ባዕልካ ዲኖዛውርያ ከም ምፍጣር ይመስል።

 ካብ ፍርሕታትና ብኸመይ ነጻ ንኸውን? ብዘይ ፍርሒ ከመይ ንነብር?-

 ስነኣእምሮኣዊ ፈላጣትን መንፈሳዊ መራሕትን ለባማትን ኣዓሸውትን ነዊሕ ትንተናታትን ምኽርታትን ይህቡናን ይሸጡልናን እዮም። ፍርሐኣልቦ ህይወት! ዝመባጽዑልና ብዙሓት’ዮም። እዚ መብጽዓ’ዚ ብግብረ ገብነታዊ ዓይኒ ኣዝዩ ኣጣያቒ ኴይኑ ብገለ ልምምዳትን (essoteric trainings) ማረኽቲ ሓረጋትን ምስላታትን

 ቃላትን (karmas) ንፍርሒ ንምቍጽጻራ ድኣ’ምበር ካብ ሱራ ንምብንቋሳ ይከኣል’ዩ ምባል እቲ ዝዓበየ መሕልም ዘመን’ና እዩ ከም’ቲ ንቃንዛን እርጋንን ሞትን ከተጥፍእ ምኽኣል መሕልም ዝኾነ። ፍርሒ ዘይቀሪ መናብርትና እዩ ከከም ኵነታቱ ከኣ ፈታዊናን ጸላኢናን።

 ፍርሕታትና ክልተ ዝዓይነቶም እዮም። ህልውናውን ተሞኵሮኣውን።

ሀ. ህልውናዊ ፍርሒ

 ህልውናዊ ፍርሒ መሰረታዊ ምንጪ ፍርሕና እዩ። መን/ እንታይ’ዬ ኣነ? ስለምንታይ ኣሎኹ? ናበይ’ከኣ እኸይድ? እንታ’ዩ ሞት? ብጥርሱ ስለምንታይ ኣድማስ ሃልዩ? ካብ 45 ሚልያርድ ዕድመ ኣድማስ ገለ ሰብዓ ዓመታት’ዬ ‘ተነበርኩ። ኣብ’ቲ ዘይነበርክሉ ጊዜ ኣበይ/እንታይ ኔረ? ስለምንታይ’ከ እመውት …? ዝኣመሰሉ ህልውናዊ ሕቶታት ህልውናዊ ቅልውላውን ፍርሕታትን ይፈጥሩልና። ጽዑቓት ኣመንቲ ከይተረፉ፡ እግዚሄር ኣበይ ኣሎ? እንታይ ይገብር ኣሎ? እምበር’ዶ ኣሎ’ዩ? ኣብ ዝበለ እምነታዊ ቅልውላው ይኣትዉ እዮም። እዞም ክምለሱ ዘይክእሉ ሕቶታትን ምንጪ ዓሚቝ ፍርሕታትና እዮም። ስለ’ዚ እምነት ዝተባህለ ግሩም መምለጢ ምሂዝና። ኣብ ንእምነታትና ዝዝርጉን መልህቓት ህይወትና ዝምሑቕን ኵነታት ምስ እንኣቱ ግን ህልውናዊ ቅልውላው ይበሃል፡ ንፈርሕ ክሳብ ንርዕድ። ስነፍልጠትን ዘመናውነትን ንመሕቢኢታትና እንዳፈሓቑዎም ከይዶም ከኣ ወሲኽና ንፈርሕ።

 እቲ ዝዓበየ ህልውናዊ ፍርሒ ሰብ ሞት’ዩ። ሰብ ዘይውዳእ ዕቁር ብቕዓተ መጻኢ ከምዘሎዎ ይፈልጥ። እንተኾነ ህልውንኡ ብጊዜ ዝተሓጽረ ኴይኑ ንኵሉ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ሞንጎ ብጊዜ ዝተገደበ ሕዋሳውነት ኣካሉን፡ ዘላቕነትን ነጻነትን ነፍሱን ተዋጢሩ ከኣ ይፈርሕ። ህልውናና ሓድነት ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ኴይኑ፡ ንሕና ሰባት፡ ኣብ’ቲ በሊሕ መላጸ ሓድነቶም ተቐርቂርና ንፈርሕ።

 እቲ ኣሉታዊ፡ ሞት፡ ግድን ኣሉታዊ ሕማቕ ወይ ክፉእ ማለት ኣይኮነን። ከም’ቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣሉታዊ ሸነኽ ናይ ባተርያ ዝኾነ ሞራላዊ ዕቃቤ ዘይብልና፡ ከም’ኡ’ውን ኣብ’ቶም ነቲ ምሉእ ዘቑሙ ተጻረርቲ ሸነኻት ባህሪ ዝኾነ ሞራላዊ ሚዛን ከነንብር ኣይንኽእልን፡ ኣይግብኣናን ። እቲ ኣሉታ፡ ኵነተ ህልውና ናይ’ቲ ኣዎንታ እዩ። ፍርሒ (ኣሉታ) እዛ ዓለም ቤትና ከምዘይኮነት የዘክረና። ፍቕሪ (ኣዎንታ) ከኣ ንዓለምና ፍጹም ባዕዳውያን ከምዘይኮን’ና የዘክረና። ብኵራት ፍርሒ ከኣ እቲ ዝኸፍአ ስነኣእምሮኣዊ ኵነትና ም’ኾነ። ብዘይካ ፍርሒ ኣብ መንፈሳውነትና ክንምዕብል ኣንበይከኣልናን። ብዘይካ ፍርሒ ከኣ ኣብ ሓያሎ ሓደጋታት ህይወት ም’ወደቕና። ንሓይልታት ዘላቕነትን (ህያውነት) ንሓልታት ጊዝያውነትን (ሞት) ምምዝዛን ኣብዘይንኽእለሉ ኵነት ምስ እንኣቱ ከኣ ኣብ ምንጩ ፍርሒ ዝኾነ ስነኣእምሮኣዊ ሕማማትን ጽላለን ንበጽሕ። ጠንቂ ጭንቀትና እዚ ግርንቢጣዊ ኣተሃላልዋና እዩ። እሞ ህልውናዊ ፍርሒ ኣበው ፍርሕና ኴይኑ ክንስዕሮ ኣይንኽእልን (ኣካል ህልውናና’ዩ) ክንርድኦን ኣብ ህይወትና ከኣ ከነጠቓልሎን ከም ዝኾነ ኢልና ከኣ ክንነብሮን ጥራሕ ኢና እንኽእል። 

 እምበር ህይወት ብዘይ ፍርሒ የሎን። ኣብ ኣገባብ ኣረዳድኣናን፡ ኣገላልጻናን፡ ኣመኻክታናን ንፍርሒ ክንፈላለየ ንኽእል። ዘይፈርሕ ግን የብልናን እቲ ዘይፈርሕ ምዉት ወይ ዓሻ ጥራሕ’ዩ እኳ ንብል። እዚ ብሓፈሽኡ ሓቂ ኴይኑ፡ ልዕለንቡር ኵነታት ልዕለ ንቡርድፍረትን ሓይልን ክፈጥሩ ንዕዘብ። ፍርሒ ኣብ ጕዕዞ ሰገምታዊ ምዕብልናና ዘማዕበልናዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ መሳርሒ ውልቃዊ ስረትና እዩ። እንተኾነ ፍርሕና ፈጺሙ ዝሕከኸሎም ኵነታት ኣሎዉ። ኣደ፡ ውላዳ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ ውልቃዊ ስረታ ከይገደሳ ምስ ልዕለ ዓቕማ’ውን ትፋጠጥ። ብዓይኒ ዘላቒ ስረት (evolutionary survival) እቲ ውሉድ ካብ’ታ ወላዲት ንላዕሊ የገድስ። እታ ኣደ ምንእንቲ ዘርኣ ክሰርር ንሳ ክትስዋእ ትመርጽ። ኣብ ብዙሓት ዓሌት እንስሳታት ዝርአ ስረታዊ ስነሞገታዊ ባህሪ እዩ። ሳሕቲ ዝፍጠር ፍርሐኣልቦኣዊ ኵነት። ስነኣእምሮኣውያን ኵነተ ‘ኵናታዊ ዕንዘዛ’ (war trance) ይሰምዪዎ። ዝተቐየረ ኵነተ ንቕሓት እዩ። ሓያል ስነሓሳባውን ሃይማኖታዊ እምነትን ስምዒትን እውን ተመሳሳሊ ዕንዘዛ ይፈጥሩ እዮም። ረምታዊ ውቃዕ ኮቦሮ፡ ጭፈራታት፡ ደርፍታት፡ ምቕባእ ኣካል … እውን ተመሳሳሊ ዕንዘዛ የስዕቡ። ቀንዲ ስርሖም ውልቃዊ መንነት ምሕዳግን ብሓባራዊ መንነትን ጥቕምን ንምትካእን እዩ። ኣብ እምነታዊ/ስነሓሳባዊን ማሕበረ/ፖለቲካዊ ጎንጽታት፡ እዚ ስነኣእምሮኣዊ ተቐራብነት ንውግእ ኣብ ውሽጢ ውድብ ጥራሕ እዩ ዝኽሰት። (> መግለጺ ሓፋሽ ርአ)

 ስትራተጂታትና ኣንጻር ፍርሕታትና

 እቶም ደቂ ሰባት ፍርሖም ንምምካት ዘማዕብልዎም ሜላታት ኣብ ምቋም ጠባያቶም ዓቢዪ ተራ ይጻወቱ። ፍርሒ ባህርያዊ ክነሱ ዝበዝሑ ሰባት ከም ዝፈርሑ ክኣምኑ ኣይደልዩን። ብዙሓት ሰባት ብፍርሖም ይሓንኩ ንፍርሖም ይሓብኡዎን፡ ይጥምዝዝዎን ገጹ የጥፍኡዎን። እቲ ናይ ብሓቂ ተባዕ ግን እቲ ከምዝፈርሕ ዝኣምን እዩ። ሰባት ፍርሖም ስለዝሓበኡ ንፍርሒ ኣታሊሎማን መኪቶማን ስዒሮማን ኣየስምዕን። ፍርሒ ከኣ ብቐሊሉ ትዕሾ ዓንጃል ሽግር/ምረቓ ኣይኮነትን። ፍርሕን ጭንቀትን ንዝፈጥሩ ሕቶታት ካብ ኣተሓሳስባ ብምልጋስን ሓሳብትና ናብ ካልኦት ንጥፈታት ብምትኳርን ነፍስና ንከላኸል። ካብ ፍርሕና ምትላል። ስነ ጥበባውያን፣ ደረስቲ፡ ሰኣልቲ፡ ገጠምቲ ንፍርሒ ኣፍራሕነቱ ኣልጊሶም ናብ ስነ ጥበባዊ ጽባቐ ክልውጥዎ ይኽእሉ። ሕሉፍ ስፖርትን ካልኦት ውድድራትን፡ ሕሉፍ ህርፋን ስልጣንን ሃብትን ናይ ዘመናዊ መሕብኢ ፍርሒ እዮም። ባህልን ልምድታት’ውን ግሩማት መሕብኢ ፍርሒ እዮም። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ካብ ፍርሕና ኣብ ትምክሕትና ክንሕባእ ዝተራቐቕና ንመስል።

 እቲ ዝኸፍአ ፍርሕና ግን ፍርሒ ፍርሕና እዩ። ሽሕ’ኳ ካብ ፍርሕና ነፍስና ንምክልኻል ብዙሕ ሜላታት ንጥቀም እንተኾንና፡ ንፍርሕና ኣዕይንትና ኣፍጢጥና ክንጥምቶም ግን ንፈርሕ። እቲ ዝዓበየ ፍርሕና ፍርሒ ሞት ወይ ጽሞና ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ፍርሕና ፍርሒ ፍርሕና እዩ ፍርሒ ገዛእ ነፍስና። እምበኣር ንህልውናዊ ፍርሒ ከነጥፍኦ ኢና ምባል ሕልመታዊ እዩ። ምስ ፍርሕና ክንጋተርን ክንርድኦን ክንቈጻጸሮን ግን ንኽእል ኢና።

 ፈለማ ንዝኾነ ፍርሒ ቅርጻ- ስምን ጠንቅን- ከነትሕዞ ይግብኣና። ፍርሒ ንኵላትና ዘጥቅዕን ንምሉእ ህወትና ድማ ዘሳልየናን ስምዒት ኴይኑ፡ ወርትግ፡ ብሓደ ከም ምልክት ፍርሒ እንፈልጦ ምልክት ይፍኖ። እቲ ምልክት ካብ ሓደጋታት ክከላኸለልና’ዩ ዝፍኖ። ምልክታት ፍርሕና ንህይወትና ግድን ዓበይቲ ሓደጋታት እዮም ማለት ኣይኮነን። ፍርሕና ብባዕላዊ ኣተሓሳስባናን ኣተረጓጉማናን ስለዝቅረጽ ዓቀንቱ ንሕና ኢና። ስለ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ፍርሒ መቐመጢን መዓቀንን ዕትሮ ክንሰርሓሉ የድልዮ። ቅርጹ ዘይሓዘ ፍርሒ፡ በጋሚንዶ ፍርሒ፡ ኣብ ወልቀ ሰባት ጥራሕ ከይተደረተ ሓባራዊ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ፍርሒ ይኸውን እሞ ነናብ ዓቕምታትና ክንመታትሮን ክንካፈሎን ክንምክቶን ስለ’ዚ ከኣ ክንቈጻጸሮን ኣይንኽእልን። ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ፍርሒ ሸቶታቶም ንምዕዋት ፖለቲከኛታት ይጥቀምሉ። ንፍርሒ ዘይቅርጻኡ የትሕዝዎ፡ የንበድብድዎ፡ የጕህርዎ እንተዘየለ ከኣ ይፈጥርዎ። ድሓር ከም መድሕን ፍርሒ ጌሮም ንነፍሶም የቕርቡ።

 ለ. ተሞኵሮኣዊ ፍርሒ

 ካብ ሓደ ሕማቕ፡ ኣሳቓዪ፡ ኣሰንባዲ ፍጻሜ ብንቕሓት ይኹን ብዘይ ንቕሓት ዝወረስናዮን ዘማዕበልናዮን ፍርሒ እዩ። ፍርሒ ሓደ ዝተወሰነ እንስሳ፡ ፍርሒ ሓደ ዝተወሰነ ነገር ወይ ቅርጻ ንኣብነት ፍርሒ ስፍሓት፡ ቁመት፡ ዑምቜት፡ ፍርሒ እኩብ ሰብ … ወዘተ። ሽሕ’ኳ ንብዙሓት ሰባት ዝዓምም ሕማም (ጉድለት) እንተኾነ ብባህርያቱ ውልቃዊ ሽግር ኴይኑ ክፍወስ (ክሰዓር) ዝከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ኣብ’ዚ ንኵላትና ዘገድስ ግን እቲ ፍርሒ ዲክታቶር እዩ።

 ራዕዲ

 ራዕዲ ንሰባት ንምቍጽጻርን ንምምላኽን ዝግበር ውዱብ ኣጠቓቕማ ኣካላውን መንፈሳውን ዓመጻ እዩ።

 “ኣብ ቅድሚ ሽሕ ሓደ ሰብ ኣስካሕኪሕካ ቅተል። ንሽሕ ከኣ ትመልኽ” ይመክር ሓደ ጥንታዊ ቺናዊ ምስላ።

 ንሓቅነት እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንቺናውያን ክንኣምኖም ኣሎና። ኣብ ቺና፡ ራዕዲ፡ ኣብ ኣማኢት ዘመናት ብኣማኢት መለኽቲ ነጋውስን መሳፍንትን ሊቃውንቶምን ዝማዕበለን ዝረቐቐን ፍቱን መሳርሒ ውልቀ ምልኪ እዩ። ሊቀ መንበር ማኦ’ውን ኣብ’ታ ቀያሕ መጽሓፉ ይጠቕሶ። ራዕዲ ኣካላዊ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ነፍሰ ቅትለት እዩ። ስነ ኣተሓጻጽባ ኣእምሮ ኣጠቓሊሉ ስነ ራዕዲ ኣብ ቺና ኣዝዩ ጥንታዊ ፍልጠት’ዩ። ኢሳያስ ከኣ ኣብ’ዚ ዓውደ ትምህርቲ’ዚ ዝበለጸ እመስለኒ። ገለ ካብ ኣርዓዲ ተግባራት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እነሀዉ።

 . ምቕታል ኣካለ ስንኩላት- ኣብ ዝኾነ ሃገር ስንኩላት ምክልኻል ሃገር እቶም ዝኸበሩ ኣባላት ሕብረተሰብ’ዮም። ክሳብ ከም ቅዱሳት ሃገር’ውን ይውሰዱ። ውፉያት ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ጻድቃናት እዮም። ንዓርሳ እታ ኣስሊ ገነት እውን ንስለኦም እያ ተፈጢራ። ዲክታቶር ኢሳያስ ግን ፍትሓዊ ሕቶታት ንዘቕረቡ ስንኩላት ብረሻሻት ቀንጸለ። እቲ ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ‘እዚ ደኣ ንስንኩላት ሓርነት ዘይሓደገ ድኣ ነቲ ካልእ እንታይ ክናሕሲ!’ ዝበለ ፍርሒ ንምንዛሕ እዩ። 

 . መጭወይትን ቅትለትን ኣካላዊ ምጕዘይትን ኤርትራውያን መንእሰያት ምጻርን ምውዳን ካብኡ ምኽሳብን- ከም’ዚ ዝኣመሰልዎ ኣረሜናዊ ጭካኔ ንዝኾነ ህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ዘርዕድ።

 . ሸቶኣዊ ምጥማይ ህዝቢ- ካብ ባዶ ከብዲ ዝዓቢ ራዕዲ የሎን።

 . ዘስካሕክሑ ኵነታት ማእሰርትን መቕጻዕትን- በዚ ማእሰርቲ ዝሓለፈ ኵሉ ምስ ምሉእ መንፈሳዊ ጥዕንኡ ኣይምለስን። ህያው ሬሳ እዮ’ሞ ንዕኡ ዝረኣየ ኵሉ ይስንብድ። ምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ከኣ ንጹሕ ስነኣእምሮኣዊ ራዕዲ እዩ። ናይዝጊ ምሁርን ገዲምን ተጋዳላይ እዩ። ናይዝጊ፡ እቲ ኢሳያስ ናብ ኣምላኽነት ክሓኵር እንክፍትን፡ የሎን! ከማይ ሰብ ኢኻ ንዓ ድኣ ንመሬት ውረድ! ክብሎ ዝኽእል ዝነበረ ሓደ ካብ’ቶም ሒደት ንኢሳያስ ከም ሰብ ዝፈልጥዎ እዩ። ናይዝጊ ሓደ ካብ’ቶም ሒደት ጽንቃቕ ነፍሰ ክብሪ ዝነበሮ ተጋዳላይ ነበረ። እቲ ሓደ ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ኤርትራውነቱ ከይተረፈ፡ ክዋዘን ክሕጭጭን ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ኢሳያስ ድማ ከም ዝኾነ ዲክታቶር ንውልቃዊ ክብረቱ ኣዝዩ ቀናእ ስለዝኾነ ነዚ ኵሉ ከም ቂም ሓዞ። ሽሕ’ኳ ብህይወቱ እንከሎ ክሃስዮ እንተዘይከኣለ ኣብ ልዕሊ ሬስኡ ሕኔኡ ፈደየ። ዝኾነ፡ ጎንበላት ኢሳያስ’ውን ከይተረፉ፡ ከም’ዚ ዝተጸበየ ኣይነበረን። እቲ ሬሳ ሓደ ፍሉጥን መዘናን ኢሳያስ ዝኾነ ተጋዳላይ ኣብ ዓዱ ከይቅበር ምኽልካል ኣብ ኤርትራዊ ስነኣእምሮ ዓቢዪ ራዕዲ ይፈጥር። እቲ በዚ ተግባር’ዚ ዚመሓላለፍ መልእክቲ ከኣ ኢሳያስ ክትንበዮ ዘይከኣል፡ ንዝቐረቡ ብጾቱ’ውን ዘየናሕሲ ጽሉል ኣራዊት እዩ። ጎንበላት ንዓርስኻትኩም ተቐንቀቁ! ዝበለ ራዕዲ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሕም ዝበለ ይተሓጎም መንግስቲ ምዃኑ ኣብ መንፈስ ህዝቢ ምውቃርን፡ ዝኾነ ከኣ ርጉጽ ድሕንነት ከም ዘይብሉ ንምግላጽን ኮነ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጕምቲ እዩ። ኵሉ ተግባራት ኢሳያስ ንህዝቢ ቅሉዕ መልእኽቲ እዩ። ቅበጽ! ይብል። ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም ኣብ’ቲ ድሕሪ ናዕቢ ፎርቶ ዝሃቦ መግለጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ተቓዉሞን መፈንቅለ መንግስትን ክፍትን ከምዘይክእል ጃጅዩን ተበቲኑን እዩ1 ክብል ብንጹር ገሊጽዎ እዩ።

 ራዕዲ፡ ከድምዕ፡ ኣብ ፍጹም ጸልማት ክካየድ ኣሎዎ። ካብ ምእጋድ ሓበሬታ ዝጸልመተ ጸልማት ከኣ ኣይህሉን። ጽልመተ ሓበሬታ ግፋ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕሉ ሓደ መልክዕ ራዕዲ እዩ ልክዕ ከም’ቲ ክዉን ጸልማት ዘርዕድ። ኣካላዊ ራዕዲ ተሓዊሱዎ ከኣ ኣዝዩ የርዕድ። ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንምሉእ ሓበሬታን ማዕከናት መዘርገሒኡን ንውልቁ ይውንን። ከም ዝተፈተዎ ሓበሬታ ይዝርግሕን ይገትእን። ንሓቂ ዘጥፍእ ንዕኡ ዘልምዕ ሓበሬታ ይምህዝ። ይሕሱ፡ ይኽውል፡ ይጥምዝዝ።

 ንራዕዲ ከመይ ንቈጻጸሮ? ከመይ’ከ ንተብዕ?

 ህዝቢ ካብ’ቲ ወሪድዎ ዘሎ መዓተ ራዕዲ ብትብዓትን ኣእምሮን ልብን ብምቅላስ ጥራሕ ነፍሱ ሓራ ከውጽእ ዝኽእል። ትብዓት ብኵራት ፍርሒ ኣይኮነን። ትብዓት ፈሪሕካ ክነስኻ ነቲ ክትግበር ዘሎዎ ዕማም ምፍጻም እዩ። ካብ ውድብ ወጻኢ ከኣ ትብዓትን ኣእምሮን ልብን ኣይህልዉን። እቲ ተቓላሲ፡ እቲ ተዓዋቲ ውዱብ ሓፋሽ ጥራሕ’ዩ።

 ውዱብ ሓፋሽ?

 እቲ ቃል ‘ሓፋሽ’ ብዝሒ፡ ግዝፊ፡ ቅርጻኣልቦነት ይእምት። ስቅ ኢሎም ኣብ መሬት ዝተደርበዩ ኣእማን፡ ኣብ መሬት ዝተኾደመ ኵምራ ጭቃ፡ ኣብ ትግርኛና ገና ኣይተለምደን ድኣ’ምበር ሓፋሽ ጭቃ፡ ሓፋሽ እምኒ ክንብሎ ምኸኣልና ልክዕ ከም’ቲ ንእኩብ ሰብ ሓፋሽ እንብሎ። ነቲ በእማንን ጭቃን ዝተነድቀ ቤት ግን ሓፋሽ እምንን ጭቃን ኣይንብሎን ቤት እዩ። እቲ ዝሮምሮ እምንን ብዑጥ ጭቃን ቅርጻን ሸቶን ሒዙ ካብ’ቶም ዘቘምዎ ብዓይነቱ ዝተፈልዬ፡ ዝበለጸ፡ ዝኸበረ ሓዲስ ግዛዕ ኴይኑ። እምንን ጭቃን ተወዲቦም ቤት ኴይኖም። ዕላማ ድማ ኣቝሞም ቅዱስ ዕላማ ንወድ ሰብ ካብ ሓይልታት ባህርዪ ንምክልኻል። ነቲ ሓፋሽ ናብ ቤት ዝወደበ ነዳቃይ ግን ኣሎ። ዕላምኡ ንነፍሱ ካብ ሓደጋታት ባህርዪ ንምክልኻል እዩ። ንሱ፡ ሸቶ እቲ ቅዱስ ዕላማ እዩ። እቲ ቤት መሳርሒኡ’ዩ። እቲ ቤት ንዕላማ ነዳቒኡ ከም ዕላምኡ ይወስዶ።

 እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ልኽዕ ከም’ቲ ኣብ ፈቐድኡ ዝተደርበየ ኵምራ እምንን ጭቃን እዩ። ክቕረጽን ክህነጽን ናብ ሓደ ሸቶ ከኣ ክቐንዕን ዝጽበ ህዝቢ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ሓይሊ፡ ስልጣን ኣብ ፈቐዶ ጎልጎልን ጎቦን ጽርግያታትን ተደርብዩ ካብ መሬት ዘልዕሎን ዝእክቦን ኣብ ጥቕሚ ዘውዕሎን በዓል ስዬ ይጽበ፡ ዝተባህለ። ከም’ቲ እቲ ቤት ነዳቒ ዘድልዮ ነቲ ሓፋሽ እውን ናብ ዕላማዊ ሓፋሽ ዝሃንጾ ነዳቒ የድልዮ። ንሱ እቲ መስራቲ ሕመረት ውድብ እዩ።

 እምበር እቲ ብሓጺሩ ብዛዕባ ‘ሓፋሽ’ እንክንዛረብ ብዛዕባ እቲ ንቝሕ፡ ሸቶኣዊ፡ ውዱብ ህዝቢ ኢና ንዛረብ። ብዛዕባ’ቲ ካብየናይ ማሕበራዊ መበቈልን ደረጃን ንቕሓትን ብቕዓትን መጺኡ ብዘየገድስ ተወሃሂዱ ንሓንቲ ናይ ሓባር ዕላማ ዝቃለስ ህዝቢ። ንዝኾነ ኣብ ኣደባባይ ዝተኣከበ ህዝቢ ሓፋሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን። እቶም ንውዱብ ሓፋሽ ካብ’ቲ ፍኑው ሓፋሽ ኣደባባይ ዝፈልዪዎ እዞም ዝስዕቡ ብቕዓታት እዮም። ውዱብ ሓፋሽ ናይ ሓባር ዕላማ ኣሎዎ። ብሓባራዊ ስነሓሳብ፡ መደብ ዕዮ፡ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ፡ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ሞያዊ ሸቶ ከኣ ይጥርነፍ። ዕላምኡ ንምዕዋት ከኣ ስትራተጂን ሜላን ይሕንጽጽ መገዱ የነጽር። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውድብ ውልቃዊ መንነቱ፡ ኣተሓሳስባኡ፡ ስምዒታቱ፡ ውልቃዊ ሸቶኡ ኣራጊፉ ብሓባራዊ መንነትን ስሞዒትን ኣተሓሳስባን ናብ ሓባራዊ ሸቶ ይጎዓዝ። ንሓባራዊ ሸቶ ንምዕዋት ሓባራዊ መንፈስ የማዕብል። እዚ ብኸማኡ ኣይግነን ሓያል ንቕሓታዊ/ሕጽቦ ሓንጎላዊ ስራሕት ይሓትት። ኣባላት ሓፋሽ ከካብ ማሕበራዊ መበቈሎም ሒዞም ዝመጹ ብቕዓታትን ክእለታትን ኣወሃሂዶም ሓደ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ማሕበረሰብ የቝሙ። ብቕዓት ናይ’ዚ ውድብ’ዚ ካብ እኩብ ድምር ውልቃዊ ብቅዓታት ኣባላቱ ኣዝዩ ዝለዓለን ዝነጠፈን ይኸውን። ውልቃዊ ስምዒትን ሓሳብን ሓይልን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ከኣ ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ኣቕኒዑ ይበስዕ። እቲ ዝዓበየ ሚስጢሩ፡ ውድብ፡ ወልቀሰባት ውልቃዊ ነፍሰነቕሓቶም ኣረኪቦም ዝለዓለ ሓባራዊ ውድባዊ ንቕሓት ክፈጥሩ ዘኽእል ምዃኑ እዩ።

 ‘ሓፋሽ’ ስንጭሮ ናብ ዝመርሖ ዝሕንበብ ብርቱዕ ፈለጋዊ ሓይሊ እዩ። ገዛእ ኣእምሮኡ ተሓዲጉዎ ናብ’ቲ’ ‘ቲ ሕመረት ዝመርሖ ከቕንዕ ስለዝኽእል ከኣ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ መሳርሒ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክቕየር ይኽእል። እቲ ሕመረት ህግሓኤ/ህግደፍ ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድብ’ዩ ሰሪሑ። ነዚ ውድብ’ዚ ንምፍራስ ከኣ እቲ ተቓዋሚ ብመንጽሩ ነፍሱ ክውደብ ይግብኦ።

 እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኵሉ ግናያት መንግስቲ ኤርትራ ጸይሩ ምኻዱ ብፍጥረቱ ጃጃዊ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ነጻነታዊ ቃልሲ ምዕዋቱ ከኣ ብፍጥረቱ ጅግና ስለዝኾነ ኣይኮነን። ህግሓኤ ድሓር ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንበይኑ ብሒቱ ንነዊሕ ዓመታት ንሱ መድሕን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ከኣምን ኪኢሉ ኔሩ። ህዝቢ ከኣ ኣሚኑ ተቓሊሱን ተዓዊቱን። ድሓር ግን ተጠሊሙ። ሔዚ ካብ መቝረንቲ’ቲ ጠላሚ ዲክታቶር ንምልቓቕ ሰለስተ ዝተፈተና ጸረ ዲክታቶርያዊ ኣጽዋር ኣሎዋና። ቀዳማይ፣ ምውዳብ። ካልኣይ፣ ምውዳድ። ሳልሳይ፣ ምውዳብ። ካብ ውድብ ወጻኢ ጅግንነትን ተወፋይነትን ዓወትን የሎን።

 ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

 07.05. 2013

 ጀርመን

 

ማይ ጸብሪ፣ መወዳእታ ስደት

  ስደት ዘሕረሮ ቆጽልና  

       መዓስከር ማይ ዓይኒ ካብ ዝኣቱ ሰሙን ኣይገበርኩን  ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ኪዕዘብ ስለ ዝቐነኹ ግና ኣዋርሕDolo-Ado-aerial-pe_1951296i ዘሕለፍኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኩሉ ነገር ሓዲሽ’ዩ።  እቲ ነዊሕ መዋእል ዘቑጸረ መረት፣ ኣብ ሽዑ በጺሑ ሓዲሽ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ብሓቂ’ውን ንዓይ ሓድሽ እዩ ነይሩ። ንመሬትና ይመስል ፣ እቲ ኣግራብ’ውን ንኣግራብና ይመስል። እቲ ማይ’ውን ንማይና ይመስል  ንምዕራብ ምስ ወረድካ ዘሎ ሩባ’ውን እቶም ኣንስሳታት እቶም ጓሶት’ውን። እተን ከም ቁናኖ ኣደታትና ዝተቖነና ኣደታት፣ እቶም ሰብኡተንን ደቀንን። ኮታ እቲ ኩሉ ኣረጊትን ዝጸንሐን ንዓይ ሓድሽ እዩ። ስለዚ ኩሉ ምስ ሓደሸኒ ብምግራም ዘቕቢበ። ልዕሊ ኩሉ ዘደነቐኒ ሓድሽ ነገር ግና  እቶም ካብቲ ዝዓበናሉ  ኸተማ ካብቲ ዝተወለድናሉን  ዝዓበናሉን ሃገር ምሳይ ዝዓበዩ ፈለጥተይ ኪሕደሱ ህርድግ ኪብሉ ገሊኦም  ተሓዲሶም ዝሰለጦም ገለ ድማ ኣብ መስርሕ ምሕዳስ ዝርከቡ ምስ ኮኑ እዩ።   ከይፈለጥኩ ብዝፈልጦ ተጋይሸ።  ዋላ እቶም ዝፈልጦም ሰባት እዮም ሓዲሾምኒ። ናጽነትን ስደትንዶ  ዘይንሶም የምስሎም ይህሉ እመራመር ነይረ፣  ዘፍቅድዎ ወላዲ  ኮነ ዝቆጻጸሮም ሓላፊ  ስለ ዘየለ ደኾን ይኸውን? እንድዒ ኩሉ ግና ተሓዲሱ ወይ ዝተሓደሰ መሲልዎ ኣሪጉ ጸኒሑኒ። ናብራ ስደት ካብ ዝጅምሩ ካብ ምህሮን ፍልጠትን ዝቦኹሩ መንእሰያት ደቂ ኤርትራ ካብ ዕብየትን ግስጋሰን ደው ኢሎም ዝጽበዩ። ደቂ ሃገረይ። ብዙሕ ዘሕዝን ኩነታት ስደት’ዩ።

     ሎሚ ዕለት  2/8/2010 እዩ ካብቲ ዝቐነኹዎ  ምስ ሰባት ተደሪብካ ምሕዳር፣ ቴንዳ ስለ ዝሃቡና ካብ ስክፍታ ኪድሕን ክኢለ ኣለኹ። ነገር ጽቡቅ ወይ ሕማቕ ዕድል ሓደ ካብቶም ቴንዳ ምሳይ ዝተዋሃቡ ንሓደ ካብ ኣዕሩኽተይ ነበር፣ ሕጂ ኣብ እስራኤል ዘሎ ምንኣስ ሓዉ’ዩ። ጌና ናብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ከይኣተወ እዩ ገንዘብ ተላኢኽዎ።  ንዓይ ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃየይ ዝገበረኳ የለን ። ናይ ሓውን ናተይን ዕርክነት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ’ዩ ምሳይ ኪኸውን መሪጹ። ኣነ’ውን ሽታ ማይ እንተኾነኒ ስሕት ኢሉ ድማ ሻሂ እንተጋበዘኒ ምሳይ ምዃኑ ኣይጸላኩዎን።  ሽሕኳ ምምስሳል ኣካል ባህረይ እንተዘይነበረ  ናብቲ ብቴንዳታትን ብጭቃን  ተሰሪሑ መንእሰያት ዘዘናግዕን ዘዕብድን  ዝነበረ  ባራትን ቤት መግቢታትን ብዝኣትዉን ዝወጹን ይቐንእ ስለ ዝነበርኩ እንተተማላኣኒ ብምብሃግ’የ ኪመሳሰሎ ጀሚረ።  ቴንዳ ቴንዳ  ዘዊሮም  ወርሓዊ መቑነን ንባዕላ ነታ ቴንዳ’ውን ኣፍሪሶም ዝሰርቁ ስለ ዝበዝሑዎ ነቲ መዓስከር፣  ኪንሕልዎ ከም ዘለና ተሰማሚዕና። እቲ ዝኣተናዮ ስምምዕ በቢ ተርታ ንምሕላው እዩ ነየሩ። እንተኾነ ኣነ ጥራይ’የ ዝሕልዎ ነይረ። ምኽንያቱ ናብ  ዝኸዶን ዝማላኣንን ስለ ዘይነበረ። እቲ ተስፋ ዝገበርኩሉ ሄርሞን  ድማ ኣይግዳዱን ንሱን ገንዘቡን ከማኡ ሰብን ገንዘብን  ዘለዎም ኣዕርኽቱ ሒዙ ኣበይ ከም ዝውዕል ኣይፍለጥን። ንዓይን ንቴንዳናን ምሸት ጥራይ እዩ ዝምለሰና።  ቴንዳ  ኪሕሉን   ቅጫ ሰንኪተ ጸብሒ ምስራሕ ኪተሓሓዞ ወሰንኩ። ኣማራጺ ዘይብልካ ምዃን ዝፈጠሮ’ምበር ኣይፈተኹን። ብስደት ንንፋስ ምስ ተቓላዕኩ ንብዙሓት ዘይክእሎምን ዝጸልኦምን ዝነበርኩ ኪገብር ከም ዝተገደድኩ ተረዲአ።  ተዘክሮታትን ናፍቖትን   ስድራ  ዘይከኣል ኮነኒ ከይፈተኻ ትፈትዎ ህይወት ጀሚረ።   ናብራ ስደት ኣብ ሰሙን ክሳብ ከንድዚ ዝኸበደኒስ  እንተነዊሑ ደኣ እንታይ እየ ኪኸውን? ብዙሕ ተጨነቕኩ። ይለምዶ ግዲ ይኸውን።  እዚ  ኣብታ ሓዳስ ቴንዳ ንብሕተይ ኮፍ ኢለ ሻሂን እቲ ብኽንደይ ጋዶ ዝሰንከትኩዎ ቅጫን እናኣቋሰኹ   ዘስተንተንኩዎ እዩ።  እቲ ቅጫ ማንም ሰብ ኣይምበልዖን ኣነ ግና ትሕቲ ማንም ስለ ዝነበረኩ በላዕኩዎ ደኣ።   ብንግሆኡ ዝጸዓኑኒ ሕቶታት ማእለያ ስለ ዘይብሎም  ነታ ናይ ንግሆ ሰዓት ብጣዕሚ ይጸልኣ። ዝድውለሉን ሽግረይ  ዝነግሮን የብለይን ናብ ኤርትራ ደዊለ ንስድራይ እካ ደሓን ከም ዝኣተኹ ከይነግሮም ርክብ ክልተኦም መንግስቲታት ዝፈጠሮ ቁርቆስ ይትረፍ ኣነ ክንደይ ስድራቤታት ንዓሰርተታት ዓመታት ከይተራኸቡ  ስለ ዝተረፉ  ምሕሳቡ ኣቋረጽኩዎ። ናብ  ወጻኢ ከይድውል ድማ ዝፈልጦ ቁጽሪ ተልፎን የብለይን።  መደወሊ ዝኸውን ገንዘብ’ውን ኣይነበረንን። ናይ ገንዘብስ ካብቲ ቆልዓ-ሄርሞን ምለመንኩ። ግና ናብ መን ኪድውል?   ስቕ ኢለ ምሕሳብ ጥራይ’ዩ’ቲ  ዕጫ። ሓሰብኩ ድማ። ዝትግበሩን ዘይትግበሩን።

      ዕለት 18/8/2010እቲ ተስፋ ዘንበርኩሉ ቆልዓ ኣበይ ይውዕልን የምስን ጠቕላላ ደሃዩ ምፍላጥ  ሰኣንኩ።  እቲ ዝሰርሖ መግቢ ጠዓመ፣ መጸጸ ፣ ተበላሸወ፣  ጠዓየ ኣነ ጥራይ ኪበልዖ  ሰልከየኒ። ሄርሞን  ይትረፍ  ኣብ ምስራሕ መግቢን ማይ ምውራድን ኪሕግዘኒ  ማይ ኪወርድ ኢለ ምስ ተበገስኩ ነታ ምጽእ ምስ በለ   ዝገዝኣ ተለፎን እና ደወለ ነፊጹ ይወጽእ። ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ ይኸውን ብዛዕባ ነብሰይ ገዲፈ ብዛዕባኣ ኪሓስብ ከፍኣኒ።  ይኹንምበር  እቲ  ዝዓበየ ስክፍታ ነብሰይስ ኣይተቐንጠጠን።  ካብ ኤርትራ ሃዲመስ ወጻእኩ ካብዚኸ!? ናበይ ኢየ  ኪኸይድ ? መዓስ ኪወጽእ ይኸውን።   ፍርሒን ስክፍታን ካብ ነብሰይ ምልጋስ ኣበየኒ። ብርሑቕ ቀለልቲ ኮይኖም ዝስምዑኒ ምስ ኣተኹዎም ዘይውጻኡ ዓቐበታት ኮይኖምኒ። ህይወተይ ኣብ ህዋ ተንጠሊጢላ ረኣኹዋ። በቃ መረት ኣዝዩ ዓሚቑኒ ሰማይ ኣዝዩ በሪኹኒ ካብ ቀደሙ ንላዕሊ። ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ   ቤተሰብ ኣይነበሩንን።ናብ  ጎረባብትና ተተጸጊዐ ከይቀርቦም እሞ ገለ ቁሩብ ከየንቀልውጥ  ብባህረ ኣብ ገዛ ቶዃሉ ኣትየ  ቶኹላ ምዃን ኣይዓበኹሉን።  ስለዚ ምጽባይ ጥራይ እዩ ነይሩ  ምርጫይ። እንታይ ኪጽበ ንመን ኪጽበ።  ክሳብ መዓስ ኪጽበ። ምጽባይ ጥራይ።  ኣነን ከማይ ዝበሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታትን  ድማ ከምኡ። ስቅ ኢሎም ይጽበዩ።  ዝውጥኖ የብለይን ዝጽበዮ መስርሕ’ውን ዝሓልሞ ኮነ ዝሰርሖ የብለይን። ብጋህዲን ብለይቲን ዝሓልሞ ግና ነይሩ። ብኸመይ ናብ ሱዳን ይኸውድ። ከምቲ ኩሎም ዝብህግዎ። ምብሃግ ደስ ስለ ዝበለኒ እየ እምበር። ኣብ ጎረቤት ሃገረይ  ኢትዮጵያ ኮይነ ዕጫይ ዘይጸበቐዶ  ኣብ ሱዳን ትጽቢተይ  ሰሚሩ። የግዳስ ከም ኩሎም ዝሓዙ መሲሎም ዝቐርቡ ኪመስል ፈቲነ።  ኣይሰለጠንን ዋላ ኪመስል ኣይከኣልኩን። ስለዚ ኣብ ክልተ ሰሙን ዘይመልእ ሰብ ኮነ ሓጋዚ ከም ዘይብለይ ተፈሊጠስ ኩሉ ኪርሕቀኒ ጀሚሩ።

    4/9/2010  ኩነታተይ ግዲ ለሚደዮ  ወይ ተቐቢለዮ  ተወሃሂዱኒ፣  ጥራይ ጁባኻ  ምንቅስቓስ ቀደም ትፈልጦ ሰብ ረኺብካ ሻሂ ኪጋብዘካ  ዘይትብለሉ፣ ሻሂ ከስትየካ  ዝብለካ ትስእነሉ ፣ ወትሩ ቅጫ ሰንኪትካ ሻሂ፣ ሽሮን ሳሕቲ ድማ ስብቆ ከም ገለ ዘይቲ  እኽሊ እንተ  ሸይጠ መማቕርቲ ምቕያር፣ ሩባ ወሪደ ኪዳውንቲ ኪሓጽብ   ንግሆ ተንሲአ ናብ ቤት ጸሎት ኪኽየድ ብዝኣመሰሉ ነገራት ኪዛነ ስለ ዝጀመርኩ ምጽባይን ምሕሳብን ገዲፈዮ  ስደት ከም ዝሓስብ ግዲ ኣይግብረካን  እዩ። ፈዚዘ ደው።  ኣነስ ከይኣረግኩ  ኣብ ንእስነተይ  ምሕሳብ ገዲፈዮ ብሰንኪ  ስደት። ክሳብ ሕጂ ከም ዝረኣኹዎ’ውን ብዝሓሰቡልካ ኢኻ ትነብር ይመስለኒ። ወርሓዊ ይኣኽለካዩ ብዝበሉኻ ኣካዊንካ ትነብር።

     ወርሒ ትሽዓተ ግና ብዙሕ ዘተሓሳስቡ ነገራት ሒዛ  መጸት ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ትሽዓት ሄርሞን ኣብ መስተ ውዒሉ ዝሓድርን ዝበኣሶ እንተረኺቡ ዘይገድፍ ምሳይ ሕደር ትብሎ  ኢትዮጵያዊት እንተረኺቡ ቃል ዓለም ዘይገበር  ጠፋሽ ህይወት ኪመርሕ ደስ ዝብሎ ዕዋኖ ስደተኛ ኮነ።  ኣብቲ መጀመርታ ናብ እንዳባድረ  ዝበሃል  ገለ ቁሩብ ባራትን ውሑዳት ኣረግቶት ኣመንዝራታትን ዝርከባሉ ቁሸት እዩ ዝመላለስ ነይሩ።  በዚ ቦታ’ዚ ዘይዓገበ  ወይ ነተን ኣብኡ ዘለዋ ኣዋልድ ምስ መነወን እዩ ዝመስል ናብ  ማይ ጸብሪ ዝበሃል፣ ብወረ እምበር ርእየዮ ዘይፈልጥ ቦታ  ኪኸይድ ጀመረ።  ኣብኡ ሓዲሩ ምስ ዝመጽእ ዘይተኣደነ  ዳሺን ዶበለ ቅዱስ ጊዮርግስ… ዝተሓዋወሰ ገንኢ ቢራታት።   መቐመጢኡ ገይርዎም ይመጽእ  ሽታ ዝተፈላለየ ክዳውንቲ’ውን  ናይተን ኣመንዝራታት ምዃኑ’ዩ።  ተቐቢኡ እዩ ዝመጽእ። ኣነ  በቲ ምስ ተመለሱ ንጽባሒቱ ካብ ድቃስ ተንሲኦም ናብ  ምሳሕ ብናቶምኳ ናብ ቁርሲ እዩ ዝበሃል ቅድሚ ምኻዶም   ዘውግዕዎ ናይ ተዘክሮ ወግዒ እየ ዝፈልጥ።  ስደት ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ንገለ መዕበዲኡ ንጸለ መጨነቒኡ እዩ። ገለ ብስእነት ገለ ድማ ብርኽበት ኩሎም ጥቓ ጽላለ ይበስሑ። ሄርሞንን እቶም ኣብ ገረቤትና  ዝቕመጡ ክልተ ኤርትራውያን መጣፍእቱን   ዝበዝሕ ግዜ ናብ ገዛና መጺኦም ስለ ዝሓድሩ ዳርጋ ደቂ ገዛና እዮም። እቲ መሻርፍ  ኣምጽኢካ ተጠቐመሉ ይብሉኒ ስለ ዝነበሩ  ኣይጸላኩዎምን።   ቅድሚ ናብ ቁርሲ ምኻዶም

  “’ሰሚዕካያዶ እታ ነዋሕ ከደረይቲ ኣብ ግንባራ ዓቢ መስቀል ዘለዋ ዝበለትኒ?”’ “ኣይሰማዕኩዋን”  ይምልስ ቲ ሓደ። ዋእ   ምስታ ዝፈትዋ ርሻን እና ኸድኩ ከለኹ እኳ’ያ ጸዊዓትኒ ክምለሰኪ’የ እንተበልኩዋ ድማ ሕጂ እየ ልደለየካ ኢላስ ብድጊ ኪትወስደኒ። ክብል ምስ ላግጹን ትዕቢቱን ጃህራ ወሲኹ ተዛሪቡ።

“ሽዑ ግና ማራ ተኻኢልካ ነይርካ።”  ይውስኽ እቲ ሳልሳይ።

ሄርሞን ነዚ ዝመስል ህይወት ኣጸቢቑ ምስ ጠለቖ ብዛዕባ  ህልውናይ ሓቲቱ ዘይፈልጥ ናይ ቀደም ዓርከይ መዓልታዊ ኪድውለለይ ጀመረ። ጉድለት መናብርተይ ሰብ ኣቑጺሩኒ። መዓልታዊ ካብ ወጻኢ ዝድወሎ ሳሕቲ ድማ ናይ ሻሂ ዝሕወሎ ሰብ ኮይነ። ሄርሞን በዚ ዘለዎ ደኣ ኣይጥፋእምበር እንተተጋጋየን ምስማዕ እንተኣበየንሲ  ኣይጸላኩዎን። መዓልታዊ ናብ ማይጸብሪ ምኻድ በዚሑ። ገለ ግዜ ሰለስተ መዓልቲ ቀንዩ ይመጽእ። ገለ ድማ ተእሲሩ ከም ዝቐነየ ይነግረኒ። ኩሉ ሓቂ እዩ። ይበኣስ ይእሰር ይሰቲ ይዝሙ ኪዝሙ ይቕኒ። ምስ ዓበይቲን ነኣሽቱን ምስ ጥዑያትን ሕሙማትን ዘይፈልጠን…. ኪገልጾ ዘይክእል ብልሽውና ኣተኣታትዩ። ነብሱ ከም  ጨው ሓቒቑ። ካብቲ ፈለማ  ኪመጽእ ከሎ ዝነበረ ሄርሞን ፍርቂ ጸርዩ። ካብቲ ቀዳማይ ጸገም ናይ ሄርሞንን ምስኡ ዝኸዱን መግቢ ዘይበልዑ ምዃኖም እዩ። ካብ ንግሆ ኣብ በዓል ዳሽን ዶበለ ቅዱስ ጊዮርግስ ምስ ኣተዉ። በቃ ውዒሎም ይሓድሩ። መዓልታዊ ክሳብ ወርሒ 12/2010  ዝበኣሰ’ምበር ዝተመሓየሸ ህይወት ኣይረኣኹሉን። ኣነ ኩነታት ስደተይ ብናቱ ኪሓስብን ከሰላስልን ረሲዐዮ’የ።

     6/12/10 ልዕሊ ዓሰረተ  ጻውዒት ተለፎናት ተቐቢለ ኩሎም ብዛዕባኡ ዝሓቱ ኣዮም። እቶም ናይ መጀመርታ ሰለስተ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ዘይደወልሉ ስለ ዝነብሩ ይመስለኒ ሸሞንተ ሽሕ ብር  ሰዲዳናሉ ኣለና’ሞ እንተበጺሕዎ  ሚስ ኮል ይግበረልና  ዝብሉ ኪኾኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ማይ ዓይኒ እንተዘይወጺኡ ገንዘብ ከይትህቦ ዝብሎ ነበሩ። እንተወጺኡ ድማ ባዕልኻ ምሳኡ ኪትከይድ ኣለካ በይኑ  ሂብካ ከይትሰዶ ዝብሉ። ብፍላይ እቲ ንጥቕሙ ዕርክነትና ዘሐደሰ መንግስ ኣትሪሩ ስለ ዝተላበወኒ ንክልተ ምኽንያታት ብዕቱብ ሓዝኩዎ። በቲ ሓደ ዕሸልነት ሄርሞን ኣብ ዘይዕላሙኡን ኣብ ዘይቦትኡን ኪኹለፍ ኣይተወሓጠለይን በቲ ካልእ ድማ  እታ ተስፋ ዘይነበራ ህይወተይ ገለ በለጭታ ስለ ዝተራእያ ኣበርቲዐ ኪሕግዞ ወሰንኩ። ሄርሞን ከምዞን ነቓጻት ዘይኮነ ከምዞም ብሕራይ ዘሕርሩ ስለ ዝነበረ ንምርዳኡን ንምቕያሩን ብዙሕ ተጸገምኩ።

    ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ድቃስ ስም ተበራበረ ብዙሕ ምኽሪታት ኣስኒቐ ሓንቲ መዓልቲ ኪጽመም ዝኽእል እንተኾይኑ ተወከስኩዎ ናብ ማይ ጸብሪ ከይከደ ኪውዕልን ነብሱ ከዕርፍን ኣልዚበ መኸርኩዎ። ሕራይ ኪብለኒ ጸኒሑ ንምሸቱ ጸዳል ትበሃል ጓል ስለ ዝደወለትሉ ኪኸይድ ምዃኑ ነጊሩኒ  ኪቃወሞ’የ ዝኽእል ኣምበር ኪኽልክሎ ኣይክእልን ስለዚ ረጊጹኒ ደኣ ከደ።  ሄርሞን ሰሙን ምሉእ ከይተመልሰ ምስ ቀነየ ነቶም ዝፈልጦም ብወሰን ወሰን ምስ ሓተትኩ ክልተ ኣዋልድ ካባኻ ጠኒስና ስለ ዝበልኦ ከስድደለን ላዕሊን ታሕቲን ኪብል ከም ዝቐነየን  ነታ ሓንቲ ተዓዊቱላ እታ ሓንቲ ጓል  ከም ዝተረፈቶን   ነጊሮምኒ። ሓንቲ ካብተን ዝፈርሐን ዝነበርኩ ስለ ዝኾነት ብዙሕ ጓሂ ተሰመዓኒ። ኤርትራውያን ስደተኛታት   ኣብ መስተን ምንዝርናን ኣኣቲኻ ዕላማኦምን ሃገሮምን ከም ዘጥፍኡ ምግባር ኮይኑ ስለ ዝስመዓኒ  ብዙሕ ተተንከኹ። ሄርሞን  ካልኣይ ሰሙን ስለ ዘሕለፈ  ሓዉን ካልኦት ቤትሰቡን ደዊሎም ተለፎኑ ስለ ዝተዓጽወት ብዙሕ ተሻቐሎም ረበሹኒ ኣነውን ተረበሽኩ።

     መንግስ    “እንታይ እዩ ኮይኑ ኣብ ምንታይ ይውዕል ኣሎ? እቲ ብወረ ዝሰምዖ ሓቂ እዩ ምሽ?” ኪብል ሓተተኒ ኪሓብኣሉ ጥቕሙ ኣይተራእየንን።  “ገንዘብ በዚሕዎ መስተን ባእሲን” ኮይኑ በልኩዎ  ናይ ምንዝርና ግና ተሰኪፈ ኣይነገርኩዎን። “እዋእ” ብዙሕ ዝጎሃየ ዘድምጾ እዩ ነይሩ። እቲ ገንዘብ በዚሕዎ መጠን ዘለዎ ኪኽውን ነይርዎ ንስኻ ዘይተኣደነ ካልእ ካብ ኣመሪካ ካብ ኢሮጳ ካብ ሱዑዲ……። ዘይፈልጦ ጽዕነት ምስ ኮኖ ከፋኹሶ ኪብል ዝጀመሮዩ በልኩዎ።  “በል” ደጊሙ ተማሕጸነኒ ደሓን “ነቶም ዝሰድሉ ኪነግሮም እየ ተራኺብና ስለ ዘይነፈልጥ እኳ ኢና ደሓን ሕጂ ግና ኣይትስደድሉ ኪብሎም እየ።” በዚ ተፈላለና። ኣነ ገለን ብማይ ገለን ሰኣን ማይ  በልኩ ብውሽጠይ። ኣብ ኤርትራ ከለኹ ዝዕዘቦ ዝነበርኩ፣ መብዛሕቲኦም  ኣብ  ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንስድራቤቶም ዘይተእደነ ገንዘብ ስለ ዝሰድሎም ኣብቶም ተጠቀምቲ ናይቲ ገንዘብ ዘይተኣደነ ጸገም የወርድ ከም ዝነበረዩ። ኣብዚ ኣብ ስደት ድማ ካብኡ ዝገደደ ኮይኑ ረኺበዮ ሽሕኳ ቅቡል ምኽንያታት እንተሃለዎ ካብ ንክዳንን መሻርፍን ዝኸውን ሓሊፎም ኪሰድሎም ግና ኣይምተገበአን። እዚ ኣብ ሄርሞን ዝወረደ ዕንወት ምስ ተዓዘብኩ ዘስተብሃልኩሉ እምበር ኣይምተረደኣንን ይኸውን።  ሰባት  ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን ከይስእኑ ብምባል  ዝሰደደሎም ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከም ዘውዕልዎ ዝገብርዎ ገምጋም ኮነ መጽናዕቲ የለን ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣይሰደደለይን ደሃየይ ኣይገበርን  ኢሎም ከይከስዎም  እምበር ፈትዮም ውን ዘይክኾኑ ስለ ዝኽእሉ  እንታይ ሓደጋ የውርደሉ ኣይግምግሙን። ንሄርሞን እውን ከምኡ ሓደጋ ከጋጥሞ ርእየ።

       ናብቲ ብዙሕ ግዜ ብወረ ሰሚዐ ዝጸላእኩዎ  ቦታ መስተን  ምንዝርናን ኪኸይድ ወሰንኩ። በይነይ ኪኸይድ ስለ ዘየክእል ግና ዘካየደኒ ኪረክብ ነይሩኒ። ሓደ ካብቶም ኣብ ስደት ዝኸሰብኩዎም ጎረባብተይ ሓዋ ንራሄል እታ’ኳ ምሳይ ማይ ትወርድ ጎረበትና  ኪወስደኒ ከም ዝኽእል ነጊሩኒ። ተተሓሂዝና  ድማ ከድና።  ካብ ዕስራ ብር ዘይበዝሕ መሳፈሪ ከፊልና  ድሕሪ ናይ ፍርቂ ሰዓት ብሓመድ ዝተለበጠ ጽርግያ ምጉዓዝና ኣብቲ ሓውሲ ከተማ ዝብልዎ ማይ ጸብሪ ብዙሓት  ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምንዝሩሉን ብመስተ  ተሰኒፎም ተባኢሶም ዝእሰርሉ ኣብ ፈቐዶ ባራት ምኻድ ኣብዩ ዝነበረ  ቢራታትን መስተን ዝጽንፍፍሉ  ቦታ በጻሕና። በዓል “ባር ሲቲ” “ባር ጽዮን” “ቤት መግቢን መስተን ማይ ጸብሪ”   ካልኦትን   ምስተን ኣብ ፈቐድኡ ዝጸንሓኻ ባራት ብፍሉይ በዓል ሄርሞን ዝኣትውወን ዝነበሩ ስለ ዝኾናን  ብዙሕ ግዜ  ስለ ዝተመላለስናየንን ኪሕዘን ከእልኩ።  ድሕሪ ናይ ሰሙን ምምልላስ ነታ ዋና ባር ረኺበ ኩነታት ሄርሞን ምስ ሓተትኩዋ፣ ንበይነይ ፈልያ ሓዘን ብዝመልኦ ገጽ  ገለ ነገር ሕሹኽ ኢላትኒ። ደጊመ ሓቲተያ እንታይ ኢልኪ ኢለያ ።   ኣብዙይ ትሰርሕ ለነብረት ንእሽቶ ጓል ለታይ  ትበሃል ኣጥኒሱዋስ ከስድዱላ  ከለዉ  እታ ቆልዓ ብዙሕ ደም ስለ ዝፈሰሳ  ኣብ ኢዶም  ሞይታቶም። ምስኣ ስለ ዝነበረ ኸዓ ፖሊስያ ሒዘሞ።  ኢላ ኣርዲኣትኒ።  ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፍኣኒ። ንክንደይ ዓመታት ከም ዝእሰር  ኣይሓተትኩን ሄርሞን ስደቱ ኣብ ማይ ጸብሪ ኣብቂዓ።   ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ቆጽሊታት ከም ዝሓረሩና ተረዲአ።  ማይ ጸብሪ መወዳእታ ሰደት ሄርሞን ከነት።

                                                                        ሽሻይ ገብረሃንስ

                                                                                 8/8/2013

ርዝነት ስቓይ ሮዚና!

ከመይ ከም ዝጅምሮ  ኣይፈለጥኩን። ብምንታይ ከም ዝውድኦ’ውን።  እቲ ምንታይ ጌና ዘይተወደአ  ህሉው ስቓይ ስለ ዝኾነ።  ዛንታ ኣይኮነን።  ሓደ ግዜ ዝተፈጸመ። ትንብት’ውን ኣይኮነን።  ከይፍጸም ዘፍርህ።  ዝኾነ እዩ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይኒና  ኣብ ቅድሚ እዝንና ኣብ ነብሲና ዝኾነ ፍጻመ። እዚ ጽሑፍ ሎሚ ኣብ ቅድሜና ተፈጸመ። ጽሑፍ ተፈጺሙ ኢልካስ ፈዚዝካ ጠጠው።  ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘሎን ዝኾነን። ካብኡ ናብኡ  ድማ ናይ ሮዚና  ፍሉይ ዝገብሮ ረቓሒታት  መሊኦም ፈሲሶም።  ገርግስ ሓምሳ ዓመት ህይወት ንምንዳይ ኮሊለ ይብል። እቶም ነኣሽቱ ገራግስ ድማ ህይወት ንምጥፋእ ንኾልል።  ሮዚና ድማ ዝጠፍአ ከተናዲ  ወይ ኪትመልስ   ህይወታ  ኣብ ምጥፋእ ትርከብ።  ህይወት ወዳን ደቃን እንተኣድሓነት ኣብ  ኣፍ ሞት ኣላ።  እንተኾነላ  ገንዘብ  ከፊላ ህይወት ከተድሕን። እንተዘይኮነላ ድማ ህይወት ከፊላ ህይወት ከተትርፍ።  ኣብ ኤርትራውያን ዝነበረን ዘሎን ግዲ ኮይኑ ዝብላዕን ዝስተን ኣይተራእያን።  ፍንጫሕ መሰንገለኣን መሰንገለኣን ኣብ ወጥሪ  ስለ ዝርከብ።

  ካብ ስራሕ ምስ ተፈደስኩ፣ ከይደንጎኹ ናብ ተል ኣቪቭ ከይደ። ናብ ሸኾናታቲክቫ ዝበሃል  ክፋል ተል ኣቪቭ ዝኾነ ገዛውቲ። ብብዝሒ ኤርትራውያን ምስ ሕመቖም ዝነብሩሉ  ከባቢ። ናብቲ ቦታ ቅድሚኡ ርእየያ ንዘይፈልጥ ሰብ ንምርካብየ ተጓዒዘ። ስለዚ ኣብ መንገዲ  ዋላ እንተረኸብኩዋ ኣይምፈለጥኩዋን። ግና በቲ ሰሚዐዮ ዝነበርኩ  ሓበሬታ ንሳን ጭንቀታን ኣብ ገደና ጎፍ ምስ በለትኒ ምፈለጥኩዋ ነይረ እብል። በቲ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኣብ ማትሪክስ ኢንተርነት ካፈ ኪጽበያ ምዃነይ ተዘራሪብና ስለ ዝነበርና  ብህንጡይነት እጸበ። ድሕሪ ነዊሕ ዘይበሃል ትጽቢት ካብቶም ጸጸኒሖም ዝኣትዉን ዝወጹን ዝነበሩ ዓማዊል ናይቲ ገዛ ፈልየ ኪፈልጣ ኣይተጸገምኩን። ንሳን ስማን ንሳን እቲ ተሰኪማቶ ዘላ ረዚን ጭንቀትን ሕቶን ናብቲ ትካል ምስ ኣተወ  ነብሰይ ርዝነት ወሲኹ ንእለት ካብቲ ዝነበርኩዎ ኩርሲ ሓፍ ኮፍ ኪብል ተፈሊጡኒ።  ደሓርስ ኣጸቢቐ ኪትሕት፣ ነቲ ኩርሲ ክሳብ ጸቒጠ ኪሰብሮ ተደናዲነ።

    ሓንቲ ናብ  ሓምሳታት  ዝተጸገዐት  ኣደ ኮይና ምስ ረኸብኩዋ ብዙሕ ተተንኪፈ። ዘይከምተን ኣብ ኤርትራ ኮይነን ጭንቀት ደቀን ብርሑቕ ዘጨነቐን  ኣደታት ኤርትራ፣ ባዕላ ኣብቲ ቦታ ጭንቀት ኣብቲ ቦታ ምረት፣ ባዕላ’ታ ስደተኛ ግዳይቲ ስደት ዝፈጠሮ  ጭንቀት ባዕላታ ዝጎሰመቶ ኮይና ረኽበያ።  ጸጉራ ተደርሚሙ ብሰመያዊ ኣደርየ ፍርቂ ጥራይ ተሸፊኑ። ብግቡእ ዘይተኸድነቶ ነጸለእ ናብ የማናይ ወገን መንኩባ ተጠቕሊሉ ቀይሕን ጻዕዳን ሽራጥ ሽራጥ ዝነብሮ ማልያኣ ነቲ ብጭንቀት ብሕሰም ብጥምየትን  ድኻምን ንውሽጢ ጠሊቑ ዝነበረ ጎረረኣ ኪሽፍኖ ኣይከእለን።  ሃሳስ ሰመያዊን ጻዕዳ ፍዮሪታት ዝነብሮ ጎና ክዳና በቲ ሓደ ወሪዱ በቲ ካልእ ደይቡ ከሎ ኣየቕለበትሉን። ኣቓልቦኣ ምሳኣ ስለ ዘይነበረ።  ነቲ ኣብ ኢዳ ሒዛቶ ዝነበረት ፌስታል  ከም ሻሙ ድርብይ ኣቢላ  ኣብ ጫፍቲ  ኩርሲ  ረማዕ ኢላ። ኪትወድቕ ንስክላ ዝደሓነት መሲሉኒ።  ኣትያ ጌና  ኮፍ ከይበለት  ተለፎን ተደዊሉ ነይሩ።

    “ሓድሽ ወደይ እንታይ እየ’ሞ ኪገብረልካ!!!????” ዝተሓናነቐን ዝተቖራረጸን ብኽያት ዘይተፈልዮ ሕቶ’ዩ ነይሩ።  ሰላምታ ኣይተለዋወጡን። ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ንብዙሓት ደቓይቓት ኪራኸቡ ቀንዮም ኣለዉ። መን እዩ ሓድሽ? ኣበይ ኣሎ። እንታይ ኪትገብረሉ ይጽበ ኣሎ?? ሕቶታት ውሽጠይን ውሽጥኹምን። ናብ ስደት ካብ ዝወጽእ ኤርትራዊት ኣደ ኪትነብዕ ርእየያ  ንፈለማ ግዜ፣ ብዓይነይ ብሕልናይ ብመንፈሰይ። ብዙሓት ኤርትራውያን በቶም ካብ ቅድሚ ዓይነን ዝተኸወሉ ደቀን  በቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኡ  በቶም ኣብ  ምድረበዳ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ ኣብ ሲና ኣካሎም ካብ ነብሶም እናረእዩ ዝተፈልዩ ኪንዲምንታይ ከም ዝበኸያ ኪትግምቶ ትኽእል ኢኻ ምስ ረኣኻዮ ግና ግምትካ ንእሽቶ ምንባሩ ትፈልጥ። ኣነ ፈሊጠ።  

      ሓድሽ፣  ቦኹሪ ወዳ ንሮዚና እዩ። ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ። ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም ከም ዘለዎ ነጊራትኒ ኣብቲ ድሒሩ ዝገበርናዮ ዕላል።  ኣርባዕቲኦም ደቁ ኣብ ኤርትራ  ኣለዉ።  ሓድሽ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ እስራኤል  ተበጊሱ ኣብ ረተ (ዶብ ግብጺን እስራኤልን  ተታሒዙ።) ናብ ግብጺ ተመሊሱ፣ ካብ ግብጺ  ድማ፣  ናብ ኤርትራ  ኣብ ዊዓ ተኣሲሩ። ካብ ዊዓ ኪዓጥቕ ስለ ዝተገደደ ሕማሙ ከይፈለጡን ከይመርመርዎን ዓጢቑ። ምስ በርተዖን ካብ ስራሕ ወጻኢ ምስ ኮነን  ነብስኻ ተፋወስ ኢሎም ሰጒጎሞ።   ኣብ ምክልኻል ይየገልግል ስለ ዝነበረ  ነብሱ ካብ ስራሕ ምስ በኾረት ኣይንደልየካን ኣይንሕክመካን ኢሎሞ። የገልግል እምበር ግቡኡ ኣይኮነን ዝፍጽም ነይሩ። ግቡኡስ ኣብ 2003 ምስ ተሰለፈ ወዲኡዎ ኣዩ።  ንሱን ዝዓረበ ሕልናኡን ዝደኸመ ነብሱን ሒዙ ናብ ደቁ ተበጊሱ። ናብ ባረንቱ-ሞጎሎ። ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሓድሽ፣  ሕማሙ ከይፈወሰ ናብቲ ነቲ ሕማም ዘራኽሱን ካልእ ሕማም ወሲኾም ዝቐትሉን ደሙ ዝመገቡ በደዊን ኣትዩ። ብኸመይ፦

   ካብ ሞጎሎ ጨውዮም ናብ ሲና ኣእትዮሞ ተስፋ ዘይቆረጸት ሮዚና ኣብ መንጎ ዕላልና ሓቢራትኒ።   

   ሮዚና መዓስ ኣበይ ተወሊዳ እንታይ ከ ኣሕሊፋ?

   ብ 1965 ኣብ ነድወ ዝበሃል ከባቢታት ሰንዓፈ ተወሊዳ።  ኣብ 90 ዓ/ም ናብ ቃልሲ ተጸንቢራ። ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ። ናጽነት ኮይኑ ተባሂሉ፣  ምስ ተጣየሰት ናብራኣ ኪትመርሕ ሰለይ  እናበለት ከላ ናብ ሱዑዲ ኪትከይድ ወሲና ካብ ሽዑ ክሳብ  2003  ሓሙሽተ ግዜ ተመላሊሳ። ኣይሰለጣን።   ኣብቲ ዳሕረዋይ ህይወታ ገለ ቤት መግቢ መሳሊ ከፊታ ሰለይ ኪትብል ጀሚራ ከም ዝነበረት ትሕብር። እንተኾነ ኩነታት ኪጽንክር ስለ ዝጀመረ ኣብ 2008 ናብ ስደት ኣብሪሓ-ናብ እርራኤል። ይኹንምበር ርዝነት ሽግርን መከራን ሮዚና በቢቁሩብ ዝተንሰአ  ኣብቲ ግዜቲ ብሓንሳብ ዱብ ምስ በለ ካብ ነብሳ ኣይተኣልየን።  2008 ወርሒ 2 ካብ ኣብ ፈገ እስራኤል ተታሒዛ ናብ ግብጺ ኪትምለስ ተገዲዳ   ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ቤት ማእሰርቲ ናብ ኤርትራ ተመሊሳ። ኣብ ኤርትራ ብቐጥታ ናብ ዊዓ ተወሲዳ ናብ ቤት ማእሰርቲ። ኣብ ዊዓ ኣርባዕተ ወርሒ   ብዘይ ፍርዲ ተኣሲራ ድሕሪ  ምጽናሕ  ወርሒ ዓሰርተ ክልተ ከም እንደገና  ናብ እስራአል ተመሊሳ  መሬት እስራኤል ወርሒ  6 2009 ከም ዝረገጸታን ካብታ ዕለት ‘ቲኣ ሩፍታ ከም ዘይብላን ብምስትንታን ብምስትምሳል ትዛረብ።  

  ኣብ እስራኤልከ እንታይ ኮነት?  ናብራ እስራኤል ከምቲ ኩሉ ግዜ ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝግለጽ  ክብደቱ ዘየካትዕ  እዩ። ምስቲ ሓባራዊ ክብደት ውልቃዊ ረዚን ሽግር እሞ ድማ ተደጋጋሚ ምስ ወረዳ  ናይ በይና ንእሽቶ እስራኤል ኣላታ ትብል። ሮዚና እትው ካብ ትብል ብበተሰባ ወዲ ሓውቦኣ ከምኡ’ውን  ብወዲ ሰብኣያ (ዳርጋ ወዳ) ዝጀመረ እዩ እቲ ስቓይ። እቲ ወዲ ሓውቦኣ ዝብጸሓ በሃበሎም ኣለም ይበሃል፣  ንሸውዓተ  ውርሒ ኣብ ሲና ኪሳቐ ጸኒሑ ሓሙሳን ትሽዓተን ሽሕ ዶላር  $(59,000)  ከፊሎምሉ ከብቅዑ ብህይወቱ ኣይረኸብዎን ሞይቱ’ውን ኣይተባህሉን። ነዚ ገንዘብ’ዚ ንኽረኽቡ ዘይበጽሕዎ ገዛ ፈታዊን ጸላኢን ርሑቕን ቀረባን ኣይነበረን  ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ፈተውትን በተሰብን ዝተጠራቐመ ብክንደይ ጉብጥ ጉምብሕ ዝተኣከበ  ምንባሩ ከይኣክል፣ ባዶ ኢዶም ተሪፎም። በጽሒ ኣይወለደን ስሙ ካብ ስሙ ኣይሓለፈትን። ሮዚና ምስቶም ቀረባ ቤተሰብ ስለ ዝነበረት ተጎዲኣ። ብዙሕ ተተንኪፋ። ሽግርን መከራን ሮዚና በዚ ደው ኣይበለን ክሳብ ሎሚ እዩ ገና ደው  ዘይበለ። ድሕሪ በሃበሎም ኣለማ  ስዒቡ ግዳይ ሲና ዝኾነ ፍስሃ ኣለም  ኮይኑ ንሱ ውን 45 ሽሕ ዶላር ተኸፊልዎ ክነሱ ህይወቱ ኣይተረኽበን ሞይቱ ተባሂላ ስለ ዝተነግረት ግና መቃበጫ ተገይሩሉ። ዘይከም በሃበሎም  ሓዲግ ሰማይ ሓጊድ መረት ኣይተረፈን። ፍስሃ ወዲ ስዉእን ጻንታ ስድራን ስለ ዝነበረ መሊሱ ከቢዱዋ  ንሮዚና። ዓባየኡ እተን ካብ 2003 ኣትሒዘን ዑረት ዓይኒ ዘጋጠመን እንታይ ከም ዝብላ ወትሩ ትጭነቐለን። ኣብ ዕላላ ኣይትፈልየንን ሮዚና።   ሽግር ሮዚና በዞም ክልተ በጽሒታት  እንተዘብቅዕ ምናልባት ዘይሞቶን ዘይከፈለን የለን ምበልና ግቡእን ሞባእንኳ እንተዘይኮነ ንዓና ግና ገሊኡ ባዕልና ዘምጻእናዮ ገለ ድማ ምስቲ ዘምጻኣናዮ ተለኪሙ ዝመጸ ስለ ዝኮነ ዘይከፈለ የብልናን።  ከምቲ ኩሉ ከቢድ ሽግር ዘሕልፍ ዘሎ እያ’ውን ምበልና። ሓሊፍዎ ግና ካብቶም ሰለስተ ደቃ እቲ ማከላይ ኣብ ኣስራኤል ካብ ዝኣቱ ዓመት ኣይመልአን። ኣስታት ሸውዓተ ወርሒ ሕክምና ኪመላለስ ጥዕና ከም ዘይረኸብ ድማ ትሕብር።  ኣብ መጠረሽታኡ ድማ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ጌሩ ኣብ ገዛ  ብዘይሰብ ገዲፍካዮ ዘይክየድ ኮይኑዋ። ኣይ ንዓኡ ኪታኣሊ ኣይ ንነብሳ ከተፍቅድ ወይ ድማ ነታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ጓላ ሰሪሓ ኪትኣሊ  ናብ ሲና ካብ ዝኣቱ  ኣስታት ክልተ ሰሙን ዝገበረ ቦኹሪ ወዳ ሳላሳን ሓሙሽተን ሽሕ ዶላር ውለድየን ይብላ ኣሎ።  በሉስኪ ሮዚና ናብ መኖም ትመንጠል!!!? ናይቲ ኣብ ሲና ዘሎ ቦኹሪ ወዳ  ሽግር ንኽትፈትሕ ንነብሳ ረሲዓታ’ያ ኣይትበልዕ ኣይትሰቲ። ምስ ሰባት ክትዘራረብ ከላ ብኽንደይ ጻዕረሞት ከም ትዛረብ ንዝረኣየ ህይወታ ከይትልከም ተጠራጥር።   እቲ  ካብ ኣገልግሎት ኤርትራ ምስ ሓመመ ኪንፍውሰካ ዘይኮነስ ነብስኻ ፈውስ ኢሎም ዝፈነውዎ ሓድሽ።  ኣብ ሲና ምስ ኣተወ ኢዱ ሰቢሮም ኣብቲ ዝሰበርዎ ኢድ እና ሃረሙ ምስ ኣደኡ ከም ዝራኸብ ይገብርዎ ኣለዉ።   ርዝነት ግዜ ኣብ ከም ናይ በዓል ሮዚና ዕምሪ  እዩ ትርጉሙ  ዝርደኣካ። ነብሲ ወከፍ ሰከንድ  ህይወት ወድኺ ክትድሕን ወይ ክትጠፍእ ሕጂ ጥራይ ገንዘብ ስደዲ  ገንዘብ ውለዲ  ትብላ ኣላ። ነብሲ ወከፍ ደቒቕ የጽንሑለይዶ  ይጽበዩኒ ዶ!!?  ሎሚ የሕድርዎዶ!!!??? ህይወት ምንባራን ዘይምንባራን ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ክነሱ ን ኤርትራውያን ግና ህይወትና ኣብ ኢድ ሰባት ወዲቑ ኣብ ኢድ ገንዘብ ኮይኑ።  ሮዚና ኣብዚ ክልተ ዓመት ካብ ኩሎም  ቤተሰብን ፈተውቲን  ዝተዋጻአ ልዕሊ  100 ሽሕ ዶላር  ስለ ዝኸፈለት ሎሚ ንመን ከም ትሓቶ ሓርቢትዋ። ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ተልኣቪቭ ናብ ዘሎ ትካል ኤርትራውያን ትፈልጦምን ዘይትፈልጦምን ኪትልምን ከም ዘምሰየት  ሰሚዐ  ሕልናኦም ዝተንከፎም ዓቕሞም ከም ዘበርከቱ ብምሉእ ምስግንታ ነጊራትኒ። ገንዘብ ሲና’ሞ መዓስ ዝተረፈ ተስዕበለይ ይብል ኮይኑ። ኩሉ ከም ዝነበሮ ኣሎ ሓድሽን ሮዚናን እቲ  ብኣካል  እቲኣ ብሕልና ቤተሰባ ብስክፍታ…. ኩሉ ኣብ ስቓይ።

     ሮዚና ሓገዝ ኩልና  ኤርትራውያን ትሓትት  ኣላ። ተተኻኢሉ ገንዘባዊ ዘይከኣለ ድማ ሞራላዊ ሓገዝ ኣይንንፈገላ።  ሮዚና ብርሃነ  00972549283269

                                                                      ሽሻይ ገብረሃንስ

                                                                             31/7/2013

ሓወልቲ ፑሽኪን ድዩ’ዚ!? ሓወልቲ (ባርያ)ኸ!?

ቅንያቱ ቅንያት ዝኽሪ። ቅንያት ኣስተንትኖ ፣ ቅንያት ምፍታሽ ሕልና ብፍላይ ንዓይ ከማኹም። በቲ ካልእ ድማpushkinmonument_1 ቅንያት ህድማ ኮይኑኒ። ቃል ምስ ኣዕበርካ ተካይዶ ህድማ። ብፍሉይ ኪዝከሩ ዝነበሮም ግና ዘይተዘከሩ ዜጋታት ኤርትራ ከም ዘለዉ ዘኪረ። እዚኣቶም ኣብ ስነጥበባዊ ዓለም ኤርትራ ምስ እንፍትሽ ወይ እንድህስስ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮምን ዘለዎምን እዮም። ዋላ’ኳ ቁጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ እንተዘይኮነ ኣብ ኤርትራን ስነ ጥበባዊ ህይወት’ቲ ህዝቢን ግና መዳርግቲ ዘይብሉ እጃም ዘበርከቱ ምዃኖም ይኣምን። ስለዚ ኣዝዮም ብዙሓት ይኾኑኒ ። ክንዲ ሽሕ። ዝኽሮም፣ ኣብ ስድራቤቶም ብፍላይ። ኣብ ገለ ግዱሳት ዜጋታት ድማ ብሓፈሻ ይህሉ ይኸውን። ኣብ መብዛሕቲና ኤርትራውያን ከም ዝዕዘቦ ነቶም ብስነ ጥበባዊ ኣበርክቶኦም እነፍቅሮምን እንሕበኖሎምን፣ ደረፍቲን ደረስቲን፣ ደርፊታቶም ኮነ ስነጥበባዊ ስራሓቶም ምስ ሰማዕናዮን ኣንበብናዮን እንተዘይኮይኑ፣ ብንጹህ ተበግሶ ክብርን ዝኽርን ዝህብ ነቶም ዘለዉ ኣርኣያ ዝኸውን ኣገባባት ዝኽሪ ኣየተግበርናን፣ ንምባል እደፍር። ብውልቀሰባት ኮነ ፈለጥቲ ናይቶም ስነ ጥበበኛታት ተወዲቦም ዝተኻየዱ ዕዉታት ተበግሶታት ከም ዘሎ ኣይዘንጋዕኩን። ግና እኹል ኮይኑ ኣይተሰመዓንን። ኣይትጥፍኡ ኣይትረስዑ ግዲ ኢልዎም ኣብ ደንደስ ምዕቡል ግዜ ስለ ዝተሰውኡ ስራሓት መብዛሕቲኦም ደረፍቲናንን ስነ ጥበብኛታትናን ኣብ መርበባት ሓቤሬታ ኪስነድ ክኢሉ’ሎ። ስለ ዝኸኣለ ድማ ኪንረኽቦን ኪንሰምዖን ርሒብ ዕድል ተፈጢሩልና። ግና እንተተገዲስና እዩ። ኣብ ዝኽሪ’ዞም ልዑል ኣብረክቶ ዘለዎም ስነ ጥበበኛታት ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ልዑል ተራ ኪጻወት ነይርዎን ኣለዎን። ተስፋ ዘይቆረጸዶ መሲለ? ብፍላይ ድማ እታ ኣብ ዓዲ ዕዉራት ነጊሳ ዘላ መደበር ተለቪዥን ነዚ ዝኽሪን ክብርን ስነ ጥበበኛታት ሃገርና ኪትደፍኣሉ ይግበኣ።
እሞኸ ደኣ ነቶም ሙሉእ ህይወቶም በቲ በሪኽ ድምጾምን ዓቕሞምን፣ በቲ ስጡም ግጥሞም ሕደማኦም በቲ ስሩዕን ቅርጡውን መጻሕፍቶም፣ ታሪኽ ኪስንዱ፣ ፊልም ፣ድራማ ክሰርሑ ንሩሖም ዘየዕረፉ፣ ዓመታዊ ዝኽሪዶ ምተነፍጎም። ንህዝቢ፣ መንነቱን ባህሉን ፣ፍቕሩን ክብሩን ፣ እናገለጽሉ ኣብ መስርሕ ዕብየትን ለውጢን ከለዉ ኣብ ዕሸል ዕድመኦም ዝተቖጽዩ ጥበበኛታትና እዚዶ ዓስቦም ምነብረ። ካብቶም ቀዳሞት ብህይወት ዘየለዉ ክሳዕ ሕጂ እቶም ብህይወት ዘለዉ ደረፍቲናን ስነ ጥበበኛታትናን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ምዝያም ካብ ምጽሓፍን ምብርካትን ኣየዕረፉን። ንሕና ግና ካብ ምዝካሮም ዘዕረፍና ንመስል። ብፍላይ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ድሕሪ 90ዓ/ም ዝተወልደ ፣ንተበርህ ተስፍሁነይ ንየማነ ባርያ ….ካልኦትን። ትዝክሮም ዶ ኢልካ ምስ ትሓቶ ይትረፍ ኪዝክሮም ዘይፈልጦም ኮይኑ ይጸንሓካ። እዛ ነጥቢ’ዚኣ ኣእላፍ ሕቶታት ደራዲራ ብዘይ መልሲ-ብሸፈፍታ ትሓልፍ። መን ብከቢድ ኪሓልፍ ይብህግ? እተን ዝርካበን ዘርጋሕቲን ኣከፋፈልቲን ሙዚቃታት ኮነ መጻሕፍቲ ሃገርና ዝህብኦ ኣቓልቦ ዘይምህላዉ ገለ ካብቲ ነቲ ዘይተዘካርነት ልዑል ተራ ዝተጻወተ ጉድለት ይመስለኒ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቶም ኣብ መደበራት ቲቪን ረድዮን ዘለዉ መንእሰያትና ልቢ ኣዕብዮም ነቲ ገዲምን ነቲ ሓዲስን ደባሊቖም ነቲ ናይ ቀደም ምስ መእተዊኡን መላለይ ሙሉእ ሓበረታኡን እንተዘድርፍዎ ክንደይ መማዕረገሎም። ሓጋዚ ድማ ምኾነ። እዚ ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና ንዝጎበዙን ንዝጎርዘዋን ፍርያት ገዳይም ሙዚቃኛታት ሃገሮም ንምስትምቓር ኪሕግዝ ከሎ ነቶም ሓደስቲ ደረፍቲናን ገጠምቲ ሕድመናን ድማ ኣንፈትን መርኣያን ምኾኖም እመስለኒ።
ካልእ ሜላ ኣናዲና ዓስቢ ጻዕሮምን ሓርኮትኮቶምን ዘይነጽፍ ውቅያኖስ ኣበርክቶኦምን ኪንክሕሶም ምተገበኣና። እዚ ብውልቀሰብ ኮነ ብግዱሳት ጉጅለ ክሕሰብ ይከኣል ይኸውን ኣቲ ግዝያዊ መንግስቲ ተበጉሶ ወሲዱ ንምስራሑ እንተዘይደፊኡሉ ግና ዕዉት ኣይከውንን። ኣበይ ዘሎ ,መንግስቲ ንዝብል ኤርትራዊ ድማ ኣብቲ ንሱ ኪምስርቶ ዝብህጎ መንግስቲ ከም ዕዮ ገዛ ሒዝዎ ኪጸንሕ ይምሕጸኖ። ዘበገሱኩዎ ጽሑፍ ነቶም ኣብ ሙዚቃን ስነ ጽሑፍን ድራማን ብፍላይ፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ስነ ጥበበ ዘተኮረ ደኣ ይኹንምበር ንናጽነትን ንሓርነትን ብሰለማዊ ኮነ ብጎነጻዊ መንገዲ ኣብ መሪሕ ቦታ ዝተጻወቱ ዜጋታት ከም ዝግባእ’ውን ኣይዘንጋዕኩን። ንወልደኣብ ወልደማርያም ዓብደልቃድር ከቢረን ካልኦትን ብኸምዚ’ዶ ምረሳዕናዮም!!! ብዙሕ ይገርመኒ። እቲ መንግስቲ ኣብ ዘለዎ እንተደቀሰ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ህዝቢ ሓንቲ ሓንቲ ሓወልቲ ዶ ምግባር ሲኢኑ!!?? እዚስ ኣዝዩ ክዓቢየና’ዩ እንተተባሂሉ ድማ ዓመታዊ ሓንቲ መዓልቲ ምውፋይዶ በቒቑሎምቲ ግዝያዊ መንግስቲን ትነባሪ ህዝቢን። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዓለምና ፣ ይትረፍ ናይ ዜጋታተን ስነ ጥበበኛታት ፣ ናይ ስግር ባሕሪ ስነ ጥበበኛታት’ኳ ብርክት ዝበሉ ሓወልቲ ተሰሪሑሎም ርኢና ንኸውን። ኣበርክቶኦም ድማ ነቲ ሃገር ዘይኮነ ንህዝቢ ዓለም ብዝገበርዎ እዩ ተመዚኑ። ሊባኖሳዊ ኸሊል ጀብራን ኣብ ኣመሪካ እንተሪናዮ እንግሊዛዊ ኣርተር ካናን ዶይል ኣብ ፈረንሳ እንተራኢናዮ ኣና ፍራንክ ኣብ ጀርመን እንተርኢናያ። የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ምስ ጸሊምን ንቕድሚት ዘይለበሶ ቆቢዑን ኣብ ሃገሩ ኣይረኣናዮን። ኣብረሃም ኣፈወርቂ ምስ ካባኡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ኣይተተኽለን። ኣብ ትውልዲ ዓዱ ኣይጸንሓናን ።ትበርህ ተስፍሁነይ ምስ ህድሞኣ ኣይረኸብናያን። ስማ ተጸዊዑ ኣይፈልጥን …..። ይትፈር ሓወልቲ ኪንገብረሎም ብስሞም ትካል ኮነ ቤት ትምህርቲ ጥበበ ኣይተተኽለን። ብስሞም ጎደና ኣይሰመናን። ጎደና የማነ ባርያ ፣ ገደና ኣብረሃም ኣፈወርቂ ፣ ጎደና በይነ ሃይለ፣ ጎደና ኢሰያስ ጸጋይ ፣ ካልኦትን። ኣይጸዋዕናን። ደርፊታቶምን ኣበርክቶኦምን ንሃገር ንህዝቢ እቲ ነታ ሃገርን ነቲ ህዝቢን ዝመርሕ ምስ ዝሓደሰን ዘሎን ጥራይ ስለ ዝውግን ንኹሎም ረሲዕዎም ንሕና ንኽንርስዖም ድማ ብዙሕ ጽዒቱ ተዓዊቱ። እቶም ሕጂ ደቂ ዘበንከ ውሕስነት ኣለዎም’ዶ ቃል ኣትይሎም’ዶ ሓወልቲ ኪሰርሓሎም ብስሞም ገደና ኪጽውዕ?? ኣይመስለንን። ንጥፍሽና ዝመልኦ ዕላማኡ መሳርሒ እንተኾይኖም ዝመጽእ መንግስቲ’ውን ዝምሕሮም ኣይመስለንን።
ኣብ ኣስመራ ሓንቲ ሓወልቲ ከም ዘላ ብኹርዓት ንዛረብን ንዝክርን። እታ’ኳ ካብ ርሑቕ ቦታ ፣ ናይ ነዊሕ ትውልዲ ጸብጺባ ብዙሕ ወጻኢ ፈሲስዋ ናብቲ ንሳ ዘየበርከተትሉን ንሳ ዘይትፈልጦን ዝመጸት። ዘይተወለደትሉን ዘይተቐበረትሉን ቦታ ስለ ዝኾነ ዕጥጥ ዝብላ ኣይመስለንን። እቶም ህዝቢ በቲ ከባቢኣ ዝሓልፉ ነቲ ታሪኽ’ታ ሓወልቲ ሽሕ ግዜ ነጊርካዮም ኣይክዝክርዎን ኣዮም። ኣበርክቶኣ ንዓኦም ስለ ዘይኮነ ኣብየናይ ታሪኽ ኣብየናይ መድረኽ ኣይንፈላለ ኪትሕተም ፣ ፈደረሽን ኪትትከል፣ ወይ ኪፈርስ ? ሃይለስስላሰ ኪወጽእ፣ ደርጊ ኪኣቱ ፣ተሓኤ ኪትህረም ፣ ጀብሃ ኪትሃድም ፣ ድሮ ናጽነት ፣ ጽባሕ ወራራት ፣ ምእሳር ጋዜጠኛታት ፣ ምህዳም መንእስያት…….. ኣበየናይ መድረኽ ከም ዝነበረትን ከም ዝተተኽለትን ኪፈልጥዎ ኣይክእሉን። ሽታኣ የብሎምን ንሳ’ውን ሽታቲ ህዝቢ የብላን። ስራሓት ናይታ ሓወልቲ ንታሪኽ ኤርትራ ኣይትንክፍን……..ኣብ ባህሎምን ባህረቶምን ተመርኲሱ ኣይደረሰን ኣይገጠመን ናይ ቄሳር ንቄሳር ምተገብኦ። እቲ ሓወልቲ ካብ ንዓና ንሩስያ ይቐርብ። ብትውልዲ ካብ ተበጸሓናኸ ኣብ ጎድኒ የማነ ባርያ ኣብረሃም ኣፈወርቂ በየነ ሃይለን ኢሰያስ ጸጋይዶ ኪኸውን ምነበሮ ዋላስ ቅድሚኦም። እንታይ ትብሉ? ንዝነበረ ከም ዝነበረ ዝርስዕ ንዘሎ ዘየናሕሲ ካብ ኮነ’ቲ ገዝኢ፣ ህዝቢ’ኸ እንታይ ተራ ኪህልዎ’ዩ!!? እምበኣር በቲ ነብይ በየነ ሃይለ ዝበሎ ኪፋነወኩም፦
“ዝኽሪ የፍርሑ’ዩ ምስ ሰማዕኩ ምርሳዕ እምበኣር ዑቕባ ምንባር’ዩ ኢለ።” ትጽቢት ባህጉ ገጽ95
ሽሻይ ገብረሃንስ
እስራኤል ተል ኣቪቭ
28/6/13

ዘዕበናዮም ነኣሽቱ ዲክታቶራት ሽሻይ ገብረሃንስ

    መልክዕ ኣነባብራና ንሓደ ካብ ስድራቤትና ብፍላይ ንኣቦ ወይ ድማ ንዓቢ ሓው ሳሕቲ ድማ ንሓፍቲ ክትምእዘዝcriticism ብዝብሉኻን ዝሓስቡልካን ኪትከይድ ዝድርኽ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ በቲ ዝዓበናሉ መለክዕን ኣመለኻኽታን ኣወንታዊ ኮይኑ ዝበዝሕ ሕብረተሰብና’ውን ይቕበሎ። ብገለ ምኽንያታት ነቲ ካብ ኣቦ ወይ ዓቢ ሓው ዝመጸ ትእዛዝ ኮነ መምርሒ እንተጥሒስካን ኣብያ እንተኣስሚዕካ፣ ወይ ካልእ ርእይቶ እንተ ኣቕሪብካ መብዛሕቲኡ ግዜ ዘይምእዙዝ ተባሂልካ ትጽረፍን ክሳብ ትርገመሉ ግዜ’ውን ኣሎ።ኣቦ፣ ብዓይኒ ሕብረተሰብና ክቡርን ተፈራሕን ሰብ እዩ። ዝቕጽል’ውን ይመስል። እዚ ኣካይዳ’ዚ ኪጠፍእ ኣለዎ ዝብል ድፍረት የብለይን ከማኹም ፍርሒ ስለ ዘሕደርኩ። ይኹን’ምበር ኣቦ ተፈታዊ ተኸባሪ ክነሱ ኩሉ ግዜ ኪስማዕ ኣለዎ እናፈራህና ንውልቁ እናጠመትና ክንነብር ግዴታና’ዩ ዝብል መረዳእታ ግና የብለይን። በታ ነፍቅራ ኣደና እቲ ነፍቅሮ ኣቦና ዝበሎ እዝጊ ዝበሎ ኮይኑ ስለ ዝተነግረና ኦ! ንኣቦና ዋላ ተጋግዩ ኸሎ ስቕ እንተዘይቢልና ኣደ ብመርገም ኣቦ ብመቕጻዕቲ ከጥፉኡና እዮም፣ ንፈርሕ። ምእዙዛትን ንፉዓትን ንክንበሃል ኣቦና ወይ እቲ ነታ ገዛ ኪኣሊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ኣባል ናይታ ስድራ ዋላ እናተጋገየ ስቕ ንመርጽ። ምኽንያቱ፣ ካብ ኣደና ንረኽቦ ዝነበርና ሓላፋታት ኪጎድለና’ዩ በቲ ሓደ። ንብርክት ዝበለ መዓልቲታት ተነጽሎ ከጋጥመና’ዩ። በቲ ካልእ። ዘይሰምዕ፣ ደረቕ ፣ስዲ፣ ዘይተቐጽዐ፣ እልቢ ዘይብሎም ጸርፊታት ይስዕቡና። ሓራቕን ቁጡዕን ኣቦ እንተሃልዩና ድማ ማህረምቲ ይወርደና። ስለዚ ካብ እግሪ ተኽልና ንሓደ ሓላፍነት ዘሰከምናዮ ወይ ባዕሉ ዝተሰከመ ኣባል ናይቲ ስድራ እናፈራሕና ዓቢና። ርእይቶና ፣ሓሳባትና ፣ድልየትና… ከይተሰምዐልና ተኾስኲስና፣ ዘይምሉእ ኣኳሳኹሳ።

እዚ ኣብተን ኣቦ ዝናብየንን ዝኣልየንን ስድራቤታት ዝርአ ጽቡቕ እናመሰለ ዓሚቝን ብቐሊሉ ዘይብሕጎጉን ንእሽቶ ዲክታቶርነት ዝፈጠረ መልክዕ ኣነባብራና ኮይኑ ይስመዓኒ። ዋላኳ ብዕድመ በሲልካ እኹል ሓሳባትን ጠቓሚ ነገራትን ከተበርክት ትኽእል ኩን ነታ ዕብየትካን ለውጢኻን ኪቕበልዋ ተፍርሖም፣ ብዙሓት ወለዲ ከም ዘጓነፍኹም ይግምት። ክሳዕ ጎጀኻ ፈሊኻ ናብ ቆልዓ ምውላድ ትደርስ ቀልጢፎም ኣይቅበልኻን። ወይ ኣፍልጦ ኣይህቡኻን ስለዚ እታ ሓላፍነት ካብ ኣቦ ከይተመዘባለት ትነብር። ንስኻ ድማ ኣብታ ቀዳመይቲ ስድራኻ ብሂግካ ዘይረኸብካዮ ተፈራሕነትን ተኸባርነትን ብቕልጡፍ ኣብቲ ዝመስረትካዮ ስድራ መታን ኪትረኽቦ ፈለማ ንሰበይቲኻ ፣ነታ ሓዳስ መርዓትካ ኣብ ንእዲ ሕጽኖት ከላ ከተፈራርሓን ንደቅኻ’ውን ኪፈርሑኻ ኪትመኽሮም ከም ዘለዋን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ትሕብራ ።

እቲ ሓላፊ ናይታ ቀዳመይቲ ስድራ ነታ ተፈራሕነት- ነታ ኣኽብሮት ዝስእና ስለ ዝመስሎ’ዩ ‘መስለኒ ኪከላኸል ጥራይ ዝነብር። ከምቲ ድሒሩ ዝተገልጸ እታ ኣደ ነቲ ናይ ኣቦ ተፈራሕነት ኣብ ደቃ ከተስርጾ ትግደደሉ ምኽንያት ንሳ ቀዳመይቲ ፈራሕ ናይቲ በዓል ቤታ ስለ ዝኾነት ይመስልኒ። ንሱ ኣብቲ ዝምስርትዎ ዘለዉ ስድራቤት ንዓኣ ፍርቂ ኣካሉን መንፈሱን ኣእምሮኡን ሓሲቡ ዝበለቶ ሰሚዑ ተማኺሩ ዝኸደሉ ሚኢታዊት ዓቢ ነይሩ እንተዝኸውን ምናልባት ናይ ዕስራ ዓመት ለውጢ ናይቲ ስድራቤትን ናይቲ ሃገርን ኣብ ዓሰርተ ዓመት ምተረኽበ። ገምጋማዊ መለክዒ።

እዚ ከይከውን እታ ኣደ ካብ ኣደታታ ዝወረሰቶ ኣይኮነን። ስለዚ ንሳ ኪትጅምሮ ድማ ሓድሽ ሓሳባትን ድልየታትን ምፍላቕ ተቐባልነት ኣይህልዎን። በቲ ኣባታዊ ስልጣን እሞ ድማ ብሰበይቲ ንዝመጸ ይብል ኣባታዊ ትዕቢት። እቲ ሰብኣይ ውን ካብ ኣቦታቱ ዝወርሶ ኣዛዚን ተፈራሕን ሰብ ስለ ዝኾነ ነቲ ዘሎ ከየመሓየሸ ኪቕጽሎ ይቐሎን ይደሊን። ምኽንያቱ ንሳ ንመሰላን ንማዕርነታን ክትቃለስ ካብ ኣደኣ ኣይተመኽረትን። ብኣንጻሩ ነቲ ሰብኣይ ዝብልዎ ሓያል ቀላጽም ዘለዎ ፍጥረት፡ እናፈርሓቶ ኪትነብር ጥራይ ምዃኑ ምርጫኣ ትንገር። ነዚ እናሓብሓበትን እናሓለወትን ንውሉዳ ተመሓላልፎ ውርሻ’ዩ።  ቀሊል ውርሻ ድማ ኣይኮነን። ብዓይኒ’ቲ ገዛኢ ሰብ፡ ብዓይኒቲ ዲክታቶር ኣቦ። ወይ ኣላዪ ናይቲ ገዛ።

ካብ ኣደና ዝወረስናዮ ንሕና ደቂ’ቲ ስድራቤት ድማ ነቲ ኣቦ ዝብልዎ ደፊርካ ምዝራብ፣ ምስቲ ኣቦ ዝብልዎ ምጽዋት፣ ነቲ ኣቦ ዝብልዎ ሓሳባትካ ምሃብ፣ ምስቲ ኣቦ ዝብልዎ ምምምጋብን ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ምምላስን፣ ብዙሕ ሓጢኣት ከም ዝፈጸምካ ይቑጸር። ንስኻ እቲ ቦኹሪ ውሉዶም እንተዄንካ’ሞ ግደፎ ኩሉ ነገራት ብቀይዲን ዶብን ተሓጺሩ ንዓኻ ዝፍቀደካ ዳርጋ ዘየለ ይጸንሓካ።  ኣደኻ እታ ቀዳመይቲ ንዲክታቶርነት ኣቦኻ ኣፍልጦ ዝሃበትን ዝተቐበለትን ናባኻ ብውዑዩ ከይረሰዓቶን ከላ ዘመሓላለፈቶዩ። ልሳን ከተጽሪ ምስ ጀመርካ ኣቦኻ ከይርእዩካ ኣቦኻ ከይሰምዑኻ ኣቦኻ ከየጥፉኡና እናበለት ነቲ ኣቦ ዝበሃል ዘይብሩህ ነገር ኪትፈርሖ ትቐስበካ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ እታ ፍርሒ ትበሃል ምብቋል ትጅምር። ካብ ኣቦ ዝበሃል ዓቢ ግዛዕ። ኣብ ዝጸንሐ ጸኒሑ ምዕጉርቲኻ ትንክፍ ኣቢሉካ ዝኸይድ ገዚፍ ነገር ፣ምፍራሕ ግቡእ ምዃኑ ይስወጠካ። ቀዲምና ምፍራሕ ስለ ዝተመሃርና ካብ ዘይምፍራሕ ዝርከብ ነገር ዘሎ ኣይመስለናን። ካብቲ ኣቦ ወይ ኣላዪ ምፍራሕ ዑቕባ ምንባር ኮይኑ ክሳብ ዝሰመዓና ኣደና ተፍርሓና፣ ምኽንያቱ እንተደፊርና ኪንጠፍእ ኢና። ናበይ ኢና ኪንጠፍእ ምጥፋኣ እንታይ ኣዩ ኣይንፈልጥን ግና ምጥፍእ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕማቕ ነገር ምዃኑ ንመሃር ኣለና። ኩሉ ዘይተስዕብ ነቲ ኣቦ ዝበሃል ወይ ምፍራሕ ምኽባር ዘይምጥማት ምስኡ ዘይምጽዋትን ዘይምምጋብን ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ተናግፍ እንተኾይና ንምንታይ ዘይንመርጻ። እቲ ቦኹሪ በዚ ምፍራሕ ምስ ተመሃረ ነቶም ድሕሪኡ ዝስዕቡ ኣሕዋቱ ባዕሉ የፈራርሖም። ስራሕ ኣደ ብዛዕባ ኣቦነት ምዝራብን ምሕባርን ይፈኹሰላ ስለዚ በቲ ፍርሒ ጥራይ ትነብር ምስቶም ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ደቃ።

ኣብተን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብኣቦ ኪእለያ ዕድል ዘይረኸባ ስድራቤታት ግድነት ነታ ኣደ ወይ ነቲ ቦኹሪ ዝዓበየ ኣባል ናይታ ስድራ ኪፈርሕ ይጅምር። ኣደታት ናብ ደረጃ ዲክታቶርነት ዘይዓብያሉ ማለት ብጻዕቂ ዘይረኣያሉ ምኽንያት ልበን ብፍቕርን ብድንጋጸን ስለ ዝመልእ ይመልስለኒ ኣቦታት ኣይፍቅሩን ዝበል መረዳኣታ የብለይን ግና ምስ ናይ ኣደ ተነጻጺሩ ዝስዕር ኣይመስለንን። ኣብዘን ስድራቢታት እዚእተን እቶም ዝሰዓቡ ህጻናት ወይ ቆልዑ እናጎበዙ ምስ ከዱ ካብቲ ቦኹሪ ምፍራሕ እናተመሃሩ ይኸዱ ስለዚ ንሓደ ሰብ ዝመረጸልካ ወይ ኣደኻ ዝመረጸትልካ ሰብ ምፍራህ ግቡእ ይኾነካ። ንሱ ድማ እንተዘይተፈሪሑ መንቀኛን ርጉምን ይኸውን’ሞ ብዙሕ በደላት የውርደልካ። ምኽንያቱ ኣደኡ ዝሃበቶ ስልጣን ዲክታቶርነት ንብሕቱ’ምበር ንኣሕዋትካ ዝበሉኻን ዝደልየዎን ስምዓዮም ኣይተመኸረን።

ካብ’ዚ ተጋኒኑ ተመሳሳሊ መልክዕ ሒዙ ንረኽቦ ኣመዓባብላ ዲክታቶርነት ኣሎ። ብፍታውካ መራሒኻን ቀያዲኻን ምፍጣርን ምስራሕን። በቲ ዝፈጠርካዮን ዝሰራሕካዮን ተኣስርካ ምንባር ድማ ዝሳዕረረ ናብ ዲክታቶርነት ዝሓኾረ ጠባይ። ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ነታ ትመሃረላ ዘለኻ ክፍሊ ዝመርሕን ዝኣሊን ሞኒትር ክትመርጽ ትግደድ። ባዕልና ኪንመሓደር ኢና መራሒን ኣላዪን ኣይንደሊን ኣይትብልን። ምኽንያቱ ንነብስኻ ከተመሓድር ኣብ ገዛኻ ኣይተመሃርካን። እቲ ሞኒተር ኣብ መብዛሕቲኡ ክፍሊታት ካብቲ ዝግብኦ ይሓልፍ። ኩሉ ምንቅስቓስካ ተኸታቲሉ ናብ መምህር ብምትሕልላፍ ከም ትቕጻዕ ይገብረካ ስለዚ ንሱ’ውን በታ ዘላቶ ስልጣን ኪፍራሕ ይደሊ ካብ ክፍሊ ወይ ካብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ሓሊፉ ኣብ ካልእ ቦታ

እንተረኺቡካ’ውን ዝነግረልካ ስለ ዝመስለካ ትፈርሖ።እታ ፍርሒ ካብ ቤት ወጺኣ ኣብ ካልእ‘ውን ትጸንሓናሞ ንሕልዋ ካብኣ እንተወጺእናን እንተተቢዕናን ዝወርደና መቕጻዕቲን መጥፋኣቲን ይረኣየና ስለዚ ኣይንደፍርን። ፍርሒ፣ ንዝኾነ ዓቢን ካባኻ ተመሪጹ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ዝበለን ኪፍራህ ኣለዎ- ብኣተዓባብይና። ኣብ ክንዲ ዝኹሉ እንታይ ኪኸውን ከም ዝነበሮ ኩልና ዝተፈላለየ ኣረኣእያን መረዳኣታን ይህልወና እዚ ግና ኣብቲ ካብ ህጻንነትና ምሳና ዝቦቖለን ዝዓበየን ፍርሒ ጎዳኢና ምዃኑ ኣብ ዘሰማምዕ ነጥቢ ምስ በጻሕና እዩ። ምናልባት ባህልና ክብርና ስለ ዝኾነ ኪንዕቅቦ ጥራይ’ዩ ዘለና ዝብል መረዳእታ ይህልወና ይኸውን። ኪንጽግኖ ከም ዝግበኣና ክሳብ ንረዳዳእም ግን በቶም ዝፈጠርናዮም ነኣሽቱ ዲክታቶራት ኪንጭቆን ኢና ማለት’ዩ።

እዚ ኣብቲ ዝዓበናሉ ከባቢ ንርእዮን ብቐረባ ዝተሰወጠና መፈራርሒ ተሞኩሮታትን እዩ። ክሳብ’ቲ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ዓቢ ዲክታቶር ጸዊዑ ናብቲ ዝደለዮ ቦታ ወሲዱ ንሱ ዝመረጾም ነኣሽቱ ዲክታቶራቱ ጌሩ ኪመርሓና ዝጅምር ድማ እታ ፍርሒ ኣብ ልብና ኣላ። ንሱ ውን ነታ ዘዕበየትና ስድራቤታዊት ፍርሒ ስለ ዝምዝመዛ ካልእ ሜላታት ፍርሒ ተጠቂሙ መታን ከፈራርሓና ከም ሓላዪ፣ ሓለፍትኹም ምረጹ ይብለና። እቶም ዝመረጽናዮም ሓለፍቲና ድማ ቅድም ቀዳድም ነታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ፍርሒ ከም ትሕደስ ብምግባር ንገለ ካባና መርኣያ ኪኸውን ብምቕጻዕ ክንርዕድ ይድርኹና። እቲ ዝመረጽናዮ መፈራርሒ ሓላፊ ምስራሕ እናኸልኣናን ነቲ ትካል ኮነ ነቲ ኣሃዱ ዕንቅፋት ምዃኑ እናረኣናን ንመሳሰሎ። ንሱ ብሱል ርእይቶታትን ጠቓሚ ኣሰራርሓታት ኣቕሪብካ ኣይሰምዕ ጎኒጻካዮ ኣይወድቕ ተሪሩ ይቃወመካ። ኣብ ናይ ውልቂ ትካል ይሰጎካ፣ ኣብ ኣሃዱታት ድማ ይኣስረካ። ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ንእሽቶ ዲክታቶር ባዕሉ ዓብዩ ይጎብጠካ። ስለዚ ዲክታቶራትና ኪፍጠሩ እንተሓጊዝናዮም ቀልጢፎም እንተዓበዩን እንተደሃኹናን ኪገርመና የብሉን።

ኣብ እስራኤል ካልእ ኣገባባት ፍርሒን ሜላታትን ኪንርእይ ከሪምና ኣለና። ሳዕቤኑ ድማ ከቢድ ባእሲን ክርክርን ኮይኑ። መብዛቲኦም ብሓንሳብ ዝቕመጡ ካብ ኣርባዕተ ሰባት ዘይውሕዱ ስለ ዝኾኑ ሓደ ካብኣቶም ነቶም ድሒሮም ዝመጹ ብገንዘብ ኮነ ብሞራል ዝሓገዞም ይኸውን’ሞ ክሳብ መጠረሽታ ኪጸቕጠሞን ኪድህኾንም ይደሊ። ቋንቋን ኣነባብራን እስራኤላውያን ፈሊጡ ስለ ዝጸንሐ በቲ ንሱ ዝህቦም ሓቤሬታ ተመሪሖም ኪኸዱ ጸኒሖም መባእታውያን ነገራትን ኣነባብራን ምስ ፈለጡ ዘእትዎምን ዘውጽኦምን ስራሕ ምስ ረኸቡ ናጽነቶም ኪእውጅ ይህንጠዩ። ይኹንምበር እታ ዲክታቶርነት ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣላይኦም ሳዕሪራ ስለ ትጸንሕ ኪቅይርዋ ይጽገሙ። ክሳብ ዝደልወካ ክትሕንክስ ስለ ዝርእየካ ብዝበለካ ኪትከይድ ፍቓድን መሰልን ስለ ዝሃብካዮ እግርኻን ርእስኻን ምስ ደልደለ እንተሓንጊድካ ኣይወሓጠሉን። ኣብ ትሕቲኡ ኮይንካ ትመሻኸን ትፈርሕ ትምእዘዝ ስለዝጸናሕካ ሃንደበት እንተተለዊጥካ ጽቡቕ ኣይስምዖን ዝወደቑ ስለዝመስሎ ግርጭት ይለዓል። ካብዚ ዝተላዕለ መብዛሕቲኦም ኣሕዋት ቤተሰብን ናይ ነዊሕ ግዜ ዕርክነት ዝነበሮምን ኪፈላለዩ ንርእይ ኣለና። ብፍላምይ ኣብ ኣሕዋት ወለዲን ደቆምን ብጻዕቂ ምፍልላይ የጋጥም። ምኽንያቱ ኣተዓባብያና ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ ናጽነት ብዙሓት ዘየፍቅድ ብእኩብ ሓሳባትን ናይ ኩሎም ድልየታት ኣብ ግምት ዘእተወን ስለ ዘይኮነ።

ኣመራርሓን ኣነባብራን እስራኤላውያን ንሓደ ኣምሊኹ ነቲ ካልእ ዝጸቅጥ ከም ዘይኮነ መዓልታዊ ትርእዮን ትመሃረሉን ልምዲ እዩ።ወለዲ ንውሉዶም ንኽዛረቡን ሓሳቦም ንኽገልጹን ይደፋፍእዎም ዋላ ጌጋ ይኹንምበር የዛርብዎም ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎም እቶም ህጻናት ንወለዶም ናብ ዝደለይዎ ቦታ መሪሖም ይኸዱ ቦኹሪ ኮነ ሕሳስ ልደቲ ገዛ ማዕረ ይዛረቡን ይማጎቱን ክሳብ ዝኣምኑሉ ድማ ኣይዓርፉን። ኣደ ንኣቦኹም ፍርሑ ኣይትብልን። ስለዚ እቶም ቆልዑ ኣብ ውሽጦም ዝዓቢ ፍርሒ የብሎምን።
ኤርትራዊ ትብዓት ዝምህሮ’ምበር ፍርሂ ዝውስኸሉ ኣይሰኣነን። እቲ ክሳዕ ሕጂ ካብ ውሽጥና ዘይጠፍአን ከነጥፋኦ’ውን ኣጸጊሙናን ዘሎ ፍርሒ፣ ነቶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉጅለኣዊ ጉዕዞታት ኪመርሑና ኢልና ንመርጾም ሰባት እንገብረሎም ምቁጽጻር ኮነ ምክትታል ስለ ዘየለ ይመስለኒ። እቲ ንመርጾ ሰብ ኮነ ጉጅለ ነቲ ንሕና ንደልዮ ከተግብር ኣምበር ነቲ ንሱ ዝደልዮ ንሕና ከነተግብር ጥራይ ከም ዘይኮነ ኣይተማሃርናን። ኣብታ መበቆላዊት ቤትና ኣቦና ዝበለናን ዝወሰነልናን ዕጫ ኣንተዘይኮይኑ ንሕና ዝወሰኽናዮ ሓሳባት ኮነ ድልየታት ተቐባልነት ዝረኽበሉ ሳሕቲ ስለ ዝነበረ። ድልየትናን ምርጫናን ብኣና ኣብ ክንዲ ዝውሰን በቶም ዝመረጽናዮምን ዝሰራሕናዮምን ዲክታቶራትና ደኣ።

ሕጂ ይጠራጠር፣ ዓለም ጠባይ ህዝብና ፈሊጣ ከይትኸውን ህዝቢ ኤርትራ ኪውስን ኣይክእልን’ዩ ዝበለት። ግና ቅንዕና ኣይነበሮን ፣ ደቅናን ኣሕዋትናን ኣቦታትና’ውን ከፊልና ኣብ ስልጣን ዘንበርናዮ ሕዋይ መራሒ ንሶም ኣብ ሜዳ ዝሰርሕዎን ዘጎበዝዎን ዲክታቶር ምዃኑ ብዙሓት መጻሕፍቲን ናይ ታሪኽ ፈላጣትን ይሰማምዕሉ። ዝገርመኒ ድማ ነቲ ዝፈጠርናዮን ዘዕበናዮን ዳይኖሰር ንምውዳቑ ተጸጊምና ምህላውና’ዩ። ልዕሊቲ ንሕና ዝፈለጥናዮ ንሱ ፈሊጡና፣ ንዑኡ ዘድከምና እናመሰለና ብስም ተቓወምቲን ተጣበቕቲን ብዙሓት ነኣሽቱ ዲክታቶራት ንፈጥር ዘሎና ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ደምበ ተቓውሞን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ንርእዮ ዘለና ንጥፈታት ናይ ሓባር ምዃኑ ዝዘንጋዕና ንመስል። ድሮ ስም ውልቀሰባት ብፍሉይ እናረቛሕና ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ተሓጋገዝቲን ውፉያትን ረሲዕና ስሞም ከም ጣኦት ምድግጋም ከም ሞዴል ይተኣታቶ ኣሎ። ብዙሓት ነኣሽቱ ዲክታቶራት ነጎብዝ ዘለና ኮይኑ ይስመዓኒ እዚ ነቶም ደምበታት ተቓወሞን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝተፈላለየ ርክባት ነቐፌታ ምስ ትህቦም ኪትእርሞም ምስ ትፍትን ኣብ ልዕሌኻ ዘሕድርዎ ጽልኢን ዝገብሩልካ ተነጽሎን መርኣያ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ካብ እስራኤል
ፔታህ ቲክቫ

Megariya-መጋርያ

መኣዲ ትምህርቲ፤ የሕዋትን ኣሓትን ፍልጠትን ጥበብን ዝለዋወጥሉ ገጽ

%d bloggers like this: