ኣውሮጳ ወይ ሞት! ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ

ኣውሮጳ ወይ ሞት!

     ብ1974ዓም፡ ኣብ‘ቲ ሃይለስላሴ ወዲቑ ደርግ ናብ ስልጣን ዝደየበሉ እዋናት‘ዩ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ለግሃር ኣውቶቡስ ተሰቒለ ንስድስት ኪሎ ገጸይ እጓዓዝ ነበርኩ። ኣብ‘ታ ኣውቶቡስ ሓንቲ ነፍሰጾር ቍንንቲ ኤርትራዊት መቐመጢ ሲኢና ኣብ ጎኒ ኣጣጦሖም ዝተቐመጡ ክልተ መንእሰያት ዓንዲ ማእከል ሒዛ ንይማነ ጸጋም እንዳተሰሰወት ተጸጊማ ቈይማ ነበረት። ኣብ ሓደ መዕረፍ ኣውቶቡስ ሓደ ሽዑ ብቐጥታ ካብ ውግእ ዝኣተወ ዝመስል ወትሃደር ምስ ምሉእ ዕጥቑ ናብ ኣውቶቡስ ተሰቕለ። ነታ ዝተጸገመት ነፍሰጾርን ነቶም ሓሳራ meazn  meከይገደሶም ተመችኡዎም ዘዕልሉ ዝነበሩ መንእሰያትን ከስተውዕል ጊዜ ኣይወሰደሉን። ገጹ ጸዉጉ ሕርቃን ብዝመልኦ ድምጺ ክብል ኣዘዞም። እቶም ክልተ ብቕጽበት ተንሲኦም ብኣኽብሮት ኣቐመጡዋ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ከም‘ታ ህሞት‘ቲኣ ብዛዕባ ኤርትራውነት ተሓቢነ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡ‘ውን፡ ክሳብ ነጻነት ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኤርትራውነተይ ብዙሕ ተሓቢነ እዬ። ወይልኡ ድማ ምስ ሶማላዊን ሱዳናዊን ኢትዮጵያዊን ጋናዊን ሲሪላንካዊን … ዘደናገረኒ ልበይ ነፊሐ፡ ኣዕይንተይ ኣፍጢጠ፡ እግዕር።
ገለ ሰለስተ ዓመታት እገብር፡ ልክዕ እዋኑ ንሜሮን እስቲፋኖስ ክትሓቱዋ ትኽእሉ፡ ኣብ ሓደ ካብ‘ቲ ምስ ጅሆታት በደው ሲና ዘካየደቶ ዝርርባት፡ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ እንዳበለ ከእዊ፡ ክልምን፡ ክጣራዕ ሰማዕኩ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ከኣ ከም‘ታ ህሞት‘ቲኣ ገቢረ ብዛዕባ ኤርትራውነተይ ሓፊረን ነፍሰይ ጸሊአን ኣይፈልጥን። እቲ ቈልዓ‘ቲ ክሳብ ንነፍሱ ናብ ዕዳጋ ባርነት ኣውሪዱ ባዕሉ ሸያጢ ባዕሉ ተሸያጢ ክኸውን ክልምን‘ሲ ኣብ ዝኾነ ዕዳጋ ባርያ ተራእዩ ኣይፈልጥን ክሳብ ክንደይ ተዋሪዱን ተሳቕዩን ምንባሩ ክንግምት ንኽእል። ካብ ቃላቱ ንላዕሊ ዘሳቐየኒ ከኣ እቲ ድምጹ ነበረ። ድምጺ ምሉእ ሕስረት! ድምጺ ምሉእ ሕፍረት! ድምጺ ምሉእ ቅብጸት! ድምጺ ምሉእ ስቅያት ድምጺ ሞት! ክሳብ ሎሚ እቲ ድምጺ ኣብ ኣእዛነይ የንጫርር። ኣብታ ለይቲ‘ቲኣ ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ካብ‘ቲ ድምጹ ተበጊሰ ድማ ሓንጎላዊ ስእሊ‘ቲ ሰብ ሰራሕኩ። ሓደ ወዲ ገለ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታት ቈልዓ ኴይኑ ተራእየኒ። ከም ኵሎም ኤርትራውያን ሕጽር ዝበለ፡ ጸጕሩ ልምጭጭ ዝበለ፡ ጽልም ዝበለ። ኣብ ሃገሩ ብሩህ መጻኢ ኣይረኣየን። ናብ እስራኤል ተሰዲዱ፡ ኣብ ገለ ጀራዲን ብርቱዃን ሰሪሑ ንነፍሱን ንስድርኡን ንምሕጋዝን፣ ምናልባት‘ውን ኣብ ዓዱ ሓንቲ መረባዕ ንምስራሕን ካብ ገለ ገጠር ኤርትራ ዝተበገሰ ኲይኑ ተሰመዓኒ። ሕጂ ግን እቲ ኵሉ ካብ ዓዲ ዘበገሶ ተስፋታት ተቐቲሉ እዩ። ሓሻኻ ብጥምዬትን ጽምእን ኣካሉ ሓሊቑ እዩ ቈርበትን ጅማውትን ጉንቦታት ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብሓጺን መቝሕ ሓቒቖም ኣዕጽምቱ ተገሊሆም ተሓርኪኾም እዮም። ሽዑ‘ኳ፡ ኣእዳዉ ኣሽንኳይ‘ዶ ኣብ ጀራዲን ጃፋ ክሰርሓለንስ ጽጕሪ ርእሱ‘ኳ ክሓከለን ዝኽእል ኣይመሰለንን። ምሉእ ኣካሉ ብተዅሲ ሓጺንን ኤለክትሪክን ሓሪሩ እዩ። ዝባኑ መጥፍእ ናብ ሽጋራ ኴይኑ። ካብ ኵሉ ድማ ነፍሱ፡ ሞራሉ ተቐቲሉ። እቲ ሰብ ናብ ህያው በድኒ ተለዊጡ። እዚ ኵሉ ስቕያትን ነፍሰቅትለትን‘ሲ ኣብ ምንቲ ምንታይ!?
ነጻነት ወይ ሞት! ሓደ እዋን ምሉእ ሃገራዊ ጭርሖ ነበረ ገና እዝከረኒ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንዓለም ብዘደነቐ ጅግንነትን መስዋእትን ሃገራዊ ነጻነቱ ኣረጋገጸ። እቲ ታሪኽ ግርንቢጥን መላገጺትን ምዃና ግን እቲ ብዓቢዩ ጅግንነትን መስዋእትን ዘረጋገጾ ነጻነት ናብ ኣብ ምሉእ ታሪኸ ግፍዓቱ ተመኵሩዎ ዘይፈልጥ ዓይነት ባርነት ተለወጦ። ኤርትራ ናብ ሓዲስ መግዛእቲ እንኮ ሰልፍን ሰብን ኣተወት። ሎሚ ድማ መበል 24 ዓመተ ባርነታ ከተኽብር እያ። 24 ዓመታት ዕንወትን ቅጥለትን ማእሰርትን ስደትን ሕፍረትን! ማሕበራውን ሞራላውን ምጣነሃብታውን ቅርጻ ኤርትራ ተዘሪጉ፡ ዓንዩ ህዝቢ ኤርትራ ደጊሙ ብብዝሒ ካብ ነጻነቱ ይሃድም ይስደድ። ኣብ መገዱ ከም ኣቕሓ ይሽየጥ ይልወጥ። ይሕረድ ይጉዘ ኣካላቱ ናብ ዕዳጋ ይቐርቡ ከም ዝኾነ መተካእታ ኣቝሑ ይሽየጡ። እዚ ድማ ክሓልፍ‘ዩ ተባህለ እንተኾነ ኣይሓለፈን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ በረኻታት ሳሕራ ይዕመጽ ይዋረድ። ኣብ ፈቐዶ ባሕርታት ይጠልቕ ይህንኴት። እዚ ኵሉ መከራ መታን ክሓልፍ‘ሲ ንማህለል ይበሃል ይጽለ ይልመን ይስገድ እንተኾነ ኣይሓለፈን ህዝቢ ኤርትራ ከም በጊዕ ብወግዒ ይሕረድ። ድሕሪ ሕጂ‘ኸ እንታይ‘ዩ ክወርዶ … ? ኴይኑዎ ናብ ዝወረደ እንተወረዶ ዘይምልስ በድኒ ድዩ ኴይኑ … !?
ኤድጋር ኣላን ፖ ኣብታ ብ1884 ዝተጻሕፈት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ኣብ ምሉእ ቤት ብፖሊስ ቈንጠጥ ተባሂሉ ተደልያ ዘይተረኽበት ኣገዳሲት ደብዳቤ ይጽሕፍ። ኵሉ‘ቲ እታ ደብዳቤ ክትሕብኣሉ እትኽክል ሰፈር፣ ነዃል፡ ቀዳድ፡ ኣቕሓቤት … ነፍሲ ወከፍ ስድሪ ቤት ቀፅሪ ተፈቲሹ ተበርቢሩ እታ ሰነድ ግን ኣይተረኽበትን። ኣበይ ድኣ ተሰዊራ?
እታ ደብዳቤ ግን ኣብ ዝኾነ ሰብ፡ ዓይነ ስዉር‘ውን፡ ኪርእያን ኪረኽባን ዝኽእለሉ ቦታ- ማለት ኣብ‘ቲ ንቡር መቐመጥ ደብዳቤታት- ተቀሚጣ ነበረት። ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫ ኵሉ ተቐሚጣ ክነሳ፡ ከምኣ ዝኣመሰለ ኣገዳሲት ሰነድ ኣብ ኵሉ ብቐሊሉ ኪረኽባ ዝኽእለሉ መቐመጢ ክትሕባእ ዝተጸበየ ኣይነበረን‘ሞ ኣይተረኽበትን። እቲ ብዛዕባ ሽግርናን መፍትሒኡን ኣጓኒፉና ዘሎ ሽግር ከኣ እዚ እዩ። እቲ ሽግር ብግዙፍን ምሉእን ኣካሉ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ክነሱ ክንርእዮን ከነለልዮን ኣጸጊሙና። እቲ ፍታሕ ከኣ ብግዙፍን ምሉእን ኣካሉ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ክነሱ ኣብ ግጉይ ቦታ ንደልዮ‘ሞ ኣይንረኽቦን። ካብ ዘየሎ ከኣ ናይ ሓሶት ሽግር ምሂዝና ናይ ሓሶት ፍታሕ ንፈጥር።
ንሕና ኤርትራውያን ሽግርና እቲ ባዕልና ዝሰራሕናዮ ሽግር- ኢሳያስን ስርዓቱን- እዩ። ነዚ ትካል‘ዚ ኣምላኽ ካብ ሰማያቱ ኣይሰርዓልናን። ስለ‘ዚ‘ዩ ድማ ነቲ ንሱ ኣምላኽ ዘይሰርሖ ሽግርና ንሱ ኪፈትሓልና ምልማንን ምምህላልን ርትዓዊ ዘይከውን። ኣምላኽ ነዚ ስርዓት‘ዚ ነፍርሰሉ ኵሉ ክእለታትን ሓይልን ሂቡና እዩ። ተወዲኡ። እሞ ህኩያትን ዘይውፉያትን ዘይብቁዓትን ኴይን‘ና ኣምላኽ ባዕሉ ስራሕና ክሰርሓልና ምልማን ኣዕይንቱ ዘፍጠጠ ስንፍና እዩ። ኣዕይንቱ ዘፍጠጠ ሕፍረተኣልቦ ህድማን መቀባጠር ሕልናን ከኣ። ካብ ኵሉ ድማ ባዕላትና ንዝሰራሕናዮን፡ ባዕላትና ክንፈትሖ እንኽእልን ዝግብኣናን ዓለማዊ ሽግር ኣምላኽ ክፈትሓልና ምብልሓት ናብ ስምን ክብረትን ኣምላኽ ምስትንዓቕ (Blasphemy) ዝበጽሕ ሓጢኣት እዩ። ንኣምላኽ ናብ ከዳሚና ኣትሒትናዮ!
እቲ ሕጂ ሕጂ‘ኳ ትሕዝቶ ጸሎትናን ምህለላናን ዝተቐየረ ይመስል። ኣምላኽ ስለ ዘይሰምዐን ስለ ኣይመለሰን እዩ እመስለኒ (ሓቁ ድማ!)፡ እቲ `ኦ ኣምላኽ ሰላምን ነጻነትን ኣምጻልና!` ተሪፉ`ስ ጸሎትና ናብ ` … ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ‘ቲ መገዲ ሳሕራ ቀይሕ ምንጻፍ ኣንጺፍካ ብየማነ ጸጋሙ ዕምባባታት ተኺልካ፣ ነቲ ባሕሪ ጨዲድካ ንደቕና ብሰላም ኣሳግሮም! ካብ ካራታት ሓረድቲ ኣድሕኖም! ኣብ‘ተን ድኻታት ዓድታት ግሪኽን ኢጣልያን ኣይተኳልሎም! ናብ ሃገረ ጀርመንን ሽወደንን ኖርወይን ክኣትዉ ምርሓዮም … !`
ዋዛ ሓዲግና፡ እግዚኣቢሔር ንነብሶም ንዝሕግዙዋ ይሕግዝ እዩ ዝበለ ዘረባ ሓቂ እዩ። እንተሰሪሕና፡ እንተተቓሊስና ጸሎትን ምህለላን ናብ ሞራላዊ ሓይሊ ተቐይሮም ከበርትዑና ይኽእሉ ይኾኑ`ዮም። ንበይኖም ግን ባዶ ቃላት እዮም ሽግራትና ክፈትሑልና ኣይክእሉን። ብቑዓት ጎዳጉድ ህድማ ግን እዮም።
ሽግር ኣሎና ባዕላትና ዝሰራሕናዮ። እቲ ተመን ኣብ ትሕቴና እቲ በትሪ ከኣ ኣብ ኢድና። ስለምንታይ ድኣ ኢና ወስ ምባል ስኢን‘ና? ሽግርና እቲ ክላሲካዊ ሽግር ኣናጹ እዩ። መን‘ዩ‘ሞ ነታ ድሙ ቃጭል ዝኣስረላ?
ውልቀ ኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮኑን ብኣእላፍ ኣብ ፈቐዶኡ ዝቕዘፉ ዘሎዉ። እንተላይ እቶም ገና ዘይተወልዱ ደቃቶምን ደቂ ደቃቶምን እዮም ዝቕዘፉ ዘሎዉ። ውልቀ ኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮኑን ዝሞቱ ዘሎዉ እታ ምልእቲ ሃገር እያ ትመዉት ዘላ። ደቃ ናብ ካልኦት ሃገራት ዘዕረቐት ሃገር ከም ሃገር ክትሰርር ኣይትኽእልን። ስደት‘ውን ፍታሕ ኣይኮነን።
ብዛዕባ‘ዚ ቴማ‘ዚ ምስቶም ኣብ ከባቢየይ ዝቕመጡ ሓደስቲ ምጻኣት ብዙሕ ንዛረበሉን ንካታዓሉን ኢና። እታ ፈለማዊት መልሶም ከኣ እያ።
እዚ መልሲ‘ዚ ንኵሉ ኣቀዲሙ ዝተሰደ ኤርትራዊ ዘሰክፍን ገበናዊ ስምዒት ዝፈጥርን ስለዝኾነ ዳርጋ ኵሉ‘ቲ ነባር ስደተኛ ነዚ መልሲ ፈሪሑ ስለምንታይ ኣብ ፈቐዶ በረኻን ባሕርን ካብ ትጠፍኡስ ንሃገርኩምን ህዝብኹምን ዘይትጋደሉ ዝብል ሕቶ ካብ ሱሩ ኣየልዕሎን እዩ። ንዓይ ግን ነቲ ሕቶ ከልዕሎን ንሕቶኣዊ መልስታቶም ከኣ ብኣዎንታ ክምልሶን መሰል ዘጥረኹ ኴይኑ እስምዓኒ እዩ።
ይግረሙ። ብልበይ ከኣ ንዓይ ዝጠዓመት ትጥዓምኩም! እራገም።

ሓቂ። እውጠር ድማ። ተወጥሮይ ተገንዚቦም ድማ ብደንጎላታት ርእሲ ርእሰይ ይወግሩኒ።
ይጅልጡኒ።
ኣብ’ዚ’ውን ሓቆም። እመሳሰል።

እዚ’ውን ሓቂ። ግድን ሜላይ ክቕይር ነቢሩኒ። እፍትን።
ይውከስ ሓደ።

ይከላኸል ካልእ።
የላግጽ እቲ ወርትግ መላገጺ። እቲ ክትዕና ከኣ ከም’ዚ’ሉ ናብ ስሓቕ ይቕየር።
ሓደ ካብቶም ዝዓብዩ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸሞም ገበናት ነቲ መንፈስ ሓባራዊ ሸቶን ተግባርን ሕድሕዳዊ ምትሕላይን ንጥቕሚ ብዙሓት ምስዋእን ምቕታሉ እዩ። ኣንበብቲ፡ ስደት መፍትሒ ሽግርና ከምዘይኮነ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ንስኻትኩም’ውን ትፈልጡ። እቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ጠሳውስ እውን ይፈልጡ። ኣብ ዓዲ ስደት እንዳተቐመጥኩ ነቲ ሓዲስ ስደተኛን ንብሕጂ ክስደድ ዝምድብን ግን ነዚ ሓቂ’ዚ ብከመይ አገንዝቦ ኣይፈልጥን። ርድኡኒ። ኣብ ግንቦት 24 እውን እንታይ ከምዝጭርሕ ኣይፈልጥን። ርሑስ በዓል ነጻነት ክብል ኣይክእልን እታ መዓልቲ መዓልቲ ባርነት እያ። ርግምቲ በዓል ባርነት ድማ ክብል ኣይክእልን እቲ ኵሉ ጅግንነት’ከ!? እቲ ኵሉ መስዋእቲ’ኸ!? … ኣብ’ዚ’ውን ርድኡኒ። ነቶም ምስ ምሉእ ቈራብቶምን ኣራእሶምን ንኣውሮጳ ዝኣተዉ ግን እንቋዕ ብደሓን ኣቶኹም እብል። ነቶም ኣብ መገዲ ዝሞቱ ከኣ መንግስተሰማያት የዋርሶም እብል። ንስለኦም ከኣ መንግስተሰማያት ክህሉ እፈቱ። ቃላተይ ከጸናንዕ ዝኽእል እንተኾነ ከኣ ወለዲ ጽንዓት ይሃብኩም።
ጽቡቕ መዓልቲ።

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ
24.05.2015
ጀርመን

%d bloggers like this: