ዕጹው ማዕጾ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምኽፋቱስ እንታይኮን ይወስድ?

      ዕጹው ማዕጾ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምኽፋቱስ እንታይኮን ይወስድ?

                                                         ትርጉም  Seiko Eritrea                                                                                       ጸሓፊ Mr.Martin Plaut

 

Editor’s note: The article ” Ethiopia & Eritrea: What will it take to break the deadlock? appeared first on Al-Mariam blog”

– -By Martin Plaut-September 13,2017

ድስኩል ኩነታት ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝኾነ ኣካል ረብሓ የብሉን። ኣባላት ሰራዊት ክልተ ሃገራት ካብ 2000 ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ 1000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ጠበንጅኦም ኣቀባቢሎም ኣብ ነንሓድሕዶም ከቋምቱ ይውዕሉ ኣለዉ፡፡ ኣብ ነብሲወከፍ ዕለት ንእሽተይ ይኹን ዓቢ ኩናት ምብራዕ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኩሉ ጊዜ ናብ ዶብ ክሰግሩ ዝርኣይዎም ኤርትራውያን ጥይት ይትኩሱ ፡ ነዚ ድምጺ ጥይት ዝሰምዑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ድምጺ ጥይት ኣብዚሰምዕሉ ህሞት ግብረመልሲ ይህቡ። በዚ ድማ ናይ ክላሽን ተኹሲ ምልውዋጥ ይስዕብ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይ ከቢድ ብረት ኩናት የኸትል። ነዚ ጽሑፍ ብድምጺ ንምክትታል፡ ኣብ’ዚ ሊንክ ጠውቑ! ኣብ ራድዮ ኤረና

Continue reading ዕጹው ማዕጾ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምኽፋቱስ እንታይኮን ይወስድ?

Advertisements

ኪድ ኣይትበሎ፡ ከም ዝኸይድ ግበሮ!

 

                     ኪድ ኣይትበሎ፡ ከም ዝኸይድ ግበሮ! 
                                   ሽሻይ ገብረሃንስ 


  መንግስቲ እስራኤል ንሰደተኛታት ዝጥቀመሉ ዝነበረን ዘሎን ሜላ’ዩ! እዚ “ኪድ ኣይትበሎ ከም ዝኸይድ ግበሮ” ዝብል ብሂልን ሜላን’ዚ፡፡ ነዚ ሜላ’ዚ ግና መንግስቲ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዓቢኡ ስርዓት ኣስመራ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ሜላ’ዩ፡፡ ጌና’ውን ሓይሊን ጎንጺን ወሲኹ ይቕጽሎ ኣሎ።

ንሎሚ ግና ካብ’ቶም ፍርዝን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት፡ ኣብ ኤውሮጳ ናብ ዘለዋ ውልቀሰባት ስደተኛታት ወሪድና  ክንርእዮ ክንፍትን ኢና። ኪድ ኣይትበሎ ከም ዝኸይድ ግበሮ’ምበኣር፡ ሜላ ናይ ኣዝየን ጎራሓት ደቂ ኣንስትዮ እውን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንምንታይ ደኣ ተፈላሊኹም ንዝብል ሕቶ፡ ኣነ’ዶ ኪድ ኢለዮ’የ፡ ዘይ ባዕሉ’ዩ ከይዱ፡ ዝብል ቁሩብ መልሲ መታን ክጸንሐንን ናይ PR (ቤተሰብን ፈተውቲን ደገፍ) መታን ክረኽባን ዝብልኦ ሜላ ድማ ይመስል።  

Continue reading ኪድ ኣይትበሎ፡ ከም ዝኸይድ ግበሮ!

“ውረድ!” “ኣይወርድን!”

“ውረድ” “ኣይወርድን”

ነባሪ እታ ዓዲ ሓደ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ስሑው ኣብ ልዕሊ ዝባን ገዛ ደይቡ ብምርኣዩ ብተምሳጥ ተዋሒጡ ነበረ። ኣብቲ ከባቢ እታ ገዛ ዘሎ ጎደና ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝባን ርሻን ደይቡ ዘሎ መንእሰይ ክርኢ ምልእ ኢሉ ይረአ።
ፖሊስ ፡ መጀመርታ ናይቲ ከባቢ ፡ ድሒሩ ካብ ቀንዲ መአዘዚ ነቑጣ ብመኪና ተተጓሪቶም ኣብ ዙርያ እቲ ህንጻ ዕጉግ በሉ። መጥፍእቲ ሓዊ’ውን ደድሕሪኦም ስዒበን መጻ። ኣደ ናይዚ መንእሰይ ንውሉዳ ብቕብጥሮት ኣብ ታሕቲ ኮይና ልማነኣ ትቅጽል ።
“ዝወደ ብማርያም ኢለካ ንዓ ውረድ ፡ በዘን ኣጥብየን ዘዕበያኻ ኣጥባተይ ይልነካ ኣለኹ በጃኻ”
እቲ ስሑው ግን ፖሊስ ተዘይጌሮሞ ፡ ካብ ላዕሊ ጸዲፉ ነብሱ ከምዘጥፍእ ንኩሉ ብዓውታ ነገረ።
ትሽዓተ ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕንን መጥፋእቲ ሓውን ፡ ሃንደበት ከይዘልል ብምስጋእ ኣብ ዙርያ እቲ ርሻን መረቦም ንምዝርጋሕ ብርሃጽ ክሳብ ዝሕጸቡ ላዕልን ታሕትን በሉ።

Continue reading “ውረድ!” “ኣይወርድን!”

 “እዊዊዊዊዊዊ. . . ሽጣራኺ ደውሪ! ዓምያን መሲለኪ ኣነ. . .?!”

 “እዊዊዊዊዊዊ. . . ሽጣራኺ ደውሪ! ዓምያን መሲለኪ ኣነ. . .?!”
                                         ብሽሻይ ሽሞንዲ

“ኣይትትሃመል” እትብል ደፍሪ ምስ ወጸአት፡ ኲሉ ግዜ ደድሕሪ ሓደስቲ ተርእዮታት ፈይስቡክ ዝቕልቀለኒ ዓርከይ ብ ሜሰንጀር ደዊሉለይ ነይሩ። ቃል ብቓሉ፥

“በል ሕጂ ድማ ካብ ዓዲ ዓ. . .ባይ “ዙቦ” ተላኢኻትልካ ኣላ! ካካካካካካ” ድማ በለኒ። ሰሓቑ ምቊጽጻር ስኢኑ ነበረ። እዛ ደፍሪ ኣብ ፈይስቡክ ክትዘዋወር እንኰላ ርእየያ ስለዝነበርኩ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ኣሎ ንእለት’የ ቆብ ኣቢለዮ። ” ዒሉ መዓኰርካ ሓሉ!” እናመለስኩ’ውን ኣሳሒቐዮ።

ዘዘርከበ ዝደጒሓሉ ፈይስቡክ ክንዮ ትፋእካ ምትፋእ ዝኸይድ “ቀይሕ መስመር” ምሕላፍ ክርኢ እንከሎኹ፡ ነቲ ኲነታት ዝመስል ናይ ኢትዮጵያዊ ጸሓፊ በእውቀቱ ስዩም ኣበሃህላ እዩ ዘዘክረኒ። በእውቀቱ፡ ኣብታ ” ከኣሜን ባሻገር” እትብል መጽሓፉ፡ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ሓንቲ ሃገር ንማሕበራዊ ክብርን ጠባያት ሕብረተሰብን ናይ ምውሳን ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ንምግላጽ፡ ኣብ ገጽ 21 እታ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል’ዩ ዘስፍር፤

” . . . የዜጎች ጠባይ ካገዛዝ ሥርአት ጋር በጥብቅ የተቆራኘ ነው። የፖለቲካ ጭቆና በበረታበት ሃገር ውስጥ፣ ወሲባዊ ልቅነት የመጨረሻው የነጻነት አማራጭ ተደርጎ ይወሰዳል። አመንዝራነት፣ ዜጎች ሌላው ቢቀር ብልታቸው በመንግስት ቁጥጥር ሥር አለመሆኑን የሚያሳዩበት መንገድ ነው። ”

ትርጉሙ፤

” . . . ጠባይ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ምስ ጠባይ ገዛኢ ስርዓት ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ። ፖለቲካዊ ጭቆና ኣብ ዝበርተዓ ሃገር፡ ወሲባዊ ቅለት እቲ ናይ መጨረሽታ ናይ ናጽነት ኣማራጺ ኰይኑ ይውሰድ። ኣመንዝራነት፡ ዜጋታት ካልእ ይትረፍ ብልዕትታቶም እኳ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ምዃኑ ዘርእይሉ እንኰ መገዲ/ኣገባብ ይኸውን።”

Continue reading  “እዊዊዊዊዊዊ. . . ሽጣራኺ ደውሪ! ዓምያን መሲለኪ ኣነ. . .?!”

  ትጽቢት    Short story

                         ትጽቢት 
                                       ብሽሻይ ገብረሃንስ 

   ራሄል፡ ናብ ሄኖክ እናቐረበት ከላ፡ ሕርቃና ካብ ርሑቕ ከንብቦ ኣይተጸገመን፡፡ ቅድሚ ንሳ ክትገልጸሉ ምጅማራ፡  ሰሓቕ ክመልቆ እናደለየ፡፡ “ሕጂኸ ደሓን ዲኺ?” ኢሉ ሓተታ። ምስ ምቑልል ፍሽኽታ። ዕለት ዓሰርተ-ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ዝሰርሕዎ ሰዓታትን ደመወዝን ዝቕበሉሉ መዓልቲ’ዩ። ወርሒ መጸት፡ ገንዘብ ኣጉዲሎም ስለ ዝህብዋ፡ ሽዑ’ውን ገለ ነገር ከም ዘጋጠማ ኣይተጠራጠረን፡፡

     ኣብ ተል ኣቪቭ፡ ቤዚክ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ኢንተርነት ትካል፡ ጽሬት ክሰርሑ ካብ ዝጅምሩ 8 ወርሒ ሓሊፉ’ሎ፡፡ ናይ’ታ ዕለት ስራሕ ካብ ዝጅምርዎ ድማ ኣስታት ክልተ ሰዓት ጥራይ ኣሊዒሎምላ ኣለዉ።

   “ምስ’ዚኣ እንታይ ደሓን ኣሎ በጃኻ?” ፍሽኽታኡ ክምስ ከም ትብል’ኳ እንተገበራ፡ ሕርቃና ክጎድል ኣይከኣለን። “ዕስራን ትሸዓተን መዓልቲ ሰሪሐ፤ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ግን ኣጉዲላትለይ!” ኣደ ክልተ ቆልዑ ክነሳ፡ ምሉእ ወርሒ፡ 31 መዓልቲ ብምስራሓ እናተገረመ፡፡ ዝበዝሓ ቆልዑ ዘለውወን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ዕስራ መዓልቲ ንላዕሊ ክሰርሓ ስለ ዘይርእየን’ዩ። ራሄል፡ ቋንቋ ዕብራይጥ ክትዛረብን ክትርዳእን ስለ እትጽገም’ያ ክዛረበላ ትውከሶ ዘላ። ዳርጋ መዓልታዊ ኩለን መሳርሕቱ ክትርጉመለን ስለ ዝጽዋዓኦ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ንዕኡ።

Continue reading   ትጽቢት    Short story

ሓይሊ ጽሑፍ ቃል

             ሓይሊ ጽሑፍ ቃል       
                             by  Daniel tesfai

እቶም ኣብ ዘመነ ኣኪላስን ሄክቶርን ኦዲሰይን ዝነበሩ ሰባት፡ ንትብዓትን ጥበባትን ጀጋኑኦም ብምድናቕ፡ እንቋዕ ኣብ ዘመነ’ዞም ጀጋኑ እዚኣቶም ነበርና! ቢሎም ከምዝኾዕርዑን፡ ንዕድሎም ከም ዘመስግኑን ይጽሕፍ ሆመር። እቲ ጀጋኑ ዘስተንፈዎ ኣየር ስለዘስተንፈሱ፣ እቲ ጅጋኑ ዝረገጹዎ መሬት ስለዝረገጹ ኣካል ናይቲ ጅግንነት ጀጋኑኦም ከም ዝኾኑ ኴይኑ ይስምዖም። ጅግንነት ኣዝዩ ተላጋቢ ስምዒት’ዩ። ንራእዪን ሞራርልን ሓደ ህዝቢ ዘለዓዕልን ዘልዕልን፣ ኣብ እዋን ሽግራቱ ከኣ ክምክትን ክጸንዕን ክዕወትን ዘኽእል ብርቱዕ ምንጪ መንፈሳዊ ሓይሊ እዩ። ኣነ’ውን  ናብ’ቲ ዘመን’ቲ ከም ድላየይ እመላለስዬ።

Continue reading ሓይሊ ጽሑፍ ቃል

ግዳይ ነጋዶ ሰብ

                    ግዳይ ነጋዶ ሰብ 
                                ርዕመት ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ

 

ጭብጥታት ናይ‘ዚ ዓንቀጽ‘ዚ ካብ‘ቲ ብዕለት 31. 8. 2017 ኣብ መጺሔት ሽተርን፡ ቍ. 36 ብጋዜጠኛ ፍራንቸስካን ሰኣሊ ኣለስዮ ሮመንዚ ዝተጻሕፈ ዝተወስደን ብዳንኤል ሰ. ተስፋይ ንኣንበብቲ ትግርኛ ዝረዓመን እዩ።

ግዳይ ነጋዶ ሰብ

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፡ እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ፈጺሙ ነቒጹ ይርከብ። ኣውሮጳ ካብ ዋሕዚ ስደተኛታ ሰላማ ረኺባ ኣላ። እዚ ኣውሮጳዊ ቅሳነት’ዚ ግን ብዋጋ ስቕያት ናይቶም ሕጂ በቶም መስሎዅቲ ዑቕበኛታትን (ነጋዶ ሰብ) ብልሹዋት ሰበስልጣናት ሊብያን ኣብ ፈቐዶ ወግዓዊ መኣከቢ ማዕከናትን ቤት ማእሰርትታትን ንግዜኡ ዝተኸዘኑ ስደተኛታት ዝተገዝአ እዩ። ሓጺር ቈላሕታ ኣብ‘ቲ ድያብሎሳዊ ንግዲ ኣብ ዝፈረሰት ሃገር።

Continue reading ግዳይ ነጋዶ ሰብ

Megariya-መጋርያ

መኣዲ ትምህርቲ፤ የሕዋትን ኣሓትን ፍልጠትን ጥበብን ዝለዋወጥሉ ገጽ

%d bloggers like this: